ርኢቶ ኣምበሳደር ካናዳ ኣብ ሕቶ ባሕሪ ኢትዮጵያ

2026-04-17 18:27:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 246 times

ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መተሓላለፊ ኣፍደገ ክትረክብ እትኽእል፡ ብመንገዲ ሰላማዊ ዘተን ዞባዊ ርግኣትን ጥራይ ምዃኑ፡ ኣምበሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኮላስ ሲማርድ ምግላጹ፡  ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ (Ethiopian Herald)  ሓቢራ። እቲ ኣምበሳደር ነዚ ዝገለጸ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ምጅማር ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ካናዳን ኢትዮጵያን ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዘተ መድረኽ  ምዃኑ ተሓቢሩ።  ኣምበሳደር ኒኮላስ ኣብ መስርሕ ሰላማውን ዲፕሎማሲያውን ጻዕሪ፡ ሃገሩ ተሳቲፋ  ከተበርክት ቅርብቲ ምዃና ኣብቲ መድረኽ  ምጥቃሱ’ውን እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

እቲ ኣምበሳደር ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳይ ካናዳ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ከደልድሉ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ግቡእ ክብደት ከም ዝህቦ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሱ። ኣንበሳድር ኒኮላስ ብዛዕባቲ ብኢትዮጵያ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ዝካየዱ ምይይጣት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ሃገሩ ኣብቲ ዲፕሎማሲያውን ሰላማውን መስርሕ ተሳታፊት ክትከውን ቅሩብነት ከም ዘለዋ ኣነጺሩ።

እቲ ካናዳዊ ዲፕሎማት ሃገሩ ንዞባዊ ሰላም ቀዳምነት ከምእትህብ ጠቒሱ፡ እዚ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ክቱር ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ግሉጽን ቀጻልን ምይይጥ ብምክያድ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል ኢሉ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ከም ዝተላዕለ፡ እቲ ብምይይጥ ዝብጻሕ ስምምዕ፡ ረብሓኡ ቁጠባዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጻሊ ሰላም ዘውሕሱ ኣዕኑድ ምትካል ከም ዘኽእል እውን ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ ናይቲ መድረኽ ዘተ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ካናዳን ዝጸንሐ ዓሚቕን ታሪኻውን ዝምድና ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየዱን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ንግድን ዞባዊ ጸጥታን ክቕጽል ይግበኦ ከም ዝበሉ እውን፡ እቲ ካብ ጋዜጣ ኢትዮጵያን ሄራልድ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ።

Last modified on Friday, 17 April 2026 20:31