ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤ፡ ኣወስትራሊያን ኒውዚላንድን

2025-07-28 16:17:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 367 times

ኣኼባ ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዝላንድን ብ27 ሓምለ 2025 ተኻይዱ። ነቲ  ብኣላይነት ሓብቲ ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ፖሓኤ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝወደበ፡ ጥምረት ኣብያተ- ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ።  ኣብዚ ኣኼባ፡ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ፖሓኤ ዘካየዶም ስረሓትን  ኣሰናዳዊት ሽማግለ ናይቲ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 03 ነሓሰ 2025 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ 2025ን ዝተበጽሔ ምቅርራብን ዝምልከት መበገሲ ሓሳብ ቀሪቡ ብተሳተፍቲ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይድሉ።

ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ፖሓኤ ኣብቲ ናይ 27 ሓምለ 2025 ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ ኣገዳስነት ሕድሕድ ኣባላት ምትእምማን ምፍጣርን ኣባልነት ንምስፋሕን ዝካየድ ጻዕርን ጠቒሱ። እቲ ኣወዳድባ ብደረጃ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን  እውን ይካየድ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣብቲ መብርሂኡ፡ ዕላማታት ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ብዝርዝር ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ፡ ብዛዕባ ኣገዳሲ ንጥፈታት ኣባላት ፖሓኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድን ኣብሪሁ።  ኣብ መጻኢ በቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ንክዕመሙ ከም  መደብ ተታሒዞም ካብ ዘለዉ ከኣ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝዕመም ኣውንታ ናብተን ካለኦት ከም ኣብነት ምትእትታውን ዞባታት ብጋድሚዊ ርክብ ከም ዝተሓጋገዛ ምግባር፡  ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ምስላጥ፡ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ኣካላት ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝምድና ምፍጣርን ዝኣመሰሉን ምዃኖም ኣብቲ መብርሂኡ ኣስፊሩ። ብዓብይኡ ድማ ንዕዉት መጻኢ ጉባአ ፖሓኤ ምድላው ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብጻይ ጸሃየ ቀለታ ኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይቲ ካብ 1 ክሳብ 3 ነሓሰ 2025 ዝካየድ  ፈስቲቫል ኤርትራውያን ፍራንክፈርት ብወገኑ፡  ንተሳተፍቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ሓቢሩ ኤርትራውያን ግዱሳት ንክሳትርፍዎ  መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ንዓወት እቲ ፈስቲቫል ኩሉ መዳያዊ ሓገዝ ንዝገበሩ ወገናት ኣመስጊኑ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብወገኖም፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ክልቲኡ ዛዕባታት፡ ብፍላይ ከኣ ህልዊ ምዕባለ ኣብ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ፡ ንመጻኢ ፈስቲቫላት ንምዕዋት ትኹርት ክግበረሉ ኣለዎ ዝብልዎ ሕቶታት ኣቕሪቦም በብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክዕመሙ ዝብልዎም ሃነጽቲ ለበዋታትን መተሓሳስባታትን ኣቕሪቦም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣብ መጻኢ’ውን ንክቕጽል ተላብዮም።

ኣብ መጠረስታ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ቅርዓት ፍጻመ ዘሎ ፈስቲቫል 2025 መሊኡ ንኽዕወት ብዘለዎ ሓልዮትን መርኣያ ተሳትፍኦምን፡ ብወገኖም እውን ሓያል ናይ ገንዘብ ወፍያታት ኣበርኪቶም ኣኼባ ብትስፉው መንፈስን ናይ ቃልሲ ኒሕን  ተደምዲሙ።

ኣብ 19 ሓምለ 2025 እውን ምስ ካብ ኣወስትራሊያን ኒውዘላንድ ወጻኢ ዘለዉ ዞባታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተመሳሳሊ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።


Warning: count(): Parameter must be an array or an object that implements Countable in /home/javierpw/public_html/templates/noo_noonews/html/com_k2/templates/noo_news/item.php on line 290
Last modified on Monday, 28 July 2025 18:37