Violent Eritrean Government Supporter Finds that British Justice Enforces Protections for Journalists
Written by Martin Plaut
|
ባህግና Bahgna 177፣ ኣገዳሲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርና ምስ ህዝቢ ወጊድ ክብሎ ዝግባእ፡ ምዕልባጥ ህግደፍ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 19.11.2023
Written by Bahgna MediaMedia
بيان صحفي للهيئة الانتقالية العليا للقوى السياسية الإرترية
Written by ላዕለዋይ ኣዋሃሃዲ ኣካል ፖሓኤ
تعلن الهيئة الانتقالية العليا لقوى السياسية عن تشكيل هيئة انتقالية للقوى السياسية الإرترية علي اساس الاتفاق الذي تم في الرابع عشر من شهر يوليو الماضي.
علما بان تنسيقية القوي السياسية الارترية تاسست في فبرائر 2020م، بناء علي مبادرة الراحل برهاني ولدجبريل، مدير التعليم والمطبوعات بالجمعية الإرترية في المملكة المتحدة، نظرا لتجاربنا السابقة، وبسبب تعدد التنظيمات والأحزاب وتباين ارائها، فان انجاز هذه المهمة لم يكن سهلا، الا انه علي الرغم من ذاك، تم التوصل إلى اتفاق في يوليو 2020م تضمن القيام بعمل تنسيقي مشترك وتقسيمة الي مراحل، ثم تلا ذلك التوصل الي اتفاق لإقامة مظلة اوسع وذلك في شهر ابريل 2022م.
لم تنحصر نتائج المسيرة التنسيقية للقوى السياسية الارترية في التعارف بين مكونات القوى السياسية الارترية فحسب، بل ساعدت على تهيئة أرضية مساعدة للقيام بأعمال منسقة مبنية على التفاهم والمرونة والتسامح. والأهم من ذلك، تم التأكيد على الفهم المشترك للمعاناة المريرة التي يمر بها شعبنا في ظل الديكتاتورية، والعمل من أجل تحقيق مطالب الشعب الملحة والمتثملة بالاطاحة بالنظام القائم، والتصدي لسياساته التي أصبحت تعرض سيادة إرتريا ووجود الشعب للخطر. ولا يخفى على أحد أن ثمة تباينات بين مكونات هذه القوى ساهمت في إبطاء مسيرة العمل التنسيقي وعدم التمكن في إنشاء المظلة الموسعة، كما كان متفق عليه.
ومع ذلك، لم يُنظر إلى العوائق التي رافقت عملية التنسيق المشتركة على أنها أمر من الصعوبة بمكان تجاوزها،
وانطلاقا من هذا الفهم، تواصلت الحوارات مع المحافظة علي العلاقات التنسيقية، ومواصلة العمل في القضايا محل الإتفاق وبذل كل الجهود للتوصل علي التوافق في القضايا العالقة.
في غضون عام تم التوصل إلى اتفاق لإنشاء قيادة مشتركة مؤقتة من شأنها أن تؤدي إلى إنشاء مظله واسعه ، و تمت قرائته بمناسبة الفاتح من سبتمبر و ذلك في 02 سبتمبر 2023 ، ولكن في الإجتماع الذي عقد في 10 نوفمبر 2023. أشار ممثلوا المجلس الوطني الإرتري للتغير الديمقراطي إلى وجود بعض الخلافات وسوء الفهم داخل المجلس الوطني الارتري ، وأنهم لن يستطيعوا الاستمرار معا في الوقت الحالي في عملية إنشاء مظلة واسعة، لذلك تمنوا للاطراف الثلاثة المتبقية التوفيق والنجاح في مرحلتها القادمة. ونحن من جانبنا قد أعربنا لهم عن رغبتنا وحسن نوايانا في أن يجد المجلس حلول للمشكلة التي صادفته واللحاق بالركب لمواصلة العمل معنا في القريب العاجل،
وواصلت الأطراف الثلاثة المتبقية في القوي السياسيه هم (الجبهة الوطنية الارترية المتحدة)(حزب الشعب الديمقراطي الارتري )، ( التنظيم الديمقراطي لعفر البحر الأحمر ) تلك الحوارات البناءة، و عليه نعلن لكل من يسعى لتحقيق العدالة والتغير و لجماهير شعبنا بأنه تم الإتفاق علي رفع درجة التنسيق الي تشكيل الهيئة العليا الإنتقالية للقوي السياسية الارترية و تعيين قيادتها في أربعة مكاتب برئاسة قرزقهير تولدي ونائبه ياسين محمد عبدالله وبدأت العمل تحت مسمى الهيئة العليا الانتقالية للقوي السياسية الإرترية
وأن المبادئ الوطنية التي تستتند إليها الهئية الانتقالية هي الاتفاق الأساسي الذي قامت عليه التنسيقية، والذي تم إعادة التأكيد عليه في 1 يناير ،2023 وتتضمن مايلي-:
- إسقاط نظام الجبهة الشعبية للديمقراطية والعدالة، وإقامة نظام دستوري ديمقراطي .
