Thursday, 30 November 2023 21:47

Dimtsi Harnnet Kassel 30.11.2023

Written by

ካብተን ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ መካይን

ብክልተ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትሪ ምክልኻል መካይን ካብ  ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 53 ኤርትራውያን፡ ብ26 ሕዳር 2023  ኣብ ክልል ደቡብ ከም ዝተታሕዙ፡ ቢቢሲ ኣብቲ ክልል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዞባ ኣሌ-ኮንሶ ኣቶ ኣምሳሉ ኣንጋቶ ብምጥቃስ  ሓቢራ። እዞም ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ብደላሎ ዝተኣከቡን ከምኡ እውን ብሰንኪ ውግእ፡ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ከም ዝርከብዎም  እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን ግዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጽናትን ከም ዝርከብዎም ዝገለጹ ናይቲ ወረዳ ኣምሓዳሪ ኣቶ ኣምሳሉ ብውገኖም እቶም ተጐዓዝቲ ኤርትራውያን ፓስፖርት ይኹን ካልእ ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ከርእዩ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ብዘምዃኖም ተጠርጢሮም፡ እተን ዝነበርወን መካይን ድሕሪ ምፍታሸን፡  ፖሊስ  ናይቲ ዞባ  ክኣስርዎም ከም ዝተገደደ ንቢቢሲ ሓቢሮማ።

እቶም ኤርትራውያን  ስደተኛታት ብናይ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ “ኦራል” ዝዓይነተን ተሃደራዊ መካይን  ዝመረጽሉ ምኽንያት ንከይጥርጠሩ ዝመሃዝዎ ምዃኑ ተጠቒሱ። ብኻልእ ወገን ድማ “ማይ ቪውስ ኦን ነውስ/my views on news”፡ ዝተባህለት ማሕበራዊ መዲያ ብወገና፡ እቶም ኤርትራውያን 52 ከም ዝኾኑ ጠቒሳ፡ እቲ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኣብ ናይ ሰባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ተዋፊሩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ ኢላ። ናይተን ዝተታሕዛ መካይ መራሕቲ ብዛዕባቲ ኩነታት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡  “ብሓለፍትና ተኣዚዝና ኢና” ምባሎም እውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ናይቲ ስደተኛታት ተታሒዘምሉ ዘለዉ ወረዳ ኣመሓዳሪ ኣቶ ማግሴ ብወገኖም ናይቶም ስደተኛታት መጻኢ  እንታይ ከም ዝኸውን ይጽናዕ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም።

ብዕለት 26.11.2023 ሰንበት ምሸት ኣባላት 2 ጨናፍር ሰደህኤ ኣብ ጀርመን ስሩዕ ኣኼባኦም ኣካይዶም። እዚ ከምዚ ዝኣመስለ ኣኼባ፣ ድሕሪ 4ይ ጉባአ ሰደህኤ ንካልኣይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ኣባላት ክልቲኡ ጨናፍር ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኦም፡ ውጽኢትን መስርሕን 4ይ ጉባአን ፈስቲቫልን ሰልፊ ገምጋም ምግባሮም ዝዝከር ኮይኑ፣ ብናይ ሓባር ኣረዳዳኣ ደምዲሞም። ሕጂ’ውን ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ እዋን   ሰልፊ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ስራሕ መደባት፡ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተታሒዙ ዘሎ ጉዕዞን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ናይ “ይግባኣኒ እዩ” ምጉብዕባዕን ኣብ ዝብሉ ኣጀንዳታት’ዮም ኣኼባ ዘካይዱ።

