عقد مكتب الشؤون التنظيمية للقوى السياسية الإرترية، في الثالث من يناير 2026، اجتماعًا تنظيميًا مهمًا مع القيادات الإقليمية في كلٍّ من إقليم شمال أمريكا وإقليم أوروبا، وذلك في إطار جهوده المتواصلة لتعزيز العمل التنظيمي وتوحيد الجهود للقوى السياسية الارترية.

وقد ترأس الاجتماع رئيس المكتب، السيد تسفاي ولدميكائيل، الذي استعرض في كلمته الافتتاحية جملة من القضايا التنظيمية والسياسية ذات الأهمية، مؤكدًا على العلاقة التكاملية بين العمل التنظيمي أو الحزبي الذي يقوم به العضو، وبين دوره ومسؤوليته في أنشطة وبرامج القوى السياسية الإرترية بشكل عام. وأوضح أن نجاح العمل السياسي مرهون بوضوح هذه العلاقة، وبقدرة الأعضاء على الموازنة بين الالتزام التنظيمي والمشاركة الفاعلة في العمل الوطني المشترك.

كما تطرق الاجتماع بشكل موسع إلى خطط العمل للسنة الحالية 2026، حيث جرى نقاش معمق حول الأهداف المرحلية والاستراتيجية، وسبل ترجمة هذه الخطط من مجرد تصورات نظرية إلى برامج عملية قابلة للتنفيذ على أرض الواقع، بما يواكب التحديات السياسية والتنظيمية الراهنة

وفي سياق متصل، ناقش المجتمعون آليات وسبل إقامة الفروع الموحدة للقوى السياسية الإرترية في كل من شمال أمريكا وأوروبا، باعتبارها خطوة أساسية نحو تعزيز وحدة الصف، وتنسيق الجهود، وتفعيل العمل المشترك.

واختُتم الاجتماع بجملة من التوصيات، أبرزها التأكيد على ضرورة اضطلاع كل عضو بالدور والمسؤولية المناطة به، والعمل بروح جماعية عالية، بما يسهم في تحقيق الأهداف المنشودة للقوى السياسية الإرترية.

Saturday, 10 January 2026 16:26

Dimtsi Harnnet Sweden 10.01.2026

Written by
Thursday, 08 January 2026 20:56

Dimtsi Harnnet Kassel 08.01.2026

Written by

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ካብ 7 ክሳብ 12 ጥሪ 2026  ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ። ናይዚ ሚኒስተር ዑደት ናብ ኣፍሪቃ፡ መበል 36 ዓመት፡ “ናይ ሓድሽ ዓመት፡ ቀዳማይ  መገሻ  ናብ ኣፍሪቃ” ናይ ዝብል ባህሊ መግለጺ ምዃኑ፡ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ብ7 ጥሪ 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ  ኣፍሊጡ። እዚ ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ፖሊት ቢሮን ኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኣብቲ  “ቻይና-ኣፍሪቃ ህዝቢ ምስ ህዝቢ”  ብዝብል፡  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ  ዝካየድ  ስነ ስርዓት  ክሳተፍ ምዃኑ እውን እቲ ቻይናዊ  ወሃቢ ቃል  ኣፍሊጡ።

እዚ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና መገሻ ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሚኒስትሪ  ንመበል 36 ዓመት ክኸውን፡ ነቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግና ናይ መጀመርታኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  እቲ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሃገሩ ካብ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ናይቲ በዓል መዚ መገሻ፡ ብዙሕ ከም እትጽበ ተጠቒሱ። እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየደ ስነ-ስርዓት፡  ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣፍሪቃን ቻይናን፡ ናይቲ “ቀዳማይ መገሻ  ዓምት 2026 ናብ ኣፍሪቃ” መግለጺ ዲፕሎማሲያዊ  ልምዲ ናይታ ሃገር ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣብዚ መገሻኡ ዝበጽሐን 4 ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ታንዛንያን ለሰቶን እየን። ብፍላይ ሓደ ናይ ቻይና ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናብ ሶማሊያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ድሕሪ 40 ምዃኑ ከኣ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ በዓል መዚ ቀንዲ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጽሐን ሃገራት ዝዛረበሉ ዛዕባታት፡ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህዝን ናይ ሓር ዕቤትን ከምኡ እውን ጉዳይ ልኡላውነት ሃገራት ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ሓገዝ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ  ቀጻሊ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዝኣትዋሉ መንገዲ ምድህሳስ ከም ዘጠቓልል እውን ተፈሊጡ።

 ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብቐጻሊ 282.1 ቢልዮን ዶላር ብዝበጽሕ ዓመታዊ ዓቐን ኣብ መዳይ ንግዲ መሓዛ  ኣፍሪቃ ኮይና ከም ዝጸንሐት’ውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቑሱ።

ውግእ ብሓፈሻ ኩሉ ሰላማውን ፖለቲካውን መንገድታት ተዓጽዩካ፡  ምርጫ ምስ ሰኣንካ  ዝእቶ’በር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። ሳዕቤኑ ከኣ ኣዝዩ ከቢድን ኩለ-መደያ’ውን እዩ። ሓደ ካብቲ ብዙሕ ሳዕቤናቱ ናይ ዜጋታት ተገዲዶም ካብ መረበቶም ክመዛበሉን ኣርሒቖም ናብ ስደት ከምርሑ ዝድርኽን ምዃኑ እዩ። ካልእ መተካእታ ምስ ሰኣንካ ተገዲድካ ዝእተው ቅኑዕ ውግእ ከም ዘሎ ከኣ፡ እቲ  ነዊሕን መሪርን ኤርትራውያን ኣንጻር መግዛእቲ  ተቓሊሶም ዘዕወትዎ  ናይዚ መርኣያን ተመኩሮን እዩ።

ኣብ ናይ 1998-2000 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምዝባል ኤርትራውያን ካብ መላእ ኢትዮጵያን እቲ ውግእ ካብ ዝተኻየደሉ ከባብን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክሳብ ክንደይ መሪር ከም ዝነበረ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ስንብራቱ  ክሳብ ሎሚ ከምዘይሓወየ ከኣ ኣብ ብዙሓት ግዳያት ዝረአ ዘሎ እዩ። ምምዝባል ምስ ጠጠው ምባል ናይቲ ጠንቁ ዝኾነ ውግእ ዝቋረጽ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ከቢድ ጻዕሪ ዳግመ-ምጥያስን ሕውየትን ዝሓትት ከም ዝኾነ  ተመኩሮ ናብ መረበቶም ናይ ዘይተመልሱ ኤርትራውያን ግዳያት የርእየና። 

ኣብ ትግራይ ብ2020-2022 ብዝተኻየድ ንብዙሓት ዘሕዝነን ዘሰንበደን ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይ-ኢትዮጵያን ዘኸተሎ ሳዕቤን ናይ ቀረባ ተመኩሮ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ምዝንታው ኣየድልን። ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ውግእ ዝተኻየደሉ ዓውዲ ተቐርቂሩ  ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ማህሰይቲ ከቢድ ምንባሩ ዘዛርብ ኣይኮነን።  ከምቲ ስነ-ጥበባዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ብዝምድናዊ ዓይኒ ንምርኣይ እንተዘይኮኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ብሰንክቲ ውግእ ኣይተሃስየን ማለት ኣይኮነን።

  እቲ ሳዕቤን፡ ዕንወት ንብረትን ሕልፈት ህይወትን ዝተሓወሶ ኮይኑ፡ ናይ ብዙሓት ተጋሩ ካብ መረበቶም ምምዝባል ከኣ እቲ ዝኸፈአ  ገጽ ናይቲ ውግእ ሳዕቤን ምዃኑ ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ ሓቂ እዩ። ነቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ክሳብ ዝምለስ፡ ኣብቲ ዘለዎ ግዝያዊ መጽለልታት መሰረታዊ ነገራት ንምቕራብ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ከይተረፉ ክረባረቡ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ እቲ ዝቐርብ ሓገዛት  እኹል ኣብ ርእሲ ዘይዃኑ፡  ኣብ  ምምሕዳሩ ካብ ምክሳስ ናጻ ኣይጸንሐን።

