December 17, 2019 News

On 14 December the Eritrean government reported that The National Association of the Society of Eritrean Earth Science and Mining Engineers held its founding congress.

Absolutely nothing extraordinary about that. Except for the absence of the relevant Minister.

The Minister of Mines and Energy, Sebhat Ephrem, failed to appear, despite the fact that the association works under the Ministry.

Where is Sebhat Ephrem? To this there is no answer. It should not be forgotten that he was almost assassinated in February this year, and spent months convalescing in the Emirates.

Who was behind the attempt on his life? No-one knows. His family was not allowed to travel with him.

The person who shot him gained access to Sebhat’s house in the centre of Asmara.

There is speculation that the person who shot the general did so because of the general’s betrayal of reformers in Eritrea. This took place twice – once when with the G15 critics of President Isaias and then during the Forto rebellion of 2013.

Towards the end of 2018 it seems that some  senior military  were planning a fresh act of rebellion, but this was also quashed. There are suggestions that it once again failed because of General Sebhat.

His story is further complicated by rumours that this year’s attempt on General Sebhat’s life was authorised by the President himself.  This – like so much else in Eritrea – cannot be confirmed, because of the censorship that makes serious internal journalism next to impossible.

Since then there has been little news of General Sebhat.

Vacant ministries

Eritrean government is further complicated by the fact that several ministries have no Minister.

The country has had no Minister of Defence since 2013, when General Sebhat was removed and re-assigned to the Ministry of Mines and Energy. There has been no appointment since then – a period of six year.

There is no effective Minister of Education. In theory this position is held by Semere Russom. But, since he is also the Eritrean Ambassador to Ethiopia, and meant to be in Addis Ababa, he is effectively absent from his position.

In reality none of this makes very much difference. The Ministers have little, if any, clout. All power is held by President Isaias, which he exercises without reference to anyone in his government.

ENCDC, EPDP & UEJ  Hold Public Meeting in Uppsala, Sweden

On 7 December 2019, a wide assemblage of Eritrean political organizations held a so far rare joint public meeting in Uppsala, Sweden, bringing together the  coalition of 18 organizations in the Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC);  the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) and  Unity of Eritreans for Justice (UEJ).

According to a statement released to the media on 16 December by the Eritrean Association for Democracy and Human Rights (EADHR), the public meeting was opened by welcoming remarks of Dr.Tedros Amanuel, the chairman of organizing civic association. Dr. Tedros highlighted the significance of joint work by prioritizing the agenda for the struggle. He said the invited organizations were among those Eritrean organizations which recently sent a joint protest letter to the Ethiopian Prime Minister on burning Eritrean issues. Dr. Tedros expected speakers at the panel to explain the reasons behind such joint message and their future plans to work together.

Eritrean Organizations Hold Joint Public Meeting in Sweden 2Uppsala, Sweden

The speakers were Mr. Negash Osman, chairman of the ENCDC; Mr. Menghesteab Asmerom, head of EPDP Organizational Office, and Mr. Awet Abraha, chairman of the UEJ Branch in Sweden. Each of the three panelists spoke in turn to explain as to why the joint message was addressed to the Ethiopian leader. Their addresses were summarized in the EADHR press release as follows:

  1. That the peace accord between Eritrea and Ethiopia is not yet made clear to the peoples of the two countries;
  2. That the failure so far to implement the pledge of unconditionally accepting the Algiers’ Agreement and the ruling of the Boundary Commission, and the disturbing statements on the contrary by both leaders that the border issue is none of their priority;
  3. The Ethiopian leader’s speech at opening the ‘Unity Park’ in Addis Ababa claiming, in front of seven African heads of state, that he was speaking on behalf of both Eritrea and Ethiopia and unabashedly congratulating his people that the relations between the two countries are raised to the level of mandating him to speak on behalf of both;
  4. The Ethiopian leader’s claim that his “Med’demer” philosophy was aimed at bringing back “those” that broke-away from Ethiopia;
  5. The concerns raised earlier among Eritreans by Isaias Afeworki’s uncharacteristic and misplaced gestures of “love and affinity” in front of Ethiopian audiences, and his utterances claiming that Eritrea “lost nothing”; that those who consider Eritreans and Ethiopians as two separate peoples are ignorant of history etc.

The reprsentatives of ENCDC, EPDP and UEJ also agreed on their viewpoints about what is to be done in the near future. These views can also be summarized as follows:

  1. The three organizations are determined to priority and unify their efforts in the task of removing the dictatorial regime, and as of now working hand in clove to study and work out the processes in the equally important tasks in the transition from dictatorship to democratic governance.
  2. Underlined the importance of identifying common areas of work for political and civil society organizations.
  3. The three organizations also expressed their belief that organizations with similar programmes must merge, and those with significant differences to come to join work under working coalitions and umbrellas.
  4. They highlighted the need of joint work in the spheres of diplomacy, public awakening and mass media.
  5. Likewise, the three speakers pledged to never dwell on past experiences but only use them as lessons well learned.

The presentations were followed by lively discussion and Q & A session before the meeting heard closing remarks by the EADHR Chair, Dr. Tedros Amanuel, who thanked the panelists and the audience.

ሰለስተ ካብ’ተን ቅድም ክብል ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ቅሉዕ ደብዳበ ብሓባር ጽሒፈን ዝነበራ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ማለት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስይዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ሓኤፍ) ዝተሳተፋሉ ህዝባዊ ኣኼባ ብዕለት 7 ታሕሳስ 2019 ኣብ ከተማ ኡፕሳላ (ሽወደን) ተኻይዱ ነይሩ።

ኣኼባ ብመእተዊ ቃል ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ኤርትራዊ ማሕበር ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኡፕሳላን ከባቢኡን ዶር ተድሮስ ኣማኒኤል ኢዩ ተኸፊቱ። ዶር ተድሮስ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምቕራብ ብዛዕባ ሓቢርካ ምስራሕን ንመጻኢ ምጥማትን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ። ኣጀንዳ ናይ’ቲ ኣኼባ፡ ነቲ ቅሉዕ ደብዳቤ ንምጽሓፍ ዝደረኸ ምኽንያታትን ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ክግበር ዘለዎ ሓባራዊ ስርሓትን ንምብራህ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መራሕቲ ኣኼባ ነነብሶም ከላልዩ ዕድል ሂቡ።

ብድሕር’ዚ ሓው ነጋሽ ዑስማን፡ ኣቦ መንበር ኤሃባደለ፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ፥ ሓው ዓወት ኣብርሃ፡ ሓላፊ ሓኤፍ ጨንፈር ስቶክሆልም ነብሶም ድሕሪ ምልላይ ብዛዕባ እቲ ኣጀንዳ መግለጺ ኣቕሪቦም።

እቲ ዘቕረብዎ መግለጺታት ነንሓድሕዱ ዝማላላእ ኰይኑ ነቲ ቅሉዕ ደብዳበ ንምጽሓፍ ዝደረኾም ምኽንያታት በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ገሊጾሞ።

