Saturday, 12 October 2024 19:00

Dimtsi Harnnet Sweden 12.10.2024

Written by

ሃገር ብዘይ ህዝባ ሃገር ኣይትኸውንን’ያ፡ ህዝቢ እውን ብዘይሃገሩ ክብርን መንነትን ኣይህልዎን። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ምእንቲ ሃገርን ምእንቲ ህዝብን ዝግበር ቃልሲ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት እምበር ፈላሊኻ ዘይርአ ዝኸውን። ህዝቢ ንሃገሩ ዝኸፍለላ ግቡኣት  ኣለዎ። ብማዕሪኡ ከኣ ካብ ሃገሩ ክረኽቦ ዝግበኦ ዜግነታዊ መሰላት ኣለዎ። ሃገርን ህዝብን ነጻጺልካ ምርኣይ ከምዘይከኣልን  ዝምድና ግቡእን መሰልን እውን ከምኡ ሓደ ካብቲ ሓደ ዘይነጻጸል እዩ።

ሃገርን ዜጋን ፈላሊኻ ከምዘይረኣዩ፡ ኣብ ውደባ እውን ኣባልን ዝተሰለፈሉ ትካልን ተመሳሳሊ ዝምድና ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣባላት ተምሳል ውዳበኦም እዮም፡ ውዳበታት እውን መርኣያ ኣባላቶም እዮም ክኾኑ ዝግብኦም። ግቡእን መሰልን ከም ድላይካ ተብዘሖን ወይ ተውሕዶን ዘይኮነ፡ ተመጣጢኑ ንክቕጽል ዘኽእል ዝተስነደ ቀጥዒ ኣለዎ። ብደረጃ ሃገርን ህዝብን ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ካብዚ ነጺልካ ዘይረአ ናይ ዜጋታት ግቡእን መሰልን ኣብቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ዘነጽር ሕገመንግስቲ ከይተረፈ፡ ብዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሰነዳት ዝንጸር እዩ። ብዛዕባ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፍን ኣባላቱን ክለዓል እንከሎ  ድማ፡ ኣብቲ ክመሓደርሉ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዘጽድቕዎ መመሓደሪ  ሕጎም ግቡእን መሰልን ዓብይ ቦታ ዝሕዙ እዮም። ግቡእን መሰልን ከከም ኩነታት ናይ ሃገራትን ዜጋአንን ናይ  ውዳቤታትን ኣባላተንን  ክፈላለ ዝኽእል ኮይኑ፡ ዘይስገሩ መሰረታዊ ዘመሳስሉ ነጥብታት ግና ኣለዉዎም።

ዜጋታት ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ነዓኡ መሰረት ገይሮም ንዝወጹ ሕግታት ናይ ምምእዛዝን ናይ ምትግባርን ሓላፍነት ኣለዎም። በቲ ሕግታት መሰረት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ዝግበኦም ምኽፋል’ውን ከምኡ ግቡእ እዩ። እቲ ሕግታት ማዕረማዕረቲ ግቡእ፡ መሰል እውን ዘኽብር እምበር ናብ ግቡእ ጥራይ ዝዛዘወ ክኸውን ኣይግባእን።  በቲ ሕጊ መሰረት ዜጋታት ንሃገሮም ክኸፍልዎ ግቡኦም ንክፍጽሙ ዝመርሕ መንግስቲ፡ መሰሎም ከይጐድል ናይ ምምጥጣን ሓላፍነት’ውን ኣለዎ። ንግቡእ ኣገዲድካ መሰል ምንፋግ ግና ረብሓ ዜጋ ዘየውሕስ፡ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ናይ ሃገር ሰላምን ልምዓትን’ውን ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ምትእምማን ዘጥፍእ ናይ ሓቢርካ  ምቕጻል ሓደጋ እዩ።

ዜጋታት ግቡኦም ዝፍጽምሎም ኣገባባትን ዝሳተፍሎም መዳያትን ብዙሓት እዮም። ወተሃደር ኮይንካ ህልውና  ሃገር ምዕቃብ ሓደ ኣገባብ ምፍጻም ግቡእ እዩ። ኣብ መዳይ ልምዓት ተዋፊርካ ቁጠባ ሃገር ምዕባይ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት ምሃብን  ከለኦትን ዜጋታት ግቡኣቶም ዝፍጽምሎም ዓውድታት እዮም። እዚ ግቡእ ብሃቦ ተረከቦ ዝፍጸም ዘይኮነ፡ ናይቶም ዝዋፈሩ ዜጋታት ኩለ-መዳያዊ ብቕዓት፡ ቅርቡነትን ዝንባለን ኣብ ግምት ምእታው ንዝያዳ ኣድማዕነት ኣድላይ ይኸውን። ኣብዚ እቲ ዜጋታት ግኡኣቶም ንኽፍጽሙ ዘዋፍር፡  ድሌት ውልቀ መራሒ ወይ ጉጅለ ዘይኮነ እቲ ግቡእን መሰልን ዝድንግግ ሕጊ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ኣብ መስርሕ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ሃገሮምን ናይቲ ዝዋፈርሉ ዕማምን ዓላማን ናይ ምርዳእ፡ ዝምርሕሉ ሕግን ስርዓትን ኣብ ምውሳን፡ ዝመርሖም ኣካል ኣብ ምምራጽ፡ ፍትሒ ናይ ምርካብ፡ መሰረታዊ  ዜግነታዊ መሰላቶም ተርዲኦም ናይ ምዕቃብን ካለኦትን ናይ ምፍላጥን ምርካብን መሰል ኣለዎም። ዜጋታት ብመንጽርቲ ኣብ ምፍጻም ግቡእ ዘርእይዎ ትግሃትን ብቕዓትን በቲ ዝመርሖም መንግስቲ  ዝምጥኖም መዓርግ ኮነ ነገራዊ ሓለፋ ዘንጸባርቕ መሰል ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ዜጋታት ብምዃኖም ጥራይ ብውሕዱ ዝሕለወሎም መሰረታዊ መሰላት ኣለዎም። ኣብ ሃገርካ ናይ ምንባርን ናይ ምንቅስቓስን፡ ወረቐት መንነትን ፓስፖርትን ናይ ምውናንን መጽለሊ እትሰርሕሉ መሬት ናይ ምርካብ …… ወዘተ፣ ዝኣመሰሉ መሰላት ክዕቀበሎም ይግባእ። ነዚኣቶም ንክትረክብ ኣብ ልዕሊ ዜጋ ምዃንካ ተገዲድካ ናይ ዝኾነ ሰልፊ ይኹን ሰብ መዚ መጣቕዕን መቀባጠር ምዃን ኣየድልን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ንክትነብር እትሕተቶ ግቡኣት ሕጋዊ ደረት ስለዘይብሉ ዝርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።   ኣተገባብራኡ ከኣ ግቡእ ምዃኑ ተሪፉስ ናብ ኣገልጋልነት ውልቀ ሰባት  ዝቐረበ እዩ። ሃገር ክትከላኸሉ ተባሂሎም፡ ዋኒን ትምህርቶምን ሓዳሮምን ነፊጎም ተገዲዶም ዝወፈሩ ብግብሪ ግና ብዘይክፍሊት ናይ ኣዘዝቶም ኣባይቲ ክሃንጹን ጀራዲኖም ክኹስኩሱን ዝውዕሉ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ባርነት ሓሊፉ፡ ሃገራዊ ግቡኣም ይፍጽሙ ኣለዉ ክበሃሉ ዓገብ እዩ። እቲ ብዝተፈላለዩ ሸፈጣት ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ዝሃልቅዎ ክውሰኾ እንከሎ ድማ እቲ ዓገብ ዝያዳ ይዓርግ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን መሰል ምርካብ እሞ ይጽናሕ ደሃይ ቤተሰቦም ናይ ምፍላጥ መሰል እውን የብሎምን። ካብዚ ብዝገደደ ኤርትራ ብዜግነት ኣብ ሃገርካ ናይ ምቕባር መሰል እውን ብዘየኽብር ጉጅለ እትሳቐ   ሲኦል  እያ ኮይና ዘላ። እቲ በብሓደ ፈቐዶ ሃገራት ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ናይ ምልባስ መሰል ዝንፈጎ ዘሎ ኣጽኒሕና፡ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ንልዕሊ 11 ዓመታት ተኸዚኑ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምቕባር መሰል ዝተነፍጎ ኣስከሬናት ምዝካር ጥራይ  እኹል እዩ።