እቲ ብሰንኪ ውግእ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ትግራይ፡ ብፍላይ ከኣ ካብ ራያን ወልቃይትን ብብዝሒ ዝተመዛበለ ተግራዋይ፡ ከባቢ 1.2 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ 146 ዘይምቹኣት መዕቆብታት ሰፊሩ ዝሳቐ ዘሎ እዩ። ካብ’ቲ ውግእ ጠጠው ዘበለ ውዕል ፕሮተርያ፡  ዝለዓለ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሎም ዓንቀጻት ሓደ፡ “ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶም ክምለስሉ ዝኽእልሉ ኩነታት ምጥጣሕ” ምንባሩ ይዝከር። እዚ ዘይምትግባሩ ከኣ እቲ ቀጻልን ዘተኣማምንን ሰላም ከውሕስ ትጽቢት ዝተገብረሉ ውዕል ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ኣብ ዘስግእ ደረጃ በጺሑ’ሎ። ብስንኪ እዚ ከኣ ነቶም ናብ መረበቶም ክምለሱ ሃንቀው ክብሉ ዝጸንሑን ዘለዉን ተመዛበልቲ  ተስፋ ይቖርጹ’ለዉ።

እቶም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ተመዛበልቲ ስድራቤታት፡ ብሰንኪ መሰረታዊ ቀረብን ብቑዕ መጽለልን ዘይምርካብ ኣደዳ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ማሕበራዊ ጸገማትን ንጥቃዕቲ ኣራዊት ምቅላዕን ኮይኖም፡ ሰማዒ ዘይረኸበ ኣውያቶም ካብ ዘስምዑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ኣብቲ ተዓቚበምሉ ዘለዉ መጽለሊ ማእከላት “ሰባት ብጥሜት ይሞቱ’ለዉ” ዝብል ዘሰንብድ ሓበሬታ ብመዲያታት ተቓሊሑ። ብፍላይ ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ትግራት፡ ኣስታት 15,017 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚበምሉ ዝነበሩ ሕጻጽ፡ ሎሚ ድማ ልዕሊ 14 ሺሕ ተመዛበልቲ ዘለዉዎ፡ እቲ ኩነታት ዝኽፈአ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ብዙሓት በቲ ክስተት ዝሰንበዱ ወገናት ከኣ ጥሙያት ንምዕንጋልን ዕሩቓት ንምኽዳንን ኣብ ዝነኣድ  ምንቅስቓስ ኣትዮም ኣለዉ።

 መሰረታዊ ሕቶ ናይቶም ተምመዛበልቲ፡ “ንሕና ንካለኦት ንሕግዝ እምበር ተጸበይቲ ረዲአት ኣይነበርናን እሞ፡ ሰሪሕና ንቡር መነባብሮና ክንመርሕ ናብ መረበትና ምለሱና” ዝብል እዩ። ኣብ ኣድላይነት ምምላስ ናይዞም  ግዳያት ፍልልይ የለን።  እንተኾነ  ብመንጽርቲ ኣብ ዓንቀጽ 10 ቁጽሪ 4 ውዕል  ፕሪቶርያ፡ “ክልቲኦም ወገናት፡ ብዛዕባ ዘሰሓሕቡ ከባብታት ምስ ሕገመንግስቲ ፈደራላዊ ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ብዝሰማማዕ ይፈትሕዎ” ዝብል ሓሳብ  ““ብኸመይን መዓስን ይምለሱ?”   ፍልልይ ይረአ’ሎ  ።

