ካልኣይ ርክብ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ
2026-02-14 09:48:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 38 timesኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያን
ካለኣይ ርክብ ኣፍሪቃን ኢጣልያን ብ13 ለካቲት 2026 ብናይ ክልቲኦም ምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተቃነዐ፡ ካብ ኢጣልያ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ናይቲ ርክብ ሸቶ ኢጣልያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ እስትራተጅያዊ ምሕዝነት ከተግብር ዝኽእል ኩነታት ምጥጣሕ ምዃኑ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ እቲ ርክብ ኢጣልያ ኣብ መዳያት ቁጠባን ፖለቲካን ምስ ኣፍሪቃ ንምዝማድ ናይ ዘውጸኣቶ ትልሚ ማቲ (Mattei Plan) ንምትግባር ዝተወደበ ምዃኑ እውን ተነጊሩ።
ናይዚ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ዝጋበአ ርክብ ተሳተፍቲ፡ መራሕቲ ሃገራት ወይ ድማ ኣብ ዝለዓለ ሃገራዊ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝርከቡ ሰብ መዚ እዮም። ነዚ ዝገለጸት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂያ ሜሎኒ ኣብ ናይ ዓመተ 2026 ናይ መጀመርያ ጋዜጣዊ መግለጺኣ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ። እዚ ርክብዚ ኣብ ድሮ ሓፈሻዊ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝተኻየደ እዩ።
እዚ ርክብ ኣፍሪቃ-ኢጣልያ፡ መቐጸልታ ናይት ብ2024 ዝተኻየደ ቀዳማይ ካለኣይ ናይ ሓባር ኣኼባ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ከኣ እቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ናይ ምሕዝነት ስምምዕ ዝትግበረሉ መንገዲ ምትላም እዩ። ናይቲ መሰረታዊ ናይ ሓባር ትልሚ ቀዳምነታት፡ ቀጻልነት ዘለዎ ዕቤት ኣብ መዳያት፡ ምዝርጋሕ ትሕተ-ቅርጻ ጸዓት፡ ትምህርቲ፡ ክኢላዊ ስልጠና፡ ሕርሻን ጥዕናን ምዃኑ ኣብቲ ናይ ቅድመ-ኣኼባ መግለጺ ዝተመልከት እዩ።
ከምኡ እውን እቲ ኣኼባ በቲ ናይ 1ይ ርክብ ስምምዕ መሰረት፡ ዝተተግበረ እንታይ ከም ዝመስል ዝገምገመን ንቀጻሊ ኣተገባብራ ኣብ ዛዕባታት፡ ምምዕባል ሓድሽ ምሕዝነት፡ ፖለቲካዊ ዘተን ዝተወሃሃደ መደባትን ዝምልከት ትልሚ ከም ዝሰኣለ ተፈሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ሜሎኒ፡ ናይቲ ብ14ን 15ን ለካቲት 2026 ዝካየድ ዘሎ መበል 39 ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣኼባ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይና ኣብ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዓ።