መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን መራሒ ጅቡቲ ፕረሲደንት ዑመር ገለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ጉዕዞ ስግኣት ይኸውን ንዘሎ ተርእዮታ ብትሪ ኮኒንም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም ናይቲ ባሕሪ  ከም ዝተረዳድኡ ኣል ኣህራም ኦን ላይን (Ahram Online) ዝተባህለት መዲያ ኣፍሊጣ።

እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘጋጥም ብደሆታት ሓቢሮም ብዛዕባ ምምካት ኣብ ዝተመያየጥሉ መድረኽ ምዃኑ እታ መዲያ ሓቢራ። እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብቲ ርክቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣብቲ ኣብ መንጎ  ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዝዝርጋሕ ንግዳዊ መስመር ኣዕሚቖም ተመያይጦም።

መራሕቲ ክሊቲአን ሃገራት፡ ንኣድላይነት ምብርባርን ብግቡእ ከም ዝሰርሕ ምኽኣልን እቲ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብኣባልነት ዝርከበኦ ባይቶ ኣብ ዝምልከት እውን ተመያይጦም። ኣብቲ ምይይጦም ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ዓለምለኻውን ብፍላይ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝዳህሰሱ’ውን ኣል ኣህራም ኦንላይን  ሓቢራ። 

እዞም መራሕቲ፡ መንግስቲ ሶማሊያ ንምብርታዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ደጊፎም፡ ብኣንጻሩ ኣንጻር መራሒ እታ ሃገር ዝግበሩ ፈተነታት ተቓዊሞም። ኣተሓሒዞም ድማ ሱዳናዊ ሃገራዊ ትካላት ምቅርራብ ከም ዘድሊ ጠቒሶም፡ ኩሎም ሱዳናዊ ጉጅለታት ዝሳተፍሉ መድረኽ ንክፍጠር ጸዊዕም። ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝ ንክቕጽል ተማሕጺኖም፡ ሱዳን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ንክምለሳላ ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዝምልከት ዳህሳስ ከም ዘካየዱ እቲ ዜና ኣመልኪቱ
Thursday, 24 April 2025 21:33

Dimtsi Harnnet Kassel 24.04.2025

Written by

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘለውዎ ዝተፈላለዩ ክእለታት ዝዋፈር፡ ስራሕ ዘይንዕቕ፡ ብሃፈ-ጻምኡ ዝነብር፡ ኣብ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ዝኣምን እምበር፡ ዘይናቱ ዝምነ ሃካይን ዓመጸኛን ኣይነበረን ኣይኮነን። ምስ ምምጻእ መግዛእትን ንሱ ዘኸተሎ ምግፋፍ መሰላትን ርእሰ-ምምሕዳርን ግና፡  ካብቲ ዝወርዶ ዝነበረ መከራን ክቱር ወጽዓን ንምድሓን ጐኒንጐኒ’ቲ ቃልሱ፡ ከይፈተወ ብሓፈሻ ናብ ሃገራት ኣዕራብ፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ጐረቤቱ ዝኾነት ሱዳን ክስደድ ከም ዝተገደደ ታሪኽ ኣመጻጽእ ስደት ኤርትራውያን ይሕብር። 

ድሕሪቲ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ነጻነት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ናብ ሃገሩ ዝምለስ፡  ብሰንክ’ቲ ኣብ ሃገሩ ስልጣን ዝበሓተ፡ ጸረ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብቲ ናይ ቅድም ብዝኸፍአ ብሓፈሻ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጐረባብቲ  ብብዝሒ ይነብር ኣሎ። ካብቲ ኣስታት 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ፡ ክሳብ 600 ሺሕ ዝበጽሕ ኣብ ዝተፈላለያ 28 ሃገራት ይነብር ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘዳለዉዎ መጽናዕቲ የርኢ። ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩለን ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ጀርመን፡ ኡጋንዳ፡ ኢጣልያን ኣሜሪካን ብኣብነት ይጥቀሳ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብተን  ዝነብረለን ሃገራት ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት እውን፡ ክንድቲ ኣብ ሃገሩ ከጋጥሞ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ግዱድን ደረቱ ዘይፍለጥን ውትህድርና፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ማእሰርትን’ኳ እንተዘይኮነ፡ በዳህቲ ተጻብኦታት ኣይተፈልይዎን።  

