ጅቡቲ ኢትዮጵያውያን ክትሰጉግ ወሲና ተባሂሉ

2025-04-27 08:22:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 36 times

ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ መንበሪ ፈቓድ ዘይጸንሖም ግና ግዳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሰላም ክሰርሑ ዝነበሩ  ኢትዮጵያውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣብ  ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዉ፡ ብእንግሊዝ እትሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 26 ሚያዝያ 2025 ሕታማ ሓቢራ። እቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስረሓት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ድሮ ብሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ተጽዕኖታት ክገጥሞም ብምጅማሩ ዝሓደሮም ስግኣት ኣፍሊጦም።

ናይታ ጋዜጣ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ክሳብ 2 ጉንበት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ፡  ክዳለዉ ክሕብር እንከሎ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ወያ ንእሽቶ ሃገር ክንብላ ዝጸናሕና ኣብ መዋጥር ኣእትያትና  ብዝብል ኣብ ሻቕሎት ይገልጹ’ለዉ።

ነቲ ተርእዮ ዝተዓዘቡ ወገናት ምስ ናይ ግብጺ መራሒ ብ23 ማዝያ 2025  ምብጻሕ ናብ ጅቡቲ ከተሓሕዝዎ እንከለዉ፡ እንተደኣ እዞም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ጅቡቲ እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድርዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። ካብቲ ጅቡትን ግብጽን ኣብዚ ሓድሽ ርክብ መራሕተን ተረዳዲአናሉ ዘለዋ፡ ኣብታ ሃገር ጸዓት ምምዕባል ዝብል ስለ ዝርከቦ፡ ግብጺ ንጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላያ ክትሰርሕ መደብ ከም ዘለዋ  የመልክቱ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ልዕሊ 90% ዝኸውን ኣገልግሎት ወደብ ብጅቡቲ እትጥቀም ኮይና፡ ነዚ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ዓመት ናብ 2ተ ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ  ከም እትኸፍል ብተደጋጋሚ ዝግለጽ እዩ። ጅቡቲ ብወገና ኤለክትሪክ፡ ዝሰተ ማይን ጫትን ወሲኻ ዘድልይዋ ሕረሻዊ ማእቶት ካብ ኢትዮጵያ እያ እትረክብ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያን ጅቡትን  ብነፋሪት፡ መኪናን ባቡርን ርክብ ኣለወን።

Last modified on Sunday, 27 April 2025 10:26