 ነዚ ዓንቀጽ  ምትርጓም ከኣ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕድሕድ ተጋሩ ፖለቲከኛታት እውን ተሪር ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ምምላሶም እቲ ዝተመልስዎ ቦታ፡ “ብመንን ብኸመይን ይመሓደር?” ምስ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ።

እምበኣር እዚ ምምዝባል ውጽኢት ውግእ ስለ ዝኾነ፡ ዓሚቕን ተደራራብን ፖለቲካውን ምምሕዳራ’ውን ትርጉም ኣለዎ። መሰረታዊ ፍታሕ ዝረክብ ከኣ እቲ ናብቲ ውግእን ሳዕቤኑን ዘብጸሐ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክፍታሕ እንከሎ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ነቲ ንዝተመዛበሉ  ዘጋጥሞም ዘሎ ክሳብ ሞት ዘብጽሐ ማሕበራዊ ጸገም ንምክልኻል ግና ከምቲ “ሰብ ንምሕጋዝ ሰብ ምዃን ጥራይ እኹል እዩ” ዝበሃል፡ ናይ ዝኾነ ገባር ሰናይ ህጹጽ ምርብራብ እዩ ዝሓትት። ብመንጽር’ዚ እቲ ዘሰንብድ ሓበሬታ “ሞት ብሰንኪ ጥሜት” ምስተቃለሐ፡ ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ወገናትን ብውልቂ ኮነ ብሓባር ዘርእይዎ ዘለዉ “ህይወት ናይ ኣድሕን” ሰናይ ተግባር  ክምስገንን ክተባባዕን ዝግበኦ እዩ።

ነቲ ዝሓለፈን ጋና ሳዕቤኑ ሰባት ዘሳቒ ዘሎን  ውግእ ንድሕሪት መሊስካ ምእራሙ ከምዘይከኣል ርዱእ እዩ። ኣብ መጻኢ ከምዘይድጋም ንምግባሩ ግና፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ኢድ ዘለዎም ኣካላት፡ ብፍላይ ከኣ ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ብደሆ ኣሎ  እሞ፡ ኩሉ ኣድላይን ዝከኣልን ዘበለ ዋጋ ክኸፍሉ ቅሩባት ክኾኑ ነዘኻኽሮም። 

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ጸሚድዎ ዘሎ ዘቤታዊ ውግኣት፡  ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕነዖ ዘሎ፡ ዘይታሪኻዊ፡ ዘይፖለቲካውን ዘይሓላፍነታዊ ወስታ “ንረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይኮነን” እንብሎ እውን ብመጽር’ዚ ኢና።

ሶማሊላንድ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣብ ሰሙን 4 ግዜ ናብ ሃገርጌሳ ዝካይዶ ዝነበረ በረራ ኣጊዳ፡ እቲ መንገዲ ኣየር ብዝኾነ መልክዕ ኣብ ኣየራ ከይንቀሳቐስ እውን ወሲና። እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ጅቡቲ ኣቐዲማ ኣብ ሃገራ ካብ 2012 ጀሚሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲያዊ ቤት ጽሕፈት ሶማሊላንድ ድሕሪ ምዕጻዋ እዩ። እዚ ናይ ጅቡቲ ስጉምቲ ብተጽዕኖ ሶማሊያ መቃድሾ ዝተኻየደ እዩ ዝብል ግምት ናይ ብዙሓት እዩ።

ናይዚ ኩሉ ወጥሪ መንቀሊ ከኣ ናይ እስራኤል ንሶማሊልላንድ ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ። ጅቡቲ ብመንጽር ከም ኬንያን ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ኣንጻር ዝምድና እስራኤልን ሶማሊላንድን ብዝለዓለ ደረጃ ትንቀሳቐስ ዘላ እያ።

