ኣብ 2ይ ጉባኤ ውሓኤ ዝቐረበ መግለጺ ኣቦ መንበር ፖሓኤ

2025-01-18 12:59:58 Written by  ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ. Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 181 times

ክቡር ኣቶ ተስፋይ ኣለም፥ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን

 ክቡራት ኣባላት ፈጻሚ ኣካልን ማእከላይ ባይቶን ክቡራት ዕዱማት ኣጋይሽ

ኣብ መኽፈቲ 2ይ ውድባዊ ጉባኤኹም ክንሳተፍ ብምዕዳምኩም ብስመይን ብስም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን እንዳ ኣመስገንኩ ዕዙዝ ቃልሳዊ ሰላምታና አቕርበልኩም።

ጉባኤኹም፡ ዝካየደሉ ዘሎ ህሞት፥ ህዝብና ብኹሉ መዐቀኒታት መነባብሮኡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ እንዳኣንቆልቆለ ብምኻዱን፥ ደረትን ዓስብን ዘይብሉ ጊላነት ክጻወሮ ስለ ዘይክኣለን፥ ናይ ምሕሳብን ምጽሓፍን ምእማንን ምንቅስቓስን መሰላቱ ተነፊጉ ኣደዳ ማሰርትን ስቓይን ካብ ምዃን ንነብሱ ናብ ከቢድ ሓደጋታት እንዳሳጥሐ ናብ ስደት ብቀጻልነት ኣብ ዘምርሓሉ ዘሎ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ውግእ ሕድሕድ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ብሓዲሽ ናይ ውግእ ደበና ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ፥ ኣብ መንጎ ፍልስጢኤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንማእከላይ ምብራቕ ከይልብዶ ኣብ ዘስግኣሉ ዘሎ፥ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ መዓልቦኡ ንምግማት ዘጸግም፥ ኣዚዩ ተሃዋሲ ዝዀነ ኵነታት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ኩሉ ደቂቕ ምክትታል ዝሓትት እዩ። ነዚ ውሁብ ኩነታት ብግቡእ ተረዲእና፡ ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ ዝንጽል ንሃገራዊ ሓይልታት ላዕለዋይ ኢድ ዝህብ ሓባራዊ መርገጽ ምሓዝ ግድን ከም ዘድሊ ንርኢ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ወርሒ ሸሞንተ ዕዉት ዋዕላ ድሕሪ ምክያዱ ኣብዚ እዋንዚ ፈጻሚ ኣካል ኣቚሙ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ኣሎ። ሓደ ካብ ቀንዲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ዋዕላ ድማ ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ኩሉ ዝክኣል ክግበር ከም ዘለዎ እዩ። ዋዕላና ማእከላይ መሪሕነት ፖሓኤ ነዚ ዕማምዚ ከሰላስል ምሉእ ሓላፍነት ሂቡዎ ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ስለዚ ከኣ ኣብዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ደጋጊምና ዝገለጽናየን ውድብኩም እውን ዝኣምነለን፡ 4 ሃገራዊ መቖሚያታት፡

1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ/ገባቲ ስርዓት ምውዳቕን ብቅዋማዊ፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ

 2. ንልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ምዕቃብን ምክልኻልን

 3. ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምኽባር

4. ሓድነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምሕላው ንዝኣምኑ ሃገራውያን ሓይልታት ፈጻሚ ኣካል ንምጥርናፎም ዕቱብ ንጥፈታት ከካይድ ምዃኑ ከይጠቐስና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ዘተ ይካየድ ኣሎ፤ ከም ኣካል ልፍንቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ብዓወት ንክዛዘም ግዴኹም ከተበርክቱ በዚ ኣጋጣምዚ ምሕጽንታና ነቕርብ።

ኣብዚ ንካልኣይ ግዜ ተቃንዕዎ ዘሎኹም ጉባኤ፡ ግደ ው ሓ ኤ ኣብ ምቛም ሓደ ሃገራዊ ጽላል ከም ሓደ ኣገዳሲ ዛዕባ ተወሲዱ፡ ኣብዚ ጉባኤ ንዝምረጽ መሪሕነት ሃገራውያን ሓይልታት ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፎም ብሓደ ልሳን ንክዛረቡ ክበቕዑ ኩሉ ዝክኣሎ ንክገብር ሓላፍነት ክትህብዎ ንላቦ።

ሓንጺጽኩሞ ዘሎኹም መደባት ብዓወት ከተሳላስዎ ብልቢ ንምነየልኩም።

ኣብ መደምደምታ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ዲሞክራስን ንክሰፍን፥ ኣብ ትሕቲ ግዝኣተ ሕግን ቅዋማዊ ምሕደራን፡ ህዝብና መሰሉን ክብሩን ተሓሊዉሉ ብሰላም ንኽነብር ዘሎና ባህጊ ክዉን ንምግባሩ ናይ ወጻእን ናይ ውሽጥን ደለይቲ ፍትሒ ቃልስታትና ኣዋሃሂድና ዘላቒ ፍታሕ ነምጽኣሉ ዓመት ክኾነልና እምነ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝብና!!

 ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ!! ብሓድነት ንሓርነት!!

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ.

17 ጥሪ 2025

Last modified on Saturday, 18 January 2025 14:04