  1. ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ውዕል ነህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ንጹር ከምዘይኰነ፥
  2. ንብይን ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኩነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ኢሉ ከብቅዕ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ። ብኣንጻሩ ክልቲኦም መራሕቲ ንጉዳይ ዶብ ቀዳምነት ከም ዘይህብዎ ደጋጊሞም ምግላጾም፥
  3. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ መመረቓታ ናይ’ቲ “መናፈሻ ሓድነት” (Unity Park) ዝብሃል ማእከላይ መደበር ገዛእቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ዘስምዖ መደረ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ቃል ምዃኑ ኣብ ቅድሚ 7 መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ ምግላጹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ደረጃ ምውካል ምብጽሑ ዮሃና ምባሉ፥
  4. ንፍልስፍና ምድማር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ በዚ ፍልስፍና’ዚ እተን ቀደም ካብ ኢትዮጵያ ዝተገንጸላ ክምለሳ ኢየን ምባሉ፥
  5. ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝሃቦ ኣይከሰርናን፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን 2 ህዝቢ ኢዩ ዝብል እንተልዩ ታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ ምባሉን ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ፍሽኽታ፥ ፍቕርን ሕግብግብን ንህዝቢ ኢትዮጵያን ምርኣዩ ዘሕደረልና ሻቕሎት ኣብ ልዑላውነት ሃገርናን ምዃኑን ኣብሪሆም።

ብዛዕባ እንታይ ይገበር ዝብል ጉዳይ ድማ፦

  1. ቀዳምነታትና ሰሪዕና ክንቃለስ ከምዘለና ብምእማት እቲ ናይ ሎሚ ኣጀንዳና ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ብምስማር፥ ነቲ ናይ መጻኢ ወይ መሰጋገሪ መድረኽ ድማ ካብ ሕጂ ምድላዋትን መጽናዕትን ክንገብር ከምዝግብኣና ኣስሚሮምሉ፥
  2. ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን በተን ዝሰማምዑለን ነጥብታት ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም፥
  3. ተመሳሳሊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ክጸናበሩ፥ ፍልልያት ዘለዎም ድማ ኣብ ዝሰማምዕሉ ነጥብታት ዝተመርኰሱ ጽላል ወይ ጽላላት ከቑሙ።
  4. ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ዜናውን መዳያት ብሓባራዊ መደባትን ሓባራዊ ሽማግለታትን ክሰርሑ ከምዘድሊ፥
  5. ንሕሉፍ ከም መምሃሪ እምበር ኣብኡ ምንባር ከምዘየድሊ ድማ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ መደምደምታ፡ ናይ ሕቶን መልስን ዕድል ተዋሂቡ። ሓው ተድሮስ ኣማኒኤል ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ወከልቲ ውድባትን ብምምስጋን ኣኼባ ዓጽይዎ።

ኤርትራዊ ማሕበር ንደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኡፕሳላን ከባቢኡን

ዕለት 16 ታሕሳስ 2019

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚንሲተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓልን ሃንደበታዊ ዕርክነት ምስ ተጋህደ፡ ብዙሓት ወገናት ብዛዕባቲ ተረኽቦ፡ ነናቶም ሕቶታት ከልዕሉ ተኸታቲልና። ንሕናውን ኣካል ናይቶም ሕቶታት ክሓቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ኢና።

እቶም ሕቶታት ብዙሓት ኮይኖም፡ “እዚ በዚ መጸ ከይተባህለ ዝነጉድ ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ መንን መንን እዩ?” ዝብል ካብቶም ብብዙሓት ዝለዓሉ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ነዚ ሕቶዚ ነናቶም መልሲ ክህብሉ ከም ዝጸንሑ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ኢና። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ዝምስክሮን ዓብላልን መልሲ ከኣ “እቲ ዝምድና ብውሕዱ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቀኛን ትካላውን ርክብ ዝፈጥር ኣይኮነን” ዝብል እዩ። እቲ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት መሰረታዊ ረብሓን ባህግን ዘውሕስ ርክብ ኣምሲልካ ንምቕራቡ ዝግበር ፈተነ ከኣ ፈጺሙ ዘድህሰስ ትሕዝቶ ዘየብሉ እዩ። ብፍላይ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ እዚ “ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ዝብል ጉልባብ ለቢሱ ዝካየድ ዘሎ ገልታዕታዕ፡ ኣይኮነንዶ ብህዝቢ ኤርትራ በቶም ናብቲ ጨቋኒ ጉጅለ ዝቐረቡ ኣካላት እውን ኣመጻጽኣኡን ካይድኡን ዘይፍለጥ፡ ህዝብና ብዘይተጸበዮ ኣቕጣጫ ብሃንደበት ዝነጠበ እዩ።

እቲ ዝምድና ብኣፍልጦ፡ ምርጫን ሓቀኛ ተሳትፎን ህዝብና እንተዝመጽእ፡ በየናይ መጀመረ፡ ነየናይ ዛዕባኸ ቅድሚት መሰረዐ፡ ኩላትና እንግምቶ እዩ። ህዝብና ኣይኮነንዶ ምስ ብብዙሕ ጉዳያት ዝመሳሰሎ ጐረቤቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ወገን ሰላም ከምዘይጸልእ ርዱእ እዩ። ምእንቲ ሰላም ዝኸፈሎ ዋጋን መስዋእትን ከኣ ክሳብ ክንደይ ሰላማዊ ምዃኑ ዝምስክር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዘሎ ኩነታት መስርሕ ሰላም ብኸመይ ክተሓዘሉ ከም ዝደሊ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ረብሓኡ ዝተሰረተ ሰናይ ጉርብትናን ጥዑይ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ክሰርዕ ዕድል እንተዝወሃቦ፡ “ቅድም እቲ ናብዚ ዝጸንሕናዮን ዘለናዮን ምስሕሓብ ዘብጸሓና ጉዳይ ዶብ ይጠረርን፡ ኣብ መሬትና ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይውጻእን፡ ድሕሪኡ ናብ ንቡር ዝምድና ንእተው” ከም ዝብል ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኢትዮጵያ ድልዱል ዝምድና ንምፍጣር ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዓፋርን ትግራይን ጓሲኻ ናብ ኦሮሞን ኣምሓራን ነጢርካ ወዛሕዛሕ ምባል፡ “ምስ መላምንቲ ሓውናን መቓብርትናን” ንጀምር ከም ዝብል’ውን ርዱእ እዩ። ግና መን እሞ መጻኢ ዝምድናኡ ናይ ምውሳን ዕድል ምስ ሃቦ።

ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ከቢድ ውዲት ዝሓቖፈ ዝመስል፡ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ብዙሓት ንኤርትራዊ ልኡላውነት ሃዲዶም ኣብ ክንዲ ሰላም ዘምጽኡ ህውከት ዝዕድሙ ተርእዮታት ክንዕዘብ ጸኒሕና። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐዶ መድረኻት ተጠሊዖም፡ “ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኮይነ ተመዚዘ እየ’ሞ ሃንደበት ከይኮነኩም፡ ኣነን ኢሱን ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንኸውን፡ ምህናጽ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ባቡር ዝምልከት ስምምዕ ከቲመ፡ ኢሳይያስ ኣብ ክንድኡ ንኤርትራ ወኪለ ክምድር ፈቓድ ሂቡኒ እዩ …… ወዘተ” ዝብሉ መደረታት ከስምዑ ክንከታተሎም ጸኒሕና። እነሆ ሎሚ እውን ኮንደኾን የኽፈኣለይ ኣሎ ኢሎምን ብለባማት ተማዒዶምን፡ ናብ ልቡም ተመሊሶም ካብ ርእሲ ልኡላውነት ሀገርና ወሪዶም ይኾኑ ኢልና ኣብ ዝገመትናሉ፡ ናይ ሰላም ኖበል ምሽላሞም ከጸንብሉ እንከለውን ካብ ኦስሎ ጀሚሮም ክሳብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳርጋ መራሒ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘምስሎም መደረታት ከስምዑ ተኸታቲልና። ንህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ ህዝቢ ሱዳን፡ ሶማል፡ ጅቡቲ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈልየ፡ ከኮማስዕዎ ሰሚዕና። ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ “እንታ እዚ ሰብኣይ ካብ ርእሰና ዘይወርደልና” ይብልዎም ኣለዉ። እዚ እዩ ከኣ “ሕጂ’ውን ወያ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዘበለና።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዙርያ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝዝንብዩ መደንዘዝቲ መደረታት ከስምዑ እንከለዉ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሓንሳብ ከምቲ “ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ” ዝበሃል፡ መሊሱ ነቲ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣበሃህላ ከድምቖ፡ ንሓንሳብ ድማ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምጽቃጥ ክመርጽ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ኩነታት ካብ ምስካፍ ሓሊፉ የስግእ።

እዚ ኩነታት ደሚርካ ብኹሉ ኣቕጣጫ ክምዘን እንከሎ፡ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ናይ ህዝብና ናይ ሰላም ባህግን መሰረት ገይሩ ዝነቐለ መስርሕ ዘይምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብዚ ብምንቃል እዩ እምበኣር “እሞ ናይዚ ኣይምዉት ኣይስሩር ተበግሶ ሰላም ዋናን ሃንዳስን ደኣ መን እዩ?” ዝብል ሕቶ ክነልዕል ዝድርኸና። ነቲ ካብ ቀደሙ ለማጽ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልካ፡ መዳልያ ሰላሊምካን ጅቡኡ ገንዘብ መሊእካን ንኢሳይያስ ናይ ምምልኻዕ ሃቐነታት ኣዛሚድካ ክረኣይ እንከሎ፡ ናይዚ ልዕሊ’ቲ ዝግበኦ ዝዝመረሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋናታት ካለኦት፡ ዝብገሰሉ ባይታ ከኣ ብውሕዱ ዘይኤርትራዊ ትጽቢት ምዃኑ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ከምዚ ካብ ኮነ ናይ ህዝብና ጽምኣት ሰላምን ቅሳነትን፡ ክንድቲ ንሕና ንቕንዘዎ ዘየሻቕሎም፡ ኣብ ዞባዊ ረብሓኦም ጥራይ ዝቋመቱ ሰብ ርቡሕ ጁባ ወገናት ዝሕብሕብዎ መስርሕ’ዩ ምባሉ ብልክዕ ምግላጹ እዩ። ግደ ኢሳይያስ ኣብዚ መስርሕ ከኣ ተለኣኣኽነት እዩ። ነቲ ተለኣኣኽነትከ ክኢልዎዶ ኣይከኣሎን ከኣ ኣብ መስርሕ ለኣኽቱ ዝመዝንዎ እዩ። እንተ’ቲ ሓቀኛ ትርግታ ልቢ ህዝብና ጽን ኢሉ ዝሰምዕ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ክረግጾ ዝግበኦ ርኻብ ጌና ኣይረገጸን።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ብናይ ካለኦት ዓቐን ዝተስፍየ ሰላም ተጠቃሚ ኣይኮነን። እቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብመትከል ቅኑዕን ኩልና ክንሰርሓሉ ዝግበኣናን ክነሱ፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና በቲ ክተሓዞ ዝግበኦ ኣብ ዘይተታሕዘሉ ግና፡ መዳህለሊ፡ መደንዘዝን ሓቀኛ መንገድኻ ዘስሕትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ኢትዮጵያውያን ክኢላታት ስነ_ጥበብ ናብ ኤርትራ ምጋሾምን ከረን ይኹን ምጽዋዕ ምብጸሖምን ሕማቕ ኣይመኾነን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ በዚታት ተዳህሊሉ ካብቲ ሓቀኛን ውሑስን ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ናይ ምርግጋጽ ቃልሱ ከየላግስዎ ክጥንቀቕ ነዘኻኽሮን ንጽወዖን።

التاريخ: 13 ديسمبر 2019

 

إلى عناية:

. مكتب المفوضية السامية لشؤون اللاجئين في الخرطوم، السودان

  • مكتب معتمدية اللاجئين (COR
  • المجلس الاعلى للتنمية البشرية

أصحاب السعادة،

عُقد بتاريخ 30 أكتوبر 2019 لقاء هام في الخرطوم شارك فيه ممثلون عن وزارة العمل السودانية وممثل واحد من كل مجموعة من اللاجئين في السودان من إرتريا، وجنوب السودان، وإثيوبيا، والكونغو، واليمن، وسوريا.

وفي اللقاء المذكور، توصلت السلطات السودانية ومعتمدية اللاجئين إلى اتفاق يسمح بموجبه للاجئين في السودان الحصول على التدريب المهني وفرص العمل مثل المواطنين السودانيين، إلا في المجالين الأمني ​​والعسكري. للأسف، وقبل أن يصل فحوى هذا الاتفاق إلى اللاجئين المعنيين بطريقة رسمية وقبل أن تبدأ السلطات المعنية في توفير فرص التدريب التي وعد بها اللاجئون، قامت السلطات السودانية، في الشهر الجاري، بحملة اعتقالات واسعة النطاق بحق اللاجئين من منازلهم وأماكن عملهم ومن الشوارع، وتم اقتيادهم إلى السجون، بزعم عدم امتلاك بطاقات العمل، على الرغم من أنه كان من بين المعتقلين من يحملون بطاقات لجوء صادرة من معتمدية اللاجئين منذ عام 2000. وتماديًا في التصرفات غير القانونية، طلبت الجهات المعنية بإنفاذ القانون من اللاجئين المحتجزين دفع غرامة تتراوح بين 50 إلى 100 ألف جنيه سوداني مقابل إطلاق سراحهم من المعتقلات.

