|
ባህግና Bahgna 118. ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተ-ሰብ እየን፡ ዘርእስቲ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤን 2ይ ክፋል ቃለ ማሕተት ምስ ኣስገደት ምሕረታኣብን
Written by Bahgna MediaMedia
ኢትዮጵያዊት መኣዛ መሓመድ፡ ተዓዋቲት ሽልማት ዓለምለኸ ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ ኮይና
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስእሊ መኣዛ መሓመድ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ
ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ፡ ሓንቲ ካብተን 11 ናይ 2023 ተዓወቲ “ዓለምለኸ ሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ” ከም ዝኾነት፡ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ሓቢሩ።
እዚ ሽልማት ንመበል 17 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ 180 ሃገራት ን180 ኣብ ጽንኩር ኩነታት መጻኢ ብሩህ ንክኸውን ብትብዓት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ፡ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እተን ነዚ ሽልማት ዝበቕዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝርከቡ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ዝርቆሓ ኮይነን ኣብ መወዳእታ ዝውሰን ከኣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ እዩ።
ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ወናኒትን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ ቲቪ” ዝተባህለ መድያ ክትከውን እንከላ፡ ቀንዲ ቆላሕተኣ ብሰንኪ ውግእ ንዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ምዃንን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ምፍጣርን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዘለዋ መድያ ተጠቒማ ዝተሸገራ ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናውን ካልእ መሰረታውን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ንምፍጣር ጐስጓስ ምክያድ እውን ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ ብዙሓት ኣብ ግዜ ውግእን ምምዝባልን ብዝተፈላለዩ ወገናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ቃለ መጠይቓት ኣካይዳ ነቲ ሓበሬታ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክትዝርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ንሽልማት ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ዝትንትን ጸብጻብ ይሕብር።
መኣዛ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ተሓታትነት ንክህሉ መርመራ ንክካየድ ብተደጋጋሚ ብዘቕረበቶ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ዝምልከቶም ናይ ወጻኢ ትካላት ቀልቢ ከም ዝሰሓበት እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ተጨውየን ሃለዋት ዝጠፈአ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣቓልቦ ክረኽባን ስድራቤተን ክሕገዙን ጻዕሪ ምክያዳ ሓደ ነቲ ሽልማት ካብ ዘብቀዓ መመዘኒ ምዃኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። መኣዛ በዚ ተባዕ ተግባራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክትእሰርን ክትፍታሕን ዝጸንሐት እያ።
እተን ምስ መኣዛ ነዚ ሽልማት ዝበቐዓ ካለኦት ተበዓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣርጀንቲና፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ፡ ኮስታሪካ፡ ጆርዳን፡ ካዛኪስታን፡ ማለዢያ፡ ፖላንድ፡ መንጎልያን ዩክረይንን ምዃነን እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ተቒሱ።
8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ክፋል
ባህግና Bahgna 117፣ ምስ ህልው ኩነታት ኤርትራውያን ደኣ 8 መጋቢት ክነብዕል የምሕረልና ዶ! 07.03.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትክበር ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ። ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ብቃልሰንን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ። እዚ ምብርባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።
ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።
ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ኣብ መጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2023 ከም ናይ ዓሚ ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ዘለና። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ኣትዮም ዝሃለቕሉ መርድእ ንምስማዕ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለዋሉ ኢና 8 መጋቢት 2023 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘቕርብ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላ ዕለት ክትከውን ይግባእ። ከምኡ’ውን ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዝጸርጋላ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ምቃል ጐነን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምስኣተን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣለወን። ናብዚ ንክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታትኳ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ሓደ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ እዩ ዝቃለሰሉ። በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።
