ባህግና Bahgna Media 04.05.2025 ዜና ቤት ትምህርቲ፡ እነኣምነሉ ክነስና ዘየዐወትናዮ መድረኻዊ ዕማም፡ ኢሳያስ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ የለን።
Written by Bahgna MediaMedia
ኤርትራ “ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ (RSF)” ዝተባህለ ዓለም ለኻዊ ትካል፡ 3 ጉንበት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውጸኦ ዝርዝር ደረጃ ኤርትራ፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። እዚ ንመጀመርታ ግዜኣ ዘይኮነ ንዝሓለፉ 8 ተኸታተልቲ ዓመታት ዝጸነሓቶ ጭራነት ምዃኑ እውን ጠቒሱ። ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ 11.2 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ ክትከውን እንከላ፡ ቁሩብ ካብኣ ሕይሽ ኢለ ቅድሚኣ ካብ መበል 179 ክሳብ 175 ዝተመዝገባ ሃገራት ከኣ ደቡብ ኮርያ ብ12.64%፡ ቻይና ብ14.8%፡ ሲርያ ብ15.85%፡ ኢራን ብ16.22%ን ኣፍጋኒስታን ብ17.88% እየን።
ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ከኣ፡ ነርወይ ብ92%፡ ኢስቶኒያ ብ89.46%፡ ኔዘርላንድስ ብ88.64፡ ስዊደን 88.13ን ፊንላንድ 87.18ን ምዃነን ኣብቲ ምብኽንያት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ ዝወጸ ጸብጻብ ተጠቒሱ’ሎ። ካለኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኡጋንዳ መበል 143፡ ኢትዮጵያ መበል 145፡ ሩዋንዳ ድማ መበል 146፡ ኮይነን ሰፊረን። ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ በቲ ጸብጻብ መሰረት ኰነታት ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ኣብተን 40% ሃገራት ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ 2024 ብደረጃ ዓለም ኣብ ሞያዊ ስረሖም እንከለዉ 104 ጋዜጠኛታት ክቕተሉ እንከለዉ ካብኣቶም 8 ኣፍሪቃውያን እዮም። ኣብ 2025 ዝተቐትሉ ከኣ 15 ምብጸሖም ተሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ንነጻነት ፕረስ ወይ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ “ብጋዜጣ፡ መጺሐት፡ ተለቪዥንን ሬድዮን ዝኣመሰሉ መድያታትን፡ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ምንጽብራቕን ክሳብ ንመንግስትን ዝኣመሰሉ ትካላትን ምንቃፍ ዝበጽሕ መሰል እዩ” ክብል ጠቒስዎ። ንኤርትራ ኣብ ጭራ ዝሰረዓ ከኣ እዚ ኩሉ መሰላት ብምብኳሩ እዩ።
ብፍላይ ንኤርትራ ብዝምልልከት ኣብ ዘስፈሮ ከኣ፡ ነቲ ብኩራት ነጻነት ሓሳባካ ምግላጽ፡ ከም ጃማላዊ ማእሰርትን ምስዋርን ጋዜጠኛታት፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክውሰኾ እንከሎ ከም ዝግድድን እዚ ድማ ኣስታት 500 ዝኾኑ ሰባት መሰኻኽር ብምዝራብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተጻረቶ ምዃኑ እቲ መገለጺ ኣስፊሩ።
ናይቲ ሓድሽ ሰልፊ ትሊዲፓ ንድፊ ኣርማ
ምክትል ኣቦመንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዝነበረ ዝምራሕ ክፋል “ትግራይ ሊበራል ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ TLDPA” ናይ ምምስራት መስርሕ ከም ዝጀመረ ብዝተፈላለዩ መድያታት ይግለጽ ኣሎ። እተን መድያታት ንሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ካብቶም መስረቲ ጠቒሰን ከም ዘስፈረኦ፡ እቲ ምድላው ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብሄራዊ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ ዘየጽደቖኳ እንተኽዕነ መስርሕ ምጅማሩ ግና ኣፍልጦ ኣለዎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካሕሳይ ብ30 ማዝያ 2025 ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ገጹ ፡ እቲ መስርሕ ተጀሚሩ ኣብ ጉዕዞ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ “ህልውናና ከም ብሄር ንምውሓስ: ሕዚ ገጢሞምና ዘለው ዝተሓላለኹ ሽግራት ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ንምፍታሕን በቲ 'ስልጣን ወይ ዕንወት' ብዝብል ጉጅለ ዝተበተነ ሓይሊ ንምእካብን ዓቕሚ ይፈጥር'ዶ? ንዘትየሉ” ክብል ኣስፊሩ።
