ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ሓለፍቲ ሑቲ ብደብዳብ ነፍርቲ ተቐቲሎም
2025-08-31 08:18:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 84 timesየመን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ቀዳማይ ምኒስትሩ ኣሕመድ ጋለብ ናሲር ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቱ ብ28 ነሃሰ 2025 ብሃንደበታዊ ደብዳብ ነፍርቲ እስራኤል ምቕታሎም ከም ዘረጋገጸላ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣፍሊጣ። እዚ ብኢራን ይሕገዝዩ ዝበሃል የመናዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፍርቲ እስራኤል፡ ብዘይካቲ ቀዳማይ ምኒስተር ካለኦት ምስኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ እውን ከም ዝተቐተሉ ከም ዘረጋገጸ እውን እቲ ብቢቢሲ ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ። ሓይልታት እስራኤል ብወገኖም ብ28 ነሃሰ 2025 ነቲ ደብዳብ ከም ዝፈጸምዎ ኣፍሊጦም እዮም።
ጉጅለ ሑቲ ድሕሪ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝነበሮ መንግስቲ ምውጋዶም ካብ 2014 ጀሚሮም ዝሰፈሐ ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቆጻጸሩ ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋንዚ እታ ሃገር ብሰንኪ ዘይዛሪ ውግእ ሕድሕድ ኣብ ኣዝዩ ዝደኸመ ደረጃ ወዲቓ ዘላ እያ።
እቲ ጉጅለ ብዘይካ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ካለኦት ዝተቐትሉ ሓለፍቲ ዝርዝር ኣስማት ኣይጠቐሰን። ሓዳዝ ዝተባህለት መርበብ ዜና ሳዑዲ ዓረቢያ ግና፡ ብዙሓት ሚኒስተራት ተወቒዖም ከም ዝቖሰሉ ጠቒሳ፡ ሚኒስተራት፡ ናይ ወጻኢ ጉዳያት፡ ፍትሒ፡ መንእሰያትን ስፖርትን ከምኡ እውን ማሕበራዊ ጉዳያትን ስራሕን ካብቶም ዝተቐተሉ ምዃኖም ሓቢራ።
በቲ ዜና መሰረት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ፡ ኣሕመድ ሚፍታሕ ንቦታ እቲ ዝተቐትለ ቀዳማይ ምኒስተር ተኪኡ ክሰርሕ’ዩ። ናይ ምንቅስቓስ ሓውቲ ዝለዓለን ወሳንን መራሒ ዓብዱል ማሊካን፡ ናይቲ ጉጅለ ወተሃደራዊ ሚኒስተርን ሓለቓ ስታፍን ግና ካብቶም ዝተቐትሉ ከምዘይኮኑ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
መራሕቲ ሑቲ ኣብ ጋዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳባት ክቕጽሉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ መራሕቲ ሑቲ ዝተቐትልሉ ስልቲ ምስቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢራን ብእስራኤል ዝተቐተለትሉ ተመሳሳሊ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።