ሶማሊላንድ ብዛዕባቲ ካብ 7 ጥሪ 2026 ግብራዊ ዝኸውን እገዳ መንገዲ ኣየር ጅቡቲ ኣቐዲማ ንመንግስቲ ጅቡቲ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ናብቲ መንገዲ ኣየር ግና ብጽሑፍ ምሕባራ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ኣረጋጊጾም። ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ መንገዲ ኣየር ብዛዕባቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ ቀጻሊ መብርሂ ክህቡ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎ።

ጅቡቲ ብወገና ንኣፍልጦ ኢስራኤል ንሶማሊላንድ ብምቅዋምን   ምስ ሶማሊላንድ ዝነበራ  ዲፕሎማሲያዊ ብምቁራጽን ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ምዃና እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። ሰብ መዚ ሶማሊላንድ ብዛዕባ ሳዕቤን ናይ እገዳ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡ እምበር፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ወገናት ፖለቲካዊ ስጉምቲ እዩ ኢለምዎ። ኣብ ቀረባ መጻኢ ካብ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ወግዓዊ መግለጺ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፣ መግለጽታቶም ንዞባዊ ፖለቲካዊ፡ ንግዳውን መጐዓዝያን ብኣሉታ ከም ዝጸሉ፡ ባኣውርኡ ከኣ ቁጠባዊ ቅልውላው ናይቲ ዞባ  ዘጋድድ ከም ዝኸውን ግምት ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ እዘን ጥቡቕ ቁጠባዊ ዝምድና ዝነበረን ሶማሊላንድን ጅቡትን ዝረአ ዘሎ ቅልውላው፡ ምስቲ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ዓረብ ኤመረትን ሳዑዲ ዓረብያን ዝረአ ዘሎ ምፍጣጥ ምጽልላው ከም ዝህልውዎ ይግመት። እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብ6 ጥሪ 2026 ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር እስራኤል ናብ ሶማሊላንድ ከቕንዕ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ላዕለዋይ ልኡኽ ቱርኪ ከኣ ናብ ሶማሊያ መቃድሾ ገይሹ።

ኣብ ኢትዮጵያን ክልላት  ትግራይን ዓፋርን 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃት መሬት፡ ብ4 ጥሪ 2026 ከም ዘጋጠመ ወጋሕታ ኣፍሪቃ (DAWN AFRICA) ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። እቲ ኣብ ሰዓት 5.05 ድሕሪ ቀጥሪ ዘጋጠመ ምንቅትቃጥ መሬት ኣብ ዓፋር ዳሎ ካብ ዝተባህለ ስፍራ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ 47 ኪሎሜተር ካብ ከተማ መቐለ ድማ 60 ኪሎሜተር ሰሜን ምዕራብን ርሒቑ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ናይቲ ምንቅጥቃጥ ናይ ትሕቲ መሬት ዕምቆት ቀረባ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምንቅጥቃጥ ዝያዳ ስምዒት ዝፈጥር ኣብ ከባቢ እቲ ዘጋጠመ ቦታ ምዃኑ ተቒሱ፡ እዚ ሓድሽ ምግጣሙ ስምዒቱ ዝተረደኦም ከባብታት ውሑዳት ምዃኖም ቮልካኖ ዲስካቨሪ (Volcano Discovery) ዝተባህለ ማዕከን ብወገኑ ሓቢሩ።

ነበርቲ ከተማታት ትግራይ፡ መቐለ፡ ዓዲ ግራት፡ ኣኽሱም፡ ማይጨው፡ ዉቕሮ፡ ዓዲ ጉደም፡ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ዓድዋን ጐረባብቲ ትግራይ ዝኾኑ ቦታታት ክልል ዓፋርን ምዃኖም ድማ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ዜና ክሳብ ዝተዳለወሉ ግዜ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህይወት ወይ ንብረት ዝወረደ ብርሰትን ሕልፈትን ዝተባህለ ኣይነበረን። ኣብዚ ከኣባቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ እውን ኣብ ክልላት ትግራይ ዓፋርን ምንቅጥቃጥ ኣጋጢሙ ከም ዝነበረን ዝምልከቶም ኣካላት ንዝኾነ ነገር ቅድመ-ምድላው ክግበር ከምዘለዎ ከተሓሳቡ ምጽነሖን እው ተፈሊጡ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዝዋላ ዝወሰደቶ ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ስጉምቲ: ቬንዝዋላ ኣጀንዳ ብዙሓት ኮይና ኣላ። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ብዙሓት ብዛዕበኣ ክሓቱ ባህርያዊ እዩ እሞ እዚ ዝስዕብ ሓጺር ን ሓፈሻውንሓበሬት እነሆ::

