ስእሊ  ማሕበራዊ መራኸቢ

ሰራዊት ኤርትራ ካብ 20 ጥሪ 2023 ጀሚሩ ካብ ከተማታት ክልል ትግራይ ይወጽእ ከም ዘሎ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ሓቢራ።  እቲ ሰራዊት ብናይ መካይን ቃፍላይ ከም ዝወጸ ዝሓበረት እታ ማዕከን፡ ምውጻእ እዚ ሰራዊት ንትግባረ እቲ ድሕሪ ከቢድ ዕንወት ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም  ኣገዳሲ ምዕባለ ከም ዝኸውን ገሊጻ።

ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ዓብይ ዕንቅፋትን ብደሆን ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። ኣብዚ ድሕሪ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝሞትሉ ውግእ ብሰላም ንክፍታሕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ኣንጻር ትግራይ ክዋጋእ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ኣካልቲ ስምምዕ ከምዘይነበረን በዚ ሕጉስ ከምዘይኮነን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ዝተፍላለዩ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዘይመንግስታዊ ትካላት ብወገኖም፡ እተን ኣጽዋርን ሰራዊትን ዝጸዕና ብዙሓት መካይን ካብ ሽረ ብኣንፈት ዓዲ ዳዕሮ ንወገን ሸራሮ ከም ዝተጓዕዛ ምስክርነቶም ሂቦም። ብዘይካዚ ነበርቲ ከተማታት ኣኽሱምን ዓድዋን እውን ናይቲ ሰራዊት ምውጻእ ኣረጋጊጾም፡ ኣብቲ ዝወጽሉ ዝነበረ ሰዓታት ጐደናታት ንዓኣቶም ጥራይ ተሓዚኡ፡ ምንቅስቓስ ካለኦት ኣካላት ተኸልኪሉን ኣገልግሎት ተለፎን ተቛሪጹን ከም ዝነበረ ኣረጋጊጾም።

ኣካላት ሰብኣዊ መሰልን ዝተፈላለዩ መንግስታትን በብግዜኡ ሰራዊት ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዝተፈላለዩ በደላት ብምቅዋም፡  ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጽውዑን እንተዘይወጺኡ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ከጠንቅቑን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ኤርትራን ብዛዕባ ምውጻእ ናይቲ ሰራዊት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ ሰራዊት ኤርትራ ንክወጽእ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ስምምዕ ተዓዘብቲ ዝነበሩ ወገናትን ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ ትሮንድሃይ፡ ኣብታ ሃገር ብዘሎ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ፡ ብስም ማሕበረሰብ  ኤርትራ (Den Eritreiske Forening I Midt Norge) ዝተዳለወ፡  ን14 ጥሪ 2023 ተሓሲቡ  ብምስጢር ክስረሓሉ ዝጸንሐ መደብ ወጋሕ ትበልለይቲ፡ ብተባዕ ሕጋዊ መስርሕ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ዝፈሸለ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክከታተሉ ዝጸንሑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናይዚ ዝፈሸለ መደብ ዕላማ “ወጋሕ ትበል ነይቲ” ብዝብል ባህላዊ ጉልባብ፡ ገንዘብ ንምእካብን ጸረ ህዝብን ምልካውን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኣስሪጽካ፡ ህዝቢ ግዳይቲ ጉጅለ ንምግባርን እዩ ነይሩ። እቶም ኣዳለውቲ ነዚ ጸረ ህዝቢ መደባቶም ንምዕዋት፡ ብምስጢር ካብ ናይታ ከተማ ፖሊስን ምምሕድርን ፈቓድ ረኺቦም ነይሮም እዮም። በዚ ፈቓድ ተኣማሚኖም ድማ፡ እኽለማይ ኣዳልዮም፡ በጀት መሓሪ፡ ሁመድ እድሪስን ኣሚር ጠዓመን ዝተባህሉ ደረፍትን ተለሃይትን ካብ ሃገረ ሽወደን ገንዘብ ከፊሎም ኣምጺኦም ከም ዝነበሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ነዚ ኩነታት ክጸናጸኑ ዝጸንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ተቐማጦ ከተማ ትሮንድሃይ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓበሬታ ብምልውዋጥ ናይቲ ዝዳሎ ዝነበረ መደብ ሓደገኛነት ዝገልጽ ብኣማኢት ዝቑጸር ናይ ቴለፎን መልእኽትን መጠንቀቕታን ናብ ፖሊስ እታ ከተማ ኣመሓላሊፎም። እዚ መልእኽቲ ዝበጸሖ ፖሊስ ኣብቲ ተመዲብሉ ዝነበረ ዕለት 14 ጥሪ 2023 ሰዓት 4 ድሕሪ ቀትሪ፡ እቲ ብምስጢር ክዳሎ ዝጸንሐ መደብ ንክቋረጽ ወሲኑ። እዚ ናይ ፖሊስ ውሳነ ዝበጸሖም ኣዳለውቲ፡ ብዘይሙዚቃ ኣብቲ ኣቐዲሞም ዝተኻረይዎ ኣዳራሽ ኮይኖም፡ ነቲ ዘዳለዉዎ እኽለማይ ክምገብዎኳ እንተሓተቱ ብፖሊስ ተቐባልነት ስኢኖም ነናብ ዝመጽዎ ከም ዝተበተኑ ተፈሊጡ።

