ንልኡላውነት ምጥባቕን፡ ንህግደፍ ምድጋፍን ዘራኽብ የብሉን

2025-09-18 08:35:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 259 times

ኣብዚ ዘለናዮ ዞባዊ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ዛዕባታት ክምዕብሉ ንዕዘብ ኣለና። ብሰንኪ’ዞም እዋናውያን ምዕባለታት ከኣ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት፡ ናይ ርኢቶ ፍልልያት ይኽሰቱ’ለዉ። ጉዳይ “ልኢላውነት ኤርትራ” ከኣ ሓደ ካብቶም ቅድሚት ዝስርዑ ኣዛረብቲ እዋናዊ ዛዕባታት  ኮይኑ ኣሎ።

ልኡላውነት፡ ህዝብን ሃገርን፡ ክቡር ዋጋ ዝኸፍለሉን ክዕቅቦ ዘለዎን; ብህዝባዊ ናይ ቃልሲ መስርሕ ዘረጋገጽ መሬት፡ ማይን ኣየርን ዘጠቓልል መሰረታዊ ናይ ሃገርነት ዓንዲ እዩ። ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ብመስዋእቲ ኤርትራዊ ዝተነድቀ፡ ብ1993 ብድምጺ ህዝቢ ዝጸንዐ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ እምበር፡ ብነበረያነበረ ዝኹለፍ ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብቲ ብ2017 ዘውጸኦ  ሓቢርካ ናይ ምስራሕ፡ እሞ  ብብዙሓት ዝተደገፈ፡ እማመ ሓድነት ካብ ዘስፈሮም 4 መቖሚ ኣዕኑድ፡ “ንምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ”  ቅድሚት ሰሪዑ ዝቃለሰሉ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት መድረኻት ፖለቲካ ሃገርና ክለዓል እንከሎ ከኣ፡ “ልኡልወነት ናይ ህዝብን ሃገርንዶ ናይ መንግስቲ?”  ዝብል፡ ሕቶ ብቐጻሊ ዝጥቀስን ዘካትዕን   ኮይኑ’ሎ። 

እቲ ቅኑዕ መልሲ ናይዚ  መሰረታዊ ሕቶ፡ “ልኡላውነት ነቶም ምስ ግዜ ዘይሓልፉ፡  ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ምስ ግዜ ንዝሓልፍ ስርዓትን ምምሕዳርን ዝወሃብ መግለጺ ኣይኮነን” ዝብል እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣብ ኤርትራ  ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ተዘይኮይኑ፡ ልኡላውነት ናይቲ ነቀይነቀይ ዝብል ዘሎ ጉጅለ  ህግድፍ  ዝበሃል የለን።  እቲ ህግደፍ ነብሱ ንምድሓን “ነዓኡ ዝተቓወመ ልኡላውነት ሃገር ከም ዝጠለመ፡ ንዓኡ ዝደገፈ ድማ ንልኡላውነት ከምዝሕለቕ” ኣምሲሉ ክብለጸሉ ዝፍትኖ፡ መሰረት ዘየብሉ መዳህለሊ’ዩ።  ብኣንጻሩ እኳደኣ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ ብምእታውን ንዓመጸኛታት ብምድጋፍን፣ ልኡላውነትና  ክግህሱ ንዝወጣወጡ ክዕድም ዝጸንሐን ዘሎን ዝአራጊ እዩ።

ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ክስመረሎም ካብ ዝግበኦም ጉዳያት፡ ህግደፍ ዝፍጽሞ ኩሉ ዓይንት ጥሕሰታት  ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ምቅልዑ እምበር፡ “ንሱ’ኳ ከምዚ ዝግበረ” ኢልካ ደድሕሪኡ ምኻድን ተግባራቱ ምድጋምን መተካእታ  ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ነቲ ህግደፍ ዝፍጽሞ እሞ ደጋጊምና ዘወገዝናዮ፡  ልኡላውነት ዝጥሕስ ተግባራት እናዘርዘርካ፡ “ንሱ ስለ ዝዓበደ፡ ምስ’ቶም ልኡላውነትና ክግህሱ ዝህቅኑ  ወገናት ምስላፍ ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ክንድኡ እቲ ፍታሕ ሰማዒ እዝኒ እንተዝረክብ፡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ውሳነ ዶብ ኣብ መሬት ምምልካት’ዩ ነይሩ።

ህግደፍ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝወሰዶ ወራር ዝድግፍ መርገጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእትዩ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ውግእን ሳዕቤናቱን፡ ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያ ዘስመዖ ዝነበረ ታሪኽ ኣመዛቢሉ ሽውሃት ስሱዓት ዘጋድድ መደረታት፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ዝሕተተሉ እምበር ንዓኡ ዘንጊዕካ፡  ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ኤርትራ ዝህቅንዎ ዘለዉ ወራር ጥራይ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። በቲ ንተግባራት ህግደፍ ክንቃወመሉ ዝጸናሕና ቃናን መትከልን፡ ንዝኾነ ወራር ምቅዋሙ ከኣ ርትዓዊ እዩ። ምኽንያቱ ግህሰት ልኡላውነትን ኣብዘይጉዳይካ ምእታውን፡ “ብመን ኣብ ልዕሊ መን ይፍጸም” ብዘየገድስ፡ ክኹነን ስለ ዝግበኦ። ካብዚ ወጻኢ፡ ንዕዘቦ ዘለና ከተወግዞ ንዝጸንሕካ ምስ ምዕቃብ ልኡላውነት ንዘይቃዶ ተግባራት ህግደፍ፡  ብኻልኦት ንኽድገም ምትብባዕ፡ ተጋራጫዊ ኣቕጣጫ ምሓዝ’ዩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ክድፈር እንከሎ፡ ከም ንኢሳያስ መውቅዒ ጥራይ ወሲድካ፡ “ሕራይ ደኣ ኮነ” እናበልካ  ናይቶም “ሓይሊ እንተሎ ሕጊ እንታይ ይዓብስ” ብዝብል ግጉይ ተረድኦ ዝሰኸሩ ወገናት መሳርሒ ምዃን ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ  ሕርያ  እዩ። ከምቲ  “ንልኡላውነት ምጥባቕን፡   ንህግደፍ ምድጋፍን ዘራኽብ የብሉን” ዝበልናዮ፡ “ልኡላውነተይ ኣሕሊፈ ኣይህብን” ንዝበለ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ “ደጋፊ ህግደፍ ኢኻ” ዝብል ስም ምሃብ  ከተገናዝብ ዘይምብቃዕን ዘይብስለትን እዩ።

