ኡጋንዳ ካብ ኣሚሪካ ዝተስጉ ግዳያት ተቐቢላ

2026-04-03 09:28:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 141 times

ምምሕዳር ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዘውጸኦ ስድተኛታት ካብ ሃገሩ ናይ ምስጓግ መደብ መሰረት ግዳይ ዝኾኑ፡ ብ2 ማዝያ 2026 ናብ ኡጋንዳ ከም ዝኣተዉ፡ ጋዜጣ ዘጋርዲያን ሓቢራ። ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል መዚ ኡጋንዳ እቶም ስደተኛታት ክሳብ ናብ ካልእ ሃገር ዝሰጋገሩ ኣብ ሃገር ኡጋንዳ ከም ዝጸንሑ ንሮይተርስ ከም ዝሓበረ እውን ተፈሊጡ።

ማሕበረሰብ ሕጊ ኡጋንዳ ብወገኑ፡ ብመሰረት ኣብ መንጎ ኡጋንዳን ኣሜሪካን ዝተገብረ ስምምዕ 12 መበቆላዊ ዜግነቶም ዘይጠቐሶም ስደተኛታት ካምፓላ ከም ዝኣተዉ ተኣሚኑ ነቲ ተግባር ኮኒንዎ። መንግስቲ ኣሜሪካ ንብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ ነናብ ሃገሮም ዝሰጐጐ ኮይኑ፡ ብዝበጸሖ ስምምዓት ብዘይካ ናብ ኡጋንዳ፡ ዜጋታት ኩባ፡ ጀማይካ፡ የመን፡ ቬትናም፡ ላኦስን ሚያማርን ዝኾኑ ግዳያት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ  ኢስዋቲኒ፡ ጋና፡ ሩዋንዳን ደቡብ ሱዳንን ዝሰጐጎም ከም ዘለዉ እውን ተጠቒሱ።

እቲ ማሕበረሰብ ሕጊ ኡጋንዳ፡ ነቲ ናይ ምስጓግ ተግባር ንምቅዋም፡ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ኡጋንዳ ኮነ ዜጋዊ ትካላት ሕጊ ከም ዝምጉት ኣፍሊጡ። ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ ተግባር ዘይሰብኣውን ክብሪ ወዲሰብ ዘይህብን፡ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ካብ ዝውሰድ ጨካን ስጉምቲ ፈሊኻ ዘይረአ ከም ዝበሎ ድማ ጋዜጣ ዘጋርዲያ ጽሒፋ።

ኡጋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ነሃሰ 2026 ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ስደተኛታት ካብ ኣሚሪካ ምስጓግ ኣብ ዝተሰማመዓትሉ ኣብ ኣሜርካ ተቐባልነት ዘይረኸቡ ዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ክትቅበል ተሰማሚዓ ከተብቅዕ እንተኾነ ብዛዕባ ናብ መበቆል ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝምልከት  ዝበለቶ ከምዘይነበረ ተፈሊጡ። ቁጽሪ ናቶም ካብ ኣሜሪካ ናብ ኡጋንዳ ክኣትዉ ትጽቢት ዝግበረሎም  12 ጥራይ ዘይኮኑ ብዙሓት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።

Last modified on Friday, 03 April 2026 11:34