Wednesday, 15 November 2023 22:47

Dimtsi Harnnet Sweden 11.11.2023

Written by

ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪጻቶ ዝጸንሐት ሰብኣዊ ረዲአት፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ጀሚራ ከም እትቅጽሎ ተሓቢሩ። በቲ ነዚ ብዝምልከት  ብትካል ረዲአት ኣመሪካ (USAID)  ብ14 ሕዳር 2023 ዝወጸ መግለጺ መሰረት፡ እቲ ሰብኣዊ ረዲአት ተቛሪጹ ዝጸንሐ፡ ኣብ ኣገባብ ኣተዓዳድላ ሰፊሕ ምትዕርራይ ክሳብ ዝግበር ምንባሩ ተፈሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መግቢ ቀረብ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሕጽረት ዝኣተወ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ን2ተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጋጠመ ደርቅን ምዃኑ ምሕባሩ ሮይተርስ ገሊጹ።

ትካል ረዲአት ኣመሪካ/USAID ኣብ ኢትዮጵያ ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ እቲ ናብቶም ተጸበይቲ ዝቐርብ ሓገዝ ስለ ዝተሰርቀ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ በቲ ኣካይድዎ ዘሎ ምትዕርራይ፡ ኣብቲ ኣተዓዳድላ ቀጻሊ ምቁጽጻር ከም ዘካይድን ደረጃ ኣበርክቶ ናይቶም ምስኡ ሓቢሮም  ዝሰርሕኑ ሰብኣዊ ትካላትን መንግስታዊ ጽፍሕታትን ከም ዝግምግምን ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ከም ዝተጠቐሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ናብ ምቁራጽ ናይ መግቢ ረዲአት ዘተበጽሐ  ብዝምልከት ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብኣዊ ትካላትን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምርድዳእ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ተገይሩ ዘሎ ምትዕርራይ ንኣቀራርባን ምቁጽጻር  ረዲአት መግቢ ኣብ ኢትዮጵያን፡  ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከሰጋግሮ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ኣቀራርባ ንምትግባር ምስ ትካላት ኣቕረብቲ ረዲአት ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ምርግጋጹ እቲ መግልጺ ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ትካል ኣብ ኣዘረጋግሓ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግባእ  ንተግባር ተዳልዩ ከምዘሎን ብኣኡ መሰረት ከም ዝንቀሳቐስን እቲ ናይ 14 ሕዳር 2023 መግለጺኡ ጠቒሱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብ14 ሕዳር 2023 ፡ ብዙሓት ሕቶታት ዝቐረብሉ ናይ “3ይ ዓመት 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ኢትዮጵያ”  ኣካይዱ። ኣብዚ መድረኽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኢትዮጵያዊ ዛዕባታት ብዙሓት ሕቶታት ዝመለሰ ኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝሃበሉ ከኣ፡ ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት ነይሩ።

ኣብዚ ብዝተፈላለዩ መዲያታት ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ መድረኽ ሕቶን መልስን፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ “ሕቶና ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ የድልየኒ እዩ ዝብል ሕቶ ብብዙሓት ወገናት ዝለዓል ዘሎ እዩ” ምስ በለ፡ “እቶም ንሕቶና ሓዱሽን ኣብ ዘይእዋኑ ዝተላዕለን   ዘምስልዎ ወገናትከ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከነሰልጥን እንከለና ኣይነበሩን ማለት ድዩ? ነቲ ሓይሊ ከነሰልጥን እንከለናኮ መልእኽቱ ብንጹር ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ የድልየናሎ ማለት እዩ ነይሩ” እውን ኢሉ።