ከም ናይ ኤርትራ ብዝኣመሰለ መሰላት ዝነፍግ መላኺ ስርዓት ኣብ ዝምረሓ ሃገራት፡ መራሕተን ነቶም ዜጋታት ሓልዮም ዘይኮኑ፡  ምእንቲ ከገልግልዎም ዝፈቕድሎም ውሱናት መሰላት ኣለዎም። ዝተወሰነ ትምህርትን ጥበብን ንክቐስሙን ኣብ ዝተወሰነ ቁጠባዊ ንጥፈታት ንክሳተፉን የፍቅድሎም። እዚ ኣብታ ኣብ ኣፍሪቃ ብኤርትራ   እትውከል ሰሜን ኮርያ’ውን ይረአ እዩ።  ኣብ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ግና ኣደንቊሩ፡ ኣድክዩን ኩሉ መሰላት ከሊኡን  ዝገዝእ ሕሉፍ ጨካን እዩ። ምስዚ ኩሉ ኤርትራውያን “ሃገርኩም ኣበይ እዩ?” ክንባሃል እንከለና መልስና ብሓበንን ኩርዓትን “ኤርትራ”  ዝብል እዩ። ከምዚ ኢልና  ምምላስና፡   ብኤርትራውነትና  ክንረኽቦ ዝነበረና  ዝተነፍግናዮ መሰል ከምዘሎ ብምዝጋዕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ጸገም ኣብ ኤርትራውነት ዘይኮነ፡ ኣብቶም ዝመርሕዋ ዘለዉ ዓመጸኛታት ምዃኑ ናይ ምግንዛብና  ሓላፍነታዊ መርኣያ እዩ።

ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝበሃል፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክርሲያውን ፍትሓውን ብዝብሉ ንተግባሩ ዘይምጥኑ ቅጽላት ተሓቢኡ፡ ንግቡኣት ኣራጒዱ፡ መሰላት ነፊጉ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ’ዩ እሞ፡ ነቲ ብስም ዝመላኽዖ መንነቱ ብሓባር ናይ ምቅላዑ ቃልስና ነሕድስ መልእኽትና እዩ።

24.09.2024

Martyr Mohamed Adem Artaa 1

ብሕማም ምኽንያት ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምስቃይ፡ እቲ ኣብ ሞያ ማሕበር ንጡፍን መራሕን ዝነበረ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ወጋሕታ ቀዳም ብዕለት 24.08.2024 ኣብ ካይሮ ርእሰ-ከተማ ግብጺ ተሰዊኡ።

ስዉእ ኣርትዓ ብ1958 ዓ.ም ኣብ ኣቑርደት፡ ርእሰ-ከተማ ባርካ ተወሊዱ። ኣቦ 5 ኣወዳትን ኣዋልድን ኢዩ። በኹሪ ወዱ መርዋን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ድሕሪ መርዓ ሓዉ ብሃንደበት ዓሪፉ። ብሞት ናይ ውላዱ ብርቱዕ ሓዘን ኢዩ ዝስምዖ ዝነበረ። ከም ኣጋጣሚ ከኣ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ እውን ኣብ’ታ ውላዱ ዝዓረፈላ ዕለት 24 ነሓሰ ኢዩ ተሰዊኡ። ስዉእ ኣርትዓ ናይ ከተማ ኣቑርደት፡ ናይ ሩባ ባርካን ስንጭሮታቱን፡ መስጊዱ፡ ከም ዓካት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ፍሬታትን ፍሩታታትን ናይ ዓርኮብኮባይን ዶምን  ጥቕምታቶምን ኣበቛቑሎኦምን ኣመዓባብልኦምን ደረጃ ዕብየቶምን ኣዴታትን ህጻናትን ፍሬታት ክለቕሙ ከለዉ እናዘከረ ብዓሚዩቕ ናፍቆትን ፍቕርን ኢዩ ዝገልጾም ነይሩ። ካልእ ስዉእ ኣርትዓ ቃንዝኡ ቅሩብ ቅልል ክብለሉ ከሎ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ ብዛዕባ እታ ብጸላም ሰንበት እትፍለጥ ግዙፍን ደማውን ህልቂት ዝተፈጸመላ ዕለት፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ምሉእ ህይወቱ ዋጋ ዝኸፈለሉ እሞ ሞሳ ዘይረኸበሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ የዘንትወልና ነይሩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ስቓይ መነባብሮ ናይ ኩሎም ክቡራት ተጋደልቲ ትዕድልቲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።

