ኣዘርባጃን ሰለስተ ባንደራኣ ዘምበልብላ ዝነበራ ጃላቡ ብሓይልታት ኤርትራ ስለ ዝተታሕዛኣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ከም ዘቕረበት ሮይተርስ ሓቢራ።  ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣዘርባጃን ኣይዛን ሃጂዛዳ ብ8 ጥሪ 2025 ብዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 እየ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተታሒዘን።

ወሃቢ ቃል ኣይዛን ሃጂዛዳ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብተን  ብ7 ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ ጃላቡ ብጠቕላላ 18 ሰባት ከም ዝነበሩን ኩሎም ኣዘርበጃውያን ከም ዝኾኑን ኣፍሊጡ። እተን ጀላቡ ብመትረብ ስዊዝ ኣቢለን ናብ ኣቡዳቢ እናተጓዕዛ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ምስ ኣተዋ እየን ተታሒዘን።

እተን ሲኤምኤስ ፋህሊያን፡ ሲኤምኤስ ኢጂድን ሴኤምኤስን-3ን ዝተሰምያ ጀላቡ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዘርባጃን ክፍሊ ባሕሪ ካስፒያን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኮይነን፡ ዋላኳ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ርክብ እንተገበራን ኣድላይ ዝበሃል ዝርዝር ሓበሬታ እንተቕረባን መፍትሒ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ነቲ ኣዘርበጃናዊ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢራ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣዘርባጃን ብመንገዲ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ። ነተን ጃላቡን ሰራሕተኛታተንን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ጌና ቀጻሊ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ  ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 165 ኪሎሜተር ርሑቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ብሰንክቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬትን ምንታጒ እሳተ-ጐመራን መረበቶም ገዲፎም ይለቁ ከም ዘለዉ ቢቢሲ-መደብ ኦሮሞ፡ ናይቲ ከባቢ ሓለፍቲ ብምጥቃስ ሓቢራ። ኣብ ዓፋር ዝርከብ ኣርታለ ዝበሃል ቦታ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ንጡፍ እሳተ-ጐመራ ዝሓቖፉ 6 ቦታታት ምዃኑ ድማ እቲ ማዕከን ዜና ተሓቢሩ።

ሱልጣን ካሚል ዝተባህለ ነባሪ ከባቢ ኣርታለ፡ ዶፋን ኣብ ዝተባህለ ጐቦ፡ ሃልሃልታ ሓዊ ዝሓዘ ደበናዊ መልክዕ ዘለዎ ፈሳሲ ካብ መሬት ገንፊሉ ሰማይ ከም ዝዓረገ ጠቒሱ። ናይ ኢትዮጵያ ትካል ምምርማር ጀኦለጂ’ውን ነቲ ሱልጣን ካሚል ዝበሎ ጠቒሱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጽዎ። ኣብቲ ከባቢ ብቕጥራን ዝተለበጠ ዋና ጐደና ከይተረፈ ከም ዝተሰንተቐ ከኣ ነበርቲ ብምስልታት ዘርጊሖም።

ዓብዱ ዓሊ ዝተባህለ ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ብወገኑ፡ ሰባት በቲ ዝረአ ዘሎ ምግንፋል እሳተ-ጐመራን ምንቅጥቃጥ መሬትን ከይጉድኡ ካብቲ ከባቢ ናይ ምጎዓዞም ስራሕ ከም ዝተጀመረ ብወገኑ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬት መመሊሱ ሓይሉ ወሲኹ ክሳብ 5.8 ሬ ክተር ስኬል ከም ዝበጸሐን ቀጻሊ ከም ዘሎን  ኣረዲኡ።

ዶ/ር ሺፈራው ተኽለማርያም፡ ሓላፊ ኮሚሽን ምምሕዳር ማህሰይትን ናይ ሓደጋ ቅሩብነትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡  ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ንኸጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ንምግጣም ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ  ብምሕባር ኣስታት 51 ሺሕ ሰባት ውሑስ ናብ ዝበሃሉ ከባቢታት ኣምሓራን ኦሮሞን ከም ዝተወስዱ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 42 ሺሕ ዝኾኑ ሰራሕተናታት ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኾር ከሰም፡ ፋብሪካኦም ስራሕ ከም ዘቋረጸን ንሳቶም ኣብ ጸገም ከም ዘለዉ ምግላጾምን መርበብ ሓበሬታ ኢንሳይደር ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

እዚ ዝረአ ዘሎ ክስተት ኣብ ኢትዮጵያ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብ ካለኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ልሒሙ ምፍጣር ሓድሽ ኣቀማምጣ መሬት ከይፈጥር ዝሰግኡን  ናይ ኣፍሪቃ ምምቓል ክርከብ ከም ዝኽእል  ዝሰግኡን ወገናት ከኣ ግምታቶም ይገልጹ ኣለዉ።

                   

                                                                                                                                                                                                                                                        الى جماهير ألشعب ألارتري الصامد

 

 في البدء اهني الشعب ألارتري في الدخل والمهجر وقواه الساعية للتغيير بمناسبة العام الجديد2025 وكل عام وانتم بخير وينعاد على الجميع بالخير والبركة.