ካብዚ ሓሊፉ “ህዝብና ይበዝሕ ኣሎ ብወደብ ናይ ዝኣቱ ጠለብና ድማ ክዓቢ እዩ፡ ብሰንኪ ወደብ ዘይምርካብ ኣብ ጥሜትን ጸገምን እንተወዲቕና ዝኣመናሉ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና፡ ሽዑ ሕጊ ዝበሃል ነገር ኣይህሉን እዩ” ከኣ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ድማ ደሓር ስጉምቲ ምስ ወሰድና ከይትሓቱና ብዘስምዕ ኣገባብ፡ ንብዙሓት ትካላትን ሃገራትን  ዘርዚሩ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክሰምዑልና ዝብል መልእኽቲ ኣስፊሩ፡ ብስምምዕ ይኹን ብግዲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ናይ ግድን እዩ ዘስምዕ ናይ “ካሮት ወይ በትሪ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ስርዓት ሃይለስላሴ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣፍሪሱ ኢትዮጵያ ክልተ ውድባት ከም እትውንን ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕን ሎሚ እውን ዘይድገመሉ ምኽንያት የብሉን ዘስምዕ ናይ ቅኔ መልእኽቲ  ዘርጊሑ። ካልእ ምስ ምውናን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምድና ዘየብሉ ነቲ ሓቀኛ መልእኽቱ ንምሽፋን ብዝመስል ብዙሓት ነጥብታት  ዘርዚሩ። ብወተሃደራዊ ልዕልና ኢትዮጵያ ንምፍርራሕ እውን ፈቲኑ።

እዚ ኣብይ ኣሕመድ ኣንቂልዎ ዘሎ ተባራዒ ኣጀንዳ፡ ካብቲ ህግደፍ ንምውጋድ እንካይዶ ቃልሲ ከየልግሰና እኳ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና እንተኾነ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ስለ ዝኾነ፡ ቆላሕታ ክንነፍጎ ከምዘይግባእ ምስትውዓል  ኣድላይ እዩ።

ንርከበሉ ዘለና እዋን ሓያል “ናይ መን ሓሳብ በለጸ” ውድድር ዝካየደሉ ዘሎ እዩ። እዚ ውድድር ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝካየድን ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን እዩ። ውድድር ኣብ ናጻን ሕጋውን መድረኽ፡ ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ፡ ብግሉጽነት ዝማዕረገ ንብዙሓት ብዘሳትፍ ኣገባብ ዝካየድ  ክኸውን እንከሎ ጸጋ እምበር ሓጥያትን ዘጻልእን ኣይኮነን።

ናይ ሓሳብ ውድድር ኩልኻ ተዓወቲ ትኾነሉ መንፈስ ዝጻረር፡ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን ዝደረቐ፡ ሕጋውን ናጻን መድረኽ ዝነፍግ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ዘይሃናጽን ዘረሓሕቕን ከምዝኸውን ምርድኡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብቲ ንሓሳብ ብሓሳብ ስዒርካ ዕዉት ትኾነሉ ምናልባት እውን ንናይ ካለኦት ዝሓሸ ሓሳብ ክትቅበል እትግደደሉ ስልጡን መስርሕ፡ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ቅንዕናኻን ዓቕምኻን ምዃኑ  ብሓቀኛ ኣካይዳ  “እንካን ሃባን” ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ጓሲኻ “ተቐባልነት ንክትረክብ ንካለኦት ምውቃስን ምዕማጽን” ግና ኣፍራስን ንናይ ሓባር ቃልሲ ንድሕሪት ዝጐትትን እዩ። ንናይ ካለኦት ኣበርክቶን ኣስተዋጸኦን ኣናኢስካ ምናልባት እውን ክሒድካ ክጥረ ዝድለ ተቕባልነት፡ ግዜ ተጸብዩ ዝድገስን ዘተኣማም ቀጻሊ ህድኣትን ዓወትን ዘየውሕስን ምርጫ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ምእንቲ ናይ ካለኦት ተቐባልነት ተባሂሉ፡ ኣሰተዋጸኦኡ ብሓይልን ጐነጽን ዝተመንዘዐ ኣካል  ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ሕነ ካብ ምፍዳይ ንድሕሪት ከምዘይብል ፍሉጥ ስለ ዝኸውን። ብሰንክዚ እቲ ዘይምርግጋእ ቀጻልን መዕለቢ ዘየብሉን ከም ዝኸውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኣብዚ እዋንዚ ሓያልን ተፈራሕን ዓቕሚ ናይ ምህናጽን ምእንታኡ ንካለኦት ግዳይ ምግባርን ምዕማጽን በብኹርናዑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ሩሲያ-ዩክረይንን እስራኤል-ፍልስጤምን እንተ ኣማዕዲና ነዚ ኢና ነስተብህል። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናይ ከምዚ ዓይነት ምእንቲ ናትካ ዝናን ረብሓን ካለኦት ናይ ምጉዕጻጽ ጓይላ መዳመቒ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘመስከረ እዩ። 