  1. ድሕሪ 4ይ ጉባአ ሰልፊ፡ ዋላ’ዃ ብስራሕ ምኽንያት ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወሰደ ይኹን እምበር ፣ ንጉባአን ፈስቲቫልን ኣመልኪቱ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝተጸውዐ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር ምክያዱ፣ ንውሽጣዊ ጉዳያት ሰልፊ ዝዳህሰሰ፣ ቅኑዕ ምርድዳእን መደምደምታን ከም ዝነበሮ ሓባራዊ ኣኼባ ክልተ ጨናፍር ገምጊሙ። ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ምንቕቓሕ፡ ጽፈት ኣሰራርሓን ምቁጽጻርን ዝምልከት ሰሚናራት ብጻዕቂ ክግበር ኣኼባ ኣገዳሲ ምዃኑ ርእዩ፣ ንዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቱ ለበዋ ብምትሕልላፍ ኣመልኪቱ።
  2. ብዘይካ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ምስ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት በጺሕዎ ዘሎ ስምምዓት፣ ነቲ ተተሊሙ ዘሎ ሓባራዊ መስርሕ ንምዕዋት፡ ኣብቲ መስርሕ ንዘየለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምጥርናፍ ድማ ዝያዳ ክጽዕት ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተገንዚቡ። እቲ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ናይ ምስግጋር ኣመራርሓ ዝተበጽሔ ስምምዕን ተበጊሱሉ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕማምን ከኣ፡ ንህዝቢ ዘተስፉ፡ ንህግደፍ ድማ ዘሕምም ምዃኑ ብምእማን፡ ልዕሊ ተጠርኒፍካ ምቅላስ ካልእ መዋጽኦ ከምዘየለን ብምግንዛብ ብትብዓት ክቕጽሉዎ ኣኼባ ተማሕጺኑ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ብብርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ሰልፊ ነቲ ብደረጃ ጉባኤ ዝወሰዶ መርገጽን፤ ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ምትብባዕን ምእላይን ጻዕርታት ክቕጽል፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ከባቢታትን ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ተግባራዊ  ቃልሲ ናይ’ዚ ህዝባዊ ናዕቢ’ዚ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ምስ ብርገድ ንሓመዱ ኣብ መላእ ዓለም ክገብሩዎ ዝጸንሑ ምትሕብባርን፡ ንዘበርክትዎ ዘለዉ ግደን ኣኼባ ንኢዱ። ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዘዘሎዉዎ ከተማታት ኣብ ፖለቲካውን ውደባውን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት፡ ንዝጸንሖም ተሞኩሮ ተጠቒሞም ንመጻኢ’ውን ኣበርቲዖም ክቅጽልዎ ተማሕጺኑ።

  1. ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘልዕሎ ዘሎ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ “ይግባኣኒ እዩ” ሕቶ፡ ካብ ቀዳሞት ገዛእቲ ስርዓታቱ ዝወረሶ ሕማም ስለዝኾነ፡ ንኤርትራውያን ዝሕድሰና ከምዘይኮነ፣ የግዳስ ክብሪ ልኡላውነትና ቀጥ ከነብል፡ ክልቲኡ ህዝብታት ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክነብር ክንጽዕር፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ተሳንዮም ህዝብን ሃገርን ከጥፍኡ እንስዕቦም፣ ክባኣሱ ድማ እንጻላእ ህዝብታት ከምዘይኮና ክማሃሩ ምጽዓት ከድልየና እዩ። ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልትት ብፍላይ፣ ሕጂውን እቲ ምትፍናን ንረብሓ ህዝብናን ሃገርናን ከምዘይኮነ ተገንዚብና፡ ብሓደ ድምጺ እምቢ ንውግእ፡ እወ ንሰላምን ድሕነት ህዝብን ክንብል ይግባእ ብዝብል ምሕጽንታ እዩ፣ ኣኼባ ጨናፍር ተደምዲሙ።   

ሽማግለ ጨናፍር ሰደህኤ ጀርመን

ኣብ ዓለምና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባና ድማ ብፍላይ፡ ኣዝዩ ሓያል ፖለቲካዊ ነውጺ ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ “ፖለቲካዊ ኣንፈት ኤርትራኸ ናበይ ገጹ እዩ”? ኢልና ክንሓትት ናይ ግድነት እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ኣብ ዙርያ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ኢና ተሰሊፍና ዘለና። ኣሰላልፋና ኣብዚ ዝሕቖን ዘሎ ማዕበል በቲ ናይ ኣተሓሳስባና  ዝተቓነየ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኩነታትን ረብሓ ህዝባን ወጻኢ ካብ ዘኹድድ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ክመረጾ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ከኣ ናይዚ ዕብዳኑ ነጸብራቕ ክኸውን ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሩሲያ ከይዱ ንፕረሲደንት ፑቲን “ናብ ግዜ ዝሑል ውግእ ተመሊስና ኢና እሞ ኣንጻር ምዕራብ መሪሕካ ኣዋጋኣና”  ዝብል ናይ ተለኣኽነት ጥርዓን ምቕራቡ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ዘይሓላፍነታዊ  ኣበሃህላኡ ከምቲ “ሓባልሲ መጠመቲኣ ትኰሓል” ዝበሃል፡ ንኤርትራን ህዝባን ዝልክምን  ዋጋ ዘኽፍልን ከይከውን  ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። 

ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢና ንኤርትራ ማእከል ገይሩ ዝገማጠል ዘሎ ናይ “ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ይግበኣና” ማዕበል፡ ህግደፍ ብዘይካ ጐቦጎቦ ምኻድ፡ ድምጹ ኣጥፊኡ ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ናይዚ ስቕታኡ ትርጉም  ደገፍቱ ናይ ሓያልነቱ መርኣያ ገይሮም ከቕርብዎ ይፍትኑ ኣለዉ። እቲ ሓቁ ግና ብሰንኪ ክኸዶ ዝጸንሐ ዘይተማእዘነ ጉዕዞ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ፡ ስንባደኡን ኣቕጣጫ ምስሓቱን ዘመልክት እዩ። ከምቲ “ባዕላ ሰቒላቶ ረሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ” ዝብልዎ፡ እዚ ሓደገኛ ማዕበል ንክፍጠር እጃሙ  ቀሊል ዘይምዃኑ ዝህውጾን ዘባህርሮን ዘሎ ድማ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ካብ ልቡ ስለ ዘውጸኦ፡ ለኪምዎ ከይጠፍእ  ክሰግእ እንተዘይኮይኑ፡ “ናብ መንገዲ ደሓን ክመርሓኒ እዩ” ዝብል ተስፋ የብሉን። ህዝብና ካብ ህግደፍ ብኽንድዚ ደረጃ ተስፋ ካብ ቆረጸ፡ ሃገሩ ናይ ምድሓን  ሓለፍነት ኣብ እንግደዓኡ ከምዘሎ ይዝንገዖ እዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣድህቦና ናብቲ ጸይቅታት ናይቲ ዝተቐብጸ ህግደፍን ተግባራቱን ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ግዜ ዝያዳ፡ ኣዕዚዝና ናብ ውሽጥና ክንጥምት ኣብ እንግደደሉ ኢና ጸኒሕና ሎሚ እውን ዝያዳ ኣብኡ ከም ዘለና ንገንዘብ። ብመሰረቱ እውን ንህግደፍ ኣትሪርና ክንቃወሞን ክንቃለሶን እንከለና “ንሕናኸ  እጃምናዶ ንገብር ኣለና?”  ዝብል ሓቶ ክዝንገዖ ዘይነበረናን ዘየብልናን እዩ። ካብቲ እጃምና ምፍጻም ዘኽእለና ሓደ፡ እንታይ ኢልና ንስይሞ ብዘየገድስ፡ ሓቢርካ ዘቃልስ መድረኽ ክንፈጥር ምብቃዕናን ዘይምብቃዕናን፡ ዝበረኸ ቦታ ከም ዝሕዝ  ኣይንስሓት።

ኣብ ቅድሚ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ብደሆታት፡ እቲ ዝዓበየ ንሕቶ ሓድነት ብዘድምዕ ኣገባብ ክነዕውቶ ዘይምኽኣልና ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ካብ እንርደኦ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ መሰረታዊ ጸገምካ ዘገንዝብ ተረድኦ ክንውንን ምብቃዕና ኣብ ምርካብ መፍትሒ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝና ዘርኢ እዩ። እንተኾነ፡ በዚ ናይ ሓባር ተረድኦ ተደሪኽና ግብራዊ ስጉምቲ ዘይምውሳድና ከኣ ዓብይ ናይ ድኽመትና መግለጺ እዩ። ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ምፍጣር ወሳኒን ኣንጻር ህግደፍ ተቓሊስካ ዘዕውት መሳርሒ ምውናንን እዩ። ህግደፍ ከነወግድ እናተቓለስና ነዚ ዝተበተነ ዓቕሚ ዝእክብ ናይ ለውጢ መሳርሒ ክንውንን ብዘይምብቃዓና “ዕድመ ህግደፍ ነንውሕ ኣለና”  እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ፍልልይ ካብቲ ዘሰማመዓና ዝነኣሰን ዝወሓደን ምዃኑ ኣብ ሚዛን ኩልና ዘሎ እዩ።  ከምዚ ናትና ፍልልይ ኣከኣኢልካን ኣመሓዲርካን ንቕድሚት ምስጓም፡ ኣብዛ ብዙሕነት ተንግስ ዘላ ዓለም፡ ዝነበረ፡ ዘሎን ኣብ መጻኢ’ውን ዝህሉን እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ተርእዮ ኣይኮነን። ስለዚ ብሰንኪ ዘይምክእኣልን ዘይምጽውዋርን ክስገር ዝግበኦ ዕንቅፋት ኢና ምስጋሩ ስኢና ዘለና። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ በቲ ዝምጥነና ደራጃ ኣይከኣልናዮም እሞ፡ ሎሚን ጽባሕን እውን ኣይክንክእሎን ኢና ኢልና ኣብ ክንዲ ደው ምባል “በቲ ዝደለብናዮ ተመኩሮ ተሓጊዝና ክንሰግሮ ንኽእል ኢና” ብዝብል ኒሕን ሓቦን ንቕድሚት ንሰጉም።

ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር መድረኽ ተቓሊስና ከነድምዕ፡ መሰማምዒ ነጥብታትና ነዊሕ ዝርዝር ዘለዎን ቀዳምነት ዝወሃቦምን ዘይወሃቦምን ዛዕባታትን ዝሓዋወሰ ክኸውን ኣይግበኦን። ምኽንያቱ ተመኩሮና  ኣብ ጉዕዞ ንሓድነት፡ እቲ ጸገም መበገሲ ዝርዝር ኣብ ምብዛሕን ቀዳምነትካ ኣብዘይምንጻርን ዝግለጽ ምዃኑ ኣርእዩና እዩ። ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡  ብ17 ሕዳር 2023 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ፡  ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብን መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ መልእኽቲ ናይ ቅርጥውን እዋናውን መሰማምዒ ነጥብታት ኣብነት እዩ። ፖሓኤ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ካልኣዊ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ኣብቶም ዓበይቲ ናይ ኣፈርክቡ ዕላማታት ክጠራነፉ ኣለዎም” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራቡ ከኣ፡ ሕቶ ሓድነት ናይ ኩልና እምበር ናይ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ውዳበ ዕማምን ሓላፍነትን ከምዘይኮነ ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኣብ ወጥሪ ኢና ዘለና። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ድማ ካብዚ ወጥሪ ኣብ ምውጻእን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓንን ዓብይ እጃም ኣለና። ናይ ካለኦት ደለይቲ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ሓይልታት ናይ ደገፍ ጸዋዒትና ሰማዒ እዝኒ ዝረክብ ከኣ ቅድም ንሕና ግደና ከነበርክት እንከለና እምበር ከምቲ “ሓጋዚኣ እንተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል፡ ኣእዳውና ኣጣሚርና ድምጽና ብምጥፋእ ዝርከብ ደገፍ የለን። ነዚ ክንበቅዕ ድማ ነቲ ዝሰማምዓና እንዳጉላሕና ነቲ ዝፈላልየና ከየተዓባበና ብሓባር ክንወፍር ይግበኣና።

ዝተበተነ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይምጥርናፉ ኣሻቒልዎም፡ “ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር ዘቃልሰኩም መድረኽ ፍጠሩ” ዝብል ድምጺ ዘስምዑ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ወገናት ከኣ፡ ምሕጽንተኦም ናብ ተጽዕኖ ምፍጣር ከደይብዎ ይግበኦም።

ኣባል ፓርላማ ካናዳ፡ ኣኒታ ቫናደንበልድ

ኣኒታ ቫንደንበልድ ዝተባህላ ካንዳዊት ኣባል ፓርላማ፡ ኣንጻርቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝፈጥሮ ስግኣት ዝጉስጉስ መጸዋዕታ፡ ናብ ፓርላማ ሃገረን ከም ዘቕረባ፡ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ ተመራማርን ጋዜጠኛን ማርቲን ፕላውት ንምንጭታት ፓርልማ ካናዳ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እተን ኣባል ፓርላማ ነቲ ጐስጓስ ከካይዳ ምኽንያት ኢለን ኣብ ዘስፈረኦ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዘይሕጊ፡ ብዘይምርጫን ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ብምጥሓስን ክገዝእ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣስፊረን። ምስዚ ድማ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል  ኤርትራ ከጽንዕ ዝተመዘዘ ኮሚሽንን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላትን ክዝርግሕዎ ዝጸንሑ ንህግደፍ ዘቃልዕ ጸብጻባትን መተሓሳሰብታትን ዘይምትግባሩ ዘርዚረን።