ኣቶ ጌታቸው ኣተሓሒዙ፡ “ትግራይ መማረጽታት እምበር ብሕታዊ መማረጺ ኣየድልያን” ኢሉ፡ “ኣነ ድንገት በርደግ ኢለ ሊበራል ዴሞክራት'የ ዝብለሉ ምኽንያት የለን:: ንዘትዩሉ:: ተጋሩ ተኣኪብና ኣድማዒ ስራሕ ክንሰርሕ ዝደሊ ኩሉ ይዘትየሉ::” ክብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ናብዚ ስጉምቲ ዝበጽሑ፡ ህወሓት ፍልልያቱ ኣወንዚፉ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዘካየዶ መበል 14 ጉባአ ሰሪዙ ሓድሽ ጉባአ ከካይዱ ዘቕረብዎ መጸዋዕታ ተቐባልነት ስለ ዝሰኣነ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።
ትግራይ ሊበራል ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ኣብ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምስተመዝገበ ቀልጢፉ ጉባአ ከም ዘካይድን ኣብ ቀጻሊ ምርጫ ከም ዝሳተፍን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ። ካብቶም መስረቲ እዚ ሓድሽ ሰልፊ ኣቶ በየነ ምክሩን ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረህይወትን ዝተባህሉ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ዝነበሩ ከም ዝርከብዎም ከኣ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ሒጂ እዋን እቲ ብዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ፡ ካብ 13 ጉንበት 2025 ንደሓር ብብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ምሉእ ብምሉእ ከይስረዝ ኣብ ስግኣት ዘል እዩ
UNHCR ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምልካት ኣብ ጥቅምቲ 2024 ዝሓቦ ሓበሬታ
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕን ሓጺርን ግዜ ብዘይፍርዲ ኣብ ፈቐዶ መደበራት ፖሊስ ኣሲረዎም ዝጸንሐ ክሳብ 250 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ብ29 ማዝያ 2025 ብወገን ክልል ዓፋር ኣቢሎም ናብ ዓሰብ ከም ዝሰጐጉዎም ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።
ናይቶም ግዳያት ቤተሰብ ከም ዝሓበርዎ፡ ካብዞም ተገዲዶም ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ዘለዉ፡ መብዛሕትኦም ብሰንክቲ ብ13 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ሕድሕድ ህይወቶም ንምድሓን ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሃደሙ እዮም። ብዘይካዚ ኣብቶም ዝተሰጉ ብኽንደይ ኣደራዕ ገንዘብ ከፊሎም ካብ ኤርትራ ተሳጊሮም ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 7 ዓመታት ዝጸንሑ ከም ዝርከብዎም’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።
ሓደሓደ ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ ነቶም ኤርትራውያን ካብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንምፍታሕ ንዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝኽፈል ገንዘብ’ኳ እንተነበረ ኣይሰመረን። ኢትዮ-ፎርም ዝተማህለት ማሕበራዊ መድያ ብወገና ኣቐዲማ ኣስታት 224 ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ተባሂሎም ኣብ መደበራት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተዳጒኖም ምንባሮም ምሕባራ፡ ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ተጠቒሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ4 ታሕሳስ 2024 ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብመንገዲ ቡሬ ናብ ሃገሮም ምጥራዙ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚ እንከሎሉ፡ ማይግረይሽን ፖሊሲ' ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ማዝያ 2025 ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2024 ልዕሊ 683,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተመዝገቡ ንላዕለዋይ ኮምሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ምግላጻ ምፍሊጣ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ኣስፊሩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግቡእ ስርሑ የካይድ የለን።
ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ግዳይ ምስጓጉን ካልኦት ጸገማት ዝኾኑ ዘለዉ፡ ብሰንክ’ቲ ኣብ መንጎ ክልቲአ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ እሞ ብብዙሓት ወገናት ናብ ውግእ ከይዓርግ ዘፍርሕ ዘሎ ወጥርን ምትፍናንን እዩ።
ኣብ መስርሕ ናይዚ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ መሰረታዊ ሸቶ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ከም ዝራኽብ ዝሳሓት ኣይኮነን። ልኡላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ምውጋድ ዲክታተርያዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መቓብር ዲክታተርነት ልዕልና ህዝቢ ዘረጋገጽ ሕገ-መንግስታዊ ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካል፡ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታትን መሰረታዊ መሰላትን ምግጋጽን ምዕቃብን ዝብሉ ናይቲ ሓባራዊ ሸቶ መርኣያ እዮም።
ናብዚ ዝተጠቕሰ ቅድሚት ዝስራዕ መባእታዊ ዘሰማምዕ ዓላማ ንምብጻሕ፡ ዓቕምና ንምእካብ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ከም ዘድልየና ናይ ኩልና ሓይልታት ለውጢ እምንቶ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብኡ ንምብጻሕ ክሳብ ሎሚ ዝኸድናዮ ከኣ ክንድቲ ዝተጸበናዮ’ኳ እንተዘይኮነ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዝተቐስመሉ፡ ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ምንባሩን ምዃኑን ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ እውን ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ፖለቲካዊ ባእታታትን ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ብዘውጽእዎ ኣዋጃትን ዘስምዕዎ መደረታትን ንወሳኒ ኣድላይነት ናይዚ ናይ ሓባር መድረኽ ከይጠቐሰ ዝሓልፍ የለን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ጉዳይ ዝዕወት ስለ ዝመደርካሉ፡ ዝደገፍካዮን ዝበሃግካዮን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምትግባሩ ዘኽእል ብቑዕን ቅሩብን ዓቕሚ ኰንካ ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ዝተመሃርናሉ መስርሕ እዩ።
ካብዚ ብምንቃል እዩ ከኣ፡ “ስለምንታይ ዳኣ ክሳብ ክንድዚ ኩልና እንደልዮን እንኽእሎን እንከሎ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወትናዮ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ዝኸውን። ነዚ ሕቶ መልሲ ክርከበሉ’ውን መተካእታ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ሎሚ’ውን ከም ቀዋሚ ኣጀንዳና ወስዲና ንቃለሰሉ ዘለና። እቶም ኣብ ዙርያዚ መሰረታዊ ሕቶ እንዋሳእ ዘለና ኤርትራውያን ሰብ ዋኒን፡ ኣወዳድባና በበይኑ እዩ፡ ገሌና ሰልፊ ገሌና ውድብ ከምኡ እውን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን። እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እውን ጐነጻዊዶ ዘይጐነጻዊ እናተባህለ ከም ዝፈላለ ርኡይ እዩ።