نحن القوى السياسية والمدنية الإرترية الموقعة أدناه نناشد الحكومة السودانية باتخاذ الإجراءات التالية:

  1. أن تتراجع السلطات السودانية عن الإجراءات غير الإنسانية التي تم اتخاذها بحق اللاجئين الإرتريين وغيرهم من اللاجئين.
  2. السماح للاجئين بالعودة إلى أماكن عملهم ووظائفهم.
  3. الإفراج دون شروط مسبقة عن جميع اللاجئين المحتجزين، واحترام حقوقهم، وخاصة أولئك الذين يحملون بطاقات ممنوحة من قبل الأمم المتحدة، وذلك وفقًا للمواثيق الدولية التي تنظم العلاقة بين اللاجئين الذين يحملون تصاريح إقامة في السودان وبين السلطات السودانية.
  4. تقديم دورات تدريبية للاجئين حسب التعهد المذكور أعلاه، وإعادة الأموال التي تم الحصول عليها دون وجه حق من اللاجئين الذين طلب منهم دفع ما يصل إلى 100 ألف جنيه لإطلاق سراحهم من السجن.

 

كما نناشد مفوضية الأمم المتحدة السامية لشؤون اللاجئين بمتابعة تنفيذ الاتفاق الذي تم التوصل إليه مع السلطات السودانية المعنية في لقاء 30 أكتوبر 2019، وتسعى من أجل حماية حقوق اللاجئين الإريتريين الذين يتعرضون للظلم.

ونود أخيرًا أن ننوه إلى أنه لا يمكن لأي منصف أن يتنكر لما قدمه الشعب السوداني الكريم للاجئين الإرتريين في أوقات محنتهم، وسيظل هذا الكرم محفورًا في ذاكرة الشعب الإرتري. وانطلاقًا من هذه الحقيقة فإننا نأمل بأن تتبنى الحكومة السودانية سياسات تعزز هذه العلاقة التاريخية بين الشعبين الإرتري والسوداني، وليس من المبالغة في شيء إذا قلنا إن الإرتريين يعتبرون السودان وطنهم الثاني

وتفضلوا بقبول وافر الشكر والتقدير،

  1. المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي (ENCDC)
  2. حزب الشعب الديمقراطي الإرتري (EPDP)
  3. الاتحاد الإرتري من أجل العدالة (UEJ)
  4. تنظيم الوحدة من أجل التغيير الديمقراطي (OUDC)
  5. الجبهة الوطنية الإرتر ية (ENF)

ታሪኽና ምልስ ኢልና ንድሕሪት ምስ እንጥምት ሰንሰለታዊ ባዕዳዊ መግዛእትን ንዕኡ ንምግጣም በብመድረኹ ዝተኻየደ ተጋድሎ ኢዩ ዝነግረና። ሰውራ ኤርትራ እውን ሓደ ካብ'ቲ ብጥርኑፍ  እንቢ ፥ ይኣክል ንመግዛእቲ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ንሜዳ ወጺኡ ድሕሪ መሪር ቓልሲ ነታ ዝበሃጋ ሃገር ክውንቲ ክገብራ ኣኸኣለ።

  ገድሊ ኤርትራ ከም'ዚ ሎሚ ህዝቢ ብደቁ እናተረግጸ  ትም እናተበደለ ትም ፡ መንእሰይ ንስደት ዝጽርገፈሉ ከይኮነ ነቲ ዝፈከረ መግዛእታዊ መስፍናዊት ኢትዮጵያ ሕሪ-ሕራይ ኣቢሉ ልዕላውነት ሃገር ክፈጥር ክኢሉ።

 ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጥሚታት ዝለዓል ነጥብታት ወይ ዘረባታት ብፍላይ በቶም ነቲ ስርዓት ዝደናገጹ ዜጋታት ንሕና ደለይቲ ለውጢ ከም ውልቓዊ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስን ህዝባዊ ግንባርን ዘለና ብእኡ መሰረት ካብ ጽልኢ ዝብገስ እንበር ዕላማ ዘለና ኮይሱ ኣይስምዖምን። ነዚ ንምብራህ እንበኣር ንሕና ኣንጻር ዝኾነ ሰብ ይኹን ውድብ ኣይኮናን እንታይ ደኣ ንፍትሒ ምንጋስ ጥራሕ ምባል ኣብ ቦታኡ እዩ። ክዝከር ዘለዎ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣብ ሓደ ግዜ ድሕሪ ነጻነት፡ ድሕሪ ባድመ ውግእ፡ ምስ ምእሳር ጉጅለ -15 ዝተላዕለ ኣይኮነን። እዚ መቐጸልታ ናይ'ቲ ሰውራ ኤርትራ ዘበገሶ " ኤርትር  ነጻ ምግባር ካብ መግዛእቲ ፡ኣብ'ታ ነጻ ዝኾነት ሃገር ድማ ዜጋታታ ሓራ ክኾኑ " ኢዩ ዝነበረን ዘሎን።

  እሞ እታ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ህግደፍ ዘይብላ እንታይ ትመስል ኢልና እንተሓሊምና ቕዋማዊ ምሕደራ ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝነግሰላ፡ ህዝባዊ ምርጫ ዝካየደሉ ብድሌቱ ህዝቢ ነቲ ኣብዝሓ -ሰልፍታት ኣምር ተጠቒሙ  / ተኸቲሉ ሰልፍታት ተወዳዲረን ሃገር ዘመሓድራ፡ ዝተሳዕረት ሰልፊ ስዕረታ ተቐቢላ ኣብ ውሽጣ ጉድለታታ ገምጊማ መሪሕነታን ፖለቲካዊ መልእኽታን ኣመሓይሻ ክትቐርብ ዝሕግዝ ወዘተ. ዝኣመሰሉ ገለ ምጥቓስ ይከኣል ።

 ኤርትራ ከም'ቲ ታሪኽ ዝምህረና ጥልያን ንመግዛእቱ ኢሉ ዝመስረታ ካብ ኮነ፡ንሕና ድማ ነታ ኤርትራ ክውንቲ ዝገበርናያ ፡ ኤርትራ ሓንቲ እያ። እዚ ማለት ዝተፈላየ ግዝኣታት ተሰማሚዐን ሓንቲ ኤርትራ ንፍጠር ኢለን ኣብ ታሪኽ ሰሚዕና ስለዘይንፈልጥ ፈደራላዊ ምሕደራ እዩ ንኤርትራ ዝብል ባይታ ዘለዎ ኣይመስለንን።