ቬንዝዋላ ኣብ ክፍለ-ዓለም ደቡብ ኣሜኢካ ካብ ዘለዋ 12 ሃገራት ሓንቲ እያ። ብምብራቕ ብጉያና፡ ብደቡብ ብብራዚል ብምዕራብ ብኮሎምቢያ ብሰሜን ከኣ ብባሕሪ ካርቢያን ትዳወብ።

ቬንዝዋላ 23 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ኣለዋኣ። ካብኣተን፡ ኢስታዶስ፡ ኣማዞና፡ ኣንዞተጉ፡ ኣፑረ፡ ኣራጉዋ፡ ባሪናስ፡ ቦሊቫር፡ ካራዶቦ፡ ደልታ ኣማኩሮ፡ ደፐንደሲያ፡ ዲስትሪቶ፡ ፋልኮን፡ ጋሪኮን መሪዳን ይርከበን።

ስፍሓታ 916, 445 ትርብዒት ኪሎ ሜተር እዩ፡ ብዝሒ ህዝባ ድማ ብናይ 2023 ጸብጻብ 28,300,854 እዩ።   ዋና ከተማኣ ከኣ ካራካስ ትበሃል። ስፍሓት ካራካስ 443 ትርብዒት ኪሎሜተር ክኸውን እንከሎ፡ ብዝዝሒ ነባሪእ ድማ 3,242,000 እዩ። ብዘይካ ካራካስ፡ ማራካቦ፡ ቫለንሲያ፡ መሪዳ፡ ባርኩይሲሞንተ፡ ሱዩዳድ፡ ፑየርቶን ባራቸሎናን ዓበይቲ ከተማታት ናይታ ሃገር እየን።

ኣብታ ሃገር ኣስታት 40 ቋንቋታት ዝዝውተር ኮይኑ፡ እቲ ብስፍሓት ዝዝረብ ድማ ስፓኒሽ እዩ። ቻይነኛ፡ ፖርቱጊዝን ጣልያነኛን ከኣ ብቕደም ሰዓብ ደድሕሪ ስፓኒሽ ብስፍሓት ዝዝረቡ እዮም። ኣብታ ሃገር ስታት 30 ዓሌታት ክህልዉ እንከለዉ፡ ዋዩ፡ ዋራኦ፡ ካሊና፡ ፐሞ፡ ኣኑ፡ ሃውቲጁ፡ ያኖማሞ፡ ያሩሮ፡ የኩናን ሞቲሎነን ዝበሃሉ ካብኣቶም እዮም።

ኣብ ቁጠባ ቬንዙዋላ ዝለዓለ ግደ ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ነዳዲ ጋዝን ካልኦት ማዕድናትን እዮም። ቬንዙዋላ ብ1830 እያ ካብ መገዛእቲ ስፐይን ነጻ ሃገር ኮይና። ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ብሰንኪ ወተሃደራዊ ዓንተራት ብፖለቲካዊ ምቅይያራት ትሳቐ ከም ዝነበረት ይንገረላ። ካብ 1958 ንደሓር ግና ሓያሎ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመርጹ መንግስታት ነይረሙዋ እዮም ይበሃል። እንተኾነ ኣብ ግዜ እዚ ተኣሲሩ ዘሎ መራሒ ቅስንቲ ከምዘይንበረት መጻኢኣ ዝኸፈአ ከይከውንን ስግኣት ኣሎ።

Page 4 of 632