ኢትዮጵያ ኣብ ዝርዝር ዝነደያ ሃገራት ኣትያ

2023-12-26 11:30:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 351 times

ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ፡ ክትከፍሎ ዝነበራ 33 ሚልዮን ዶላር፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ናይ ቦንድ ወለድ ዕዳ ስለ ዘይከፈለት፡ ካብ 25 ታሕሳስ 2023 ጀሚራ፡ ኣብ ዝርዝር “ዕደአን ክኸፍላ ዘይከኣላ (ዝነደያ) ሃገራት ከም ዝኣተወት ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ኢትዮጵያ እዚ ገንዘብዚ ክትከፍሎ ዝነበራ ክሳብ 11 ታሕሳስ 2023 ኮይኑ፡ ብፍሉይ ዓይኒ ተራእዩ ክሳብ 25 ታሕሳስ ክትከፍል ኣብ ዝተዋህባ ናይ ክልተ ሰሙናት ዕድል እውን ክትከፍል ስለ ዘይከኣለት ኣብቲ ዝርዝር ከም ዝኣተወት እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ብሉምበርግ ዝተባህለ ማዕከን ብወገኑ፡ ገለ መራሕቲ ኢትዮጵያ ክኸፍሉ ከምዘይክእሉ ኣቐዲሞም ንዝምልከቶም ኣካላት ከም ዝሓበሩ ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያ ጋናን ዛምቢያን ተኸቲላ ኣብዚ ቅልውላው ዝኣተወት ሳልሰይቲ ሃገር ኣፍሪቃ ምዃና ሓቢሩ። ገለ መራሕቲ ኢትዮጵያ እቲ ጸገም ናይ ዶላር ሕጽረት ዘይኮነስ፡ ኢትዮጵያ ብኸመይ ነቶም ዘለቅሕዋ ኣካላት ብማዕረ ተተኣናግድ ዝብል ምምሕዳራዊ ጸገም እዩ ብዝብል ከም ዘመኻንዩ ከኣ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናብ ጉጅለ-20፡ ቻይናን ካለኦት ገንዘባዊ ትካላትንኳ ምሕጽንታ እንተቕረበት፡ ምሕጽንተኣ ብሰንክቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ’ውን ተፈሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣትያቶ  ዘላ  ቁጠባዊ ኩነታት ምእታዋ፡ ልቓሕ ንምርካብ ዘጸግማ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ናይ ወጻኢ ትካላት ኣብ ኢትዮጵያ ንከየውፍሩ ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ዝተፈላለዩ ናይ ቁጠባ ምሁራት ይገክጹ ኣለዉ። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ንግዲ ኣታዊኣ ተጽዕኖ ከም ዝፈጥር’ውን ተፈሊጡ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ኣብ ስራሕ ዘለዋ ኩባንያታት ተጽዕኖ ከም ዝፈጥርን ሰራሕተኛታት ክንክያ ከም ዝጀመራን እቶም ወሃብቲ ርኢቶ የተንብሁ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ደረጃዚ ትወድቕ ዘላ፡ ኣብታ ሃገር ውግእ ሕድሕድ ኣብ ዝተጋደደሉ፡ ልዕሊ 30 ሚልዮ ካብ ህዝባ ሓገዝ ኣብ ዝጽበየሉን ሰባት ብጥሜት ኣብ ዝመትሉን ኩነታት ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Tuesday, 26 December 2023 13:34