ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣስተብህል!

2026-02-15 09:44:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 30 times

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢድካ ዘላ ዝዓበየት ናይ ሓባር ሃብትኻ ልኡላዊት ሃገርካ እያ። እዛ ልኡላዊት ሃገር  ከም ህዝቢ ናይ ህልውናኻ ወሳኒት ጥራይ ዘይኮነት፡ ብነዊሕን ኩለ-መዳያዊ  ቃልስን ክቡር መስዋእትን ዘረጋገጽካያ እያ። ኣብ ምውሓሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነታ ምርግጋጽን ምሕላዋ’ውን ኣብ እንግደዓኻ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።

ምእንቲ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካ፡ “ሃገር ኣላትኒ” ኢልካ ንምሕባንን ምንያትን ጥራ ዘይኮነ፡ “መሊእካ እትረግጸላ፡ ኣፍካ መሊእካ እትዛረባል፡ ሓራን ኩሉ ጸጋታታ ብማዕረ እትጥቀመላን ክትከውን ምዃኑ’ውን ዘይትዝንገዖ እዩ። “እሞ እቲ ብግብሪ ትሓልፎ ዘለኻ ህይወትከ ከምቲ ዝተቓለስካሉ ድዩ ዘሎ ኣይፋሉን?”፡ ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ክሳብ ክንደይ ኣንጻርቲ ዝተጸበኻዮ ምዃኑ ንምርዳእ ካብ ካልእ ኣካል እትጽበዮ ዘይኮነ፡ ዕለታዊ ህይወትካ ዝምስክሮ ዘሎ’ዩ።

ልኡላውነታ ኣብ ዘውሓሰት ኤርትራ፡ ማዕረ’ቲ ዝኸፈልካላ ዋጋ ተጠቃሚ ንክትከውን፡ ብነጻን ዲሞክራሲያውን ተሳትፎኻ ዝጸደቐ ሕገምንግስቲ፡ ብኣኡ መሰረት ዝተመርጸ ትካላዊ መንግስቲ፡ ከም ዘድልየካ ዘማትእ ኣይኮነን። ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ ክንመጽእ እንከለና ግና፡ ኣመሓድረኒ ኢልካ ቆጽሊ ብዘውደቕካሉ” ስርዓትን ሕግን ዘይኮነ፡ ሕድርኻ ጠሊሙ ብኢደ ወነኑ ኣብ ስልጣን ብዝተወጥሐ ጉጅለ ክትደሃኽ ከም ዝጸናሕካን ከም ዘለኻን ናይ ማንም ኣካል ሓበሬታ እትጽበየሉ ኣይኮነን።

ስለዚ ናይዚ ትሓልፎ ዘለኻ ኣዝዩ ከርፋሕ ህይወት ጠንቂ ህግደፍ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንስኻ፡ ዓለም ብዓለማ እውን ካብ እትግንዘቦ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ካባኻ ዝድለ ግና ነቲ ኩነታት ምግንዛቡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቓልሲ “ናብ ረብሓኻ ዝማእከሉ” ምቕያሩ ክትበቅዕ እንከለኻ ምዃኑ ንምዝኽኻርካ  እንተዘይኮይኑ፡ ዘይትፈልጦ  ኣይኮነን።

እቲ ንመስዋእትኻ ግቡእ ክብደት ብዘይምሃብ፡ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ንክበጽሕ፡ ናትካ ምስምሳት ብምፍጣር ተዓዛባይ ምዃን ብጽሒት ከም ዘለዎ ኣይትኽሓድ። ምረት ወጽዓ ህግደፍ ከም ዝኸበደካ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም እተንጸባርቕ ርዱእ እዩ። ነዚ መረረኻ ብሓባር ናብ “ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን” ውዱብ ዓቕሚ እንተዘይኣበሪኽካዮ ግና ከምዚ ትዕዘቦ ዘለኻ ዝተኣማምን ውጽኢት የብሉን። እንተ ህግደፍ ደንጊጹ ራህዋ ከምጸኣልካ ምጽባይ፡ ካብ “ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ምጽባይ” ከምዘይፍለ፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮኻ እኹል መርተዖ  እዩ።

ብሰንኪ ህግደፍ ትሓልፎ ዘለኻ “እዚ ጐዲልዎ” ዘይበሃል ወጽዓን በድልን፡ ከመይ ከም ዝኸኣልካዮ ብዙሓት ዝግረምሉ እዩ። ኣብዚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰል ኣብ ዘየብላ፡ ብሕገመንግስቲን ትካልዊ ስርዓትን ዘይትምራሕ፡ ብሓንቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝተሻበበት፡ ካብኣ ወጻኢ ምስ ዘሎ ቤተሰብ ብዘመናዊ መራኸቢ  ደሃይ ዘይትፈልጠላ፡  ሕሉፍሓሊፉ ኣብ ወጻኢ ዝሞተ ዜጋኣ ሓመድ ኣዳም ኣብ ዘይለብሰላ ሃገር ምንባር ዘየገረመኸ፡ እንታይ ከገርም ይኽእል። ንኩነታት ሃገርና ኣዕሚቖም ዝከታተሉ ወገናትን ትካላትን ብኸመይ ከም ዝገልጽዋ ምስ ጸገሞም እዮም ከኣ፡ ኣብ ክንድ በቲ ክቡር ስማ ኤርትራ “ሰሜን ኮርያ ኣፍሪቃ” ክብልዋ ዝተገደዱ። እዚ ነቲ ኣግሂዱ ኣብ ቀላይ ወጽዓ ዝሕንብስ ዘሎ ህግደፍ ዘገድሶ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ውጽኢት ቃልስኻ ክሳብ ክንድዚ ክመራሳሕ እንከሎ ከም ዘሕዝነካ  ፍሉጥ እዩ።

ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ከምቁርዲድ ተጣቢቑ ደምካ ዝመጺ ዘሎ ጉጅለ፡ ሰላሕ እናበለ ዝገበለ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን። እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ገዲፍና፡ ካብ 2001 ንደሓር ንዘርኣዮ ጥልመት “ኣይተረደናን፡ ከምኡ ዝኸውን ኣይመሰለናን” ኢልካ ዘይትሓልፎ እዉጅ እዩ ነይሩ። ነቲ ካብ ሽዑ ዝቐጸለ ሓድገኛ ማዕበል ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ “ዓገብ” ድምጾም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም። ድምጽኻኸ ብናይቲ ጉጅለ ዕባራ ምኽንያታት ከይተሻበበ፡ ኣብቲ ክኾኖ ዝነበሮ ብራኸ ነይሩዶ ኣይነበረን ንገዛእ ርእስኻ መርምር። ኤርትራ ብደረጃ ዓለም፡ ህዝባ  ብብዝሒ ራሕሪሕዋ ናይ ዝስደድ፡  ናይ ኣብያተ-ማእሰርትን  ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ዝሓልፍ ግዳያትን ብዝሒ ኣብነት ኮይና ክትጥቀስ ምጽነሓን ምህላዋን ክሳብ ክንደይ ተስተብህለሉ ኣለኻ ባዕልኻ ኢኻ ትፈልጦ። ንድምጺ ናይቶም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ደቅኻዶ ወይስ ንመታለሊ ድምጺ ህግደፍ እዝኒ ክትህብ ጸኒሕካ ድማ ካልእ ባዕልኻ እትርደኦ እዩ።

ከምቲ “ናይ ሎሚ ገደደ” ዝበሃል፡ በቶም  ትማሊ መራሒ ህግደፍ ንዓኻ ለጊስዎ ብዘይፈልጥ ሓጐስን ሰሓቕን ዘሰራስሮም ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ ነታ መተካእታ ዘየብላ ኣብ ኢድካ ዘላ ክብረትካ ኤርትራዊ  ልኡላውነት ዝጻባእ ህቦብላ ይለዓል ኣሎ። ኣብቲ ናይ ዕብዳን ግዜ፡ ገለ ኤርትራውያን ንኢሳያስ ብዕልልታን ጓይላን “ተደሚርና ኢና” እናበሉ የዳምቕሉ ከም ዝነበሩ ትርሰዖ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ እዞም ሎሚ ሃገርና ክጐብጡ ዘንባህቑ ዘለዉ ኣካላት ኣብዚ ደርጃ’ዚ ንክበጽሑ ግደ ከም ዝነበሮ ተወሳኺ ኣብነታት ምቕራብ ዘጸግም ኣይኮነን።

ካልእ ኩሉ ኣጽኒሕና፡ ህግደፍ ኣብቲ ናይ 2018 ሓድሽ ዝምድና ምስ መንግስቲ ብልጽግና ዝተረእየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ነቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መሬት ምምልካት፡ “ቀዳምነትና ኣይኮነን” ኢሉ ሸለል ምምባሉ፡ ክሳብ ክንደይ ነቶም ሎሚ ዘዕገርግሩ ዘለዉ ከም  ዝተባብዖም፡ ትስሕቶ ኣይመስለናን። ብመራሕቲ ናይቲ ጉጅለ፡ “ቀዳምነትና ኢትዮጵያ ከይትፈርስን ከይትበታተንን ወያነ ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ከምዘይትምለስ ምግባርን እዩ” ክቃለስ ዘለና ክበሃል እንከሎኸ ረሲዕካዮ ዲኻ?

እቲ ብዛዕባ ልምዓትን ቀረብ መሰረታዊ ነገራትን ኩሉ ግዜ “ንዓመታ” እናበለ ዘሽካዕልለልካ፡ ፈቲኻ ጸሊእካ መግለጺ ኣብ ልዕሌኻ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ። እንተዘይንዕቀካ፡ “ዓሚ ከምዚ ኢለዮስ፡ ሎሚ ዘበን እውን ክደግሞ እንከለኹ እንታይ ኮን ይብለኒ?” ኢሉ መተሰከፈ። ስለዚ እቲ ህግደፍ ዝብሎ፡ “ህዝቢ እንተተቐበለ ይቀበሎ፡ እንተዘይተቐበሎ ከኣ ኣብይ ከይበጽሕ” ናይ ዝብል፡ ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎ ብደዐ መግለጺ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ፈቲኻ ጸሊእካ፡ ከምቲ “ዘይተርፈካ ጋሻስ ኣጥቢቕካ ሰዓሞ” ዝበሃል፡ ሎሚ’ውን እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ኮነ፡ ወጽዓ ህግደፍ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ኣብ ዝባንካ ዘሎ ምዃኑ ንከተስተብህለሉ  እነዘኻኽረካ።

Last modified on Sunday, 15 February 2026 10:48