እቶም ኣዳለውቲ ነቲ ምድላው ምስ ህግደፍ ምትእስሳር ዘየብሉ ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ትምኒት መግለጺ ከምስልዎኳ ካብ ኣዳራሽ ወጻኢ ባነራት እንተዘርግሑ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ኣዳራሽ ግና፡ ስእልታት ተዓለምቲ ሳዋ ሰቒሎም፡ “ተዋጊኡ ዝሰዓረ መጒቱ ዝረተዐ ዘይጸዓድ ህዝቢ” ዝብልን ካልእን ህግደፋዊ ጭረሖታት ለጢፎም ከም ዝነበሩ ተቓሊዑ።

ነዚ መደብ ዘፍሸሉ ብሓፈሻ ናይታ ከተማ ነበርቲ ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ መንእሰያት ድማ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ። ኣብዚ እቲ ዝነኣድን ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግበኦን እቶም መንእሰያት መደባቶም ንምዕዋት ዝኸድዎ መስርሕ ሰላማውን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብን  ምንባሩ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ህግደፍ ነቲ ዘፍሸሎ ስርሒት ዝምዝምዘሉ ዕድል ኣይረኸበን።

Thursday, 19 January 2023 20:12

Dimtsi Harnnet Kassel 19.01.2023

Written by
Thursday, 19 January 2023 09:43

ስደትን መሪር ሳዕቤናቱን

Written by

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ስደት ኤርትራውያን ካብ 60ታት ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ዘይዛረየ ዋሕዚ እዩ። ስደት ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከኣ ቅድም ተኸታታሊ ወጽዓ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሩ ድማ ዘቤታዊ ጭቖናን ግፍዕን ህግደፍ እዩ። ስደት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ሱዳን እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና “ኤርትራዊ ስደተኛ ዘይረገጻ ሃገር የለን” ክሳብ ዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለማ ተበቲኑ  ኣሎ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት፡ ብዝሒ ኣብ ዓድን ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ማዕረ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ዘብዝሕዎ’ውን ኣለዉ።

ጠንቂ ስደት ኣብ ገዛእ ሃገርካ ዘየንብር፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጸገም ከጋጥም እንከሎ እዩ። ስደት ግዝያዊ መዕገስን መድሓኒ ህይወትን እምበር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ናይቲ ጸገም ከምዘይኮነ ዝተረጋገጸ እዩ። ጠንቅታት ስደት ንምውጋድን መሰረታዊ መፍትሒ ንምርካብን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ናይቶም ግዳያት ስደት ብጽሒት ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ከካብ ዝነበርዎ ኩርነዓት ዓለም፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዘበርከትዎ ሰብኣውን ንዋታውን ኣበርክቶን ተሳትፎን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝነበሮ ግደ ህያው እዩ። እዞም ስደተኛታት ድሕሪ ናጽነት ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ጻማ ቃልሶም ሃገሮም ክሃንጹን ቀሲኖም ክነብሩን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ትጽቢትን ሃረርታን ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት እውን ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብተዓጻጻፊ ወሲኹ። እዚ ግምጥሊሽ ተረኽቦ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ኣይተራእየን። ምናልባት ሳሕቲ እንተኣጋጠመ እውን ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ፍልሰት መልክዕ ዝሓዘ ኣይኮነን።

