ዲሞክራስያውነት ኤርትራ ንቐጻሊ ሰላም ዞባ ቅድመ-ኩነትዩ

2025-08-27 09:23:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 62 times

ሆርን ረቪው (HORN REVIEW) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ብ22 ነሃሰ 2025 ኣብ ዝዘርግሓቶ ሰፊሕ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ጽሑፍ፡ “ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ምትእትታው፡ ንናይቲ እትርከበሉ  ዞባ ቀጻሊ ሰላም ቅድመ-ኩነት እዩ” ክትብል ኣስፊራ።. ብዛዕባ ዝጸንሐን ዘሎን ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ክትጠቅስ እንከላ ከኣ፡ “ኤርትራ ለውጢ ናይ ዝሕሰም ጨቋኒ ምምሕዳር መዕንደሪ ኮይና ዝጸንሐት፡ ኣብ ክንድኡ ውትሃደርነት እተቐድም ሃገር” ዝብል እቲ ጽሑፍ  ገሊጽዋ።

እቲ ሰፊሕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣተሓሒዙ፡  ማእከላዊ መዘወሪ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዙርያ ናይቲ ብትካላዊ ኣገባብ ዘይኮነ ብውልቃዊ ድሌቱ ዝመርሕ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተደሪቱ ዝጸንሐ እዩ ክብል ኣስፊሩ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደሱ ተንተንቲ፡ ንቅዲ ምምሕዳር ኤርትራ ጥዕና ኣብ ዘየብሉ፡ ብትካል ዘይኮነ ብናይ ውልቀሰብ መለኮታዊ ዕንደራ ዝዝወር ኮይኑ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ኢሎም ከም ዝገልጽዎ እውን ኣብቲ ኣብታ መርበብ ዝሰፈረ ጽሑፍ ኣስፊሩ። ካልእ መለለይ ኤርትራ፡ “መወዳእታ ዘየብሉ ብኩራት ነጻነት” ኢልካ ክግለጽ ከም ዝከኣል እውን ተጠቒሱ።

እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንነጻነት ፍልልይ ዘይጸውር ዝነበረ ውርሻ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከኣ ዝያዳ ከም ዝገደደ ብምጥቃስ፡ ናብ ግጉይ ኣመሰራርታ ሃገርነት ከም ዘምርሐ’ውን ኣቃሊዑ። እቲ ሓያል ወጽዓ ናብ ተሪርን ቀጻልን ወተሃደራዊ ጅሆ ምሓዝ ከም ዝማዕበለ ብምጥቃስ ከኣ ሚዛኑ ኣንቢሩ።

ንኤርትራ “ሃገራዊ ጅሆነት” ተኣሲራ ካብ እትተሓዝ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ እዩ ዝበለ እቲ ጽሑፍ፡  እቲ ብሓፈሻ ምስ ብዙሓት ጐረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ተጻብኦታት ምእታው እቲ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ውትህድርና ክነብርን ምስምሳት ብምፍጣር ለውጢ ንክሕሰምን ከም ዕድል ክጥቀመሉ ከም ዝጸንሓ ሓቢሩ። ኤርትራዊ ንክትከውን ኣብ ውትህድርና ምስታፍ ወሳኒ ቅድመ-ኩነት ክኸውን ከም ዝጸንሐ ብምጥቃስ ከኣ  ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓመጸኛ ፖለቲካዊ ኩነታት ሳዕቤኑ ኣብኣ  ዝድረት ዘይኮነ፡ ዞባዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ’ውን ኢሉ።

 

 

 

Last modified on Wednesday, 27 August 2025 11:28