ተቓላሲት ከተማ ኣቑርደት ንካብ ደገ ዝመጹ ጨቆንቲ ገዛእቲ ይኹን ካብ ውሽጣ ዝበቖሉ ጨቆንቲ ኣምሓደርታ እሾኽ’ያ ነይራ። ንኣቑርደት ከም’ዚ ኢለ ክንእዳ እንከለኹ፡ ነተን ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኤርትራ፡ ካብኣ ዘይውሕድ ዝኸፈልኦ መስዋእቲ ንምንእኣስ ወይ ንምርሳዕ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ንኣቑርደት ህያው (በረኸት ኣቡ ሁመድ)፡ ካብ ካልኦት ከተማታትን ቁሸታትን ኣፍሪቃ  ዝፈልያ ግን፡ ኣብ ጽንኩር ኩነታት መዕቆቢትን መፈልፈሊትን ማህጸን ናይ ሰውራውያን ስለዝነበረት ኢዩ። ኣቑርደት፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ዓቢ ግደ ዝተጻወቱ ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ፡ መራሕትን ሰማእታትን ዝኸፈለት ከተማ  ኢያ። ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ከኣ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ መድረኻት ሰጋእ ከይበለ፡ ተስፋ ከይቆረጸ፡ ምእንቲ ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ናይ ኩሎም ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ዝተቓለሰን፥ ኩሎም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ክፍልታትን ፓለቲካውን ስነሓሳባውን ሓይልታቶም ብመሰረት ዜግነታዊ መሰላት ዝምሓደሩላ ሃገር ክርኢ ዝተቓለሰን ባእታ ኢዩ።

ተቐማጦ ናይ ኣቑርደትን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ቁሸታትን ንሰውራኦምን ተጋደልቶምን ንምሕላው ከቢድ ናይ ገንዘብን ህይወትን ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ትዕድልቶም ስለዝዀነ ሰውራ ኤርትራ ካብ ማሕበራዊ ክፍሎምን ካብ መሬቶምን ኢያ ተወሊዳ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ መሬቶም ከተማኦምን ካብ’ቲ ማእከል መደበራት ስልጣን ናይ ገዛእቲ ርሕቕ ዝበለ ስለዝነበረ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም እቶም ቀዳሞት ገዳይም ተጋደልቲ ከቢድ ጾር ሰውራ ክስከሙን ሎሚ እንተዀነ ውን መብዛሕትኦም ናይ ስደት ሓሳረ-መክራ ዝመልኦ መነባብሮ ከሕልፉን ተገዲዶም ዘለዉ።

ህዝብና፡ ሰውራኡ ካብ ዘበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ኣንጻር መግዛእቲ ሃይለስላሰ ናይ ክብሪ ውግእ ኢዩ ኣካይዱ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ሰውራና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ናይ ኤርትራ ስለዝተላብዐ ናይ ኩሉ ማሕበራዊ ክፍልታት ህዝብና ተሳትፎን መስዋእትን ውን እናዛየደ ከደ። እንተዀነ ግን፡ ዋላ ውን መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ መሬትና ከነባርር እንተበቓዕና፡ እቲ ንሃገርና ከዲንዋ ዝነበረ ስእነት ፍትሒ ከነባርር ኣይከኣልናን። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃለዋት ከኣ ኢዩ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ንነፍስወከፍና  በብናትና ኣገባብን ብዝተፈላለየ ክብደቱን ከነስተማቕሮን ክገጥሞን ዘሎና ናይ ፍቕርን ምረትን ሃለዋትን ክሽፈን ዘይከኣል ባዶነትን ገዲፉልና ናብ ናይ ዘልኣለም ዕረፍቱ ዝኸደ።

Martyr Mohamed Adem Artaa 2

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ምስ ተጨውዩ ዝተሰወረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ ደማስቆስ ብ1997

ስዉእና ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ ሰውራዊ ኩነታት ኢዩ ዓብዩ። ካብ ንእስነቱ፡ ገድላዊ ክብርታትን ሃገራዊ ፍቕርን እናተመገበ ኢዩ ናብ ገድሊ ተሰሊፉ ክሳብ እቲ እተቓለሰሉ ዕላማታት ዝዕወት ድማ ብጽንዓት ቀጺሉን ተቓሊሱን።

ኣዲኡ ወይዘሮ ዓይሻ ጓል ሰይድና ኣልሑሴን ብ1967 ዓ.ም ስለዓረፈት ንበይኑ ካብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ ብመጒዚትነት ናይ ዉሩይ ሃይማኖታውን ማሕበራውን መራሒ ኣብ ኣቑርደት ዝነበረ ነፍስሄር ኣብሓጎኡ (ብናይ ኣዲኡ ሸነኽ) ሰይድና ሑሴን (ኣምላኽ ምሕረቱ የውርደሉ) ኢዩ ዓብዩ።

መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ቁርኣን ኣብ’ቲ ብሓወቡኡ ዝውነን ዝነበረ መባእታ ሃይማኖታዊ ቤት ኢዩ ኣጽኒዑ። ካብኡ ናብ ሲቪላዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ኣቑርደት ቀጺሉ። ብኣንጻሩ ዝበዝሑ ካብ ኣቑርደት ይኹን ካብ ካልእ ቦታታት ናይ ኤርትራ ዝመጹ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሰይድና ሑሴን ናይ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኢዮም ዝቕጽሉ ዝነበሩ። ስዉእ ኣርትዓ፡ ህዱእ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ሕጉስን ፍሽኽታ ዘይፍለዮን ተዋዛያይን፥ ከምኡ’ውን ናይ ፖለቲካ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ምስ ኩሉ ዝዛተ ልዙብን ብሉጽን ሰብኣዊ ፍጡር ኢዩ ነይሩ። ካብ ጉጅላዊ ማሕበራዊ ስምዒታትን ዝምድናታትን ሓራ ዝዀነ፥ ኣብ መትከላት ናይ ነጻነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ ባእታ ኢዩ ነይሩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ዙርያኡ ዝፍጸም ጉዳያት ክፈልጥ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ዓበይቲ ዓዲ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ኣብ እንዳ ኣባሓጎኡ ሰይድና ሑሴን ዝግበር ኩሉ ነገራት ይከታተል፥ ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ ሰውራታትን ሰውራውያንን ብዙሕ ይፈልጥን የንብብን ነይሩ። ሕልምታቱ ኣብ ሽቶኡ ከየብጽሐ ግን ተሰዊኡ። እዚ ኣብ ስዉእ ኣርትዓ ዘጋጠመ መደምደታ፡ ኣብ ኩሎም ክቡራት ተጋደልትና ዝደጋገም ዘሎ ኣሕዛኒ ተመኩሮ ኢዩ።

ኣኮኡ መሓመድ ጣህር ኣልሑሴን ምስ ኣርትዓ ጥቡቕ ዝምድና ስለዝነበሮ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ጽልዋ ኣሕዲርሉ ኢዩ። ኣርትዓ፡ ኣኮኡን ካልኦት ስሩዓትን ካብ ጨንፈር ኣቑርደት ንዕለታዊ መነባብሮ ናይ ተጋደልቲ ዘድሊ መግብን ንብረትን  ኣኪቦም ነቶም ተጋደልቲ ክህብዎም ከለዉ ይርኢ ነበረ። ወዲ 13 ዓመት ምስ ኰነ ከኣ፡ እቲ ንተጋደልቲ ዘድሊ ነገራት ካብ’ቶም ስሩዓት ናይ ተሓኤ ዝነበሩ ነጋዶ ኣኪቡ ናብ ተጋደልቲ ከብጽሕ ጀመረ። ኣኮኡ መሓመድ ጣህር፡ ሓደ ግዜ ካብ ማእሰርቲ ክሃድም ክፍትን ከሎ ስለዝቖሰለ ተታሒዙ ን7 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣርትዓ ምስ ብዙሓት ተጋደልቲ ከም በዓል ዓሊ ሕንጢ፡ ያሲን ዓሊ ጃምዕ፡ ጃዕፈር መሓመድ ኑር፡ ሱልጣን ኣልዓፋሪን ካልኦት ንጡፋት ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታትን ማሕበር መንእሰያትን ክፋለጥ ክኢሉ ኢዩ። ሓደ እዋን ኣብ ናይ ተለፎን ርክብና ከመይ ኢሉ ንሜዳ ከምዝወጸ? ሓተትክዎ። ዋላ’ኳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ  ሓባራዊ  ገድሊ ተመኩሮን ሓባራዊ ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበታትን እንተነበረና፥ ከምኡ’ውን ከም ዓቢ ሓወይ ይቖጽሮ ዋላ እንበር፥ ብዛዕባ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታና፡ ማሕበራዊ ኣተዓባብያናን ውልቃዊ ህይወትናን ጥልቕ ዝበለ ናይ ሕድሕድ ኣፍልጦ ኣይነበረናን። ስለ’ዚ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ከልዕል እንከሎኹ ብሓደ ሸነኽ ንኽፈልጥ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ቃንዛኡ ከረስዖ ካብ ዝብል ዕላማ’ዩ ነይሩ። ናይ መወዳእታ ግዜ ብኣካል እተራኸብናሉ  ነዊሕ ኰይኑ ኢዩ ማለት ብ1997 ዓ.ም ኣብ ደማስቆስ ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዓራቱ ኰይኑ እናተሳቐየ ዝሃበኒ መልሲ ኣብ ዝኽርታተይ ናይ ገለገለ ናይ ሓባር ተመኩሮታትና ዝተመርኰሰ ክኸውን ኢዩ።

ስዉእ ኣርትዓ፡ ናብ ተሓኤ ዝተሰለፈሉ ዕለት ድሕር’ቲ ዘሕዝንን ዘይርሳዕን ብትእዛዝ ናይ ሻምበል በለው ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝቢ ኣቑርደት ዝፈጸሞ ህልቂት ምንባሩ ገሊጹለይ። እቲ ህልቂት ድማ፡ ከም ሕነ ምፍዳይ ናይ’ቲ ብደባይ ተዋጋእቲ (ፈዳይን) ተሓኤ ዝተቐትለ ተኽለ ሰለሙን እተባህለ ሰላዪ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምንባሩ ኣዘንትዩለይ።

ቀጺሉ፡ እቲ  ተረኽቦ ዘጋጠመሉ ህሞት፡ ካብ ጀርዲን ናይ ኣባሓጎይ ናብ ክተማ ክምለስ ከለኹ ናይ’ቲ ህዝቢ ዘይልሙድ ዝዀነኒ ምንቅስቓሳት ተዓዘብኩ። ብዙሓት ሰባት ፍኹስ ዝበለ ጾር ተሰኪሞም ካብ ከተማ ክሃድሙ ስለዝረኣኹ፡ እንታይ ሓድሽ ተረኽቦ ከምዘጋጠመ ነቶም ዝረኸብክዎም ምስ ሓተትክዎም፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣትዩ ብዙሕ ህዝቢ ከምዝቐተለ ሓበሩኒ። ናብ ማእከል ከተማ ከይኣቱ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግን ቀጺለ ናብ ማእከል ከተማ ኣተኹ። ኣብኡ ናይ ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ኣንስትን ሽማግለታትን ናይ እንስሳታት ሬሳታት ውን ከይተረፈ ብብዝሒ ኣብ ጽርጊታት ተጸጢሑ ርኣኹ። ንእዝኒ ዘጽምም ድምጺ ናይ ተኹሲ’ውን እሰምዕ ነበርኩ በለኒ።

ምስ’ቶም ሓንቲ በደል ከይፈጸሙ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ ብጭካኔ ዝተቐትሉ ሰባት ናይ ዝፈልጦም ሰባት ሬሳታት ውን ረኺበ። ናይ’ታ ከተማ ጸበብትን ገፋሕትን ጐደናታት ስለዝፈልጥ ኣብ’ቶም ጸበብቲ ተሓቢአ አሕሊፈዮ። ገዛ ኣኮይ ርሑቕ ስለዝነበረ ክበጽሖ ኣይከኣልኩን። ኣብ’ቲ ህልቂት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ገለ ካብ ኣዝማደይ፡ ኣዕሩኽተይን ጐረባብተይን ውን ብዓይነይ ርእየ በለኒ።

ዘረብኡ ብምቕጻል፡ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ጸበብቲ ጐደናታት መንእሰያት እናሃደሙ ኣጋጢሞምኒ፥ ኣነ ውን እናሰዓብክዎም ኣብ ኢድ ብዙሓት ፖሊስ ወደቕና።  እቶም ፖሊስ ብበትሪ እናሃረሙ ንብዙሓት ካባና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ክፍትሹና ጀመሩ። ኣነ ከኣ ብዕድል ኣብ ቁጽጽር ናይ ሓደ ፖሊስ ኣቶኹ። ንሱ ብበትሪ እናሃረመ ክፍትሸኒ እንከሎ፡ ኣብ ጁባይ ሓንቲ ቅድሚ’ቲ ህልቂት ሰሙን ኣብ ዝተኻየየደ ናይ 800 ሚተር ናይ እግሪ ቅድድም ተዓዊተ ዝተሸለምክዋ ሰዓት ረኸበ። እታ ሰዓት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ክብርቲ ኢያ ነይራ። እቲ ዝሓዘኒ ፖሊስ ንዓኣ ክሰርቕ ስለዝመረጸ ንዓይ ክሃድም ወይ ክድሕን ዕድል ኣጋጢሙኒ ኢዩ በለኒ።