ስደት መሬትካን ተወሊድካ ዝዓበኻሉ መረበትካን ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነካ። ነቲ ኣብ ሃገርካ እተስተማቕሮ ክቡር ባህልኻ፡ ቋንቋኻ፡ ልምድኻ፡ እምነትካን ቤተሰብካን እውን ዘስእን እዩ። ስደት ደረጃታት ኣለዎ። እቲ ዝኸፈአ እቲ ኣብ ድኻታትን ድሕነተንን ድሕነት ስደተኛታት ዘይሕልዋን ሃገራት፡ ኣብ መደበራት ዝሓለፍ ናብራ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መደበራት ስደተኛታት፡ መግቢ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ጥራይ ኣይኮኑን ዝስእኑ። ሰብኣውነቶም እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ሞትን ሕየትን ህይወት ናይዚ ኣብነት እዩ። ዋላኳ ኣብ ዝሓሸ ሃዋህው ስደት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ይኹን መኣዲ ትምህርቲ ዝዕወቱ ስደተኛታት እንተለዉ፡ ኩሉቲ ዝረኸብዎ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ነቲ ናይ ሃገሮም ክብሪ ዝገዝእ ግን ኣይኮነን። እዚ ማለት በቲ ዝረኽብዎ ዕድል ናይ ሃገሮም ምቓረትን ክብርን ክገዝኡ ኣይክእሉን እዮም። እዚ እዩ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ኣይኮነን ዘብል።

ናይ ስደት ሕማቕ መነባብሮ ንምብዳህ፡ ናይቲ ስደተኛ ኮይንካ እትነብረሉ ሃገርን ህዝብን ባህርያትን መነባብሮን ምግንዛብን ምኽባርን ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ሃገር መንግስቲ ዝምረሓሎም ሕግታትን ዘውጸኦም መምርሕታትን ምርዳእን ካልእ ግደታ እዩ። እቲ ኣብ ሃገርካ ከይፈተኻ ገዲፍካዮ ዝተሰደድካ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ናብ ዓዲ ስደት ኣይስዕበካን እዩ። ኣብ ክንድኡ ኣብኡ ክሳብ ዘለኻ፡ ናይቲ ከም ስደተኛ እትነብረሉ ሃገር ኩለ-መዳያዊ ኩነታት ምርዳእን ምልማድን የድሊ። ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርእይዎ ጉድለታት ድማ ነዚ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ዝነቅል። ናብራ ስደት ዝያዳ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ስለ ዘድሊ፡ ተረኽቦታት ከምቲ ዝኾንዎ እምበር፡ ከምቲ እትደልዮ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓሓሊፉ ዝረአ  ሕድሕድ ምጭኽኻን ቀልጢፉ እንተዘይተኣሪሙ ናብ ሕማቕ ከየምርሕን ናብ ኤርትራ ከይልሕምን ዘየስግእ ኣይኮነን። እዚ ናብቶም ዝጋጨዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኩሉ ደላይ ኤርትራዊ ሕውነትን፣ ሓድነትን ስኒትን ዘገድሶ ክቃለሰሉ ዝግበኦ እዩ።