 ኣብ'ዚ ከም ኣብነት ኣብ'ዚ ሰሜን ኣመሪካ እንተ ርኢና ዝተፈላለያ ግዝኣታት ዝነበራ ኣብ ሓንቲ ሃገር ካናዳ ብመጀመርታ ኣርባዕተ ብፈደራላዊ ስምምዓት ክኣትዋ ኸለዋ እተን ዝተረፋ በብግዜኡ ዝተጸንበራ፣ ብኸምኡ ተመሳሳሊ መንገዲ እውን እዛ ሎሚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢለን ዝመስረታ ካብ 13 ክሳብ ሕጂ 50 ስተይትስ ( ግዝእታት) በጺሐን እየን። ኣብ'ዚ ክጥቐስ ዘለዎ ኣብዘን ክልተ ሃገራት ካናዳን ኣመሪካን እቲ ቕዋም ንጹር ቕዋማዊ ስልጣናት ናይተን ኣውራጃታት ከምዘሎ ኢና እንዕዘብ። ከም ኣብነት ክጥቐስ ዝከኣል ቐጥታ ግብሪ ፣ትምህርቲ፣ ሆስፒታል፣ ጽርግያታት፣ ቤት ማእሰርቲ፣ ፍርዲ፣ህዝባዊ ኣገልግሎት ወዘተ ሓልፍነት ኣውራጃ እዮም። ኢቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ከም ግብሪ፣ ባንክ፣ ንግድ፣ ምክልኻል ሓይሊ፣ ወጻኢ ጉዳይ፣ ባጤራ ዝኣመሰሉ ስልጣናት ይህልዎ።

 ሓንቲ ኤርትራ ክንብል ከለና ኣሃዳዊ ስርዓት ( Unitary System ) ሃልዩዋ እቲ ብዙሑነታ ከም ናይ ሃይማኖት፥ ባህሊ፣ ቛንቛ ፣ ብሄር ወዘተ ከም ጸጋ ደኣንበር ዕንቅፋት ከምዘይኮነ ብምግንዛብ ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝተመርኮሰ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ጆግራፊካዊ ኣቐማምጣኡ ኣብ እተን ንቡራት 8 ኣውራጃታት ምምሕዳራት ተወጋጊኑ ካብ ዓዲ - ኣውራጃ ሃገር ዝብል ጸፍሕታት በቲ ዘይምእኩል ምሕደራ ኩሉ ቕዋማዊ ስልጣን ኣብ'ቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝተወሰነ ኮይኑ ምስ ዕብየትን ምምዕባል ናይተን ኣውራጃታት ኣብ ንሰን ብዝያዳ ከድምዓሉ ዝኽእላ ከም ምግፋፍ ዓሳ፥ ሕርሻ ወዘተ ስልጣን ክወስዳ ይኽእላ።

 ኣብ'ዚ እቲ ፈደራልዝም ኣብ ምምቕቓል ቕዋማዊ ስልጣናት ሕማቕ'ዩ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ኤርትራ ታሪኽ ስለዘይብሉ እቲ ተደላይነቱ ካብቶም ዘልዕልዎ ነዚ ኣርእስቲ ካብ ፍርሒ፥ ዕብለላ ናይ ሓደ ሸነኽ ብፍላይ ነቲ ትግርኛ ተዛራባይ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ፍታሕ ካልእ መንገዲ ክህልዎ ይኽእል።

 እዚ ብፍላይ ኣብ ጎረቤትና ሃገር ዝረኣናዮን እንሪኦ ዘለንና ተመክሮ ናይ ኤትኒካዊ ( ብሄራዊ) ፈደራሊዝም ምሕደራ ከም ዘይሰርሕ ብተግባር ንሪኦ ስለዘለና ሎሚ ዘካትዕ ኣይኮነን ዝብል እዩ፡፡ እዚ ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ናይ ጎረቤት ተለቒሖም ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ጽዑቕ ክትዓት ኣብ ውሽጢ ደንበ ተቛውሞ ከም ዝተኻየደ ብፍላይ ኣብ ፓልቶክ ሶሽያል መድያ መብዛሕትና እንዝክሮ እዩ።

 እዚ ኣርእስቲ ናይ ኤትኒክ ፈደራልዝም ነቲ መሰረታዊ ናይ ሓደ ዜጋ መሰል ዝሕመረቱ ዝሰሓተ ስለዝኾነ ነቲ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን እንምርኮሰሉ ዝጻረር ወይ ዘየኽብር፡ ኮይኑ ነቲ ክልል ( ምምሕዳር )ኣብ ክንዲ ብጆግራፊካዊ ሸነኹ ዝረአ  ነቲ ሓደ ህዝቢ ወይ ብሄር ከም ሓደ ኣተኣሓሳስባን ድሌትን ዘለዎ ተራእዩ መሰል ሓደ ውልቐ- ሰብ ከም ቐዳምነት ዘይሰርዕ እዩ።

 ኣብ'ቲ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ ምልስ  ኢልና ነቶም የሕዋትና ንሕቶ ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምግንጻል ዝብሉ ነቲ ምምሕዳር ብብሄር ጠሚትና ካርታ ኤርትራ ጥውይውይ ከነብሎ ጽቡቕ ኣይመስለንን፡እታ ኤርትራ እውን እትቑረጽን እትሽርፈፍን ኣይኮነትን።  ንምንታይ እንተ ኢልና፡  ኤርትራ ንኹላትና ትኣኽለና እያ።ኣብ ኤርትራ ሓደ ዜጋ መሰል ዝህልዎ ካብ መን ስድራ- ቤት ይውለድ ብዘየገድስ፡ እንታይ ቛንቛ ይዛረብ፡ እምነት ዝመረጾ ም  ኩላትና ሓደ ኢና ኢልና ክንኣምን ይግብኣና። ስዒቡ ኩሉ ዜጋ ብዘይኣፈላላይ ዝኣክል ትምህርትን ሕክምናን እንተረኺቡ ብቑዕ ዜጋ ምዃኑ ስለዘይተርፍ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ተሳቲፉ ኣብ ምምራሕ ዝበጽሕ መን ብዘየገድስ ድሉዋት ክንከውን የድሊ። እዚ ማለት ኣብ ሓንቲ ብቕዋም እትመሓደር ሃገር ዲሞክራስያዊ መሰላት ከም መትከል እንድሕሪ ተቐቢልናዮ፡ ነቲ መሰላትና ዝግህስ መንግስቲ  ኣየውርድ ዝብል እንተ ረኺብና ድማ ፍትሓውነት እንረኽበሉ ኣብ ቤት ፍርዲ  ክንማጎት ንኽእል።

  ንምጥቕላል መንገድና እዚ ካብ ኮነ፡ ክፉት ክትዓት ብምክብባር ልፉት ክትዓት ክያድ ከድልየና እዩ።  ግን ነዞም ጉዳያት ሕጂን ምስ ምምስራት መሰጋገሪ መድረኻት ክንፍትሾም ዘለና እዩ እሞ፡  ጥራሕ ይኣክል ይኣክል ምባል ተሪፉ ኣብ ሓደ ዝተጠርነፈ ሓሳባት እንተበጻሕና ኣገዳስነት ኣለዎ ንምባል እዩ። እቶም ፍሉጣት ፈንጣሕትን ዘረግትን ነቲ መባእታዊ  ሃ ሁ ፖለቲካ ስሒቶም ኣብ ንምፍራስን ንምንሻውን ሰልፍታትን ዝውዕሉ ብዙሕ ኣቕልቦ ከይሃብናሎም ናብ ሓሳባት እንበር ናብ ሰባት ኣይንርአ እናበልኩ ጉዳይና ብባዕልና።