እቲ ዓመጸኛ መንገዲ ኣብ ሃገራት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ በዚ ዝተቓነየ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ምንቅስቓስካን ናይ ምብራኽ ሃቐነ ካብ ተመኩሮና እውን ክንርደኦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። እቶም ንካለኦት ብምውቃስ ሓይልን ተቓባልነትን ክረኽቡ ዝደልዩ ኣካላትን ውዳበታትን ንኻልኦት ክወቕሱ ቅድሚ ምምጥጣር ናብ ውሽጦም ከድህቡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣጻብዕቶም ናብ ካለኦት ከመልክቱ እንከለዉ፡ እቶም ብዘይውዓልዎ ዝውቀሱ ወገናት እውን ክምልሱን ነብሶም ክከላኸሉን ባህርያዊ እዩ። በዚ ድማ እቲ ሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምስዕዓር ስልጡን ውድድር ይዝረግ እሞ፡ ምጽልላምን  ምስሕሓብን ይስዕርር። እዚ ኣብ መንጎ ውዳበታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድ ኣብ ሓደ ውዳበ ዝተጠርነፉ ባእታታት እውን ኣድህቦ ዘድልዮ መሰረታዊ ዛዕባ እዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ብናይ ሓባር ቅልጽም ተቓወምቶም ክምከቱ ዝግበኦም ጸረ ህዝቢ ኣካላት፡ ብሰንኪ ዘይምትእምማን ናይቶም ኣንጻሮም ዝቃለሱ ሓይልታት ዕድሚኦም ይነውሕ።  ነቲ ምውቕቓስ ሓይልታት ለውጢ ከጋድድዎ ኩሉ ዝከኣሎም ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን። ንኣብነት ናብ ቃልስና እንተመጺእና፡ ህግደፍ በቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ምቅንጻላት “ከበሮ ዓምሓሙ ክወቅዕ” ናይ ግድን እዩ። ጸረ ህዝቢ መርበባቱ ዘርጊሑ ከጋድዶ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድማ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን በብዝመረጽናዮ ኣገባባት ተወዲብና ንቃለስ ኣለና። መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማና ምውጋድ ህግደፍን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትክኡን  ኮይኑ፡ ኣብ ሕድሕድና ድማ ናይ “ናተይ ሓሳብን ኣገባብን እዩ ተመራጺ” ውድድር ኣለና። ህላወ ብዙሓት ሰፍልታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት………ወዘተ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኣወዳድባና ነቲ ንኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተነፊግዎ ዘሎ  መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝምልስ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሓደሓደ ወገናት ዝሰግእዎ ዘሰክፍ ዘይኮነ፡ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ። እቲ ብዝሒ ውዳበታት ብግቡእ እንተዳኣ ኣመሓዲርናዮ፡ ከም ናይ መማረጺ  ጸጋ  ዝውሰድ እዩ።

ኣብቲ ውድድር፡ ዝሓየልካ መሲልካ ንምቕራብ፡ ዝረአ ዘይምክብባርን ውሽጣዊ ድኽመትካ ንምሽፋን ነቲ መወዳድርትኻ ተሓታቲ ክትገብሮ ምፍታንን ነቲ ኣብዘሓ ኣወዳድባና ጸጋ ዘይኮነስ ጥፍኣትን ውድቀትን ከምስሎ ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ከምቲ ንስኻ ናትካ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ዘለካ፣ እቲ መወዳድርትኻ እውን ናቱ ምርጫ ከም ዘለዎ ክትርደኣሉን ከተኽብረሉን ከም ዝግባእ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዘሰማምዕ መፍትሒ ድማ  ናይ ሓዴኻ ጫፍ ኣጋኒንካ ምቕራብ  ዘይኮነ፡ ንመንፈስ ናይቲ ተወዳዳሪ ኣተሓሳስባታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኩልኻ እትዕወተሉ  ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ “እታ ቅንዕቲ ሓሳብ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ዘይኮነ፡ ብሓባር ተቓሊስካ  ምእንቲ ክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ዋጋ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓያል ናይ ለውጢ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። እዚ ቃልሱ መቐጸልታ ናይቲ ካብ 50ታት ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ሎሚ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቶም ነባራት ተቓለስትን ሃብታም ተመኩሮኦምን ክኽብርዎን ካብ ተመኩሮኦም ነዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ ይምጥን ንዝበልዎ ክወርሱን ይግበኦም። እቶም ኣውረስቲ ቃልሲ ሓርበኛታት ብወገኖም፡ ነቲ ንቕሎ ናይ ወረስቶም ከተባብዕዎ ግድን እዩ። እቲ ምስግጋር ቃልሲ ወለዶታት ከኣ ብኸምዚ እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ።