- صيانة وحدة شعبنا.
- الحفاظ على استقلال وسيادة بلادنا.
- تأمين وحماية حقوق شعبنا.
واستنادا علي هذا الإتفاق ستضع الهئية الإنتقالية العليا سياسيات وبرامج عمل مفصلة، وسوف تتولي قيادة جميع انشطة القوي السياسية الإرترية المنضوية تحت مظلتها وتتحدث باسمها داخليا وخارجيا.
ولذلك تهيب القيادة الإنتقالية على القوى السياسية الإرترية وجميع الباحثين عن العدالة والحرية والتغير الديمقراطي، التنظيمات السياسية، الاحزاب السياسية والحركات الفئوية، الشباب، المرأة والتجمعات المدنية، أن يضعوا خلافاتهم الثانوية جانباً وأن يتحدوا في الأهداف الكبرى للبلاد التي نؤمن بها. ولا نعتقد أن هناك أي بديل صحيح آخر لتحقيق هدف كافة قواتنا المناضلة في إنقاذ الشعب والوطن. إن الهئية الانتقالية العليا للقوى السياسية الإرترية هي البداية وليست النهاية. ولقد حددت أن مهمتها الرئيسية هي العمل بفعالية في شراكة مع القوى المناضلة المذكورة اعلاه والقيام بعمل ملموس لتقصير عمر النظام الدكتاتوري، فإننا نحث بكل احترام جميع القوى المناضلة على الانضمام إلى الوحدة.
النصر للنضالات الشعب الإرتري
المجد والخلود لشهدائنا الابرار
الخزي والعار لنظام الجبهة الشعبية الدكتاتوري.
الهئية الانتقالية العليا للقوي السياسية الارترية.
17/نوفمبر/2023
Violent Eritrean Government Supporter Finds that British Justice Enforces Protections for Journalists
Written by Martin Plaut
|
Martin Plaut posted: " Source: Human Rights Concern - Eritrea (HRCE) 10 November 2023 Eritrean Government Supporter, Yacob Ghebremedhin, who was given a 22-month sentence on 7 November by a judge at the Isleworth Crown Court, has a criminal history of targeting" Martin Plaut |
Source: Human Rights Concern - Eritrea (HRCE) 10 November 2023 Eritrean Government Supporter, Yacob Ghebremedhin, who was given a 22-month sentence on 7 November by a judge at the Isleworth Crown Court, has a criminal history of targeting journalists in the UK with violence. In the seeming belief that he could behave in Britain as he would in Eritrea, Ghebremedhin attempted to enforce his political beliefs with physical assaults and violent attacks on journalists who tell the truth and are critical of the Eritrean government. However, he has now had to face British justice for his criminal actions, and has received a prison sentence as a consequence. In 2018, Ghebremedhin attacked a British citizen, former BBC Editor Martin Plaut, because of his reporting on events in Eritrea. Mr Plaut has often revealed the truth about violence and killings by the Eritrean state, which has made him the object of hate and aggression by the regime and its supporters. Ghebremedhin was arrested and charged, brought before Highbury Corner Magistrates Court, found guilty, and fined. In November 2019, Ghebremedhin and a gang of four other violent Eritrean government supporters, attacked the founder of Assena Satellite TV, Amanuel Eyasu, because of the truths being revealed about Eritrea in the channel’s broadcasts. Once again Ghebremedhin was charged, found guilty, and sentenced at the Isleworth Crown Court to a 16-week suspended jail sentence, a £600 fine, and a 30-day 7:00 p.m. to 7:00a.m curfew. He was also given a restraining order prohibiting him from contacting Mr Eyasu for five years. However, in June 2022 Ghebremedhin phoned Amanuel Eyasu from Eritrea. During this phone call he swore he would kill him and bury him underground, and Mr Eyasu reported the threat to the Police. On 28 May, 2023, when Ghebremedhin returned to the UK, he was arrested at Heathrow Airport. Since then, he has remained in Wormwood-Scrubs prison. He appeared in court, and pleaded guilty to two offences: Threatening to Kill, and Breaching a Restraining Order. He was found guilty and sentenced to 22 months of imprisonment for threatening to kill and breaching a Restraining Order. Ghebremedhin was also given a 10-year restraining order. Human Rights Concern Eritrea (HRCE) applauds the actions of the British police and judicial authorities. HRCE also wishes to point out that people who enjoy the benefits of democracy in the U.K, but who attack journalists and activists, and vow to continue such attacks, are also expressing disdain for British laws and should not be allowed to reside in the U.K. Instead, they should be sent back to serve the dictatorial regime that they support, the regime which is known for its cruelty and continues to commit crimes against humanity against its own people.------ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.+44 7958 005 637 |
ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብወርሒ ለካቲት 2020 ብዕድመ ነፍሰሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል ኣካያዲ ትምህርትን ሕትመትን ማሕበር ኤርትራ ክብገስ እንከሎ፡ “ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ነድሕን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ድምጽን ተግባርን ደምበ ተቓውሞ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዓወት ንምርግጋጽ እዩ።
እዚ ዕማም’ዚ ምስ ኣተሃላልዋ ብዝሒ ውድባትን ፍልልያት ኣተሓሳስባን፡ ኣብ ተመክሮ ከም እተራእየ፡ ብቐሊሉ ክሳለጥ ዝኽእል ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ኣብ ወርሒ ሓምለ 2020 ብዝተገብረ ስምምዕ፡ መስርሕ ሓባራዊ ዕዮ፡ ብመድረኻት ከም ዝከፋፈል ብምግባር፡ ምውህሃዳዊ መድረኽ ጀሚሩ፣ ብሚያዝያ 2022 ከኣ ናብ ሰፊሕ ጽላል ንምስግጋር ብመትከል ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
ተመክሮ መድረኽ ምውህሃድ፡ ንኣካላት ፖሓኤ ምልላይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተወሃሃደ ዕማማት ንምክያድ፣ ኣተሓሳስባ ሓድሕድ ንምርዳእን፡ ንምጽውዋርን ሓጊዙ እዩ። ብዓቢኡ ከኣ እዋናዊ ጠለብ ህዝብና ንዝኾነ ኣድላይነት ምልጋስ ምልካዊ ስርዓትን፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሐ ወስታታቱን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ምልኪ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ስቅያት፡ ሓባራዊ ግንዛቤ ክህሉ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ንጉዕዞ ሓባራዊ ዕማም ዝዓናቐፈ፡ ንመስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ከኣ ዘደናጐየ ፍልልያት ከም ዝጸንሐ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ ዝተገብረሉ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ክትግበር ኣይተኻእለን። ግንከ ውድቀት ናይቲ ዝጀመረ ሓባራዊ መስርሕ ከም ዓብላሊ ምርጫ ፖሓኤ ኣይተወስደን። ስለ’ዚ ከኣ ፈትሊ ርክባትን ዝምድናታትን ከይተበትከ ዘተ ቀጺሉ። ስምምዕ ኣብ ዘተረኽበሎም ጉዳያት ጥራይ እናተሰርሐ፣ ንልዝብን ዓሚቕ ምይይጣትን ሰፊሕ ዕድል እናተዋህበ ምቕጻል ተኻኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ናብ ምቛም ሓደ ሰፊሕ ጽላል ዘሰጋግር ግዝያዊ ሓባራዊ መሪሕነት ንኽቀውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑስ ኣብ 02 መስከረም 2023 ዝተገብረ ጽንብል ተነቢቡ። እንተዀነ ዕለት 10 ሕዳር (November) 2023 ኣብ እተኻየደ ኣኼባ ወከልቲ ኤሃባደለ ኣብ ውሽጢ ኤሃባደለ ገለ ዘይምርድዳኣት ተፈጢሩ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ተጀሚሩ ዘሎ ሰፊሕ ጽላል ናይ ምምስራት መስርሕ ንግዚኡ ሓቢሮም ክቕጽሉ ዘይምዃኖም ኣፍለጡ። ስለዚ ከኣ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ኣካላት ኣብ ዝቕጽል ዕማማቶም ዓወትን ኣሳልጦን ክረኽቡ ተመንዮም ተሰናቢቶምና ኣለዉ። ንሕና'ውን ኣብ ሓጺር ግዜ ሽግሮም ፈቲሖም ምሳና ክቕጽሉ ዘሎና ሰናይ ትምኒት ገሊጽናሎም።
እቶም ዝተረፉ ኣካላት ናይዚ ጥርናፈ ማለት ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)። ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) ላዕለዋይ መሪሕነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ጽሕፈታት መዚዞም ብኣቦ መንበርነት ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ምክትሉ ሓው ያሲን ዓብደላን እናተመርሑ ካለኦት ኣርባዕተ ኣብያተ ጽሕፈታት መስሪቶም “ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ” ብዝብል ስም ተጠርኒፎም ክሰርሑ ጀሚሮም ከምዘለዉ ንኹሉ ደለይ ፍትሕን ለውጥን ከነበስር ንፈቱ።
ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ዝምርኰሰሎም ሃገራዊ መበገስታት ከኣ እቲ ብወርሒ 1, 2023 ተሓዲሱ ዝጸደቐ መሰረታዊ ስምምዕ ኮይኑ፡
- ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፣ ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካል፣
- ሓድነት ህዝብና ምርግጋጽ
- ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና ምዕቃብ
- መሰል ህዝብና ምውሓስን ምሕላውን ዘጠቓልል እዩ።
ንዝሓለፈ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዘውረዶ ዘይተኣደነ ብርሰት ከይኣክል፡ ሕጂ ኣብ ንልዑላውነትና ዝፈታተን ኣንጸላልዩና ዘሎ ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሓርነትን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ካልኣዊ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ኣብቶም ዓበይቲ ናይ ኣፈርክቡ ዕላማታት ክጠራነፉ ኣለዎም ዝብል ኣምነት ኣለና። ህዝብን ሃገርን ምድሓን ዝብል ናይ ኩላትና ተቓለስቲ ሓይልታት ዕላማ ተግባራዊ ንክኸውን ብዘይካዚ ካልእ ቅኑዕ መተካእታ ኣሎ ኣይንብልን።
ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ መጀመርታ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን። የግድስ ምስቶም ካለኦት ተቓለስቲ ሓይልታት ተሻሪኹ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕን ዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምሕጻር ጭቡጥን ሉሉይን ስራሕ ክስርሕ ምዃኑ ከም ቀንዲ ዕማሙ ጌሩ ተበጊሱ ኣሎ። ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ በቶም ሕጂ ተጠርኒፎም ዘለዉ ኣካላት ጥራሕ ኩሉ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ክፈትሕ እዩ ዝብል ሕልሚ የብሉን። እንተወሓደ ግን ኣብ መስርሕ ምቅልጣፍ ምእላይ ስርዓት ህግደፍ ልሉይ ኣስተዋጽኦ ክገብር ከምዝኽእል ብርእሰ ተኣማንነት ተበጊሱ ኣሎ። ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ደለይቲ ለውጥን ናይ ምምልላእ ተራ እምበር ናይ ምውድዳር ሸውሃት የብሉን። ስለዝኾነ እምበኣር ተጀሚሩ ዘሎ ምጥርናፍ ኩሎም ተቓለስቲ ሓይልታት፡ ሲቪክ ማሕበራት፡ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብዚ ዉዑይ ናይ ቃልሲ ህሞት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓድነቶም ከጠናኽሩ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።
ዓወት ንደሞክራሲያውን ህዝባውን ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
17/11/2023