Saturday, 14 December 2019 23:42

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 14.12.2019

Written by

ኣብ ዓለምና ንዝጎደለ ዝምልእ፥ ንዝበለየ ዘሕድስ፥ ንዝተሰብረ ዝጽግን፥ ንዝፈረሰ ድማ ዝሃንጽ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ብዙሓት ኢዮም። በኣንጻሩ፥ ብእንጻር’ዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ዝሰርሕ ጥዑይ ዘይኮነ ኣእምሮ ዘለዎም’ውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። እዚ ጥዑይን ዘይጥዑይን ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ነናቶም ባህርን ጠባያትን ክህልዎም ድማ ናይ ግድን እዩ። ካብዚኦም ከኣ ንምዕብልናን ብልጽግናን ዝሓስቡን፥ ህውከትን ዕግርግርን ዝፈጥሩን ኣለውዎም።

እዞም ተጠቒሶም ዘለው ባህርያት ማለት፡ ዓለምና ብኽልተ ተጻረርቲ ዝቖመት ምዃና እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ ጻዕዳ እንተልዩ ጸሊም ይህሉ፥ ብርሃን እንተልዩ ጸልማት ይህሉ ማለት እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ክቐርብ እንከሎ፥ ናቱ ተጻራሪ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ከምዘሎ ክንርዳእ ኣሎና። ነዚ ተጻራሪ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ምስቶም ተጻራሪ  ርእይቶ  ዘለዎም ሰባት ኣብ እንረዳደኣሉን እንካን ሃባን ኣብ እንብለሉን ግዜ፥ ንናይ ሓሳብካ ምግላጽ ማዕርነትን፥ ናይ ምድምማጽን ኣገባብ ክንክተል ይግበኣና። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ነቲ ክልተ ዝተፈላለየ ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ብናተይ ይበልጽ፥ ወይ ንምክልኻል ኣብ ዝብል ሙጉት ዘይኮነስ፥ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ብፍልጠትን ኣእምሮኣዊ ብስለትን ቀሪብካ ነቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ናይ ኩልኻ ረብሓ ብዘውዕል እወንታዊ ፍታሕ ንምብጻሕን ክንዋሳእ ይግባእ። ብተወሳኺ እውን እቲ ኣቀራርባናን ርክባትናን ንሓዲሽ ሓሳባት ዝቕበል መንፈስ ክህሉን፡ ንዓኡ ንምህብታም ዝግበር ምጉትን ኣብ ግምት ብምእታው፥ “እዚዶ ንዝሓሰብክዎ ክኾልፈኒ ወይ ግጉይ ኰይነ ከቕርበኒ” ካብ ዝብል ብደዓዊን፥ መን ከማይን ናጻ ኮይና ኣብቲ ዝቐርብ ሓሳብ እምበር መን የቕርቦ ኣሎ ዝብል ገዲፍና ክንዋሳእ ከለና ናይ እወንታዊ ባህሪ፡ ቅኑዕ ልቦናን ብልህነትን ዘልዎም ሰባት ምልክት እዩ።

እቶም ንምፍራስ ዝተዓጥቁ ሰባት ነቲ ዝሓዝዎ ዕላማ ኣብ ተግባር ክቕይርዎ ከለዉ፡ ዘቕርብዎ ሓሳብ ነቲ ንሕናን ንሶምን ዝብል እዮም ብዝያዳ ንቕድሚት ዘምጽእዎ። እዚ ነቲ ናቶም ሓሳብ ወይ ርእይቶ ዝያዳ ትዂረት ብምሃብ ነቲ ናይ ካልእ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ክስዕርዎን ክጭፍልቕዎን እምበር፥ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ካብዚ ናተይ ይሓይሽ ይኸውን ኢሎም ንኽመራመሩሉ ዝብል ሕልና ፈጺሞም ኣየዘውትሩን። በዚ መሰረት ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይኹን ርእይቶታት ጥቕሙን ጉድኣቱን መምዮም፥ ንረብሓ ኩሉ ዝኸውን ናይ ሓሳብ ምቅርራብ ብዘተኣናግድ ኣገባብ ምጥቃም፡ ናይ ድሌትን ምትብባዕን ሸውሃት የብሎምን። እዚ ዘይምህላው ድማ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልያት ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣህሲሱ፥ ነቲ ክብርታት ዲሞክራሲ ንምግንዛብ ይኹን፥ ነቲ ዝግበር ምቅርራብን ልዝባትን’ውን እንተሃለወ፥ ሃናጽን ናይ ሓባር ዕላማታት ንምዕዋት ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ንምውናን ይዓግት። እዚ ባህሪ እዚ እዩ እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ይኹን ወይ እውን ንናይ ብዙሓት ሰልፍታት ኣብ ናይ ሓሳባትን ርእይቶታትን ድሌታትን ግቡእ ቆላሕታን ኣድህቦን ከይተዋህቦ ንምምሕዳሩ ዘሸግርን ናይ ሓሳባትን ርእይቶን ሓድነት ተሳኢኑ ኣብ ምፍንጫል ገጹ ዝምዕብልን።

በኣንጻሩ እቶም ንዝተፈላለዩ ርእይቶታት ተቐቢሎም ኣእምሮ ዝመልኦ ኣገባብ ተኸቲሎም፥ ኣብቲ ናይ ርእይቶታት ፍልልይ ተጻራሪ ክትዓት ወይ ምጉት ዕሙቕ ዝበለ ትኹረት ይገብሩ፡፥ ካብዚ ነቒሎም ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት ብኹሉ ጎድንታቱ ብርትዓዊ ኣገባብ ምርድዳእን፥ ሕድገታትን ብምግባር  ንኹሉ ዓወት ዘጎናጽፍን ኣብ ማእከላይ ፍታሕ ዘብጽሕን መስርሕ ይኽተሉ። ስለዚ እዩ ድማ ምስቶም ብሓሳብን ብርእይቶን ዘይሰማምዕዎም ሰባት ብርትዓዊ ዝኾነ ኣቀራርባን ምድምማጽን ዝዓሰሎ ክትዓት የካይዱ። ከምዚ ዝዓይነቱ ክፉት ልቦና ዝመልኦ ክትዓት፡ ውጽኢት ብዝህብ ኣገባብ ንዝተፈላለዩ ርእይቶታት ካብ ፍልጠትን፥ ኣእምሮኣዊ ብስለትን ነቒሎም ኣብ ንኹሉ ዝዕግብ ፍታሕ ዝሰማምዑ። እዚ ድማ ከምቲ ስዋሚ ቪቨካናንዳ ዝበሎ፥ (ካብ ጉጉል) “ሓያልነት ናይ ኣእምሮ ልክዕ ከም ናይ ጸሓይ ጩራታት እዩ። ኣብ ሓደ ምስ ዝእከቡ ብርሃን ይህቡ ይብል።”