ስደት ዝያዳ እትቃለሰሉ እምበር ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሃገርካ እትሕበኣሉ ኣተሃላልዋ ኣይኮነን። ታሪኽ ነባራት መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳንን ካልእ ከባቢታትን ከኣ ሓያል ተሳታፍነትን ጽንዓትን ዘርኣየ እዩ። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎውን ዝነኣድ እዩ። መንእሰያት ብስደት ኣመኽንዮም ክሃድምሉ ዘይክእሉ ትውልዲ ናይ ምርኽኻብን ምስግጋርን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት በሪኽ ቦታ ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ስደተኛታት መንእስያት እውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት  መማረጺ ናይ ምርካብ  ጸጋ ዝኸውን ብሕግን ስርዓትን፡ ብምክኣልን ምጽውዋርን ክግራሕ እንከሎ እዩ። ናይቲ ነዚ ብዙሕነት እተንጸባርቐሉ ባይታ ባህሪ ኣብ ግምት ምእታው እውን የድሊ። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ናብ ግጭትን ጐነጽን ምዕራጉን ናብ ምዝራግ ሓድነት ህዝቢ ምውሳዱን ግና ኣይኮነንዶ ኣብ ዓዲ ጓና ኮይንካ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ እንተኾነ እውን ዝምረጽ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ምሉእን ኣድማዕን ዝኸውን፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮ ኣፍሪሱ ከም ሓድሽ ክጅምር እንከሎ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ከምኡ ንዝሓለፈ ተመኩሮን ዝተኸፍለ ዋጋን ግቡእ ቦታ ዝህብ፡ ካብኡ እቲ ከቐጽል ዝኽእል እወንታታት ወሪሱ፡ ኣብ ርእሲኡ እናመለአ ዝሃንጽ ክኸውን ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮኑ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ’ውን፣ ነቲ ዝተረከቦ ኣፍሪሱ ከም ብሓድሽ ክጅምር እየ እንተይሉ፡ ኣብ መፈጸምታ ዘየብሉ ምጅማር ምንባር እዩ ዝኸውን። ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ህልዊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብዙሕነታዊ ሓድነት ምዕቃብ ዓንዲ ማእከል ዓወት እዩ። ነዚ ብሃይማኖት፡ ኣውራጃን ካልእ ጸቢብነትን ኣዳኺምካ ዝረጋገጽ ዓወት የለን። ስለዚ ጉዳይ ሓድነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝስምዑ፡ “ነብሱ ቀቲሉ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣጥፊኡ፡ ንዓርኩ ጐዲኡ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ናይ ጭካነ ተግባራት፡ ቀንዲ ማህሰይቶም ኣብቶም ቀጥታ ግዳያት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይወዓልዎ ኤርትራውያን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሓደ ካብ መግለጽታት ምረት ስደት ዝኾነ ጨካን ተርእዮታት ኣብ ምውጋድ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ፍልልያት ምግፋሕ፡ በብዓቕሙን ክእለቱን ንዕርቂ: ሰላምን ስኒትን ክጽዕት ይግበኦ።

 

Martin Plaut

Jan 18


Source: 10 January 2023, NTS Sevastopol

Citing an announcement by Eritrean Ambassador to Russia Petros Tseggai, state media outlet RIA Novosti reports that the Red Sea port city of Massawa has signed a memorandum of understanding with [Black Sea naval base] Sevastopol.  

According to Tseggai, an official exchange of delegations is already planned as the two countries seek to develop closer ties.  The ambassador likewise noted that he visited Crimea and Sevastopol during the Soviet era and that the peninsula has seen only positive change since returning to Russian control [in 2014].  

Eritrea is an East African nation with an agricultural based economy and a growing industrial mining sector. Its capital Asmara enjoys a reputation among tourists as being the safest on the African continent.

The RIA Novosti report cited in the above video:

Source: 8 January 2023, RIA Novosti)

Massawa and Sevastopol Sign Agreement of Cooperation

Eritrean Ambassador to Russia Petros Tseggai:  Port city Massawa and Sevastopol have signed a memorandum of understanding

MOSCOW, 8 JAN- RIA Novosti

In an interview [today] with RIA Novosti, Eritrean Ambassador to Russia Petros Tseggai announced that the Eritrean Red Sea port city of Massawa and Sevastopol have signed a memorandum of understanding. In addition, an official exchange of delegations is scheduled.

“We have signed a memorandum of understanding between the ports of Massawa and Sevastopol,” Ambassador Tseggai said. “I would like to see something come out of this collaboration.”

He noted that an official exchange of delegations is already planned as the two countries seek to develop closer ties.

“People in our country have yet to fully appreciate the promise of such a partnership,” the Eritrean diplomat added. “We will have an official exchange of delegations and this will develop.”

Ambassador Tseggai said that he visited Crimea during the Soviet era when he was a student in Odessa, and that Sevastopol made an impression on him at that time.

“I visited Alushta as a student. Now it (Crimea) has improved a lot. During the Soviet era it wasn’t bad either. I was in Sevastopol, which I'm told was completely destroyed during the Second World War. Both (British Prime Minister Winston) Churchill and others said it wouldn’t be rebuilt even in 70 years,” noted the ambassador.