ሓደ ካብ ዕላማታት መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰሓኤ፣ ምስ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዝካየዶ ቃልሲንምቕራብ እኳ እንተኾነ፣ መስርሕ ማሕበራዊ ምዕባለ ሕብረተሰብና፡ ጥንተ ድለባዊ መግዛእቲ ኮነ ምስፍሕፋሕ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ሰረትን ምእታው መግዛእቲ ጣልያን ናብ ኤርትራን ዘይተወደበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ኣስፊራ ስለዘላ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት፡ ታሪኽን መንነትን ሃገሮም ንኽፈልጡን ክመራመሩን ኣበርክቶ ክህልዋ እዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ካላኣይ ውግእ ዓለምን ጠንቅታቱን፡ ኣሰላልፋ ሓይልታትን ውጽኢቱን ከተጠቓልል ከላ፡ ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት፣ ምስ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝተፈጥራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ስልፍታት፡ ዕላማታተን፡ ብዝሐን ኮነ ቁጽሪ ኣባላተን፡ ዝተኻየደ ውሽጣውን ግዳማውን ቃልስን፡ ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብርዓን ዝተገብረ ውዲታትን ፈላለዪ ፈተነታትን’ውን ተንጸባርቕ እያ። ምስዚ፡ ሓያላን ሃገራት ንረብሓታተን ክብላ፡ ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸ ውዲታትን ፈሒሰን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብዝንቡዕ ፈደረሽን ክትተኣሳሰር ምግባረን፡ እቲ ክከላኸላሉ ዘይክእላ ውዑል ድሕሪ ምጥሓሱ ዝተኻየደ ጎበጣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ፖሊቲካዊ መኸተ፡ ታሪኻዊ ተረኽቦታትን ግደ መደበር ቓኞውን ብሰነድ ዘጠቓለለት እያ።
ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ መሓዛኦም ዝዀነ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተቆርነት፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ምስተኣገደ፣ ኤርትራዊ ትካላት ምስ ፈረሰ፡ ዲሞክራስያዊን መሰላት ህዝቢ ምስተጋህሰ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝማዕበለ ስዉር ምንቅስቓስ፡ ንመግዛእቲ ዝተቓወሙ ውፉያትን ግዱሳትን ተመሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ካይሮን፣ ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ወተሃደራትን ብዝወሰድዎ ተበግሶ ናብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘሰጋግር ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣወጀ። ድሕርዚ ኣመለኻኽታ መግዛእታውን ተፈንጨልትን ሓይልታት፡ ከምኡውን ግደ መንግስቲ እስራኤል ዝሓዘት’ያ።
መጽሓፍ ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንተራን ሞያን ሰራዊት ሓርነት ካብ 1961 ክሳብ 1974ን ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዝተኻየዱ ውግኣትን ደባይ ስርሒታትን፡ ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታትን ምፍንጫላትን፡ ንምእራም ክሳብ ቀዳማይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ጻዕርታትን ውሳኔታት ጉባኤን ዝነበረ ዝርዝር ኲነታት ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ብሰፊሑ ገሊጻ’ላ። ምስዚ ብመሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታትን ሰልፊ ነጻነትን ድሒሩ ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንታሪኻዊ ግደ ተሓኤ፣ ንምብራዝን ንምሕካኽን ዝተፈተነ ዘመተ ኣጠቓሊላ ትርከብ።
ታሪኻዊ ግደ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ዝበዀረሉ፣ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምንቅስቓስን ኣብ ዝተነፍገሉ፡ ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ ምልኪ ጅሆ ተታሒዙ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ዘለዎምን፣ ኣብ ስነ ጽሑፍ ግዲኦም ብዘበርከቱ ኣሕዋትን ቅድመ ንባብ ተገይሩላ፡ ብደረስቲ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ነጻነትን ምሕበራዊ ፍትሕን ተሓቲማ ኣብ ምዝርጋሕ ትርከብ ኣላ።
ኣታዊ ሽያጥ መጽሓፍ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤት ትምህርን ኣካለ ጽጉማንን ዝውዕል እዩ።
መጽሓፍ ንምርካብ፡ ብኢመይል፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ተለፎን፡ ኣብ ኣመሪካ +1 408 896 3154፡ ኣብ ጀርመን +49 616 282 793 ኣብ ሆላንድ: +31 686487625 ንምውካስ ይካኣል።
ደረስቲ
صوت المجلس الوطني – العدد الثالث - نوفمبر 2023
Written by Information Office of ENCDCMore...
ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ረዲአት ካብ ወርሒ ታሕሳስ ክትቅጽሎ’ያ’
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ረዲአት፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ከም እትቅጽሎ ተሓቢሩ። በቲ ነዚ ብዝምልከት ብትካል ረዲአት ኣመሪካ (USAID) ብ14 ሕዳር 2023 ዝወጸ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ሰብኣዊ ረዲአት ተቛሪጹ ዝጸንሐ፡ ኣብ ኣገባብ ኣተዓዳድላ ሰፊሕ ምትዕርራይ ክሳብ ዝግበር ምንባሩ ተፈሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ቀረብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሕጽረት ዝኣተወ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ን2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ደርቅን ምዃኑ ምሕባሩ ሮይተርስ ገሊጹ።
ትካል ረዲአት ኣመሪካ/USAID ኣብ ኢትዮጵያ ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ እቲ ናብቶም ተጸበይቲ ዝቐርብ ሓገዝ ስለ ዝተሰርቀ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በቲ ኣካይድዎ ዘሎ ምትዕርራይ፡ ኣብቲ ኣተዓዳድላ ቀጻሊ ምቁጽጻር ከም ዘካይድን ደረጃ ኣበርክቶ ናይቶም ምስኡ ሓቢሮም ዝሰርሕኑ ሰብኣዊ ትካላትን መንግስታዊ ጽፍሕታትን ከም ዝግምግምን ኣፍሊጡ።
እቲ መግለጺ ከም ዝተጠቐሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ምቁራጽ ናይ መግቢ ረዲአት ዘተበጽሐ ብዝምልከት ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ተገይሩ ዘሎ ምትዕርራይ ንኣቀራርባን ምቁጽጻር ረዲአት መግቢ ኣብ ኢትዮጵያን፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከሰጋግሮ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣቀራርባ ንምትግባር ምስ ትካላት ኣቕረብቲ ረዲአት ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ምርግጋጹ እቲ መግልጺ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ትካል ኣብ ኣዘረጋግሓ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግባእ ንተግባር ተዳልዩ ከምዘሎን ብኣኡ መሰረት ከም ዝንቀሳቐስን እቲ ናይ 14 ሕዳር 2023 መግለጺኡ ጠቒሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ14 ሕዳር 2023 ፡ ብዙሓት ሕቶታት ዝቐረብሉ ናይ “3ይ ዓመት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ” ኣካይዱ። ኣብዚ መድረኽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ዛዕባታት ብዙሓት ሕቶታት ዝመለሰ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃበሉ ከኣ፡ ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ነይሩ።
ኣብዚ ብዝተፈላለዩ መዲያታት ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ መድረኽ ሕቶን መልስን፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ “ሕቶና ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ የድልየኒ እዩ ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ወገናት ዝለዓል ዘሎ እዩ” ምስ በለ፡ “እቶም ንሕቶና ሓዱሽን ኣብ ዘይእዋኑ ዝተላዕለን ዘምስልዎ ወገናትከ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከነሰልጥን እንከለና ኣይነበሩን ማለት ድዩ? ነቲ ሓይሊ ከነሰልጥን እንከለናኮ መልእኽቱ ብንጹር ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ የድልየናሎ ማለት እዩ ነይሩ” እውን ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ “ህዝብና ይበዝሕ ኣሎ ብወደብ ናይ ዝኣቱ ጠለብና ድማ ክዓቢ እዩ፡ ብሰንኪ ወደብ ዘይምርካብ ኣብ ጥሜትን ጸገምን እንተወዲቕና ዝኣመናሉ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና፡ ሽዑ ሕጊ ዝበሃል ነገር ኣይህሉን እዩ” ከኣ ኢሉ።
ኣተሓሒዙ ድማ ደሓር ስጉምቲ ምስ ወሰድና ከይትሓቱና ብዘስምዕ ኣገባብ፡ ንብዙሓት ትካላትን ሃገራትን ዘርዚሩ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክሰምዑልና ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ፡ ብስምምዕ ይኹን ብግዲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ናይ ግድን እዩ ዘስምዕ ናይ “ካሮት ወይ በትሪ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣፍሪሱ ኢትዮጵያ ክልተ ውድባት ከም እትውንን ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕን ሎሚ እውን ዘይድገመሉ ምኽንያት የብሉን ዘስምዕ ናይ ቅኔ መልእኽቲ ዘርጊሑ። ካልእ ምስ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምድና ዘየብሉ ነቲ ሓቀኛ መልእኽቱ ንምሽፋን ብዝመስል ብዙሓት ነጥብታት ዘርዚሩ። ብወተሃደራዊ ልዕልና ኢትዮጵያ ንምፍርራሕ እውን ፈቲኑ።