8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና
ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሽፍ
ሊባኖናዊት ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ ብ6 መጋቢት 2023 ናብቲ ኣብ ከተማ ጀንቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ናይቲ ባይቶ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረብኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናኸፈአ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየ ምብርሀን ካብቲ ጉባአ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እተን ምክትል ኮሚሽነር ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ከም መርተዖ ኣብ ዘቕረባሉ፡ ቤት ጽሕፈተን ካብ ኤርትራ፡ ናይ ሰባት ምስቓይ፡ ብኣልማማ ምእሳርን ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምስቓይን ከም ዝፍጽሙ ዘመልክት ቀጻሊ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጸን። እቲ ኩነታት ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ ዝያዳ ከፊኡ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ከም ዝገደደ እውን ጠቒሰን።
ጸብጻበን ብምቕጻል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣራሚ ስጉምቲ ከም ዘይተወስደ ጠቒሰን፡ ነዚ ንምብራህ ከም ኣብነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ጥሕሰት ዓለለኻዊ ሰብኣዊ መሰልን ሕግታትን ፈጺሙ ከብቅዕ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይምህላዉ ኣስፊረን። ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰል ብሓባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ውግእ ገበን ከም ዝፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ እውን ጠቒሰን።
ኣብዚ ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጻኢ እውን ከመሓይሽ እዩ ዝብል እምነት ከምዘየብለን ዘነጸራሉ መድረኽ፡ እቲ ባይቶ ኣቐዲሙ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተሉ ናይ ዝመዘዞም ሱዳናዊ ኮሚሽነር መሓመድ ዓብዱልሰላምን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል ቫኔስ ስዩምን እውን ጸብጻብ ሰሚዑ እዩ።
ኣብቲ ጉባአ ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ የለን ዝብል በተን ምክትል ኮሚሽነርን ካለኦትን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ ሓሳብ ከም ዘንጸባረቑ እቲ ካብቲ ጉባአ ዝወጸ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብቲ ጉባአ ዝነበረ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣደም ዑስማን እድሪስ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ኣብቲ ዝተላዕለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዛዕባታት ኣተኩር፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ከም ዝፍጸም ብምጥቃስ ጸብጻብ ዘቕረቡ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ተልእኮ ዘለዎም እዮም ብዝብል ናብ ምኽሳስ ከም ዘድሃበ ተሓቢሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህግደፍ ክምልሰሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ሕቶታት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ዋላ ሓደ ብህግደፍ ዝተመለሰ ህዝባዊ ሕቶ የለን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ካብቶም ክሳብ ሎሚ ዘይተመለሱ ኣብ መጻኢ እውን ብህግደፍ ክምለሱ እዮም ኢልካ ዘይትጽበዮም ብዙሓት ሕቶታት፡ ሕቶ ዲሞክራስን ሰላምን፡ ማሕበራዊ ድሕነትን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ፍትሕን ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ወሲኽካ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዘውሕስ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ……… ወዘተ ዝምልከቱ ይርከብዎም። ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ካብዚኣቶም ንዋላሓደ ዘይምምላሱ ድማ መርኣያ ናይቲ ፍሉይን ክቱርን ወጻዒ ባህሪኡ እዩ።
“ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ነዚ መሰረታዊ ሕቶታት ዘይምልስ?”፡ ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት ኣዛራቢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ሰፊሕ ዝርዝራዊ መልሲ ዘድልዮን እዩ። እቲ መልሲ ካብቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ክመጽእ ዝግበኦኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና “ይምልከተኒ እዩ” ከምዘይብሎ ብግብሪ ኣርእዩና ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ካብዘይንጽበዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ካብ ተመኩሮና ነቒልና ግና ካብ ዝርዝር ናይቲ መልስታት “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ” ዝብል ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ቀንድን መሰረታውን ማእከል ናይቲ መልሲ ግና፡ “ናይዚ ሕቶታት ብግብሪ ምምላስ ዕድመ ስልጣኑ ዘሕጽር ስለ ዝኾነን ንኹሉ ድሕሪ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ስለ ዝሰርዖን እዩ” ኢልካ ምስፋሩ ይከኣል። እዚ ብንጹር ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ምርጫ ህግደፍን ኣብ ኩሉ መዳያት ተጻረርቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።