 

ኣብ ትግራይ ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ካብ ዝተኣስሩ 5 ጋዜጠኛታት ተለቪዥን ትግራይ፡ እቶም ሰለስተ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ናይቲ ክልል ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም ዝተፈትሑ  ተሓቢሩ። እዞም ጋዜጠኛታት ቅድሚ 8 ኣዋርሕ  ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፡ ምስ ጸላኢ ብምትሕብባር ናይ ጸላኢ ፕሮፖጋንዳ ዘርጊሕኩም ብዝብል ክሲ እዮም ተኣሲሮም። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተፈትሐ ኣብ ተለቪዥን ትግራይ ን16 ዓመታት ዝሰርሐ ጋዜጠኛ ምስጋናው ስዩም፡ ኣብቲ ስራሕ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰይሙ ብዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝተመደቡ ኣፍሊጡ።

እቶም ዝተፈትሑ ሰለስተ ጋዜጠኛታት፡ ተሾመ ጣምያለው፡ ምስጋናው ስዩምን ሓበን ሓለፎምን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ጌና ዘይተፈትሑን ኣብ መደበር ፖሊስ ተታሒዞም ዘለዉን፡ ክሶም ካብ ናይቶም ዝተፈትሑ ዘይፍለ  ድማ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነንን ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ። ናይዞም ዘይተፈትሑ ክልተ ጋዜጠኛታት ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ን18 ለካቲት 2023 ብቖጸራ ተታሒዙ ከም ዘሎ እውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

.ናይ ጋዜጠኛ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ጠበቓ፡ ኣቶ ኣብረሃ ካሕሳይ፡ እቲ ቤት ፍርዲ  መስርሕ ፍርዲ ብዘይምኽታሉን  ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ብዘይክሲ ምእሳሩ፡ ግጉይ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ፕረስ ከም ዘየኽበረን፡ ጋዜጠኛ ሓሳቡ ብምግላጹ ከምዘይእሰር ዝከላኸል  ዓለምለኻዊ ሕግን ከም ዝጠሓሰን ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። እቶም ጠበቓ መስርሕ እቲ ፍርዲ ስሉጥ ዘይምንባሩ እውን ነቒፎም።

ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተኣስሩ ጋዜጠናታት፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑን ብጠበቓ ተሓጊዞም ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታን ሃለዋቶም እኳ ከምዘይፍለጥ ዝዝከር እዩ።

 

ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ኣቶ ቴድሮስ ምህረቱ፡ ቃለ-መሓላ ዘፈጽም ዳኛን ወ/ሮ መኣዛ ኣሽናፍን

ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ምስ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻእ፡ ፕረዚደንት ፌደራል ጠላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኮይነን ዝጸንሓ ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊን ምኽትለን ኣቶ ሰለሞን አረዳን ብፍቃዶም ካብ መዝነቶም ከም ዝወረዱን፡ ኣብ ክንደኦም ኣቶ ቴድሮስ ምህረቱን ወ/ሮ ኣበባ እምቢኣለን ብቕደም ሰዓብ ፕረሲደንትን ምክትልን ኮይኖም ካብ 17 ጥሪ 2023 ጀሚሮም ከም ዝተክእዎም ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጠን።

እቶም ብፈቓዶም ካብ መዝነቶም ስሒቦም ዝተባህሉ፡ ብፖለቲካዊ ምኽንያት፡ ኣብ ክንዲ ተሰጒጎም ትበሃሉ፡ “ብፈቓድኩም ስሒቡ”  ዝብል ተጽዕኖ ከም ዝተገብሮም ክሕብሩ ዝጸንሑ ወገናት ኣለዉ።

ወ/ሮ መኣዛ ኣሸናፊ ቅድሚ ፕረሲደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ምዃነን፡ “እናት ባንክ” ዝበሃል ፋይናንስያዊ ትካልን ማሕበር ናይ ሕጊ ክኢላታት ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን ብምምስራትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘይመንግስታዊ ናይ ሕጊ ትካላትን ናይ ምስራሕ ተመኩሮ ከም ዘለወን ይንገር። እቶም ዝተክእወን ኣቶ ቴድሮስ ምህረቱ ድማ ብደረጃ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ክምህሩ ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ቀጻሊ ናይ ሚኒስተራትን ኣንበሳድራትን ምቅይያራት ተጸሚዶም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሚኒስተራት ማዕድን፡ ትራንስፖርትን ሎጂስትክን፡ ሕርሻን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ካብ ናብ ካቢነ ኣባልነቶም ምውራድ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።  እዚ ምቅይያራት ብመንጽር መርገጽ ኣብ ስምምዕ ሰላም ፕሮተርያን ናይሮብን ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።