ብኣንጻሩ ናይቲ ኣብ ቃልሲ መንእሰይ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ድኽመታትን ዘይምክብባርን ተሓተቲ እቶም ነባራት ተቓለስትን ተኾስኲሶም ዝዓበዩለንን ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሱለንን ውድባቶምን ኣምሲልካ ምቕራቡ ክእረም ዝግበኦ ጌጋ እዩ።  እዚ ተረድኦ’ዚ “ዝወደቐ ግረብሲ ምሳር ይበዝሖ” ከም ዝባሃል፡ “ተቐባልነት ንምርካብ ክትብል ንካለኦት ምውቃስ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ድኽመትካ ሓቢእካ ናብ ደገ ምምዕዳው ዘመልክት’ውን እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ግቡእ መልክዕ ሒዙ፡ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ክበጽሕ፡ እቲ ወሳኒ ናቱ መንእሰያዊ ኣተሓሳስባን ዓቕምን’ኳ እንተኾነ፡ እወንታዊ ተመኩሮ ነባራት ተቓለስቲ እምነ-መሰረት ቃልሱ ምዃኑ  ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ነባራት ውድባት ኤርትራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ነናተን ታሪኻዊ ቦታ ስለ ዘለወን፡  ጠንቅን ተሓተትን ናይዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ድኽመታት ጌርካ ምቕራበን ቅኑዕ  ኣይኮነን።

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ብ11ን 12ን ሕዳር 2023 ሓፈሻዊ ኣኼባታት ኣባላት ሰልፊ ኣካይዱ። እቲ ናይ 11 ሕዳር ምስ መሰረታት ሰልፊ ኣብ ኤውሮጳ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ድማ ብ12 ሕዳር 2023 ተቓኒዑ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ኣኼባታት፡ ንተሳተፍቲ ስለቲ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ዘርኣይዎ ተሳትፎ ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ዝዝረበሎም ኣጀንዳታት ኣፋሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ሰፊሕ ምይይጥ ዝተገብረሎም፡ ገምጋም 4ይ ጉባአ ሰዲህኤን ጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝኣትዎ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍን ግደ ሰዲህኤ ኣብቲ መስርሕን ዝብሉ ነይሮም።

ኣቦ-መንበር፡ ኣብቲ ዝሃቦ መበገሲ ሓሳብ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ድሕሪ ምጥቃስ፡ ውጽኢቱ ድማ ዲሞክራሲያዊ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ነዚ ዛዕባ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ምድህሳሱ ዘድለየሉ ምኽንያት ድማ መጻኢ ጉባአታት ኣብ ምድላው፣ ካብቲ ኣውንታዊ ኮነ ኣሉታዊ ተመኩሮ ንምቕሳም ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጽዎ።

መግለጺኡ ብምቕጻል እቲ ንነዊሕ ግዜ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎን ነዚ ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ሓባር መግለጺ ንክወጽእ ከም መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎን ብዝርዝር ኣበሲሩ። ብዘይካዚ ኣቦመንበር ገረዝግሄር ድሕሪ 4ይ ጉባአ ካብ ዝተራእዩ ንጥፈታት ሰዲህኤ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ጠቒሱ።

