ጋዜጠኛ ሚልዮን በየነ ንክፍታሕ መጸዋዕታ ቀሪቡ

2026-04-17 16:54:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 74 times

ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (Committee to Protect Journalists)፡ ማነጂንግ ዲይረክተር መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳር ጋዜጠኛ ሚልዮን በየነ ንክፍታሕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ጋዜጠኛ ሚልዮን ብ16 ማዝያ 2026 እዩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እታ መርበብ (መንነቶም ብይተፈልጡ) ክትብል ብዝገለጸቶም ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጣ። ድሕሪ ምእሳሩ ሃለዋቱ በታ ዝሰርሓላ መርበብ  ኮነ ብቤተሰቡ ከምዘይተፈለጠ ድማ ዋና ኣሰናዳኢ መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ ብወገኑ ሓቢሩ።

20 ዓመታት ናይ ጋዜጠኝነት ተመኩሮ ዘለዎ ሚልዮን በየነ፡ ቅድሚ 4 ዓመታት ናብ ኣዲሲ ስታትንዳርድ ቅድሚ ምምጽኡ፡ ኣብ ትካል ዋልታ ኢንፎርመሽን ማእከልን ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያን ከም ዝሰርሐ ተፈሊጡ። እዚ ኣብቲ መርበብ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ማነጂንግ ዲረክተር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሲኤምሲ ካብ ዝርከብ ናይቲ ዝሰርሓሉ ትካል ዋና ቤት ጽሕፈት ተወሲዱ ከም ዝተኣስረ ከኣ ተሓቢሩ።

ናይቲ መርበብ ኣሕታሚ ኣካል ዝኾነ ጃኬን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ማሕበር  ብወገኑ ድሕሪ ማእሰርቲ ሚልዮን በየነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ቅድሚ ምእሳር ናይቲ ጋዜጠኛ ዝተወሰኑ ኣካላት ኣከዳድነኦም እናቐያየሩ ኣብ ከባቢ እቲ ቤት ጽሕፈት ስለያዊ ምንቅስቓስ የካይዱ ከም ዝነበሩ ኣቃሊዑ።

መርበብ ኣዲስ ስታንዳርድ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ተደጋጋሚ ተጽዕኖታት ክፍጠር ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ማዝያ እውን ኣብ ልዕሊ 3 ኣባላቱ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።

ነቲ ኩነታት ዝተኸታተለ ኮሚተ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መንነቶም ዘይተፈልጡ ብዝተባህሉ ኣካላት ዝተኣስረ ሚልዮን ብህጹጽ ክፈትሕዎ ጸዊዑ። ነታ ሚልዮን ክሰርሓላ ዝጸንሐ መርበብ ንምዕጻው እውን እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ተጽዕኖታት ክግበር ከም ዝጸንሐ  እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከባቢ ሳብ ሳህራ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣስራ ሓንቲ ኮይና ከም ዝጸንሐትን ጋና ናብ ፍርዲ ዘይቀረቡ እሱራት ጋዜጥኛታት ዘለውዋ ሃገር ምዃና ጸብጻባት ይሕብሩ።

Last modified on Friday, 17 April 2026 19:00