لم يطرأ في  سلوك وسياسات ألنظام قي العام الماضي 2024 , بل ظل شعبنا يعانيمن القهر وألاستبداد وألحرمان من حقوفه ألانسانية من جراء هذه السلوك والممارسات الهدامة.

 ومن الجانب ألأخر أى في معسكر قوى ألتغيير  شهد العام ألمنصرم  انعقاد مؤتمر القوى السياسية ألارترية مما بعث ألأمل في وضع قطار العمل للقوى الياسية الارترية  في ألاتجاه الصحيح. أملين في ألعام ألجديد 2025 تعزيز ما بدأناهه لكي ينطلق بقوة.في العم الجديد ايضا وكما في كل ألأعوام السابقة لاينتظر من النظام ان يأتي ألتغيير الذي ينعم بة شعبنا بالتطور والتقدم .

ومن الموأكد لا يأتي هذا التغيير الا  بضال  الشعب  ألارتري وقواه السياسية فلذا أدعوا أن نكثف نضالنا وان نكون قدر التحدي.ونحن نودع2024 عام, فان ألنزاعات والحروب المدمرة ألتي اندلعت في منطقتنا وألعالم لم بهداء بعد, اتمنى في العام القادم , أن تحل  هذه النزاعات لمصلحة الشعوب بالطرق السلمية والقانونية , مما يخدم مشاريع ألتطور والتقدو وألاذدهار .في الختام مرا اخرى,  بأسم اعضاء حزب الشعب الديمقرطي الارتري  اقدم التهاني الى الجميع بمناسبة قدوم العام الجديد , وأود ان أعبر عن امنياتي بقيام أعضاء الحزب بكل قوة لتحقيق أهداف ألجزب ولتعزيز انشطة القوة الساسية الارترية كما عهدناه منكم  ذلك دوما.

قرزقيهر تولدي                                                                                                                                                                                                                                                                                                

رئيس حزب ألشعب الديمقراطي ألارتري                                                                                                                                                                                                                                                                    

31 ديسمبر 2024                                                                                                                                                                                                                                                                                              

መንግስቲ ኢጣልያ ንመጀመርያ ግዜ ምስምሳት ብምፍጣር ብሰንክ’ቲ ጁሰፐ ሳፐቶ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ሰባኺ ብስም ሓንቲ ናይ መርከብ ኩባንያ ኣብ ዓሰብ ብ1869 መሬት ምግዝኣ፡ ግዝኣታ ንምስፋሕ  ብ1885 ክሳብ ምጽዋዕ በጸሐት። ድሕሪኡ ከኣ በብቑሩብ ንወገን ምዕራብ ካብ ምጽዋዕ እናተፈሓኾትን ምኽንያታት እናፈጠረትን ብ1 ጥሪ 1890 ንኤርትራ ብሓይሊ ሒዛን ምድረ-ባሕሪ ዝነበረ ስማ ናብ “ኤርትራ”  ቀይራን፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ  እትርከብ  ግዝኣታ ምዃና  ኣወጀት።

ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ንዝተወሰነ ግዜ ኩነታታ ምስ ኣጣጠሐት፡ ድሕሪ 6 ዓመታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካልእ ግዝኣት  ንምውሳኽ ሩባ መረብ ሰጊራ ንወገን ደቡብ ተጓዒዛ፡ ኣብ መጋቢት 1ን 2ን 1896  ኣብ ዓድዋ ኣንጻር ኢትዮጵያ ውግእ ከፊታ ተሳዕረት። ኣብዚ ውግእ’ዚ፡ ኣብ ጐኒ ኢጣልያ ተዓስኪሮም  እናተዋግኡ ዝተማረኹ 800 ኤርትራውያን በቶም ኣብቲ ውግእ ዝተዓወቱ ኢትዮጵያውያን ብዘስካሕክሕ ጭካነ፡ የማናይ ኢዶምን ጸጋማይ እግሮምን ዝተቖርጽሉን ኢጣልያውያን ምሩኻት ግና ናጻ ዝተለቅሉን መስደመም ተግባር ተፈጺሙ። ነቲ ናይ ግዳያት ኣሃዝ ብምጥቃስ፡ እቲ ጭካነ ካብ ከተማ ዓድዋ ንወገን ምብራቕ “ኣባ ገሪማ” ኣብ ዝበሃል ገዳም ከም ዝተፈጸመ፡ ዶር መሓመድ ኬር ዑመር ኣብታ፡ Erirean ancient history to 1958 እትብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 53 ኣስፊርዎ’ሎ።

ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሚነሊክ ዳግማዊ ኢጣልያ ተሳዒራ ናብ ግዝኣታ ዝነበረት ኤርትራ ክትምለስ እንከላ ኣይሰዓብዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳግማይ ዶብ ጥሒሳ ንከይትምለሶም ብ1900፡ ብ1902ን 1908ን  ዶብ ናይ ምንጻር ስምምዓት ተፈራሪሞም። ካብኡ ጀሚረን እየን ድማ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዚ ክሳብ ሎሚ ሒዘናኦ ዘለዋ መልክዕ ዶብን  ኣነጺረን ።  

እንተኾነ መንግስቲ ኢጣልያ ግዝኣት ካብ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ስለ ዘይወጸት፡ ኤርትራ ካብ እትሕዝ ድሕሪ 45 ዓመታት እንደጋና ብ3 ጥቅምቲ 1935 ኢትዮጵያ ንምውራር ዝኸፈተቶ ውግእ፡ ብ1 ማዝያ 1936 ኣብ  ማይጨው ድሕሪ ምዕዋታ ንኢትዮጵያ ክትሕዛ እንከላ፡ ናይ ሽዑ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሴ ቀዳማዊ ድማ ብ1 ጉንበት 1936  ናብ ሃገር እንግሊዝ ንክስደድ ናብ ጅቡቲ ኣቕነዐ።

ንኢትዮጵያ ን5 ዓመታት ተቆጻጺራ ከተመሓድር ዝጸንሐት ወራሪት ኢጥልያ ብ1941፡ ሰራዊት እንግሊዝ ብዘካየዶ ውግኣት ካብ ኢትዮጵያ ተሳዒራ ወጺኣ። ኣብዚ እቶም ን5 ዓመታት ኣንጻር ምእታው ኢጣልያን ስደት ሃጻይ ሃይለስላሴ ናብ ብሪጣንያን ኣብ በረኻ ሰፊሮም ዝቃወሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ስዕረት ኢጣልያ ግደ ነይርዎም ይበሃል።

እቲ ኩነታት ከምዚ ዝተጠቕሰ ክነሱ፡ ኢትዮጵያ ከም ላይበርያ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ዘይተገዝአት 2ይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ምባላ ክሳብ ሎሚ ኣዛራቢ እዩ። ኢጣልያ ክልቲአን ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኽልተ ኣቕጣጫታት ንምርኻብ፡ ጎበታት ኣፍሪሳን ድንድላት ሃኒጻን 1080 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ምጽራጋ ከኣ ክሳብ ሎሚ ህያው ታሪኻዊ መግዛእታዊ ምስክር እዩ።

እዝተፈላለዩ መዛግብቲ ዝምስክርዎ ታሪኻዊ ሓቂ እዚ ዝተጠቕሰ እንከሎ፡ ሓደሓደ ኢትዮጵያውያን ነዚ ሓቂዚ ብዘይምቕባል ጌና ኤርትራ ንመግዛእቲ መኪታን ረፈንዱም ኣካይዳን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገበት ሃገር ድሕሪ ምዃና’ውን፡  “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ” ምስ ዝብል ዝተሳዕረን ግዜ ዝሓለፎን ብሂል ተጣቢቖም ምርኣይን ምስማዕን የገርም።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ ናይ ሕጊ ምሁር፡ ኣብ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ካብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣነት ብዘይ ሕጊ እያ። ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ሕጋዊ ታሪኽ ምርኣይ የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትገዝእ ዝነበረት መንግስቲ ኢጣልያን ብ1900፡ 1902ን 1908ን  ምስ ናይ ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ  3ተ መግዛእታዊ ውዕላት ተፈራሪሞም። እዞም ስምምዓት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኽለሉ እዮም። እንተኾነ እዞም ውዕላት ድሕሪ ኢጣልያ ብ1935 ኣብ ማይጨው ውእግ ከፊታ ናብ ኢትዮጵያ ምውራራ  ውዱቓት ኮይኖም እዮም።”  ዝበሎ ነቲ ዘገርም፡ ዝያዳ ዘስደምም ዝገብሮ እዩ።