ስእሊ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኣብ 2021 ብዝነበረ ጸብጻብ መሰረት ልዕሊ 580 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕበን ወጻኢ ካብ  ሃገሮም ከም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጋዜጠኛን እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውትን ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ማርቲን ፕላውት ኣብቲ መጽናዕቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2022 ብዝተገብረ ዳህሳስ፡ እዞም መብዛሕተኦም  ግዳይ ስደትን ምሕታት ዑቕባን ክኾኑ ዝተገደዱ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ዝተኸተሎ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኣስፊሩ።

 ንምኽንያታት ስደት ብዝምልከት ሓደ ኤርትራዊ ግዳይ ዝሃቦ ሓበሬታ ብምጥቃስ ክገልጽ እንከሎ፡ ገደብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርናን ናይ ጉልበት ምዝመዛን፡ ንነዊሕ ግዜ ብዘይፍርዲ ማእሰርትን ብኩራት ናጽነት እምነትን ካብቶም ቀንድታት እዮም ኢሉ ኣስፊርዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ምምሕዳር ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት፡ ናይ ርኢቶኻ ምግላጽን ምሕሳብን ምቁጽጻር ከም ዘትርር ብምጥቃስ፡ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህድኣት ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ እውን ጠቒሱ።

እቲ መጽናዕቲ ንፖለቲካውን ዲሞክራስያውን ሃለዋት ኤርትራ ክጠቅስ እንከሎ፡ ብዘይተመርጸ ውልቀሰብ  እትምራሕ፡ ሓጋጊ ኣካል፡ ናጻ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ናጻ መዲያን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ዘየብላ ሃገር ኢሉዋ። ምስዚ ብዝዛመድ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሕጂ ዘይመንግስታዊ መድያታት ዓጽዩ ጋዜጠኛታተን ምእሳሩ ኣዘኻኺሩ፡ ኤርትራ ናጻ ካብ እትኸውን ምርጫ ዘይተኻየደላ ሃገር ክብል ጠቒሱዋ።

ህልዊ ምምሕዳር ኤርትራ፡ እቲ ዝተጠቕሰ ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተግባራት ከመሓይሽ ይትረፍ፡ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ምእታዉ፡ ኣብ ሰራዊት ዘጋጠሞ ጉድለት ንምምላእ ቀጻሊ ግፋ  የካይድ ከምዘሎ መስኪሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ  ዲክታተር ኢስያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ምምሕዳር ኤርትራ፡ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ከምዘሎን ሰፊሕ ማእሰርትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ምፍጻሙ ይቕጽል ምህላዉ ኣቃሊዑ።

ማርቲን ፕላውት ኣብ መጽናዕቱ፡ ኤርትራ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሕዘኣ እንተ ኣመሓየሸት” ብዝብል፡  ብ2021 ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኮይና’ኳ እንተተመዘዘት፡ ብግብሪ ግና ጨቋኒ ኣተሓሕዛኣ ካብ ምትራር ሓሊፉ ለውጢ ከምዘየምጸአት ንኤርትራ ብዝምልከት ዝቐረበ ፍሉይ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ ኢሉ።

Sunday, 15 January 2023 00:02

Dimtsi Harnnet Sweden 14.01.203

Written by

Mahfuz

 ተጋዳላይ ማሕፉዝ ኣደም ኣሕመድ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ርያድ፡ ብዝሕደሮ ሕማም ብዓርቢ ዕለት 13 ጥሪ 2023  ዓሪፉ። ብዕለት 14 ጥሪ 2023  ኣብ ከተማ ርያድ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስዉእ ማሕፉዝ ብ1958 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኢዩ ተወሊዱ። ኣብ ብሪገድ 44 ንነዊሕ እዋን ተቓሊሱ።

ሰዲህኤ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

14 ጥሪ 2023

Page 9 of 507