ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍትን ትካላትን ህግደፍ እገዳ ክትውስን ተጸዊዓ
2025-01-16 10:18:22 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 190 timesረድረስን ፎካስ ኤርትራን (REDRESS and Eritrea Focus) ዝተባህሉ ትካላት፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍትን መንግስታዊ ትካላት ኤትራ እገዳ ንክትውስን መጸዋዕታ ከም ዘቕረቡ ብዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም። እዞም ኣካላት ነዚ መጸዋዕታ ናብ ሚኒስትርታት ወጻኢ ጉዳይን ልምዓትን መጸዋዕተኦም ከቕርቡ ዘገደዶም፡ እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝተፈጸመ ግህሰትን ዕንወትን ምዃኑ እውን ጠቒሶም።
እቶም ኣብቲ ናይ እገዳ መጸዋዕታ ኣስማቶም ዝተጠቕሰ ሓለፍትን ትካላትን፡ ኣብቲ ሰፊሕ ብህግደፍ ዝፍጸም ሰብኣዊ ግህሰት፡ ጃምላዊ ቅጥለት፡ ጾታዊዊ ዓመጽ፡ ግዱድ ምስዋርን ምስቓይን ርኡይ ብጽሒት ዘለዎም እዮም። እዞም ክልተ ትካላት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዓባይ ብሪጣንያ ዝርዝር ገበናት ዝሓዘ ፋይል ምቕራቦም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ተሓታቲ መን ምዃኑ ኣብ ምቅላዕ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ። እዚ ዓባይ ብሪጣንያ ክትውስኖ ትጥለም ዘላ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉያት ተሓተቲ ናይ ጉዕዞ ምኽልካልን ናይ ንብረት ምድስካል ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታዊ ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምምሕዳር ካብ ሰሜን ኮርያ ብዝገደደ፡ ኣብ ኩሉ ውሽጣዊ ህይወት ናይ ሰባት ኣትዩ ጥቡቕ ምቁጽጻር ከም ዝገብር ዝሓበረ እዩ። ብሰንኪ’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ስለ ዝግደዱ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቅልጡፍ ጽንተት ዘጋጥመን ዘሎ ሃገራት ዓለም ምዃና እውን ኣብዚ ናይዘን ክልተ ትካላት መገልጺ ሰፊሩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ክፍሊ ገንዘባዊ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሓለፍትን ብህግደፍ ዝውነና ትካላትን ናይ መገሻ እገዳን ምድስካል ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ሕሳባት ባንኮምን ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።