ናይዚ ብመንገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣኼባታት ተሳተፍቲ፡ ድሕሪቲ መግለጺ ሕቶታትን ርኢቶታትን ብምቕራብ ነቲ ምይይጥ ኣህብቲመሞ። ኣቦመንበር ድማ ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ።  መስርሕ 4ይ ጉባአ ዲሞክራሲያዊ ከም ዝነበረን ከኣ ማእከላይ ዕግበት  ተሳተፍቲ እዃ ይኹን እምበር፣ ንዝያዳ ጽፈት መጻኢ ጉባአታት ድማ፡ ማእከላይ ባይቶ ብዓንተብኡ፡ ብዛዕባ እተን ኣብ ምድላው ጉባአ ወሳኒ ግደ ዘለወን ሓጻይትን ኣሳናዳኢትን ሽማግለታትን ካለኦት ኣካላትን ጽጹይ ቅድመ-ምድላው ዝግበረሉ መንገዲ ክፈጥር  ካብቲ ኣኼባ  ለበዋታት ቀሪቡ።

ብዘይካዚ ኣንጻር ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምፍጣር መተካእታ ከምዘየብሉ ብምጥቃስ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ክቕጽልን ኣብኡ ከይተደረተ ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ ዝብርኸሉ ኩነታት ንምፍጣር  ቃልሲ ንክቕጽል ተሳተፍቲ ኣኼባ ዕዙዝ ለበዋ ኣቕሪቦም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታትን ምንቅስቓስ መንእሰያትን፡ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን በተሳተፍቲ ተላዒሉ፡ ሰፊሕ መብርሂ ድማ ተዋሂብዎ። ከምኡ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ተላዕሉ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባን ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ነዚ ብዝምልከት ብ21 ጥቅምቲ 2023 ዘውጸኦ መግለጽን ዘተኮሩ ሕቶታት ተላዒሎም መብርሂ ተዋሂብዎም።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት መሪሕነትን መሰረታትን ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ንክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ብወገኑ እዚ ርክባት  ቀጻሊ ዝኾነሉ መደብ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ ህልውናን ሓያልነትን ሰዲህኤ፡ ብኣበርክቶ ኣባላቱ ከም ዝውሰን ብምጥቃስ ኣብ መጻኢ እውን ነፍሲ ወክፍ ኣባል ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዳያት  ቃልሱ ንከሕይል  ጸዊዑ።

بيان صحفي للجنة التنفيذية لحزب الشعب الديمقراطي الارتري

عقدت اللجنة التنفيذية لحزب الشعب الديمقراطي الإرتري اجتماعا طارئا بقيادة المناضل قرزقهير تولد, رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري,  في 20 أكتوبر الجاري. تم خلال هذا اللقاء تبادل المعلومات حول مختلف القضايا الإرترية والإقليمية الراهنة وإجراء تقييمات متعمقة حول القضايا المهمة. وأخيرا، اتخذ الاجتماع قرارات بشأن قضايا الساعة الهامة كما يلي:

1- كلمة الدكتور آبي أحمد حول قضية ميناء عصب

وحتى بعد استقلالها، ظلت إرتريا على جدول أعمال السياسيين الإثيوبيين. ولم يكن لدى الحكومة الإثيوبية التي تقودها الجبهة الثورية الديمقراطية الشعبية موقف متردد بشأن السيادة الإرترية. إلا أن مختلف المجموعات والعناصر التي لم تكن في السلطة كانت ولم تزل تعبر عن عدم قناعاتها باستقلال وسيادة إرتريا بحجة ان "إثيوبيا أصبحت بلا منفذ البحر". بعد وصول حزب الازدهار الإثيوبي إلى سدة السلطة في عام 2018، تحدى العديد من وسائل التواصل الاجتماعي والسياسيين الاثيوبيين السيادة الإرترية بحجة “كيف يمكن لإثيوبيا أن تكون دولة كبيرة بدون منفذ البحر"

وبعد عدة محاولات غير مباشرة في الأيام الأخيرة، أعلن رئيس الوزراء أبي أحمد رسميًا وقال "سوف نمتلك ميناء عصب بالقوة أو سلميًا" في جدول الأعمال الرسمي لاجتماع أعضاء حزب الازدهار الحاكم ثم في البرلمان الإثيوبي اعتبارًا من 13 أكتوبر 2023. وأشارت اللجنة التنفيذية إلى أن تعليقاته تم قبولها من قبل المنتديات المؤسسية. كما غطتها وسائل الإعلام الحكومية الإثيوبية. وتنبهت اللجنة التنفيذية بأن هذه المحاولة يمكن أن تؤدي إلى عواقب خطيرة وإراقة الدماء، رغم أنها لن تغير سيادة إرتريا المبنية على أساس قانوني متين.

