ሱዳናዊ ጉጅለ ናይ ሰላም ተብገሶ ይወስድ

2025-09-02 08:20:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 102 times

 ጉጅለ ናይ ሰላም ተበግሶ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃኡ

ሓደ ጉጅለ ሱዳናውያን፡ ብ31 ነሃሰ 2025 ከም ዝሓበሮ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝቕጽል ዘሎ ኣብ ዘመናዊ ታሪኻ  ተራእዩ ዘይፈልጥ  ኣብራሲ’ ዝበሎ ውግእ ጠጠው ከብል ይኽእል’ዩ ዝበሎ ርኢቶ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ። እዚ “መጸዋዕታ ሰላም ንሱዳን” ዝተሰየመ፡ በቲ ተሓላቒ ጉጅለ ዝተወስደ ተበግሶ ብሱዳናዊ ዘቤታዊ ዓቕሚ ጥራይ ኮይኑ፡ ብሰፊሕ ናይ ዕርቂ መስርሕ፡  ፍትሕን ቀጻሊ ሰላምን ንምርግጋጽ ዝሓለነ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ተበግሶ ብፍሉጥ ምሁርን ነባር ዲፕሎማትን ፍራንሲስ ደንግ ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ምብሳር ናይ ማንዛ ርክብ ቃሉ ኣስሚዑ። እቲ መራሒ ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ምርግጋጽ ሰላምን ሓድነትን ሱዳናውያን ከውሕስ ዝኽእል ሃዋህው ምፍጣር ከም ዘኽእል ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ፍራንሲስ ደንግ ኣብቲ ርኢቶኡ ብተወሳኺ ሱዳናውያን፡ ቅድሚ ናብ ሕብረተሰብ ዓለም ምምዕዳው መጻኢ ዕድል ሃገሮም ኣብ ምውሳን ምሉእ ሓላፍነት ንክወስዱ ጸዊዑ።

እቲ ንቕሎ ሱዳናዊ ጉጅለ፡ ንኹሎም ሱዳናውያን ዜጋታት ብዘይ ኣፈላላይ ሃይማኖት፡ ዓሌት፡  ጾታን ከባብን ብማዕረ ዝርኢ ምዃኑ ወደብቲ ናይቲ ተበግሶ ምግላጾም እቲ ካብ ሱዳን ትሪቡን ዝተረኽበ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ሓደ ናይቲ ተበግሶ ሰላም ዝወስድ ዘሎ ጉጅለ ኣባል፡ ኢሳም ኢል ዓባስ፡ ምንቅስቓሶም ምንጽጻግ ከም ዝቃወም ጠቒሱ፡ ናብቲ ምሁራት ሱዳን ዝመርሕዎ ዘለዉ ምክፍፋላት ዕዙዝ ናይ ሓድነት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ካልእ ኣባል ናይቲ ተበግሶ ዓብደላ ኣል ናይም ብወገኑ፡ ሰላም ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ውግእ ጠጠው ንምባል፡ ሓድነት ህዝቢ ንምፍጣርን ዕግርግር ንምውጋድን እንኮ መሳርሒ ምዃኑ ጠቒሱ። እዚ ተበግሶ ድሕሪ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2025 ጀሚርካ ምስ ዝምልከቶም ሱዳናውያን ምሁራትን ሲቪላዊ መራሕትን ምምኽኻር ምክያድ ዝመጸ ምዃኑ ከኣ ተሓቢሩ።

ሱዳናውያን ምሁራት፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውግእ ካብ ዝባራዕ ጀሚሮም’ኳ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ከቕርቡ እንተጸንሑ፡ ብሰንኪ እቶም ነቲ ውግእ ሕድሕድ ዝመርሕዎ ዘለዉ ጀነራላት ቅሩባት ዘይምዃኖም  ኣብ ፍረ ክበጽሕ ኣይከኣለን።

Last modified on Tuesday, 02 September 2025 10:28