ካብተን ብዙሓት ኤርትራውያን  ኣዝዩ መሪር ህይወት ዘሕልፉለን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሊቢያ፡ ደቢብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ እስራኤል፡ ቱርክ፡ የመንን ግብጽን ብኣብነት ዝጥቀሳ እየን። ናይቲ ጸገም ጠንቅታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይ እተን ሃገራት በቲ ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ዝኸተማሉ ውዑላትን ስምምዓትን ዘይምምእዛዝን ህግደፍ ደድሕሪ’ቶም ኤርትራውያን እናሰዓበ ዝኣልሞ ውዲታትን  ብኣብነት ዝጥቀሱ  እዮም። ይኹን እምበር፡ ናይ ገለ  ኤርትራውያን ዘይጥንቁቕ ኣካይዳ፡ ብፍላይ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት’ውን፡ ግደ የብሉን ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

እተን ኤርትራውያን ዝነብሩለን እሞ ምስ ህግደፍ ዘይቃደዋ ሃገራት፡ ንኩነታት ናይቶ ኣብኣተን ዝነብሩ  ስደተኛታት በቲ ንህግደፍ ዝርእያሉ መዕቀኒ መዚነን፡ ኣብ ልዕሊኦም ጽልኢ ብምሕዳር ከምቲ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ዝበሃል፡ ሃሳዪ ስጉምትታት ክወስዳ ይረኣያ እየን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብዚ ግና ዝምድና መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ወጥሪ ከይበጸሓ እንከሎ’ውን  ኣብ ኣዲስ ኣበባን መደበር  ኣለውምዋጭን ዝነብሩ ስደተኛታት ከጋጥሞም ዝጸንሐ ሕማቕ ኩነታትን ህግደፍ ይግደሰሉ ዘይምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንምሕጓስ ኢለን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዝገብርኦም ሃገራት’ውን ኣለዋ።  ግብጺ ኣብዚ እዋንዚ እትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ናይዚ ኣብነት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ።

ናይተን ሃገራት ስጉምቲ፡ እኩይ ተግባራት ህግደፍ ናብ ስደት እውን ዝኽተለካ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ከኣ ብደረጃ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ስደቱ’ውን ግዳይ ኣሉታዊ ሳዕቤን  እቲ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ናይ ዝፍጽሞ ወጽዓ ካብ ምዃን ከምዘይድሕን ብግብሪ ዘርኢ እዩ።  እተን  ብቕንዕና መሰል ስደተኛታት ዘኽብራ ሃገራት’ውን ጸጥታአንን ናይ ህዝበን ድሕነትን ዘቐድማ ምዃነን  ኤርትራውያን ክግንዘብዎን ኣካይደኦም ብኣኡ መሰረት ዝግዛእ ክኸውንን መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ጸጥታኻ ምኽባር  ክበሃል እንከሎ ግና፡ ሃገራት ነቲ ዝተጻልኤኦ ህግደፍ ዝረኸባ መሲልወን ነቶም መሰሎም ክሕልዋሎም ዝግበአን ኤርትራውያን ብጃምላ ምእሳረን መፍትሒ ዘይኮነስ፡  ነዓኣተን’ውን ዘየርብሐንን ዘሕትተንን ምዃኑ ክግንዘባ ይግበአን።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ’ቶም   ከም ሕጋዊ ስደተኛ ዝተመዝገቡ ክነሶም ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ዘየቕስን እዩ። እቲ ዘሰክፍ ተግባራት፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ  ክኸፍልዎ ዝግደዱ ዘይተኣደነ ገንዘብ፡ ብጃምላ ምእሳርን ብዘይድሌቶም ናብቲ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ህግደፍ ምምላስን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ዝረአ ዘሎ ከኣ ነዚ የመልክት።

