ኣብን ንሃገርነት ኤርትራ ኣፍልጦ ኣይህብን ኢሉ

2025-04-29 15:27:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 153 times

“ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቄ (ኣብን)” ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ውድብ፡ ንሃገርነት ኤርትራ ኣፍልጦ ኣይህብን ከም ዝበለ ብ28 ማዝያ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምክያድ ሳልሳይ ጉባአኡ፡ ኣብ ዘውጸኦ 6 ገጻት ዝሓዘ ናይ ፈጻሚ ኣካል መግለጺ  እዩ ነዚ ዕዉርን ዘይሓላፍነታውን ክሕደቱ ዝገለጸ።

“ኣብን” ኣብቲ መግለጺኡ ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዝመጸሉ መስርሕ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ ምዃኑ ብምጥቃስ’ዩ ንኤርትራዊ ሃገርነት ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ኣስፊሩ። እቲ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ነቲ ኤርትራውያን ን30 ዓመታት ዘካየድዎ መሪርን ክቡርን ቃልስን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዘካየድዎ ረፈንደምን ክሒዱ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕ ብድኽመት ናይቶም ኣብቲ እዋንቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣካላት ዝተዓወተ  ኣምሲሉ ክገልጾ እዩ ፈቲኑ።

ኣብቲ መግለጺኡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ብሰፊሑ ዘዚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለዎ ሕርቃንን ጽልእን ክገልጽ ክብል ነቲ ብቓልሲ መላእ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ዝተመዝገበን ልኡላውነት ኤርትራ ክኽሕድ ምፍታኑ ንብዙሓት ዘገርም ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ነቲ መግለጺ ዝተኸታተሉ ከም ዝሰማምዕሉ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኾነይኹን ሕቶ ዘይነበሮ ክነሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብኽሕደት ዝተላዕጠጠ መግለጺ ምውጻኡ፡ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክቕጽል፡ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ውደብ ዓሰብን ዘቕርቦ ዘሎ ሸፋጢ ሕቶ ንምርጓድ ክብል ዝሓዞ ተበላጺ መርገጽ እዩ።

መግለጺ “ኣብን” ብዘይካቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘንጸባረቖ ክሕደት፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እውን ምስ ናይ ብልጽግና ተመሳሳሊ መርገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከባቢ ወልቃይት ናብ ትግራይ ንከይምለስ ተሪር መርገጽ ከም ዘለዎ ኣስፊሩ።

ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፡  ብኣቦመንበርነት ሚኒስተር ሳይነሳዊ ምህዞ (innovation)  ዶር በለጣ ሞላ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኣብ ፈደራል መንግስቲ 5 ኣብ ፓርላማ 1 ድማ  ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት  መናብር  ዘለዎ እዩ።

Last modified on Tuesday, 29 April 2025 17:33