እዚ ምሁር ድሕሪ ውግእ ማይጨው ወዲቖም እዮም ዝብሎም ዘሎ ውዕላት፡ እቶም ብደረጃ ዓለም ህያው ተፈላጥነት ሃልይዎም፡ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቖመ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ክነሱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተተግበረ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ብይን ወሲኑ ብ13 ለካቲት 2002 ክእውጅ እንከሎ፡  ዝተመርኮሰሎም ዓለም ለኻዊ ሰነዳት ምዃኖም ብምዝንጋዕ ዝበሎ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ናብዚ ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኮለል የብልዎም ካብ ዘለዉ ምኽንያታት፡ እቲ ብይን ዶብ ብዓንተቦ ዘይምትግባሩ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ናይ ዘይምትግባሩ ሓላፍነት ክልቲኦም ወገናት ዝስከምዎ ተሓታትነት ኮይኑ፡ ብፍላይ ህግደፍ ድሕሪ 2018 ጥጡሕ ኩነታት እናሃለዎ፡ ቅሩብ ዘይምዃኑ ዝያዳ ተሓታቲ እዩ። ኢትዮጵያውያን እውን ንድሕሪት ዘይምለስ ክመልሱ ዝኽተልዎ ዘለዉ መንገዲ ንኢትዮጵያ ኮነ ንህዝባ ዘየርብሕ ምዃኑ ክግንዘቡ ምተገብኦም።

ስለዚ ኤርትራውያን ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ውሳነ ዶብ! ኣብ መሬት ይመልከት እሞ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ናብ ስሩዕ ጉርብትናን ሕድሕድ ምትሕግጋዝን ይመለስ”  ዝብል ድምጽና ከነበርኽ ይግበኣና።

Saturday, 04 January 2025 15:44

dimtsi Harnnet Sweden 05.01.2025

Written by

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ጉባአ ናይ ምግባር ምልክት ተርኢ ከምዘየላ ብ31 ታሕሳስ 2024 ብክታም ናይቲ ቦርድ ሓላፊት ሜላትወርቅ ሃይሉ ብዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ቦርድ ኣብቲ ደብዳበኡ ህወሓት ጉባአ እተካይደሉ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 10 ለካቲት 2025 ዘብቅዕ፡ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ካብቲ ዝተመዝገበሉ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።

እቲ ቦርድ ብ9 ነሃሰ 2024 ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ህወሓት ብፍሉይ ኩነታት ከም ሓዳስ ውድብ ምምዝጋባ ምሕባሩ ጠቒሱ፡ በቲ ዝተመዝገበትሉ ፍሉይ መምርሕን ኣገባብን መሰረት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ጉባአ ከተካይድ ዝእዝዝ ምዃኑ ኣስፊሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ህወሓት ነዚ ኣሰራርሓ ምእዝዝቲ ክትከውንን እቲ ዝካየድ ጉባአ ኣብ ህልውና ኣካላት ናይቲ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ክሳለጥ ከም ዝግበኦ ኣብዚ ናይ ብ31 ጥቅምቲ 2024 መልእኽቱ  እውን ኣዘኻኺሩ።

ጉባአ ክካየድ 21 መዓልታት ክተርፎ እንከሎ ንቦርድ ምርጫ ምሕባርን ንክዕዘብ ንመስርሕ እቲ ጉባአ ንምክትታል ዘኽእሎ ኩነታት ምጥጣሕን ከም ዘግባእ እውን ጠቒሱ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ክሳብዚ እቲ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ 40 መዓልታት ጥራይ ዝተርፎ ንምክያድ ጉባአ ህወሓት ዝምልከት ናብቲ ቦርድ ዝበጸሓ ሓበሬታ ኮነ መጸዋዕታ ከምዘየለ ኣፍሊጡ።

ናይቲ ቦርድ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ውድብ ህወሓት በቲ ዝተነግራ ኣገባብ እንተዘይተቐይዳ ሕጋዊ ሳዕቤት ከም ዘጋጥማ ስምዕታኡ ኣቕሪቡ። መሪሕነት ህወሓት እቲ ኣመዘጋግባ ከም ሓድሽ ዘይኮነ፡ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ደረጃ ከም ዝመልሶ ንክኸውን ዘቕረቦ ጥርዓን በቲ ቦርድ ምርጫ ከም ዝተነጽገ ኣብቲ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

እዚ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ነቲ እታ ውድብ ኣብ ወርሒ ነሃሰ 2024 ኣካይደዮ ዝበለቶ እሞ ንጌታቸው ረዳን ብጾቱን ሰጒጐዮም ዝተባህለሉ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ መበል 14 ጉባአ ኣፍልጦ ዝነፍግ እዩ። ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ ክሳብ 10 ለካቲት 2025 ኣብ ዘሎ መዓልታት ጉባአ እንተዘየካይዳ ህወሓት በቲ ቦርድ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።

Thursday, 02 January 2025 20:31

Dimtsi Harnnet Kassel 02.01.2025

Written by
Page 26 of 609