እዚ ኣብይ ኣሕመድ ኣንቂልዎ ዘሎ ተባራዒ ኣጀንዳ፡ ካብቲ ህግደፍ ንምውጋድ እንካይዶ ቃልሲ ከየልግሰና እኳ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና እንተኾነ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ስለ ዝኾነ፡ ቆላሕታ ክንነፍጎ ከምዘይግባእ ምስትውዓል ኣድላይ እዩ።
ንርከበሉ ዘለና እዋን ሓያል “ናይ መን ሓሳብ በለጸ” ውድድር ዝካየደሉ ዘሎ እዩ። እዚ ውድድር ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝካየድን ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን እዩ። ውድድር ኣብ ናጻን ሕጋውን መድረኽ፡ ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ፡ ብግሉጽነት ዝማዕረገ ንብዙሓት ብዘሳትፍ ኣገባብ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ ጸጋ እምበር ሓጥያትን ዘጻልእን ኣይኮነን።
ናይ ሓሳብ ውድድር ኩልኻ ተዓወቲ ትኾነሉ መንፈስ ዝጻረር፡ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን ዝደረቐ፡ ሕጋውን ናጻን መድረኽ ዝነፍግ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ዘይሃናጽን ዘረሓሕቕን ከምዝኸውን ምርድኡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብቲ ንሓሳብ ብሓሳብ ስዒርካ ዕዉት ትኾነሉ ምናልባት እውን ንናይ ካለኦት ዝሓሸ ሓሳብ ክትቅበል እትግደደሉ ስልጡን መስርሕ፡ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ቅንዕናኻን ዓቕምኻን ምዃኑ ብሓቀኛ ኣካይዳ “እንካን ሃባን” ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ጓሲኻ “ተቐባልነት ንክትረክብ ንካለኦት ምውቃስን ምዕማጽን” ግና ኣፍራስን ንናይ ሓባር ቃልሲ ንድሕሪት ዝጐትትን እዩ። ንናይ ካለኦት ኣበርክቶን ኣስተዋጸኦን ኣናኢስካ ምናልባት እውን ክሒድካ ክጥረ ዝድለ ተቕባልነት፡ ግዜ ተጸብዩ ዝድገስን ዘተኣማም ቀጻሊ ህድኣትን ዓወትን ዘየውሕስን ምርጫ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ምእንቲ ናይ ካለኦት ተቐባልነት ተባሂሉ፡ ኣሰተዋጸኦኡ ብሓይልን ጐነጽን ዝተመንዘዐ ኣካል ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ሕነ ካብ ምፍዳይ ንድሕሪት ከምዘይብል ፍሉጥ ስለ ዝኸውን። ብሰንክዚ እቲ ዘይምርግጋእ ቀጻልን መዕለቢ ዘየብሉን ከም ዝኸውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
ኣብዚ እዋንዚ ሓያልን ተፈራሕን ዓቕሚ ናይ ምህናጽን ምእንታኡ ንካለኦት ግዳይ ምግባርን ምዕማጽን በብኹርናዑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ሩሲያ-ዩክረይንን እስራኤል-ፍልስጤምን እንተ ኣማዕዲና ነዚ ኢና ነስተብህል። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናይ ከምዚ ዓይነት ምእንቲ ናትካ ዝናን ረብሓን ካለኦት ናይ ምጉዕጻጽ ጓይላ መዳመቒ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘመስከረ እዩ።
እቲ ዓመጸኛ መንገዲ ኣብ ሃገራት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ በዚ ዝተቓነየ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ምንቅስቓስካን ናይ ምብራኽ ሃቐነ ካብ ተመኩሮና እውን ክንርደኦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። እቶም ንካለኦት ብምውቃስ ሓይልን ተቓባልነትን ክረኽቡ ዝደልዩ ኣካላትን ውዳበታትን ንኻልኦት ክወቕሱ ቅድሚ ምምጥጣር ናብ ውሽጦም ከድህቡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣጻብዕቶም ናብ ካለኦት ከመልክቱ እንከለዉ፡ እቶም ብዘይውዓልዎ ዝውቀሱ ወገናት እውን ክምልሱን ነብሶም ክከላኸሉን ባህርያዊ እዩ። በዚ ድማ እቲ ሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምስዕዓር ስልጡን ውድድር ይዝረግ እሞ፡ ምጽልላምን ምስሕሓብን ይስዕርር። እዚ ኣብ መንጎ ውዳበታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድ ኣብ ሓደ ውዳበ ዝተጠርነፉ ባእታታት እውን ኣድህቦ ዘድልዮ መሰረታዊ ዛዕባ እዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ብናይ ሓባር ቅልጽም ተቓወምቶም ክምከቱ ዝግበኦም ጸረ ህዝቢ ኣካላት፡ ብሰንኪ ዘይምትእምማን ናይቶም ኣንጻሮም ዝቃለሱ ሓይልታት ዕድሚኦም ይነውሕ። ነቲ ምውቕቓስ ሓይልታት ለውጢ ከጋድድዎ ኩሉ ዝከኣሎም ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን። ንኣብነት ናብ ቃልስና እንተመጺእና፡ ህግደፍ በቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ምቅንጻላት “ከበሮ ዓምሓሙ ክወቅዕ” ናይ ግድን እዩ። ጸረ ህዝቢ መርበባቱ ዘርጊሑ ከጋድዶ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድማ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን በብዝመረጽናዮ ኣገባባት ተወዲብና ንቃለስ ኣለና። መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማና ምውጋድ ህግደፍን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትክኡን ኮይኑ፡ ኣብ ሕድሕድና ድማ ናይ “ናተይ ሓሳብን ኣገባብን እዩ ተመራጺ” ውድድር ኣለና። ህላወ ብዙሓት ሰፍልታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት………ወዘተ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኣወዳድባና ነቲ ንኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተነፊግዎ ዘሎ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝምልስ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሓደሓደ ወገናት ዝሰግእዎ ዘሰክፍ ዘይኮነ፡ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ። እቲ ብዝሒ ውዳበታት ብግቡእ እንተዳኣ ኣመሓዲርናዮ፡ ከም ናይ መማረጺ ጸጋ ዝውሰድ እዩ።
ኣብቲ ውድድር፡ ዝሓየልካ መሲልካ ንምቕራብ፡ ዝረአ ዘይምክብባርን ውሽጣዊ ድኽመትካ ንምሽፋን ነቲ መወዳድርትኻ ተሓታቲ ክትገብሮ ምፍታንን ነቲ ኣብዘሓ ኣወዳድባና ጸጋ ዘይኮነስ ጥፍኣትን ውድቀትን ከምስሎ ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ከምቲ ንስኻ ናትካ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ዘለካ፣ እቲ መወዳድርትኻ እውን ናቱ ምርጫ ከም ዘለዎ ክትርደኣሉን ከተኽብረሉን ከም ዝግባእ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዘሰማምዕ መፍትሒ ድማ ናይ ሓዴኻ ጫፍ ኣጋኒንካ ምቕራብ ዘይኮነ፡ ንመንፈስ ናይቲ ተወዳዳሪ ኣተሓሳስባታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኩልኻ እትዕወተሉ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ “እታ ቅንዕቲ ሓሳብ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ዘይኮነ፡ ብሓባር ተቓሊስካ ምእንቲ ክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ዋጋ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓያል ናይ ለውጢ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። እዚ ቃልሱ መቐጸልታ ናይቲ ካብ 50ታት ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ሎሚ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቶም ነባራት ተቓለስትን ሃብታም ተመኩሮኦምን ክኽብርዎን ካብ ተመኩሮኦም ነዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ ይምጥን ንዝበልዎ ክወርሱን ይግበኦም። እቶም ኣውረስቲ ቃልሲ ሓርበኛታት ብወገኖም፡ ነቲ ንቕሎ ናይ ወረስቶም ከተባብዕዎ ግድን እዩ። እቲ ምስግጋር ቃልሲ ወለዶታት ከኣ ብኸምዚ እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ።
ብኣንጻሩ ናይቲ ኣብ ቃልሲ መንእሰይ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ድኽመታትን ዘይምክብባርን ተሓተቲ እቶም ነባራት ተቓለስትን ተኾስኲሶም ዝዓበዩለንን ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሱለንን ውድባቶምን ኣምሲልካ ምቕራቡ ክእረም ዝግበኦ ጌጋ እዩ። እዚ ተረድኦ’ዚ “ዝወደቐ ግረብሲ ምሳር ይበዝሖ” ከም ዝባሃል፡ “ተቐባልነት ንምርካብ ክትብል ንካለኦት ምውቃስ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ድኽመትካ ሓቢእካ ናብ ደገ ምምዕዳው ዘመልክት’ውን እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ግቡእ መልክዕ ሒዙ፡ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ክበጽሕ፡ እቲ ወሳኒ ናቱ መንእሰያዊ ኣተሓሳስባን ዓቕምን’ኳ እንተኾነ፡ እወንታዊ ተመኩሮ ነባራት ተቓለስቲ እምነ-መሰረት ቃልሱ ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ነባራት ውድባት ኤርትራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ነናተን ታሪኻዊ ቦታ ስለ ዘለወን፡ ጠንቅን ተሓተትን ናይዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ድኽመታት ጌርካ ምቕራበን ቅኑዕ ኣይኮነን።