´`ሰፊሕ መፍትሒ እማመ ኢትዮጵያ ንወጥሪ ምስ ኤርትራ``

2025-07-27 12:28:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 272 times

“ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘሎ ወጥሪ  ንምውጻእን ንዝሓሸ መጻኢን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ሰፊሕ ጽሑፍ “ሆርን (HORN)” ኣብ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ25 ሓምለ 2025 ተዘርጊሑ’ሎ። እቲ ጽሑፍ ብስም ኣንበሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ መራሒ ኮሚተ ዲፕሎማሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ምስ ስፍሓትን ዕምቆትን ናይቲ ጽሑፍ ነብሱ ዝኸኣለ ትካል እምበር፡ ብውልቀሰብ ዝተዳለወ ኣይመስልን።

እቲ ጽሑፍ ንኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ፈረንሳን ጀርመንን ሓደ እዋን ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገም ዝፈተሓሉ ኣገባብ የመሳስሎ። ብዘይካዚ እቲ ጽሑፍ ኤርትራን ገማግም ባሕርን ካብ ግዝኣት ቱርኪ ጀሚሩ ክሳብ ምምጻእ ኢጣልያ ዝሓለፎ  ብምዝርዛር ይጅምር።

ካብዚ ሓሊፉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ነዊሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ኣብ ፈደረሽን ከም ዝወደቐ ይጠቅስ። እንተኾነ ናይ ሽዑ ናይ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ሕገመንግስትን ምስቲ ንጉሳዊ ኣመራርሓ ኢትዮጵያ ዘይሰማማዕ ምንባሩ’ውን ይሕብር።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ቃልሲ ሰውራ ኤርትራን ትግራይን ማዕረመዕረ ሰሪዑ እናገለጸ ክሳብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ይበጽሕ እሞ ጠንቂ ናይቲ ውግእ ከምቲ ዝበሃሎ ዝነበረ ናይ ባድመ ወይ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ናይ መን ዓብለለ ውድድር ገይሩ ይገልጾ። ብሰንኪ ናይ ኤርትራ ነጻነት ኢትዮጵያውያን ናይ ምዝኽታም ስምዒት ከም ዝሓደሮም ድማ የስፍር። ነቲ ውግእ ኣለዓዒሎም ካብ ዝብሎም ከኣ ነቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዝነበረት ቁጠባዊ ምዝመዛ ንምግታእ በቲ ሓደ ወገን ሓድሽ ባጤራ ኢትዮጵያ ምትእትታው በቲ ካልእ ወገ ከኣ ኣብ ትግራይ ናይ ቀረጽን ግብርን ስርዓት ምሕያል ኢሉ ይጠቕሶ። እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ንልዕሊ 18 ዓመታት ኩነተ-ኣይሰካም ኣይውግእ ከም ዘኸተለ ድማ ይዝርዝር።

እቲ ነዊሕ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ሓድሽ ዝምድና፡ ብዛዕባ ውግእ ትግራይን ውዕል ፕሪቶርያን ምስ ተንተነ፡ ነዚ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ፖለቲካ፡ ጸጥታን ምክልኻልን ከምኡ ድማ ቱሪዝምን ባህልን ምውህሃድ ክፍጠር ኣለዎ ይብል እሞ ብዛዕባ ነፍሲ እዞም 4ተ ሰክተራት ከኣ ሰፊሕ ትንተና የቕርብ። ብፍላይ ንወደ ዓሰብ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘስፈሮ፡ ናይ ሓባር ላዕለዋይ ኣካል ይቐውም ይብል እሞ ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምምዕባልን ናይ ምምሕዳርን መሰል ይህልዋ ዝብል ሓሳብ የስፍር። ነዚ ንምትግባር ከኣ ግደ ዓለምለኻዊ ትካላትን ኣካላትን ዕዙዝ ምዃኑ ይጠቅስ።

ኣብቲ ጽሑፍ ርኢቶ ዝሃቡ ኣካላት፡ ክትግበ ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ስግኣቶም ይገልጹ። እዚ ጽሑፍዚ ኣብ መጎ ኢልቲኦም ወገናት ናይ ምዝታይ ዕድል እንተተረኺቡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ዝቐርብ እማመ መበገሲ ከም ዘመልክት እውን ይግምቱ።


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Sunday, 27 July 2025 17:01