ህግደፍ ካብቲ ኤርትራዊ መሰረታዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ንምልጋስን ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስን ብጥሪኡ “እምብለይ” ኣይብልን። ኣብ ክንድኡ ዘቕርቦም ናይ ሓሶት ምስምሳት ኣለዉዎ። ንመሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ በብግዜኡ ካለኣይ ሳልሳይ ደረጃ ብምትሓዝ ወይ ፈጺሞም ከም ዝዕበጡ ብምግባር፡ በብግዜኡ ናእሽቱ ጸገማት ብምትዕብባይን ንልኡላውነት ኤርትራ ከም መፈራርሒ ብምጥቃምን ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ይኸፍት፡ ናይ ውግእ ቁስልና ኣይሓወየን ዝብል ዕባራ ምኽንያት ይፈጥር፡ ንሓንሳብ እውን ከም ምርጫ ንዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ኣዕኑድ “መፍትሒ ኣይኮኑን እዮም” እናበለ ምንእኣስን ምብጫውን ካብቶም ዝጥቀመሎም መህደሚ ተንኮላት እዮም።
ናይ ቀረባ ጸላኢ ምፍጣር ክጽግሞ እንከሎ ድማ፡ ምስ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ኣብ ዳርባ ቆይቊ ምእታው ልሙድ ተግባሩ እዩ። ኣንጻር ኣሜሪካ ምኩርባቡን ኣብ ሕቑፊ ሩሲያ ክሕባእ ምፍታኑን ናይዚ ኣብነት እዩ። ዘይትግበር መብጸዓ እናኣተኻ ምጥላው እውን የዘውትር። ሕገመንግስቲ ምጽዳቕ፡ እቲ ዝጸደቐ ከይተሰርሓሉ መይቱ ምባልን ደሓር መሊስካ ሓድሽ ንነድፍ ኣለና ምባልን ናይዚ ዕንክሊል ኣካይዳኡ ሓባሪ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዕላማኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዘቕልብ ናብ ደገ ጥራይ ከማዕዱ ንምሽባቡ ዝተኣልመ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም’ዞም ምህዞታት ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣሪጎም ኣገልግለቶም ዝውድኡ እዮም።
ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ብሓይልን ጥልመትን ዘረጋግጾ እምበር ካብ ህዝቢ “እወታ” ብምርካብ ከምዘይኮነ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ምርጫኡ ህዝቢ ዝበለ እንተበለ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ዝብል ትዕቢተኛ ኣካይዳ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ብቐጻሊ ዝፍጽሞ ኣዝዩ ሕሱምን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ምቕራብ ዘየፍቅድን ማእሰርትን ዕረፍቲ ዘየብሉ ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ፍልልይ ዝካየድ ግፋን ምእንቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ መሰረታዊ ጉዳያት ዝሓስብ፡ ኣብ ዘሻቕል ናይ ብሕቲ ኣጀንዳ ከም ዝጽመድ ንምግባሩ ዝተሃንደሰ እኩይ ምህዞ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝረአ ዝተደጐለ ሓዊ ዝሓቖፈ ስቕታ፡ ጸረ ህዝቢ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ካብ ዘይምርዳእ ወይ ካብኡ መፍትሒ ካብ ምጽባይ ዝነቅል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብዚ መዳይ ብግብሪ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዘለዎ። እቲ ኩነታት ኣንጻር ህግደፍ ክለዓል ከም ዝግበኦ እንዳተረደኦን እናተገበኦን ከምኡ ዘይምግባሩ፡ ስለ ዝጸገሞ ከም ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ “እቲ ስቕታ ክሳብ መዓስ እዩ?” ዝብል ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን።
እዚ ከባሃል እንከሎ ግና፡ ኣዝዮም ውሑዳት ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብገርሂ ዘይኮነስ ብጉርሒ፡ ብህግደፋዊ ናይ ሓሶት ስብከት ተሰሊቦም በብእዋኑ ተተሰሪሑ ብዝወሃቦም “ሎሚ ናይ ደገ ጉዳዩ ወዲኡ ናብ ዘቤታዊ ዋኒኑ ክምለስ እዩ” ዝብል መደንዘዚ መዝሙር ዘቃልሑ የለዉን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ድሕሪ ውግእ ትግራይኳ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌና ምስ ኣሜሪካ ዝጀመሮ ሓድሽ ምኩርባብ ዘንጊዖም፡ ምስምሳቱ ከም ዝተወደአ ኣምሲሎም ክሰብኩ ይስምዑ እዮም። እቲ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ንህግደፍ ክጽበ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከኣ ናብዚኣቶም ዘቕነዐ እዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህግደፍ ተስፋ ከም ዝቖረጸ ንፈታዊ ኮነ ንጸላኢ ብሩህ እዩ። እቶም ኣብቲ ይመርሖ ኣለኹ እናበለ ዓፊንዎ ዘሎ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ኣውንታዊ ኣሰር ዘየንበረ ክነሱ፡ ኢሳያስ ክገሾም ዝፈቕድሉ መራሕቲ ሃገራት ክሳብ ክንደይ ከም ዝዕዘብዎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዘጋጠመ ትርኢት ነዚ ብዝምልከት ገላጺ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኖስ ምስኡ ምዝማድ እንታይ ከም ዝጠቕሞም ከኣ ዘዛርብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት ህግደፍ ሕቶኻ ክምልሰልካ ምጽባይ ማለት፡ ኣግሂዱ “ተሪፈ እየ” ንዝበለካ በዓል ቆጸራ ካብ ምጽባይ ወይ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ክትረክብ ሃንቀው ካብ ምባል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝብና ናይ ሕቶኻ መልሲ ካባኻ ምዃኑ ተገንዚብካ ክትንቀሳቐስ እንከለኻ ምሳኻ ከም እንስለፍ እናረጋገጽና፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ መጸዋዕታና ነቕርበልካ።
ባህግና Bahgna 116፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ዞናናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ፣ ዘይሩ ዘይሩ ዕላማና ሓደ ካብ ኮነ 05.03.2023
Written by Bahgna MediaMedia
More...