إن اجتماع اللجنة التنفيذية، في أعقاب البيان الرسمي الأخير للدكتور أبي أحمد الذي أظهر جرأة ضد سيادة إرتريا في مختلف المحافل، يدرك بعمق أن سيادة إرتريا البرية والمائية والجوية لا تقهر، وينبه قائد اثيوبية باقوى العبارات أن يتراجع عن الأخطاء التي أرتكبها بحق شعبنا حتى الأن مطالبا اياه التجنب عن دخول في مثل هذه الجرأة الواهية ضد سيادة إرتريا وشعبها والتي يمكن أن تعرض كلا الشعبين لمخاطر لا يحمد عقباها.

إثيوبيا ليست الدولة الوحيدة التي ليس لديها منفذ بحري وهناك دول أخرى مثلها. ومع ذلك، لم تكن هناك دولة تأخذ بالقوة ميناءً ليس ملكا لها لأنها كانت بحاجة إلى منفذ بحري. أما بالنسبة لمستوى استخدام الموانئ، فقد تتفهم اللجنة التنفيذية أنه من البديهي وأنه من الممكن استخدامها حسب الاتفاقيات المبرمة والتي لا تتعارض مع سيادة إرتريا وتحكمها المعاهدات الدولية بهدف خلق وضعا ينمو فيه الشعبان معا.

وفي هذا الصدد، أدرك اجتماع اللجنة التنفيذية أنه كما يقول المثل “يلومون زوجة ابنهم دون أن يسبوا ابنهم” ولذلك أشار بأن الديكتاتور اسياس أفورق هو المجرم الرئيسي ويجب محاسبته بالدرجة الولى. إن علاقة إسياس الشخصية والمبهمة وغير المؤسسية في العلاقات الإرترية الإثيوبية بعد عام 2018، ودعمه السيئ السمعة لسياسة “الوحدة” في مختلف المحافل الإثيوبية، وإطلاق الوعود التي تعرض السيادة الإرترية للخطر، هي السبب في كل ذلك اليوم. بعد تصريح د. آبي أحمد كان تعليق الطقمة الحاكمة في ارتريا خجول وغامض. ولذلك، فإن اللجنة التنفيذية تاخذ في عين الاعتبار بما كان يقوله إسياس "من يقولون بأن الشعب الارتري والاثيوبي شعبان فهم الذين لا يعرفون الحقيقة" وهنا يكفي استحضار سياسة الدكتاتور إسياس غير المسؤولة والتي اصلا اعطت المسؤولية للإثيوبيين في التحرك باسم إريتريا وتدينها بشدة.

وأخيرا، في هذه المرحلة الحرجة وسيادة إرتريا تسير في اتجاه مقلق بسبب الباب الذي فتحته لها جماعة إسياس الخائنة دعت اللجنة التنفيذية للعمل المشترك بين قوى التغيير الارترية وضرورة توحيد صفوفها عاجلا.  

2- الحرب بين فلسطين وإسرائيل  

وكانت الحرب الدامية بين الفلسطينيين وإسرائيل منذ 7 أكتوبر 2023 قضية الساعة الأخرى التي ركزت اللجنة التنفيذية على تقييمها. ووصف الاجتماع المذبحة التي تعرض لها الأبرياء وتدمير البنية التحتية بأنها أمور مؤسفة. ورأت اللجنة التنفيذية أن الحرب ليست الحل للخروج من هذه المذبحة المستمرة، وحثت أطراف الصراع على احترام المعاهدات والمواثيق المبرمة والتي تنص "أن تصبح فلسطين وإسرائيل دولتين مستقلتين وفقا لقرارات الأمم المتحدة" ودعت مجلس منظمة الأمم المتحدة ومجلس الأمن الدولي أن تعزز ضغوطها لضمانه.