በዚ ኮነ በቲ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ንወደብን፡ ዝኾነ ኣገባብ ንክተልን ሸቶና ኣብ ኤርትራ ልዕልና ህዝብን ፍትሓዊ ምሕደራን ዘረጋግጽ መሰረታዊ ለውጢ ኣምጺእካ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ዘውሓሰት ኤርትራ ምግሃድ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ኣቐዲምካ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ዘይኮነ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ቀዳምነታትካ ብጥንቃቐ ሰሪዕካን ዋላ ኣብ ዝወሓደ ነጥብታት ኣብ ዘሰማምዓካ ኣትኪልካ ብሓባር ክትስጉምን ፍልልያት ከተጽብብን ዘይምብቃዕ ዘርኢ፡ ካልእ ናይ “እናደለኻዮን እናከኣልካዮን” ናይ ዘይምዕዋቱ ኣብነት ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ኣብ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ንከይንዕወት ይዕንቅፉና ካብ ዘለዉ ቀንዲ ጠንቅታት፡ “ነቲ ዝፈላልየካ ዝያዳ’ቲ ዘሰማምዓካ ምትዕብባይን፡ ንፍልልያት ግዜ ሂብካ ብውሕሉል ኣገባብ ክትፈትሖም ዘይምኽኣልን እዩ። ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይምጥራይ፡ ናብ ህዝቢ ሓቢርካ ዘይምቕራብ፡ ዕቱብ ገምጋም ዘይምክያድ፡ ንሓድሽ ምዕባለ ዝምጥን ሓሳብ ዘይምንጫው፡ እስትራተጅን ሜላን ምድብላቕ፡ ንብዙሕነት ውዳበታት ከም ሓደጋ ምርኣይ፡ ሓቀኛ ምትእምማን ዘይምጥራይን ዝኣመሰሉን እውን ቅድሚ ሕጂ ብውድባት ኤርትራ ብሓባር ዝተገምገሙ ክድገሙ ዘይግበኦም ሕጽረታት እዮም።
እቲ ካልእ ጐሊሑ ክረአ ዝጸንሐ ዕንቅፋት፡ ጉዳይ ምፍጣር ናይ ሓባር ጽላል ኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ዛዕባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ርእሲቲ ዝጸንሐ ኣውንታዊ ተመኩሮን ጥጡሕ ባይታን ብምውሳኽ ዋጋ ብዝተኸፍሎ ናይ ተመክሮ ጸጋ ምጥቃም፡ ኩሉ ግዜ “ሓደ” ኢልካ ጀማሪ ናይ ምዃን ዝንባለ ምርኣይ ወትሩ ዝጥቀስ ክእረም ዝግበኦ ድኽመት እዩ። ኣብ መስርሕ ምምስራት ናይ ሓባር ጽላል ናይቶም ተዋሳእቲ ሰልፍታት ይኹን ውድባትን ማሕበራትን ውሽጣዊ ዓቕምታት ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ ናይቲ ዝምስረት ጽላል ዓቕሚ እኩብ ድምር ናይቶም ዘቑምዎ ኣካላት ዓቕሚ ስለ ዝኾውን። እቲ ቅኑዕ መዋጽኦ ከምኡ እናሃለወ፡ ኣብ ኣድላይነት ናይተን ኣብ መስርሕ ቃልስን ተስፋ ኣብ ዝህብ ፈተነታት ምምስራት ጽላልን ዝርከባ ውዳቤታት ዕቱብ ዘተባብዕ መርገጽ ዘይምሓዝ ዘይሩዘይሩ ኣብ ምምስራት ናይቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ጽላል ዘይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ዝመልስ ዝንባለ’ውን እዩ።
ካብኡ ብዘይፍለ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይቶም ሰብ ጉዳይ ለውጢ ከተምጽእ ምጽዓት፡ ኣወዳድባታትን ኣሰያይማ ጽላላትን ኣተኲርካ ለውጢ ከተምጽእ ምህቃን መፍትሒ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ስጉምቲ ሓላፍነት ወሲድካ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ ዝሕግዝ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከተተኣታቱ ምብቃዕ ምዃኑ፡ ካብ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ ምምስራት ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጥን ካለኦት ንኡሳን ምሕዝነታትን ምትሕንፋጻትን ዝተመኮርናዮ እዩ።
ሓቢርካ ምቅላስ ኣብቲ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብጽሒቱ ወሳኒ ምዃኑ ንሕና እንርደኦ እቲ ብሓድነትና ዝርዕድ ህግደፍ’ውን ዝግንዘቦን ንከይዕወት ውዲታት ዝኣልመሉን እዩ። ብሓባር ምቅላስ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን እውን ወሳኒ እዩ። “ተኸኣኢልኩም ብሓባር ተቓለሱ” ዝብል መጸዋዕታ ልዕሊ ኩሉ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ ምሕጽንታ ምዃኑ ምስትውዓል’ውን የድሊ።
ኣብ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ንኤትራዊ ልኡላውነት ዝደናደን ኣህጉራዊ መልክዕ ዝሕዝ ዘሎ ተርእዮ ክቕልቀል እንከሎ፡ ናይ “ኣይፋል ንዓመጽ እወ ንልኡላውነት” መልእኽትና ትርጉምን ዓቕምን ክህልዎ ሓቢርካ ምስላፍ ወሳኒ እዩ። እቲ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳትና ዝተፈላለዩ ኣካላት “ንከተድምዑ ሓቢርኩም ዘይትንቀሳቐሱ” እንበሃሎ ከኣ ነዚ ዘምልክት እዩ። እቲ ካልእ ገዲፍና ኣብቲ ጐረባብትናን ዞባናን ዝኽሰት ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ትርጉም ንክህልወና ነቲ ክሳብ ሎሚ እናኣመናሉን እናደለናዮን ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ምቅላስ ብሓድሽ መንፈስን ድሉውነትን ምትግባር ሎሚ’ውን ምርጫ ዘይኮነ ግደታ እዩ።
“ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቄ (ኣብን)” ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ውድብ፡ ንሃገርነት ኤርትራ ኣፍልጦ ኣይህብን ከም ዝበለ ብ28 ማዝያ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምክያድ ሳልሳይ ጉባአኡ፡ ኣብ ዘውጸኦ 6 ገጻት ዝሓዘ ናይ ፈጻሚ ኣካል መግለጺ እዩ ነዚ ዕዉርን ዘይሓላፍነታውን ክሕደቱ ዝገለጸ።
“ኣብን” ኣብቲ መግለጺኡ ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዝመጸሉ መስርሕ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ ምዃኑ ብምጥቃስ’ዩ ንኤርትራዊ ሃገርነት ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ኣስፊሩ። እቲ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ነቲ ኤርትራውያን ን30 ዓመታት ዘካየድዎ መሪርን ክቡርን ቃልስን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዘካየድዎ ረፈንደምን ክሒዱ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕ ብድኽመት ናይቶም ኣብቲ እዋንቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣካላት ዝተዓወተ ኣምሲሉ ክገልጾ እዩ ፈቲኑ።
ኣብቲ መግለጺኡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ብሰፊሑ ዘዚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለዎ ሕርቃንን ጽልእን ክገልጽ ክብል ነቲ ብቓልሲ መላእ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ዝተመዝገበን ልኡላውነት ኤርትራ ክኽሕድ ምፍታኑ ንብዙሓት ዘገርም ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ነቲ መግለጺ ዝተኸታተሉ ከም ዝሰማምዕሉ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኾነይኹን ሕቶ ዘይነበሮ ክነሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብኽሕደት ዝተላዕጠጠ መግለጺ ምውጻኡ፡ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክቕጽል፡ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ውደብ ዓሰብን ዘቕርቦ ዘሎ ሸፋጢ ሕቶ ንምርጓድ ክብል ዝሓዞ ተበላጺ መርገጽ እዩ።
መግለጺ “ኣብን” ብዘይካቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘንጸባረቖ ክሕደት፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እውን ምስ ናይ ብልጽግና ተመሳሳሊ መርገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከባቢ ወልቃይት ናብ ትግራይ ንከይምለስ ተሪር መርገጽ ከም ዘለዎ ኣስፊሩ።
ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፡ ብኣቦመንበርነት ሚኒስተር ሳይነሳዊ ምህዞ (innovation) ዶር በለጣ ሞላ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኣብ ፈደራል መንግስቲ 5 ኣብ ፓርላማ 1 ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መናብር ዘለዎ እዩ።
الدولة هي ظاهرة تاريخية اجتماعية في تطور الجماعات البشرية ويكون لها حدود سيادية وإدارية وسياسية في رقعة جغرافية برياً وبحرياً وجوياً و رمزيًا ودبلوماسيًا
إنّ مبدأي القوة والقانون ؛ هما قطبا الرّحَى في تنظيم العلاقات بين الشعب والسلطة وبين الأفراد والهيئات والمؤسسات بل وبين الدول فيما بينها؛ أي أن القانون هو المنظم لمفهوم القوة وبه تُكتَسَبُ الشرعية من عدمها؛ فالسلطة لا يمكن أن تَكتَسِبُ القوة إلا بالقانون، أما عكس ذلك أي القوة المحضة غير المنظمة بالقانون؛ فالأمر يكون تعسفاً واستبداداً مطلقاً، فالتُُ من عقالهِ كما هو الحال في وطننا، حيث الحاكم بأمره يكتسب القوة لشخصه من غير أي وازع قانوني.