ኤርትራውያን ናይተን ከም ስደተኛ ዝነብሩለን ሃገራት ሕጊ ምኽባርን ናይ ህዝበን ባህሊ ምሕላውን ከምኡ ከኣ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነብር ህዝቢ ምስናይን ጽቡቕ ዝምድና ምፍጣርን መሰረታዊ ተደላይነት ከም ዘለዎም ክግንዘቡ ይግበኦም። እዚ ግና ብፍላይ ናይተን ብዝኾነ ደረጃ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳረን ዝነብር ናይ ወጻኢ ዜጋ መሰልን ክብርን ናይ ምኽባር ሓላፍነት ዘለወን ሃገራት ግደ ዝዝንግዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥ ሓያል ወጥሪ ከምዘሎ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘኪርካ፡ ክኸውን ዘይግበኦኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዓይኒ እቲ  መንግስቲ ከም ዝኣትዉ  እትግምቶ እዩ።

ካብዚ ብምንቃል እዮም ድማ ኤርትራውያን ብኣካላት ጸጥታን ፖሊስን ኢትዮጵያ ከም ዝእሰሩን ናብ ኤርትራ ከም ዝስጐጉን ቀጻሊ ዜና ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  3ተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብፖሊስ ከም ዝተቐትሉ እውን መዛረቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወጥሪ ክሳብ ዝቐጸለ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝውሰድ ማህሰይቲ ከምዘየቋርጽ ከኣ፡ ካብ ናይ 1998-2000 ውግእን ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ነቒልካ እትግምቶ እዩ። እቲ ናይ ሽዑ ጃማላዊ ማእሰርቲ፡ ምስጓጉን ምርሳይ ንብረትን ዘሕደሮ ኣሉታዊ ስንብራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ከእትዎ ዝግባእ እዩ። ካብዚ ብምንቃል እቲ ዝረአ ዘሎ ብስም ኤርትራዊ ዝውሰድ ጃምላዊ ስጉምቲ ደሓር ናብ ንቡር ኣብ ምምላሱ ዋጋ ዘኽፍል ጽልኢ ምፍጣር እንተዘይኮይኑ፡  መፍትሒ ከምዘየምጽእ ክርድእዎ ይግበኦም።

ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰል ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ከምኡ እውን ምስቲ ጉዳይ ዝዛመድ ሓላፍነት ዘለወን ኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበራትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጠር ቅልውላው ከሎ ጋና ከቕልብሉ ይግባእ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ጉዳይ ብመንጽር ምስ ህግደፍ ዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ምጥልላም ዘይኮነ፡ ብመንጽርቲ ዝኸተመሉ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ክህሉ ዝግበኦ ነባሪ ሰላማዊ ጉርብትና ክርእዮ ንጽወዖ። ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዘለዉ ኤርትራውያን ከኣ “ኣበይ ኮይነ እንታይከ እገብር ኣለኹ?” ኢሎም ከስተውዕሉ ይግበኦም።  ብሓፈሻ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ከኣ ሓይልታት ለውጢን ዜናዊ ትካላቱን ድማ ኣብ ዝረኸብናዮም ኣጋጣሚታት ነዞም ግዳያት ድምጺ ክንኮኖም ይግበና።

መዋቲ ኢትዮጵያዊ  ዲፕሎማት ኣቶ ፍራህ ኣይዲድ ጃማ

ኣቶ ፋራህ ኣይዲድ ጃማ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ኣብ ሃገረ ሶማሊያ ኣውራጃ ፑትላንድ ከተማ ገረወ ቆንስል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ላስ ኣኖድ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብ20 ማዝያ 2025 ከም ዝተቐትለ ሆርን ኦብዘርቨር (HORN OBSERVER) ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