ኣነ ኣብ ገዛ እንዳ ኣባሓጎይ መሬት ምስ ጸልመተ ብለይቲ ኢየ በጺሐ። ኣኮይ ብምምሳየይ ተሻቒሉ ኣብ ማዕጾ ናይ ገዛና ክጽበየኒ ጸኒሑ። በቲ ኣብ ስድራና ዝጽውዓሉ ስጓ መጺእካ’ዶ ኣንታ ጐታን (ኣቡ ቖጃ) በለኒ። ድሕር’ዚ ኩሉ ብገዛእቲ ዝተፈጸመ ግናይ ግፍዒ፡  ዓዛብን ምጉታትን ኣነ ንሜዳ ክወጽእ ወሰንኩ ይብል።  

Martyr Mohamed Adem Artaa 3

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ተጋዳላይ ዒሳ መሓምድን ምስ ዓቢ መራሒና ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ

ኣስዒቡ፡ ብኡ ንብኡ ክንዕለም ጀመርና። ኣብ’ታ ዝነበርክዋ ጉጅለ ዝነበሩን ዝነበራን ተጋደልቲ ነስረዲን ሮመዳን፡ መሓመድ ኢድሪስ ኣቡ ኼር፡ ሳዕድያ ራካ፡ ዓሻ ራካ፡ ጀማል መሓመድ ዓሊ፡ እሙናን ቡቱልን ደቂ ሓወቦታተይ ሙሓመድ ኣማንን ካልኦት ክዝክሮም ዘይከኣልኩን ነበሩ።

ድሕሪ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምዝዛመይ ሓደ ኣህጉራዊ ትምህርቲ (course) ድሕሪ ምውሳድ ኣብ ናይ ርእሰ ዓንቀጻዊ ቦርድ ዜና ናይ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዘዝኩ።  ምሳይ ውን ኑሪ መሓመድ ዓብደላን ዓብደላ ኣፈንዲን ነበሩ። ኣብ ኤሊት ዝብሃል ከባቢ ከኣ ነይሩ መደበርና ብምባል ዘረባኡ ዛዚሙ።

ምስ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ ካብ’ቲ ዝኽርታተይ ተበጊሰ ክጽሕፎ ከለኹ ኣዝዩ ዘሳቐየኒ ድማ፡ እቲ ታሪኽ ህይወቱ ይምዝግቦ ከምዘለኹ ተረዲኡ “ዎ መሓመድ እቲ ግዜ እናኣኸለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብ ሕጂ ዝተረፈ ናይ ምንባር ዕድል የለን ምስ በለኒ ስምዒታተይ ክቆጻጸር ስለዘይከኣልኩ ስቕ ኢለ። እቲ ዝቐሰምክዎ ትምህርቲ፡ ሓዘንን መረረን ውሒጠ ንነብሰይ ተቖጻጺረ “ኣምላኽ ዕድመ ይሃብካ፥ ከምኡ ኣይትበል፥ ንሕማምካ ስዒርካ ዕላማታት ናጽነት፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ህዝብና ክሳብ ዝዕወት ብሓባር ጉዕዞና ክንቅጽል ኢና” በልክዎ።

ምስ ኣርትዓ ብ1985 ኣብ ፖርት ሱዳን ኢና ተራኺብና። ቅድሚኡ ግን ኣብ’ታ ዝነበርናያ ከተማ ኣቦይ ኣባል ማሕበር ሰራሕተኛታት ስለዝነበረ ሒዙኒ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ኣኼባታት ይወስደኒ ስለዝነበረ ንኣርትዓ ኣብኡ ኢየ ዝርእዮ ዝነበርኩ። ድሒሩ ግን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ኰነ ብቐረባ ክራኸቦ ጀሚረ። ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚርና ምስ ብዙሓት ናይ ቃልሲ ብጾትናን መማህርትናን ፖለቲካዊ፡ ብጻያውን ሕውነታውን ርክብና ኣየቋረጸን። ኣርትዓ እሙን ሓው፡ ፈታው ሰብ፡ ለጋስ፡ ክኢላ ተላዛባይ፡ እሙን ንህዝቡን ንሃገሩን፡ ተጻዋራይን  ብሓሳብን ብግብርን ዲሞክራስያዊ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ንዕኡ ብምኽሳረይ ልበይ ከፊተ ዝህቦ፡ ዝኣምኖ፡ ነቲ ነዊሕ ቃልሲ ሓቢርና ክንጓዓዞ ዘኽኣለን በዓል ፖለቲካውን ስነሓሳባውን ዕግበት ዝዀነ ዓቢ ሓው ኢየ ከሲረ። ማሕበራዊ ጽልእን ጽበትን ኣይርእየሉን ኢየ። ልዕሊ ኩሉ ማሕበራውን ባህላውን ፍልልያት ኰይኑ ካብ ሰብኣውነት ዝተበገሰ ፍቕሪ፡ ኣላዪን ሓቋፍን ባህርያት ዘለዎ፥ ብዓው ዝበለ ሰሓቑ፡ ፍሽኽትኡ ተዋዛይነቱን ከም መብዛሕትኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣቑርደት ኣብ ከባቢኡ ዝኣኻኽበና ተቓልሳይ ነበረ።

ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣባላት ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዓቢ ግደ ኢዩ ነይርዎ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ፍትው፡ እሙን፡ ግሉጽን ንኹሉ ሕብረተ-ሰብኣዊ ቀጸላታትን ፖለቲካዊ ዝንባሌታትን ዘይፈላልን ስለዝነበረ ኢዩ። ካብ ዝተሰለፈሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን ታሪኻዊ ግደ ዘበርከተሉ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ተመዲቡ ክሳዕ ላዕለዋይ ጽፍሕታቱ በጺሐ። ብ1978 ዓ.ም ናይ ሞያ ማሕበር ትምህርቲ ንምቕሳም ኣብ ደማስቆስ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳብ ኣብ ኣልቁርባን ሓልፋን ከም ካድር ተመዲቡ ተቓሊሱ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ታ ንወራር ናይ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ንምብዳህ ኣብ ሰማንያታት ዝቖመት ኮሚቴ ኣባልን ካድር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ፖርትሱዳንን ኰይኑ ተቓሊሱ።