ብቕኑዕን ብሱልን ኣእምሮ ንዝኾነ ይኹን ኣትኩሮ ክትገብረሉ እንከሎኻ ኣብ ዘየድሊ ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ኣይትሕምብስን ኢኻ። እንታይ ደኣ ነቲ ብዝያዳ ንኹሉ በሪሁን ጎሊሁን ንኽረአ ዝኽእል ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣብ ምቕራብ ኢኻ ተድህብ። ከምዚ ዝዓይነቱ ቅኑዕን ኩሉ ክርደኦ ብዝኽእል እወንታዊ ሚዛንን ንምሃብ ኣብ ተድህበሉ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ሽግራት ወይ እውን ፍልልያት ብናይ ሓድሕድ ሰናይ ድሌታትን ዕጋበትን ንምምላእ ዘዕውት ይኸውን። 

ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን፥ ብናይ ሓሳብ ወይ ርእይቶታት ፍልልይ ክንረሓሓቕ ንኽእል ኢና። ነዚ ናይ ሓሳብ ምርሕሓቕ ግና ከመይ ገርና ኣብ ናይ ሓባር ሓሳብ ከም ዝሰጥም ክንገብሮ እንተዘይክኢልና ናይ ውድቀት ምልክት እዩ ክኸውን። እዚ ምስቲ ናይ ሓደ ጥርሙዝ ነቲ ናይ ጸሓይ ጩራ ኣብ ሓደ ማእከል እንተምጺእካዮ ዘቀጻጽል ሓዊ ክፈጥር ዝኽእል ተምሳል ኢዩ። እዚ ጩራ ጸሓይ እዚ ካብቲ ማእከል ናይቲ ጠርሙዝ እንተኣርሒቕካዮ ወይ ኣዚኻ እንተቕሪብካዮ ነቲ ክፈጥረልካ እትደልዮ ሓዊ (ብርሃን) ኣይክትረኽቦን ኢኻ። እዚ እንታይ የመልክተልና፡ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ኩሉ ብዝሕነት ቋንቋ፥ ሃይማኖትን፥ ኣውራጃን ብሓንቲ ሃገረ ኤርትራ ኢና እንውከል። ነዚ ብዙሕነትና ካብቲ ማእከላዊ ሃገራዊ መለለይና ብዘውጽእ ኣጠቓቕማ ክንጥቀም እንተተበጊስና፥ ኣብ “ንሕናን ንሳቶምን ክንጽመድ ምዃንና ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ኣብነት ደገፍትን ተቓወምትን፥ ገዲምን ሓዲሽን፥ ዓበይትን መንእሰያትን፥ ወዘተ ብዝብል  ምስ እንፈላለ፥ ልክዕ ከምቲ ጮራ ጸሓይ ካብቲ  ማእከል ኣዚና እንተርሒቕናዮ ወይ እንተኣቕሪብናዮ ብርሃን እንስእን፥ ንሕና ውን ብሰንኪ እዚ “ንሕናን ንሳቶምን” ምብህሃል ባና ሓርነት ክሕርመና ኢዩ።  ስለዚ ነዚ ንሕናን ንሳቶምን ዘብል ገዲፍና ኣብ ማእከል ኣምጺእና ምልኪ እንስዕረሉ ዓወት ንኽንጎናጸፍ ክንበቅዕ ይግበኣና።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ወትሩ ኣዘራራቢ እዩ። ኣብ ኣርበዓታት ኣዘራራቢ ነይሩ። ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተጣሒሱ፡ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ምስተጠልመ ኣብ ግዜ ዘውዳዊ ስርዓት ኮነ ኣብ ግዜ ደርግ እውን ኣዘራራቢ ጥራይ ዘይኮነ ደም ዘፋሰሰ ነይሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርግን ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን እውን፡ ኣብ መስርሕ ረፈረንድም፡ ኣብ ግዜ ናቕፋዶ ብር ምጥቃም፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ከኣ ካብ ኣዘራራብነት ሓሊፉ ናብ ኣስካሕካሒ ምፍሳስ ደም ዓሪጉ፡ ህይወት ብዙሓት መላምል ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ቀዚፉ።

ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ እቲ ዘይናይዶብ ክነሱ “ናይ ዶብ ዝተጠመቐ” ባእስን ምስሕሓብን ናብ ዓለም-ለኻዊ ኮሚሽን ዶብ ተመሪሑ ቀያድን ናይ መወዳእታን  ብይን ምስ ተዋህበሉ እውን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ምትግባሩ ቅሩብነት ምስ በኾረ፡ እቲ ኣዛራብነት መልክዕ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሒዙ ቀጺሉ። ሎሚ ድሕሪቲ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ምስተባህለ እውን፡ ካብ ኣዘራራብነት ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ኣይሰላም ኣይውግእ ዝተሰግረሉ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዝውሰድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ንቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢልናዮ” ኢሎም ዝብል እዩ። ኣብዚ ናይ ኣፍ ምቕባል ብተግባር እንተዘይተሰንዩ ትርጉም ከም ዘየብሉ ምስትብሃል የድሊ። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ከምኡ ምስተባህለ ጭራኡ ሰልሰል እንዳበለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዞኽዞኽ ዝበለ፡ ኣብ መንጎ “ንቕበሎ ኢና” ምባልን ኣብ መንጎ “ምትግባርን” ዘሎ ርሕቀት ጣፊእዎ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎ ቃል ክዓጽፍ ቅሩብ ስለ ዝነበረ እዩ። እቲ ድሕሪኡ ዝተኸተሎ ካብቲ ንዶብ ዝምልከት ዛዕባ ናይ ምህዳም ተግባሩ ከኣ  ነዚ እዩ ዘነጽር።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ተቐቢሎም። ካብቲ ነዚ ኣብቂዕዎም ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ተግባር ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክረጋገጽ ዝገበርዎ ኣበርክቶ እዩ። ካልእ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ምስፋሕን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምርግጋግ ክፍጠር ኣስተዋጸኦ ምብርካትን እውን ከም ተወሳኺ ምኽንያታት ነቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ክዝርዘሩ ተዓዚብና። ብዛዕባቲ ካልእ ምኽንያታት ከይሰፍሓና ኣብዚ ንዛረበሉ ኣይኮነን። እንተ’ቲ ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ዝብል ግና ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ብርትዓዊ ዓይኒ ንዝርኢ፡ ሸፈጥ እምበር፡ ፈጺሙ ጠላሕ ዝብል ምኽንያት ኣይኮነን።