ብደረጃ ዓለም ን199 ሃገራት ብዝተዋህበ ደረጃ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት፡ ኣብ መበል 194 ከም ዝተሰርዐ ኖማድ ፓስፖርት ኢንዴክስ/NOMAD CAPITALIST PASSPORT INDEX ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ክትጐዓዘሎም ዘይምቹኣት ብዝብል ምስ ናይ ኢርትራ ድሕሪት ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርትታት፡ ናይ ፓኪስታን፡ የመን፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እዮም።
እቲ መምዘኒ 100 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነጥቢ ዝህብ ኮይኑ፡ እቶም መዕቀንታት ድማ፡ ምቅስቓስ ብዘይቪዛ፡ ንዜግነት ዝኽፈል ግብሪ፡ ግንዛበ ወይ ተርድኦ፡ ብዙሕነት ዜግነትን ውልቃዊ ናጽነትን ዝብሉ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ብቕደም ሰብ ዓብ ካብቲ ሚእቲ፡ 50%፡ 20%፡ 10%፡ 10%ን 10% ዘውህቡ ምዃኖም ኣብቲ ሰንጠረዥ ሰፊሩ ኣሎ።
በቲ ኣብቲ እንዴክስ ሰፊሩ ዘሎ ደረጃታት መሰረት፡ ሉግዘምበርግ 115.50 ብምርካብ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ 199 ሃገራት ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኣፍጋኒስታን ድማ 20 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ መበል 199 ተሰሪዓ። ኤርትራ ኣብ መበል 194 ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ 26.50 ጥራይ ረኺባ እያ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ናብ 12 ሃገራት ጥራይ ምጋሽ ከም ዝከኣል ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። ጎረባብቲ ኤርትራ ድማ፡ ኢትዮጵያ 32.50 ረኺባ መበል 180፡ ሱዳን 28.50 ረኺባ መበል 190፡ ጅቡቲ 36.50 ረኺባ መበል 166 ክስረዓ እንከለዋ፡ ሶማሊያ ድማ 27.50 ረኺባ ንኤርትራ ብኽልተ ደረጃ ቀዲማ ኣብ መበል 192 ሰፊራ ኣላ።
ኣብዛ ብዘይቅዋም ትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ፓስፖርት ምርካብ ዜግነታዊ መሰል ክኸውን ዝግበኦ፡ ህግደፍ ካብ ናብ ግዱድ ዕስክርና ምስታፍን ዘይምስታፍን ጀሚርካ ብዙሕ ዓንቃፊ ቅድመ ኩነታት ስለ ዘቕርብ ንምርካቡ ኣጸጋሚ እዩ። ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገሮም ክወጹ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት ከኣ እዚ ዕንቅፋት እዚ ሓደ እዩ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ፓስፖርት ምስ ረኸብካ ድማ ንክትገይሽ መውጽኢ ቪዛ ንክትረክብ ካብቲ ፓስፕርት ክትረክብ ዘሎ ጸገም ዘይድሕር ዕንቅፋት ኣለዎ።
ኣምኒስት ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽራይ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ መጸዋዕታ ክንጸግ ተማሕጺኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ዝተመዘዘ ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ ዘቕርቦ ዘሎ ሓሳብ ተቐባልነት ንከይረክብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ነቲ መጸዋዕታ ብ3 መጋቢት 2023 ዘቕረቦ ናብቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ኣፍሊጣ።
ምክትል ዳይረክተር ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍላቪያ ምዋንጎቭያ፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምጽራይ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶ ዘተሓሳስብ እዩ ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ናይ ውግእ ገበናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክጻረ እሞ ዝተበደሉ ሚልዮናት ሰባት ፍትሒ ንክረኽቡ ትብዓት ከምዘየብሉ ዘርኢ እዩ ኢለነኦ።
እተን ምክትል ዳይረክተር ኣተሓሒዘን፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደል ከጻሪ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናብቲ ከም ክልል ኦሮሞ ዝኣመሰለ ገበናት ዝተፈጸመሉ ከባብታት እውን ንክኣቱ ክፍቀደሉ ጸዊዐን። ኣተሓሒዘን ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘስግእ ውሳነ ኣብ ምንጻግ ክተሓባበር ኣተሓሳሲበን።
እዚ ናይ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ውሳነ ሓሳብ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝቐርብ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኢትዮጵያ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ልዕሊ 60 ዘይመንግስታዊ ትካላት ብሓባር ብዘውጸአኦ መግለጺ ተቓውሞአን ከም ዝገለጻ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ምጽራይ ኣብ ኩሎም ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ስለ ዝካየድ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ እውን ዝምልከቶ እዩ።