ተሓኤ ናብ’ቲ ብምንቅስቓስ 25 መጋቢት ዝፍለጥ ብስዉእ |ዓብደላ ኢድሪስ ዝምራሕ፡ ሓፈሻዊ ዝምባሌ (ተያር ኣልዓም) ዝተባህለ ብስዉእ ሙሓመድ ኣሕመድ ናስር ዝምራሕን ብሳግም ዝፍለጥ ብኢብራሂም ቱቲል ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጸ ዝምራሕን ሰለስተ ውድባት ምስ ተኸፍለ  ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ  ምስ’ቲ ሓፈሻዊ ዝንባለ ዝተባህለ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ።

ድሕር’ቲ ኣብ መንጐ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን (ሓፈሻዊ ዝምባሌ) ኣብ መንጐ ብስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝምራሕ ዝነበረ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተኸደ ፍሹል ናይ ምጽንባር ሓድነት፥ ስዉእ ኣርትዓ ምስ’ቲ ዝተጸናበረ ውድብ ኢዩ ደው ኢሉ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ምጽንባር ከይሰጐመ፥ ብኣሕመድ ጃስር ዝተባህለ ስዉእ ወተሃደራዊ ሓላፊ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ምስ ካልኦት ብጾቱ ተቐይዱ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኸውን ግዜ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ኣሰቃቒ ናይ ማእሰርቲ ህይወት ኣሕሊፉ።

Martyr Mohamed Adem Artaa 4

ስዉእ ኣርትዓ፡ ድሕር’ቲ ናይ 1985 ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሰሚናር፡ ንስዉእ ተጋዳላይ ኢብራሂም ማሕሙድ ሃዛም ተኪኡ ወኪል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ኣብ ፖርትሱዳን ተመዚዙ። ኣብ’ቲ ብ1989 ዝተኻየደ ሳልሳይን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ራብዓይን ምዱብ ጉባኤታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ (ማእከላይ መሪሕነት) ኰይኑ ተመሪጹ። ድሕሪ’ቲ ብግንቦት 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነት ድማ፡ ኣብ’ቲ ሃገራውን ዲሞክራስያውን መርገጽ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተቓሊሱ።

ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ወኪል ቤት ጽሕፈት ከሰላን ካርቱምን ኰይኑ ምግልጋሉ፡ ድሒሩ ወኪል ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ሱዳንን ንውሽጣዊ መደብ ምንቅቓሕ ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ምድላው ዝተመዘዘ ኮሚቴን ኣባል ኰይኑ እጃሙ ኣበርኪቱ። ብዝነበሮ ተቐባልነት ንብዙሓት ናይ ዘተ ሽማግለታት መሪሑ ምስ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዘተታት ኣካይዱ። ሓደ ካብ’ኦም እቲ ብእስማዒል ናዳ ዝምራሕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ጋሽ ሰቲት ዝተባህለ ውድብ ኰይኑ ክሳብ ምጽንባራዊ ሓድነት ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ኢዩ።

ድሕሪ ምፍንጫል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ስዉእ ኣርትዓ ኣብ ጐድኒ’ቲ ብስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝምራሕ ዝነበረ ሸነኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ደው ኢሉ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ብመሪሕነት ስዉእ ኣሕመድ ሙሓመድ ናስር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ መስሪቱ።

ኣብ መንጐ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ብመስፍን ሓጐስ ዝመራሕ ዝነበረ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣብ ዝተገብረ ናይ ሓድነት ጉባኤ፡ ስዉእ ኣርትዓ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ተመሪጹ።

ጥዕናኡ እናኣንቆልቆለ ክኸይድ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ድማ ኣብ መሪሕነት ክምረጽ ኣይደለየን። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ መንግስቲ ኢንቃዝ (ድሕነት) ናይ ሱዳን ምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተመሓዝዩ ስለዝነበረ ኣብ ሱዳን ብተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ፖለቲካዊ ስርሓት ተኸልኪሉ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ እቲ ምሉእ ህይወቱ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራን ህዝባን ዝተቓለሰ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ከምኡ ዝኣመሰሉ ካልኦት ቅድሚኡ ዝሓለፉን ብሕጂ ውን ብድሕሪኡ ዝሓልፉን ጽኑዓትን ምዑታትን ተጋደልቲ  ኣብ ሃገሮም ዝቕበሩላ መሬት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ኩሎም ክቡራት ተቓለስቲ ኣብ’ታ ህዝባን መሬታን ሰላምን ልዑላውነትን ተኸቢሩ ክነብሩላ ዝሓልምዋ ዝነበሩን ምእንትኣ ብህይወት ይኹን ብገንዘብ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈሉላን ሃገር ድሌቶም ክፍጸመሎም ጽቡቕ ድሌተይ ምዃኑ ክገልጸሎም እፈቱ።

ንኹሎም  ለጋሳት ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን ስድራ ቤት ሰይድና ሑሰንን ብኹሉ ዝከኣሎም ዝሓገዙ መቓልስቱ ኣባላት ሰዲህኤን ኣዕሩኽቱን ኣብ ግዜ ሕማሙ ኣብ ጐድኑ ደው ዝበሉን ጽንዓት ይሃብኩም።

ናጻ ኤርትራ፡ ምሕረት ንኹሎም ሰማእታትና

ካብኡ ተፈጢርና ናብኡ ከኣ ንምለስ

Thursday, 10 October 2024 21:15

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 10.10.2024

Written by

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ቴለፎን ርክብ ካብ 8 ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ከም ዝተቛረጸ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ገሊጸን። ተጠቀምቲ እውን ካብን ናብን ኣስመራን  ኣዲስ ኣበባን ከምቲ  ልሙድ ርክብ ተለፎን ከካይዱ ፈቲኖም ከምዘይከኣሉ ሓቢሮም። እቲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ብመነኦም ከም ዝተጀመረ ብወግዒ ዝተገልጸ’ኳ እንተዘየለ፡ ብወገን ኤርትራ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለዉ።

ርክብ ተለፎን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ’ቲ  ካብ 1998 ካሳብ 2000 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ን20 ዓመታት ተቛሪጹ ምስ ጸንሐ፡ ድሕሪቲ ኣብ መንጎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ዘይትካላውን ዘይግሉጽን ናይ ሃታሃታ ርክብ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 እዩ ዳግማይ ተኸፊቱ።