ብዘይካዚ ናይ’ቲ ህግደፍ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ንዘለዎም ወገናት ካብ ህዝቢ ንምግላሎም ዝጥቀመሉ ኣግላሊ ስልቲ እሱር ምዃን’ዩ። ብኣንጻሩ ልኡላውነት ናይ ህዝብን ሃገርን ስለ ዝኾነ፡ ምእንታኡ ምሕላቕ መሰረታዊ መግለጺ ኣብ ጐኒ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ምስላፍ እዩ። ልኡላውነት ክድፈር እንከሎ፡ ምጽቃጥ ወይ ከኣ መራሕ መንገዲ ናይቶም ህንዱዳት ጠሓስቲ ምዃን፡ ከም ደላይ ለውጥን ሓላይ ህዝብን ጌርካ ክትገልጾ ምፍታን ከኣ “ዘበንያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ” እዩ ዝኸውን።

ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ቃልሲ ውሕሉል ኣሰራርዓ ቀዳምነታት ዝሓትት፡ በቲ ሓደ ወገን ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ  በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝማእከሉ በዓል ድርብ ዕማም ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። እቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይመልክዑ ንምሃብን ዝተረጋገጸሉ መስርሕ ጠማዚዝካ ናብ ዘይድለ ኣቕጣጫ ንምውሳድን ዝግበር ሃቐነ ከምቲ “ኩሉ ካብ ሓቁ ኣይሓልፍንዩ” ዝበሃል፡ ንበሃልቱ ኣብ ትዕዝብቲ ከውድቖም እንተዘይኮይኑ፡ ከቶ እቲ ክዉን ዝቕየር ኣይኮነን። ምናልባት “ብናይ ሓይሊ ብደዐ”፡  ተመኩሮ ዩክረይንን ሩሲያን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክደገም ዝጽበዩ እንተልዮም፡ ከምቲ “ክምካሕ ክምካሕ ኣብ ርእሱ ካሕ” ዝበሃል፡ ንዓኣቶም’ውን ጽባሕ ውሕስቲ ከምዘይኮነት ብምርዳእ፡ ኣብ መጻኢ ካብኦም ብዝሓየለ ክጽፍዑ  ከም ዝኽእሉ የስተውዕሉ።

ምዕቃብ ልኡላውነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ተሰሊፍካ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳያት’ውን ስለዘለዎ፡ ኩሎም ግዱሳት ወገናት፡ ኣብቲ ተሰሊፈምሉ ዘለዉ ኣገባብ ቃልሲ ኮይኖም ግቡኦም ዝፍጽምሉ ሰፊሕ ዓውዲ’ዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ መዳይዚ ብመሪር ቃልስን ሓያል ብደሆታትን ተፈቲኑ ዝተደለበ ተመኩሮ ስለ ዘለዎ፡ ምስ ህዝቡን ሃገሩን እምበር  ምስ ዲክታተርነት ኮነ ወረርቲ ሕግብግብ ዝብል ኣይኮነን። ዘይኤርትራዊ ሓይሊ፡ ካብ ናቱ ሃገራዊ ሕሳብን ረብሓን ነቒሉ ብዘዕጥቐና ኣጽዋር’ዩ ራህዋ ህዝብና ዝመጽእ ኢሎም ዝኣምኑ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ ክሳብ ክንደገይ ንግደ ህዝቢ የስተናዕቑ ከም ዘለዉ ይረደኣዮም።

ስዉእ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ጀርመን ካስል 1999፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ምእላይን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእን፡ ናይ ኤርትራውያን መሰል ጥራይ እዩ። …….ናይ ዝምድናታትና ምስ ሃገራት ተደላይነትን ደረጃኡን ከኣ፡ ብመንጽር ረብሓታትና ዝቕየስ’ዩ። ከምኡ እውን ንህዝብታት ዘቐደመን ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶም ግሉጽ ዝኾነን እምበር፡ ብውድባዊ ጠቕምታት ዝተሓጽረ ዝምድና ዘይንኣምነሉ’ዩ ዝበሎ ምዝካሩ እዋናውን ኣገዳስን እዩ።

ስለዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኩሉ መሰላቱ ተገፊፉ ጸልሚትዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣና በቶም ኣብ ጉዳይና ቅድሚት እንስራዕ ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን እምበር፡ “ልኡላውነቱ ዝግሀሱ ሓይልታትን ኣሳሰይቶምን ብዝፈጥርዎ ኩነታት ክርህዎ እዩ” እናበልካ ቃል ምእታው፡ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ሸፈጥ ምዃኑ  ህዝብና ከስተብህለሉ ዘለዎ’ዩ።

Last modified on Thursday, 18 September 2025 10:47