ነቲ ግዳይ ብ13 ጥሪ 2025 ኣብ ፑትላንድ ብዘሎ ጠቕላሊ ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ኣቶ ወንድወሰን ተኽለ ዝተጻሕፈሉ ደብዳበ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ግዳይ ዝኾነ ዲፕሎማት ፋራህ ኣይዲድ ኣብ ዶብ ሶማሊያን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናይ ምሕጋዝን ምትሕብባርን ሓላፍነት ዝነበሮ እዩ።

እቲ ዲፕሎማት ኣብታ ዝተቐትለላ ከተማ ላስ ኣኖድ ካብ ዝነበሮ ሆቴል ተወሲዱ ጉጃካድ ኣብ ዝተባህለ ሰንጭሮ ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ ዝሓበረት እታ ምንጪ፡ ቅድሚ ምቕታሉ ሒዝዎ ዝነበረ መባይላት ከም ዝተወስደ’ውን ጠቒሳ።  ናይታ ዝተቐትለላ ከተማ ምምሕዳር ሞት እቲ ግዳይ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ንኣቀታትላኡ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየወጸአ ዝሓበረ እቲ ዜና ክሳብ ሕጂ ናይቲ ቅትለት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ድሕሪቲ ዘጋጠመ ቅትለት ኣብ ልዕሊ’ቶም ኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት እቲ ቆንስልን ገያሾን ስግኣት ከም ዝፈጠረ እውን ተሓቢሩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2025 በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር፡ ብፍላይ ንኣመንቲ ክርስትና፡ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና” እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብሓፈሻ ግዜ ጾመ-ኣርበዓ፡ ብፍላይ ድማ ሰሙነ-ሕማማት ብስግደትን ጾሎትን ፈጺሞም ናብ በዓላት  ትንሳኤ ብምብጸሓም “እንኳዕ ጾመ-ልጓሙ ፈተሓልኩም” ንብል። መጻኢና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሓሳረ-መከራ ከውርድ ዝጸንሐን ዘሎን ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ተወጊዱ፡ ውግእን ወረ ውግእን ተሳዒሩ፡ ሰላምን ዲሞክራስን ነስተማቕረሉ ግዜ ክኾነልና ተስፋና ልዑል እዩ።  

ነቲ ናይ ጽዕጹዕ  ጾምን ጾሎትን ግዜ ሓሊፉ ናብዚ በዓል ንዝበጸሐ ኤርትራዊ ተኸታሊ ክርስትና፡  ደጊምና እንቋዕ ኣብጸሓና” ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ  ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይኹነልና።“ ንብል።  

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

19 ሚያዝያ 2025

يطيب لي أن أتقدم بتهاني القلبية لجميع الشعب الإرتري بشكل عام وللمسيحيين علي وجه الخاص سيما دول الجوار والعالم، متمنياً لهم عيد الفصح السعيد.

وفي هذه المناسبة، أدعو شعوب العالم إلى التسامح والتعاون من أجل بناء عالم يسوده السلام والعدالة والازدهار.

قرزقهير تولدي

رئيس القوى السياسية الإرترية.

19 أبريل 2025م

ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ዕለት 20 ሚያዝያ 2025 በዓል ትንሳኤ ዘኽብሩ ዘለዉ ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፥ ንህዝቢ ኤርትራን ጐረባብቲ ሃገራትን ከኣ ብፍላይ፡ እንቋዕ ጾመ-ልጓሙ ፈትሓልኩም እናበልኩ ርሑስ በዓል ፋሲካ ክዀነልኩምን ክዀነልክንን ዘሎኒ ልባዊ ትምኒት ክገልጽ እፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ እዚ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ዝዝንቢ ዘሎ ናይ ውግእን ወረ-ውግእን ሃዋህው ተቐንጢጡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ብልጽግናን ዝሰፈና ዓለም ክሃንጹ ጻውዒተይ አቕርብ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

19 ሚያዝያ 2025

Page 1 of 597