ብዘካይካዚ ኤርትራውያን ኣብ ካናዳ ብህግደፍ ተገዲዶም ብዘይድሌቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝጸንሑ፡ ከምኡ እውን ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ካናዳ ናይ ጽልኢ ፕሮፓጋንዳ ምንዛሕን መእከቢ ገንዘብ ፈስቲቫላትን ክውድብ ከም ዝጸንሐን፡ ኣትሪረን ኣቃሊዐን። 

ኣብ ምወዳእታ ድማ እተን ኣባል ፓርላማ፡ ትካል ዜግነትን መንበሪ ፈቓድን ካናዳ

1: መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን-ካናዳውያን ዘፈራርሓለን ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያን ክምርመራ

2፡ ኣንጻር ደለይቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ኤርትራውያን፡ ጽልእን ምፍርራሕን ዝነዝሑ ደገፍቲ ህግደፍ ተዋሳእትን መለዓዓልትን ናብ ካናዳ ምእታው ክኽልከሉ።

3፡ ናብ ናዳ ዝኣትዉ ሓደስቲ ኤርትራውያን፡ ብናይቲ ስርዓት ሰለይቲ ከይብደሉ፡ መንግስቲ ናዳን ዕቑባ ዝህባ ትካላትን ጥንቃቐ ክገብራ። ከምኡ ድማ ንሓደስቲ ምስ ባህሎም ብዝሰማማዕ ዘየዳልዉን ብኤርትራዊ ቋንቋ ዝዛረቡን ተርጐምቲ ክምደበሎም

4፡ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ከቢድ እገዳ ክብየንን ዝብል መጸዋዕታ ከም ዘቕረባ ተፈሊጡ።

Sunday, 26 November 2023 14:40

Dimtsi Harnnet Sweden 25.11.2023

Written by

ኣብ ሱዳን ብሰንክቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ትካላት ጥዕና ስለ ዝዓነዋ፡ ብምኽንያት ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ሕማማት ኣገልግሎት ንምርካብ ናብ ሱዳን ዝመላለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።  እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ እውን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ዝበኾሮም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምርካ ናብ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳን ካለኦት ሃገራትን ክመላለሱ ይግደዱ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

 ዞባዊ ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ኣሕመድ ኣልመሃንደሪ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ሱዳን 60 ግዜ መጥቃዕቲ ወሪዱ 34 ናይ ሕክምና ክኢላታት በቲ መጥቃዕትታት ክሞቱ እንከለዉ 38 ድማ ቆሲሎም። በሰንክዚ መጥቃዕትታት ኣብዚ እዋንዚ 80 ካብ ሚእቲ ትካላት ጥዕና ሱዳን ክዓንዋ እንከለዋ እተን ዝተረፋ ድማ ኣብቲ ውግእ ብዝቖሰሉ ወተሃደራት ተታሒዘን ከምዘለዋ ናይቶም ዳይረክተር ጸጻብ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብዚ እዋንዚ 55 ሃገራት ዓለም ብዝለዓለ ዋሕዲ ናይ ጥዕና ክኢላታት ዝሳቐያ ዘለዋ ኮይነን፡ ካብኣተን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ዝርከበአን 37 ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። እዘን ካብቲ ብደረጃ ዓለም ዝሰፈ፡ “እንተወሓደ 49 ዝተፈላለየ ደረጃ  ዘለዎም  ክኢላታት ጥዕና ን10 ሺሕ ሰባት” ዝብል መዕቀኒ ንትታሕቲ ዘለዋ እየን።

ካብቶም ዋሕዲ ክኢላታት ጥዕና ዘኸትሉ ጥንቅታት፡ ዘይብቑዕ ስልጠና፡ ቅልጡፍ ወሰኽ ህዝቢ፡ ስደት ክኢላታት፡ ዘይብቑዕ ምምሕዳር ትካላትን ንክኢላት ዝወሃብ ቆላሕታ ትሑት ምዃንን ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ጸብጻብ ጥዕና ዓለም ተጠቒሱ። ምስዚ ተተሓሒዙ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ  ብ2030 ክብጻሕ ተተሊሙ ዘሎ  ሸቶ ጥዕና ኣይክበጽሐኦን  እየን ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

Page 20 of 554