في البلدان التي تحكمها حكومات منتخبة وتكون السلطة للشعب، تكون فرصة سيادة القانون كبيرة، ولذلك يتمتع جميع أفراد الشعب بحقوق متساوية أمام القانون .
أما في الدول التي تحكمها أنظمة استبدادية لا تلتزم بسيادة القانون، فنجد أنها تمارس سلطتها بالقوة والعنف والظلم للبقاء في الحكم.
في ارتريا؛ الدولة حديثة الاستقلال والتي كانت أمامها فرصة نادرة لتكون دولة تحكمها سيادة القانون . تتسم العلاقة الأساسية في ارتريا بين الحاكم والشعب بالاستبداد ، حيث نصّب الحاكم نفسه فوق القانون ، معتمدًا على منطق القوة والبطش بعد أن اختطف السلطة بذريعة الشرعية الثورية منذ فجر الاستقلال في عام 1991.
أما القوى السياسية الساعية للتغيير وعامة الشعب الارتري؛ فإنها تسعى إلى كسر هذا الواقع الأليم، من خلال تأكيد مبدأ سيادة القانون و ضمان خضوع الحكومة ومؤسساتها للمساءلة والمحاسبة.
القانون هو النظام الأساس الذي ينظم العلاقات والمهام والتطلعات المتنوعة لدى الأفراد والدول، ويحدّد ما يجب فعله وما يجب تجنبه ؛ هو الرادع لكل من يخالفه، مما يساعد جميع الجهات ذات المهام والتطلعات المختلفة على التعايش في ظل القانون، بالتعاون والتآزر.
تتمتع جميع دول العالم ذات السيادة، والتي يصل عددها تقريباً إلى أكثر من ١٩٣ دولة وكيان، حيث تتمتع بالأمن والاطمئنان من خلال الالتزام بالقوانين، والأعراف الدولية المتفق عليها في إطار ميثاق الأمم المتحدة والمنظمات الدولية الأخرى، إذ لولا الاحترام والعمل بهذه المواثيق ، لساد عالمنا قانون الغاب وتعرضت الدول الضعيفة لتسلط الدول القوية.
تحتل إريتريا المرتبة 101 عالمياً من حيث المساحة إذ تبلغ مساحتها حوالي 117,600 كيلو متر مربع، أما من حيث عدد السكان, فتحتل المرتبة 132 عالميا .
هذه المؤشرات تظهر أن هناك العديد من الدول تفوق ارتريا في المساحة والسكان، وأخرى تقل عنها.
ومن أبرز العوامل التي تميز ارتريا هو كفاحها المسلح المرير الذي استمر لمدة 30 عاما من أجل الاستقلال عن اثيوبيا والذي توِّج بتحقيق الاستقلال في 24 مايو 1991، وبهذا أصبحت ارتريا دولة ذات سيادة وعضواً في ألامم المتحدة تتمتع بالحقوق والامتيازات نفسها التي تتمتع بها بقية الدول الاعضاء في المنظمة.
إن وجود السيادة الوطنية لايرتبط بوجود النظام الحاكم أو غيابه، بل هي قائمة ما دامت ارتريا وشعبها موجودَين، والنضال الذي يخوضه الشعب الارتري وقواه السياسية يهدف إلى الحفاظ على هذه السيادة وتعزيزها من خلال العمل على اقامة حكم ديمقراطي يحترم سيادة القانون ويضمن حقوق المواطنين.
عندما يكون منطق القوة فوق منطق القانون فإن تداعيات ذلك تكون وخيمة بلا أدنى شك.