ምናልባት ዝያዳ ርትዓውያን ንምዃን፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መወዳእትኡ ዘይተፈልጠ መስርሕ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ፡” እንተዝበሃል’ኳ ዝሕሸሉ መተባህለ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብይን ኣብ ተግባር ከይወዓለን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ከይወጸን፡ ነቲ መስርሕ ሰላም በሲሉስ ንሽልማት ናይ ሰላም ኖበል ከም ዘብጸሐ ጌርካ ምቕራቡ፡ ጌጋ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ፍትሓውነት ናይቲ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዝህብ ገዚፍ ስም ዝተስከመ ነርወጃዊ ትካል’ውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ እዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ከም ዝተረጋገጸ ንምሕባር ከም ኣብነት ዝጥቀሱ፡ ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣፍልብኻ እንዳወቓዕካ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ናብ ኣስመራ ምጋሽ ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ናይ ዝተወሰኑ ሰባት ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ምምልላስን ተነፋፊቖም ዝነበሩ ምርኻብን እውን ከምኡ። እንተኾነ እዞም ዝተጠቑሱ ተርእዮታት ከም ዝተኸስቱ’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ቀጻሊ ውሕስነትን ትካላዊ መልክዕን ሒዙን ረብሓ ህዝቢ ዝማእከሉን ሰላም ከምዘየለ ኣፍካ መሊእካ ዝዝረበሉ እዩ። እቲ ኣብ ዶባት ዝረአ ዘሎ ሎሚ ከፊትካ ጽባሕ ናይ ምዕጻው ተግባር ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ።

እቲ ናይ ቀደም ንታሪኽ ገዲፍና፡ ናይዚ ዳሕረዋይ ናብ ምዝራግ ሰላም ኣብጺሑ ዝተባህለ “ጉዳይ ዶብ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ባእሲ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። ከምቲ ግቡእ ከኣ ናብ ዘተኣማምንን ንምሽላም ዘብቅዕን ሰላም ንምብጻሕ ነዚ ብዙሕ ደም ዘፍሰሰ ዓብይ ዛዕባ ብምውጋን ክጅመር መተገበአ። ብግብሪ ግና ኣይኮነንዶ ክውገን ፈጺሙ ኣብ ዝተረሰዓሉን ብዛዕባኡ ምዝራብ ገበን ኣብ ዝኾነሉን እዩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘተኣማምን ሰላም ተረጋጊጹ ዝበሃል ዘሎ። እቶም ከምስሉ ብዘይቅድመ-ኩነት ተቐቢለዮ ዝበሉ መራሕሪ ኢትዮጵያ እውን ብድብድቡ ንዲክታተር ከመላኽዑ እምበር፡ ናይቲ ዝኣተውዎ ቃል ከተግብሩ ፍሑኽ ኣይበሉን።

ኣብዚ መስርሕ ሰላም፡ ዲክታቶር ኢሳይያስን መራሒ ኢትዮጵያን ነናቶም ሕሳባት ክነብሮም ይኽእል። እንተ ብሕሳብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበዮ ሰላም ኣይመጸን። ሎሚ እውን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብቲ ዶብ ካብ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ተሓቢኦም ብጸልማት እዮም ብትግራይ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዘለዉ። ብወገን ኢትዮጵያ እውን ኩሎም እቶም ምስ ኤርትራ ዝዳወቡ ኢትዮጵያውያን ስኽፍታኦም ኣብ ዘውድቕሉን ቀሲኖም ዝንቀሳቐስሉን ህይወት የለዉን። ስለዚ እታ ካብ ኩነታት ምህዳእ ሓሊፋ ክሳብ ምሽላም ኖበል ዘብጸሐት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም መርተዖ ምቕራብ ኣዛራቢ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ልቦም ድዮም ወይ ንምጥባርን ንምእዳብን፡ ነዚ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ንክረኽቡ ካብ ዝሓገዞም ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅሩብነት ምንባሩ ኣብ ኣደባባይ ክገልጹ ሰሚዕና። ኢሳያስ ግና ባዕልና ከም እንፈልጦ፡ ሰላም ዘይበቑሎ ምድረ-በዳ ሕልና ዝውንን ሰብ እዩ። ሓቀኛ ትርጉም ሰላም ዝርዳእ እንተዝኸውን ከኣ ቅድሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም መፈጠረ። ደሓር ነቲ ዲክታቶር  በቲ ሓደ ወገን ከም ዘራግን ኮራይን ኣንዳሓመይዎስ፡ ከም ናይ ሰላም ሰባኺ ክጠቕስዎ ዘይመስል እዩ። ዘይሩዘይሩ ግና እዚ ተረኽቦ ናብ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ “ ነቲ ቀንዲ እትምዘነሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣበሳኻ ሓቢእካ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዘርኣኻዮ ወደኽደኽ ኣይኮነን” ዝብል’ዩ። ከምኡ እንተዘይከውን፡ ብኣበርክቶ ብክልተ መራሕቲ ዝመጸ ሰላም ንክልቲኦም ዘይሸለምሉ ምኽንያት ኣይመሃለወን።

December 13, 2019

To:

UNHCR Khartoum Office, the Sudan

Sudan Commission for Refugees (COR)

Higher Council for Community Development

Excellencies,

It is to be recalled that on 30 October 2019, a symposium was organized in Khartoum attended by representatives of the Sudanese Ministry of Labor as well as one representative from each of the caseloads of refugees in the Sudan from Eritrea, S. Sudan, Ethiopia, the Congo, Yemen and Syria.

At the said symposium, the Sudanese authorities and the local UNHCR Office have reached the agreement that refugees in the Sudan can be allowed training and work opportunities like Sudanese citizens, except in security and military spheres. Sadly, this accord was not formally conveyed to the concerned refugees in a manner that they can understand nor did the concerned authorities initiate the pledged training opportunities. Instead, refugees are this month being rounded up from their homes, workplaces and from the streets and taken to prison. Their incarcerators claim that the refugees, including those who held residence permits as of 2000 from the Immigration Ministry, have no work permits. To add insult to injury, the Sudanese “law enforcers” are asking the detained refugees to buy their freedom by paying between 50,000 and 100,000 Sudanese pounds.

We the undersigned Eritrean political and civic forces demand the most immediate action on the following: 

  1. The Sudanese authorities to stop the unjust action taken and being taken against Eritrean and other refugees in the host country;
  2. To let the refugees taken from workplaces to safely return to their jobs;
  3. To release without pre-conditions all detained refugees and respect the right of those refugees already holding residence permits to stay in the Sudan as refugees;
  4. To provide training courses to refugees as pledged, and to pay back the money taken from refugees who were asked to pay up to 100,000 pounds for their release from prison.

Likewise, we urge the UNHCR to follow up the implementation of the agreement reached with the Sudanese authorities and the COR at the symposium of 30 October 2019 and protect the rights of victimized Eritrean refugees.

No one can ignore or forget the historic warm welcome and support of the Sudanese people to Eritrean refugees, and we still call with strong hope the Sudanese Government to pursue fraternal relations that can strengthen existing bonds between our peoples. There is no doubt that Eritreans still take the Sudan as their second home.

Respectfully yours,

  1. Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC);
  2. Eritrean People’s Democratic Party (EPDP);
  3. United Eritreans for Justice (UEJ)
  4. Unity for Democratic change (UDC)
  5. Eritrean National Front (ENF)
Page 6 of 338