ድሕሪ ውግእ ትግራይ፡ ንህግደፍ ብዘየሳተፈ ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ምባሉ፡ ህግደፍ ንምቁራጽ እቲ ውግእ ስለ ዘይደገፎ ርክቦም ክዝሕትል ጀሚሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ዝሕተላ ድማ ብወገን ኤርትራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ንደሓር ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከካይዶ ዝጸንሐ በረራ ከም ዘቋረጽ ምስ ኣፍለጠ፡ መንግዲ ኣየር  ኢትዮጵያ ድማ እቲ በረራ ቅድሚቲ ኤርትራ ዝወሰነቶ ናይ ግዜ ገደብ ምስ ኣቋጻረጸት እቲ ፍልልይ እናጐለሐ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ናይ ተለፎን ምቁራጽ ከኣ ናቱ መቐጸልታ እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ምስቲ ኣብ ኤርትራ ኢንተርኔት ዘይምህላዉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሸሓት ኤርትራውያን ምስ ቤተሰቦም ናይ ምርኻብ ጸገም ከጋጥም እዩ።

ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብፍላይ ድማ  እቶም ስልጣን ዝሕዙ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ክዛረቡ እንከለዉ ኤርትራን ፖለቲከኣን ክጠቕሱ ዝተለመደ እዩ። ኤርትራውያን እውን ምረት መግዛእትን ኣንጻሩ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ክትርኹ እንከለዉ ፖለቲካ  ኢትዮጵያ ይጠቕሱ እዮም። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት መንግስታቶም ከይተረፈ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዘልዕሉ  ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ከም ዘለዎም ብምምሳል ልኡላውነታ ንድሕሪት ንምምላስ ዘለዎም ህርፋን ንምንጽብራቕ ዓሊሞም እዮም። 

ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ኣንጻር  ነጻነት ኤርትራ ኩሉ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዓቕምታት ኣሰሊፎም ብሓያላት ደገፍቶም እናተገሓዙ ተዋጊኦም። እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መሰረቱ ዝደልደለን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሮም። መንግስቲ ኢህወደግ ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ህወሓት፡ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ፍትሓዊ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ተቐቢሎም እዮም። ደሓር እውን ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ልኡላውነታ ብመስርሕ ሪፈረንዶም ክጸንዕን ክድልድልን ከም ዝግበኦ ኣሚኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ከም ዝተሓባበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጠኦምን ኣበርክተኦምን ከምቲ ገለ ወገናት ዝሓስብዎ፡ ንኤርትራ ዝተለገሰ ፍሉይ ግነዖት ዘይኮነ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓድሽ ናይ ሰላም፡ ሰናይ ጉርበትናን ናይ ሓባር ዕቤትን ምዕራፍ ዝወስድ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ተሳዒሮም እንተዘይኮይኖም፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ናይ ታሪኽ “ነበረያ ነበረ ዝነብሩ” ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ከም ዝነበሩን ከምዘለዉን ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ዝተሓልፈ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ምትህልላኽን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስዕረቶም ዘይቅበሉ ኣካላት ከጋጥሙ እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መስርሕ ሓሊፉ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ኤርትራ“ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተዓጽወ ማዕጾ ምኩሕኳሕ”  ናይ ጥዕና ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን።

ሓደ ጉዳይ ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድለየካ ክትውንኖ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተደጋጊሙ ዝስማዕ፡ “ኢትዮጵያ ወደብ ስለ ዘድልያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትውንን ይግበኣ” ዝብል ብሂል  ብመንጽርዚ እዩ ዝረአ። “ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና ወደብ ክህልዋ እንከሎ፡ ከመይ ኢላ እያ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል  ምስ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት ዝጻባእን  ኣብ ስነ መጎት ዘይተመርኮሰን ስምዒት እውን ይንጸባረቕ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሰጥ-ለበጥ ኢሎም፡ ዝተሓትዎ ታሪፍ እናማልኡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናይ ዘለዋ ጅቡቲ ወደብ እናተጠቐሙ ዘቕርብዎ ዘለዉ ነብረያ ነበረ ምዃኑ እዩ።  

ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን ኮነ ፖለቲካዊ መለክዒ ዘይምልከተካ ክትረክብ ምፍታን ናብ ትርጉም ሓይልን ምትፍናንን ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ብግብሪ ሓሓሊፉ ብኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ምጉብዕባዕ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ናይዚ ኣተሓሳስባ ኣንፈት ብመሰረቱ ግጉይን ዓመጸኛን ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈቲኑስ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝተደምደመ እዩ። በቲ ዘየዐወተካ መንገዲ ክትቅጽል ምድላይ ከኣ ካልእ ስዕረት ዝዕድም እዩ።

ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክለዓል እንከሎ፡ ጐሊሖም ከብ ዝጥቀሱ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሕቶ እዩ። እዚ ብዝያዳ ንኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን (landlocked) ሃገራት ዘገድስ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብዚኣተን እተን 16 ካብ ኣፍሪቃ እየን። ካብተን 44 ሃገራት ብስፍሓት መሬት ዝዓበየት ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ፡ ዝነኣሰት ድማ እታ ብከተማ ሮም ዝተኸበት ቫቲካን እያ። ኢትዮጵያ ድማ ብብዝሒ ህዝቢ ቅድሚት ትስራዕ።

ጸገም ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣቀማምጣኣ ተቐቢላ ብስምምዕ  እምበር፡ ብሃተምተም ዝፍታሕ ኣይኮነን። እዚ ዛዕባዚ ብዓለም ደረጃ መፍትሒ ዝተቐመጠሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሕዝን  ወደብ እትውንን ኣገልግሎት ወደብ እትደልን ሃገራት ሓቢረን  ዝጥቀማሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ናይታ ዋና ወደብ ዝኾነት ሃገር ፈቓደኛ ምዃን ከኣ ዘይስገር ቀይሕ መስመር እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስምምዕ እቶም መንግስታት እንተዘይዓንቂፈምዎ፡  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዘይስረሓሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተሓሲምካ “ግድን ካብ ዝርዝር ኣፍደገ-ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እንተዘይወጻእኩ” ምባል ግና፡ ኪኖ ልኡላውነት ሃገር ምግሃስ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮ ኢትዮጵያ መንግስታት ብውሽጣዊ ጸገም ሓድነቶም ሰንከልክል ኢሉ ክጭነቑ እንከለዉ ብጉልባብ “ሓድነት”  ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም መተኣኻከቢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ምዃኖም ዘተሓሳስብ እዩ።

ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ኣብ ድልዱል ቦታ ተሰሪቱ እዩ።  እንተኾነ ተደጋጊሙ ኣጀንዳ ክኸውን እንከሎ፡ ኣጽቂጥካ ምዕዛብ፡ ነቲ ወስታታት ከም ምቕባል ንከይውሰድ ኣድላይነቱ እናረኣኻ ምልዓሉን ምትራሩን ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ካብ ዝተመስረተሎም ኣዕኑድ ሓደ “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ” ዝብል ክኸውን ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቶም “ስለምንታይ እዋናዊ ኣብ ዘይኮነ፡ ኣጀንዳ ልኡላውነት ንሃልኽ ኣለና?”  ዝብሉ ወገናት ከኣ ነቲ  ኩነታት ብመጽርዚ ክርድእዎ ይግበኦም በሃልቲ ኢና።

ኣብዚ ኣከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ፡ እቲ ሓጥያት ንዘይቀበጹ ፖለቲከኛታትን መንግስትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዝድርበይውን ኣይኮነን። ብወገን ኤርትራውያንከ ክሳብ ክንደይ ኢና ንከምዚ ዝኣመሰሉ ህሩፋት ዘተባብዕ ርኢቶታት ካብ ማሃብ ንጥቀቕ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ንልኡላውነትና ዝጻባእ  ሕቱኽቱኽ  ገለ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ከይሓፈረ፡ ኤርትራውያን ንናጽነቶም ዝኸፈልዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ መስዋእቲ ብምንዓቕ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነትን ናእዳን ካብ ኢትዮጵያውያን ንምርካ ተጠሊዑ፡ ንመራሒ ኢትዮጵያ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ” ዝበሎ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ታሪኽ ብምቕይናን “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢብታት እዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ”፡ ዝበሎኸ ክሳብ ክንደይ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘተባብዕ ንስሕቶ ኣይመስለናን።

ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላውነትና ብትሪ እናተቓወምና፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህነት ንዓኣቶም ዘዕንግል ግጉይ ኣካይዳ  ኤርትራውያን ‘ውን ክንቃለሶ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።

ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣቶ ግርማ ወ/ጊዮርጊስ፡ ዶር ሙላቱ ተሾመን ኣንበሳድር ሳህለወርቅ ዘውደን

ንዝሓለፈ 6ተ ዓመታት ፕረሲደንት ፈደራል ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ኮይና ክትመርሕ ዝጸንሐት ኣንበሳደር ሳህለውርቅ ዘውደ፡ ብ7 ጥቅምቲ 2024 ካብ ስልጣና ወሪዳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ብዝጸንሐ ኣንበሳደር ታየ ጽቀስላሴ ተተኪኣ። ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ብሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ ን2ይ ዙር 6ተ ዓመታት ክትቅጽል እናኸኣለት ዝወረደትሉ ምኽንያት ከም ዘይተገለጸን ናይ ስንብታ ቃል ከተስምዕ ከም ዘይተፈቕደላ እውን ተፈሊጡ።

ምስታ ፕረሲደንት ነበር፡ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሮም ኣብ ሓላፍነታት ክትቅጽል ከም ዘይኮነት ከናፍሱ ቀንዮም እዮም። ንሳ እውን ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ናይ “x” ሕሳባ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዘይቀጥታዊ ኣገባብ ምስቲ ብዶር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ምቕጻል ከምዘይጠዓማን ብፍላይ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ስቕታ መሪጻ ከም ዝቐጸለት ምጥቃሳ ኣዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ብኸምዚ ኣገባብ ዝወረደት ኣንበሳደር ሳህለወርቂ ዘውደ፡ እቲ ብሕጊ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ዝረኽብዎ ናይ መበሪ ገዛ፡ መካይን፡  ደሞዝ፡ ሰራሕተኛ ገዛን ናይ ክብሪ ሓለዋን ሓለፋታት ክፍቀደላ ድዩ ኣይፍቀዳን ድሮ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይቲ ስማዊ ፕረሲደንትነት ግዜኦም ከይኣኸለ ምስቲ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣብ  ፖለቲካዊ ብዘይርድዳእ ካብ ሓላፍነቶም ዝወረዱ፡ ነፍሰ-ሄር ዶር ነጋሶ ጊዳዳ፡ መሰሎም ምስተነፍጎም ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ምኽሳስ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ካብ ግዜ መንግስትነት ኢህወደግ ጀሚሩ ገሊኦም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ገሊኦም ድማ ብሞት 8 ዓመታት ምሉእ ብፕረሲደንትነት ዝቐጸለ  የለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልላት ኦሮሞን ዓፋርን ብ6 ጥቅምቲ 2024  ሰዓት 8.10 ናይ ምሽት ንኣስታት 18 ሰከንድ ዝጸንሐ፡ 4.9 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት ከም ዝተፈጥረ ነበርቲ ገሊጾም። እቲ  ዘጋጠመ ምንቅጥቃት መሬት መንቀሊኡ ኣብ ክልል  ኦሮሞ ዞባ ምብራቕ ሸዋ ፈንታለ ኣብ ዝተባህለ ጎቦታት ምዃኑ፡ ናይቲ ዓውዲ ክኢላታት ኣፍሊጦም።

ዶር ኤልያስ ለዊ ዝተባህሉ ናይ ጀኦ-ፍዚክስ ምሁር ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ጎቦታት ፈንታለ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካለኦት ቦታታትን ዝተፈጥረ ስምዒት ናቱ ናህሪ ምዃኑን እምብዛ ዘሰክፍ ሓደጋ ከምዘየውርድን ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ዓቐኑ ደኣ ንኡስ ይኸውን እምበር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኣዋሽ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ክስተት ምኹኑ’ውን ሓቢሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም እንከሎ  ሰባት  እንታይ ምግባር ከም ዝግበኦም ድማ ምዕዶ ለጊሶም።

ነበርቲ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ብወገኖም፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ኮንደምኒየም ኣባይቲ ዝነብሩ እቲ ምንቅጥቃጥ ኣጸቢቑ ከም ዝተሰመዖምን ክሳብ  ናውቲ ገዛ ካብቲ ዝተቐመጦ ናይ ምውዳቕ ኩነታት ከም ዝተራእየን ሰባት ካብ ኣባይቶም ወጺኦም ናብ ደገ ምህዳም በጺሖም ከም ዝነበሩን ሓቢሮም። በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተመዝገበ ጉድኣት የለን እውን ተባሂሉ።

Page 25 of 598