نحن الارتريون عانينا كثيرًا، ودفعنا ثمنًا باهظًا نتيجة ممارسات فرض القوة على حساب القانون وابسط دليل على هذه الممارسات هو اختلاق الذرائع للاعتداء على سيادة الآخرين من قبل الدكتاتور الارتري.
نشاهد اليوم فعل كهذا من قبل روسيا ضد أوكرانيا وكذلك الاحتلال الاسرائيلي على فلسطين وما يثير الاستغراب هو وقوف النظام الذي عانى شعبه جراء هذه الممارسة إلى جانب الروس !
ومن جانب آخر نرى الدول العظمى التي تعتبر شرطي العالم بتجاوز رئيسها الحالي ترامب القوانين الدولية المنظمة لاستقرار الدول بالإعلان رغبته في الاستحواذ على جزيرة غرينلاند الأمر الذي يمثل تشجيعاً لجعل منطق القوة يعلو على منطق القانون.
وفي ذات السياق، نلاحظ في الآونة الأخيرة أن الاثيوبيين يرددون على مستويات مختلفة وفي مناسبات عديدة زعمهم بالأحقية في منفذ بحري ويصرون على أن هذا "الحق" هو حق تاريخي و جغرافي واجتماعي متجاهلين بذلك القانون والمنطق.
بدلا من الالتزام بالاتفاقيات التي تم التوصل إليها بين ارتريا واثيوبيا منذ عهد الامبراطور منليك الثاني مروراً باتفاقية الجزائر ، نراهم يسلكون طريق التصعيد والتهديد!!
التفكير السلبي القائم على الاستحواذ القسري على منفذ بحري عمل عدواني؛ ولكن لماذا لا يتم اللجوء إلى قوانين البحار لاسيما اتفاقية 1982 الخاصة بحق الدول الحبيسة في الوصول إلى البحار عبر دول العبور ؟ ففي هذا المسار مسلحة للطرفين، بعيدًا عن الصدام والتوتر.
إن أصرّ الإثيوبيون على استخدام القوة بدلا من القانون فعليهم أن يتذكروا المثل القائل:
"كما تدين تدان". فمن يعتدي اليوم بالقوة، ضارباً بالقانون عرض الحائط ، سيواجه نفس المنطق غدًا.
More...
ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ መንበሪ ፈቓድ ዘይጸንሖም ግና ግዳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሰላም ክሰርሑ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዉ፡ ብእንግሊዝ እትሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 26 ሚያዝያ 2025 ሕታማ ሓቢራ። እቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስረሓት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ድሮ ብሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ተጽዕኖታት ክገጥሞም ብምጅማሩ ዝሓደሮም ስግኣት ኣፍሊጦም።
ናይታ ጋዜጣ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ክሳብ 2 ጉንበት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ፡ ክዳለዉ ክሕብር እንከሎ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ወያ ንእሽቶ ሃገር ክንብላ ዝጸናሕና ኣብ መዋጥር ኣእትያትና ብዝብል ኣብ ሻቕሎት ይገልጹ’ለዉ።
ነቲ ተርእዮ ዝተዓዘቡ ወገናት ምስ ናይ ግብጺ መራሒ ብ23 ማዝያ 2025 ምብጻሕ ናብ ጅቡቲ ከተሓሕዝዎ እንከለዉ፡ እንተደኣ እዞም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ጅቡቲ እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድርዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። ካብቲ ጅቡትን ግብጽን ኣብዚ ሓድሽ ርክብ መራሕተን ተረዳዲአናሉ ዘለዋ፡ ኣብታ ሃገር ጸዓት ምምዕባል ዝብል ስለ ዝርከቦ፡ ግብጺ ንጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላያ ክትሰርሕ መደብ ከም ዘለዋ የመልክቱ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ልዕሊ 90% ዝኸውን ኣገልግሎት ወደብ ብጅቡቲ እትጥቀም ኮይና፡ ነዚ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ዓመት ናብ 2ተ ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ ከም እትኸፍል ብተደጋጋሚ ዝግለጽ እዩ። ጅቡቲ ብወገና ኤለክትሪክ፡ ዝሰተ ማይን ጫትን ወሲኻ ዘድልይዋ ሕረሻዊ ማእቶት ካብ ኢትዮጵያ እያ እትረክብ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብነፋሪት፡ መኪናን ባቡርን ርክብ ኣለወን።
Media
ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝወደቦ ወርሓዊ መድረኽ 26 ምያዝያ 2025 ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብዚ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳትፍሉ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ ተልእኮን ኣቓውማ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ኣሰራርሓኡን ብምጥቃስ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ኣብ ኣስተምህሮኡ ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሃቦም ክፍልታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ንትምህርቲ፡ ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ንዝተመዛበሉን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ንዘጋጠሞምን ኣባላት ሰዲህኤ ንምሕጋዝ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርን ዝምልከቱ ዛዕባታት ኮይኖም፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ድማ ዝርዝራዊ መግለጺ ሂቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ንናጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማና ኤርትራ የበርክትዎ ግደውን ጠቂሱ።
ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣገባብ ምምሕዳሩን ኣመራርሕኡን ከምኡ እውን ዝኽፈተሉን ዝዕጸወሉ ግዜ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣስታት 700 ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውግእ ንዝተወሰነ ግዜ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ በብግዜኡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሙ ብደሆታትን ንምፍተሖም ዝግበር ጻዕርታትን ዝምልከት ኣብሪሁ።
ታሪኽ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ካብ 1967 ከም ዝጅምር ብምጥቃስ ከኣ፡ እቲ ጠንቂ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ዝነበረ ጨፍጫፍ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ ድማ ብዛዕባቲ በብግዜኡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከጋጥሞም ዝጸንሐን ጌና ዘሎን ብደሆታትን ክሳብ ሎሚ ዘለዉዎ ኩነታትን ዘርኢ ሓበሬታ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕረ-ባይታ ስደት ኤርትራውያን ዝድህስስ ሰነድ በቲ ቤት ጽሕፈት ተዳልዩ ምዝርግሑ ኣገንዚቡ።
ኣተሓሒዙ ድማ በብግዜኡ ንኣባላት ሰዲህኤ ዘጋጥምዎም ዝተፈላልዩ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ምጽጋን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሰሪፈይን ዝውዕል ሓገዝ ንዘበርከቱ ኣባላት ሰልፍን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን፡ ዘርእይዎ ልግስን ነቲ ሓገዝ ንምምቕራሕ ዝካየድ ኣሰራርሓን ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ነቶም በብግዜኡ ዝልግሱ ኣባላትን ኣካላትን ንኢዱ ልግሶም ኣብ መጻኢ እውን ንክቕጽልዎ ጸዊዑ።
ድሕሪቲ መበገሲ ሓሳብ ምቕራቡ፡ ኣብ ዝተኸፍተ መድረኽ ናይ ተሳተፍቲ፡ ብደሆታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት እንታይ እዮም?፡ ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዳህሳሱ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ቆላሕታ ክገብረሉ ዝግበኦ ከባብታት፡ ኣብ ወዲ ሸሪፈይ ተማሂሮም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ምሁራት ተመሊሶም ሓገዝቲ ዝኾንሉ ኩነታት ብኸመይ ይፍጠር? ህልዊ ኩነታትን ብዝሕን ስደተኛታት ንምፍላጥ ብኸመይ ብቐጻሊ ይጽናዕ? ዝብልን ዝኣመሰሉን ሕቶታት ቀሪቦም’ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስን ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ግርማይ ተመስገን ቀሽን ዝርዝራዊ መልሲ ሂቦም። ስዒቡ ቤት ትምህርቲ ዋዲ ሸሪፎይ ንምቕጻልን ንምድንፋዕን ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ለበዋታትን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ኣኼባ; ቅድሚ 33 ዓመታት፡ ብ26 ሚያዝያ ካብ ከተማ ከሰላ ብጨወይቲ ኣካላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተሰወሩ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ዘይተፈልጠ፡ ሓርበኛታት ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ከምኡ እውን ከም መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተጨውዮም ደሃዮም ዝጠፈአ ግዳያት ተዘኪሮም።