بالأضافة الى ذلك, دعا الاجتماع جميع الأطراف المعنية إلى ممارسة الضغط على إسرائيل لوقف هجماتها المستمرة على المدنيين الفلسطينيين العزل ورفع الحصار وحرية وصول المساعدات والإمدادات الإنسانية الفلسطينية.

21 اكتوبر 2023

                     

ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረቢያን ኣፍሪቃን ብ10 ሕዳር 2023 ኣብ ሪያድ ተኸፊቱ። ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ርክብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓዊስካ፡ ናይ ናጀርያ፡ ጋቦን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ማውሪታንያ፡ ማውሪተስ፡ ማላዊ፡ ታንዛንያን ኢትዮጵያን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።

ናይዚ ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕብባር ምሕያል፡ ምድህሳስ ዘባዊ ጸጥታዊ ስግኣት፡ ብምምርማርን መጽናዕትን ዝተሰነየ ቁጠባዊ ዝምድና ምሕያል፡ ሓድሽ ጸዓታዊ መፍትሒ ምርካብን ወፍርን ምትሕብባርን ምትብባዕን  ከም ዝርከብዎ  ማዕከናት ዜና ሳዑዲ ዓረብ ዝሃበኦ ኣፈናዊ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ መንጎ እዛ ዝለዓለ ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ሳዑድ ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ዓመታዊ ንግዳዊ ልውውጥ ክሳብ 18 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ እዩ። ካብዚ እቲ 13 ቢልዮን ዶላር ካብ ሱዕድያ ናብ  ኣፍሪቃ ዝለኽ እዩ።

ሱዕዲያ  ነዳዲ፡ ሓጺን፡ ፕላስቲክ፡ ተፈጥሮኣዊ ቀመማትን ዘመናዊ ድዅዒን ዝኣመሰሉ ናብ ኣፍሪቃ ክትልእኽ እንከላ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገነን፡ ኮፐር፡ ስርሓት ሓጺን፡ ፍረታት፡ ቡን፡ ቆጽሊ ሻህን ዝርከብዎም ፍርያተን ናብ ሱዕዲያ ይልእካ።

እቲ ማዕከን ዜና ከም ዝገለጾ፡ እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ንግስነት ሳዑድ ዓረብ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብተናጸል ኮነ ምስ ዝተፈላለያ ዞባዊ ትካላት ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ጻዕርታት እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሳዑዲ ዓረቢያ እቲ ኣብ መንጎ ዓረብን ኣፍሪቃን ክካየድ መዲባቶ ዝነበረት ርክብ፡ ብሰንክቲ ኣብ ፍልስጥኤም ዘሎ ኩነታት፡ ንካልእ ግዜ ምስተሰጋገረ  እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን  ክካየድ ከም ዝወሰነት  ክፍለጥ ተኻኢሉ።

Thursday, 09 November 2023 21:14

Dimtsi Harnnet Kassel 09.11.2023

Written by

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱን  22 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ያቆብ ገ/መድህንን

ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛን መስራትን ተለቪዥን ኣሰና፡ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ጉድኣት ከውርድ ዝፈተነ ዕሉል ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ ያቆብ ገብረመድህን 22 ኣዋርሕ ንክእሰር ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝበየነ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ሓቢረን።

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባቲ ተረኽቦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍ፡ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ፡ “ክቐትለካ እየ” ዝብል ናይ ቴለፎን መልእኽቲ ሰዲድሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ እዚ ገበነኛ ኣብ 2019 እውን ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ብደረጃ ጉጅለ ጉድኣት ብምውራድ ተኸሲሱ፡ ናብ ኣማንኤል ገጹ ከይቀርብ ተኣዚዙ ነይሩ።  እንተኾነ ነቲ ትእዛዝ ብዘይምኽባሩ 5 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።  ድሕሪ እዚ ናብ ቤት ፍርዲ እንዳተመላለሰ ክሱ ክከታተል ምስ ጸንሐ እዩ ብ7 ሕዳር 2023፡ 22 ኣዋርሕ ንክእሰር ተፈሪድዎ።

ያቆብ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ፡ ጋዜጠኛ፡ ተመራማርን ደራስን ማርቲን ፕላውት እውን መጥቃዕቲ ክፍጽም ፈቲኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

Page 25 of 557