ሶማሊያ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ነጺጋ

2025-07-21 09:01:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 153 times

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ

ሶማሊያ ኣብ ገማግም ባሕራ ንክካየደ ተመዲቡ ዘሎ ብዙሓት ሃገራት ዝሳተፈኦ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ፡ ኢትዮጵያ ንክትሳትፍ ዘቕረበቶ ሕቶ፡ “ምጥሓስ ናይ ዓለምን ሶማሊያን ሕጊ ማያዊ ልኡላውነት እዩ፡”  ብዝብል ከም ዝነጸገቶ “ሂራን ኦንላይን (HIRAAN ONLINE)”  ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ20 ሓምለ 2025 ኣፍሊጣ። እዚ ዝተገልጸ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቃድሾ ዝተኻየደ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጠባባቒ ሓይሊ ኣዘዝቲ ኮንፈረንስ እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊያ፡ ኣሕመድ ሞዓለም ፊቂ፡ መንግስቲ ሶማሊ ነዚ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብቲ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ዝነጽግ መገግለጺ ዘውጽኤ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ተሳትፎ ሕቶ ምስ ኣቕረበት ምዃኑ ሓቢሩ። ቃል ብቓል ከኣ “ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ማያዊ ግዝኣትና ሓይሊ ባሕሪ ከተንቀሳቕስ ኣይንፈቅድን ኢና። ምኽንያቱ ሶማሊያ መሬታዊ፡ ማያውን ኣየራውን ልኡላውነታ ስለ እትዕቅብ ናይ ኢትዮጵያ ምስታፍ ከኣ ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝጥሕስ ስለ ዝኾነ”  ክብል ኣብ መግለጺኡ ኣስፊሩ።

ኣብቲ መግለጺ ናይቲ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኢትዮጵያ ኣብ መቃድሾ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ኣኼባ፡ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ሶማሊያ ሓይሊ ባሕራ ከተሳትፍ ዘቕረበቶ ርኢቶ፡ ምስቲ ብ1 ጥሪ 2024 ሓይሊ ባሕሪ እተስፍረሉ ገምገም ባሕሪ ንምርካብ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሃሳብ ዝተሓሓዝ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ሶማሊያ ክንቀሳቕሶ ዘኽእል ዝኾነ ይኹንናይ ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ ኮነ ኣህጉራዊ ሕጊ ከምዘየለ ብሰፊሑ ምጥቃሱ እታ ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።

ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሕርፋፍ ጠንቂ፡ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ መቃድሾ ምስ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ምስምመዓ እሞ፡ መቃድሾ ከኣ ነቲ ተግባር ምግሃስ ልኡላውነተይ እዩ ብዝብል ብኣዋጅ መልክዕ ብምስራዝ ስለ ዝተቖጠዐት ምዃኑ ይፍለጥ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝካየድ ልምምድ ሓይሊ ባሕሪ ማያዊ ልኡላውነት ሶማሊያ ንምድልዳል ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተንጸባሪቑ።

Last modified on Monday, 21 July 2025 11:07