ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ፕሮፈሶር መሓመድ በሽር ነቲ ሓይልታት ወኪሉ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ዝገበሮ ርክብ ብዝምልከት ብ16 ጉንበት 2023 ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ። ፕሮፈሶር መሓመድ በሽር ኣብቲ ኣብ ካሊፎርንያ ከተማ ሎስኣንጆልስ ዝተኻየደ ርክቦም፡ ዕዙዝ ኣድላይነት ርክብ ቤት ጽሐፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ምስ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ካለኦት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊ ኣካላትን  ብዝምልከት ተመያይጦም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘስፈሮ፡ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃን ካልእ ኢትዮጵያዊ ጉዳያትን ንምምይያጥ እዮም ኣብ ካሊፎርኒያ ተረኺቦም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ደቡብ ካሊፎርኒያ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃውያን ኣብ ዝተረኽብዎ ኣኼባ ኣንበሳደር ሃመር፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ግደ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ  ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣስፊሩ። ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ወኪል ፖሓኤ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ብወጻዒ ምምሕዳር ኤርትራ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ዘይሰብኣዊ በደላትን ዞባዊ ህውከትን ብዝምልከት ዘልዓሎ ሕቶ ብምድጋፍ፡ እቲ  ወጻዒ ጉጅለ በቲ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ኢድ ምትእትታዋት ተሓታቲ ከም ዝኸውን ንምግባሩ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቅሩባት ምዃኖም ጠቒሱ።

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኮንፈረንስ፡ ወኪል ፖሓኤ ምስ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ዝገበሮ ርክብ ምዛዕባ ኣድላይነት ርክብ ቤት ጽሕፈቶምን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራዊ ኣካላትን ከም ዝተዘራረቡን ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ፖሓኤ ክራኸቡ ትጽቢት ከምዘሎን ጋዜጣዊ መግለጺ ፖሓኤ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ብ15 ጉንበት 2023፡ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት 4.7 ሬክተር ስኬል  ዝዓቕኑ ኣብ ስፍሓት መሬት 40 ኪሎሜተር ዝተዘርገሐ ምንቅጥቃጥ መሬት ከም ዘጋጠመ ማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC፡ ኣፍሊጡ። እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት  ዘጋጠመሉ ከባቢ፡ ካብ ፎሮ ንወገን ሰሜናዊ ምብራቕ 15 ኪሎ ሜትር፡ ካብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ድማ ንወገን ሰሜናዊ ምብራቕ 38 ኪሎ ሜትር  ኣብ ዝርሕቀቱ ሰዓተር ኣብ ዝባሃል ቦታ ከም ዘጋጠመ እቲ ማዕከን ዜና ኣረዲኡ።

እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ከተማታት፡ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ዓዲ ቀይሕን ሰንዓፈን ከም ዝተሰምዐ፡ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘውረደ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዘየለ ተፈሊጡ። ቢቢሲ ኣተሓሒዙ ብዛዕባዚ ተረኽቦ ንሚኒስተር ጸዓት ኤርትራ ተወኪሱ ከም ዘረጋገጽሉ ጠቒሱ።

እዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ንኡስ ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ ከጋጥሞ ዝጸንሐ እዩ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡  ብ13 ጉንበት 2023 ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳብ፡ ነቲ ውድብ በቲ ዝነበሮ ደረጃ ናብ ንቡር ከምዘይመልሶ ጠቒሱ። እቲ ቦርድ ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፈ ህወሓት፡ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ተኸቲሙ ክትግበር ምጅማሩን፡ ብፓርላማ ኢትዮጵያ ካብ ዝርዝር ፈጠርቲ ራዕዲ ምውጽኡን ህልውናኡ ኣብ መዝገብ እቲ ቦርድ ህያው ክኾነሉን ተኣጊዱ ዝነበረ ንብረቱን ክምለሰሉ ብ7 ጉንበት 2023 ንዝጸሓፎ ደብዳበ ክምልስ እንከሎ እዩ።

እቲ ናብ ህወሓት ዝተላእከ ደብዳበ ቦርድ ምርጫ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብቲ ውግእ ዝነበረሉ ግዜ ብ18  ጥሪ 2021 ህወሓት ኣብ  ውግእ ኣንጻር መንግስቲ ስለ ዝኣተወ ከም ዝተሰረዘ፡ ኩሎም ኣባላቱ  ብስምቲ ውድብ ከይንቀሳቐሱ ከም ዝተኣገዱን ንብረቱ ከኣ ቅድም ዕዳ እንተይርዎ መኽፈል ዓዳ ክኸውን፡  ዝተረፈ ከኣ ናብ ካልእ ንምርጫ ዝምልከት መዓላ ክውዕል ከም ዝተወሰነ ይጠቅስ። ኣተሓሒዙ ድማ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኣዋጅ 1162/2019  ብዛዕባ ዝተሰረዘ ውድብን ንብረቱን  ናብ ንቡር ምምላስ ዝጠቅስ ዓንቀጽ ከምዘየብሉ ጠቒሱ። ብመንፈስ እቲ ብቦርድ ምርጫ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ህወሓት ካብ መዝገብ ስለ ዝተሓኸኸ፡ ከም ሓድሽ ቀጥዕታት ኣማሊኡ ናይ ኣባልነት ጥርዓን ከቕርብ እሞ ጉዳዩ ተጻርዩ ክምለስ ከም ዝኽእል ዝእምት እዩ። ካልኦት ሰልፍታት ትግራይ እውን መራሕተን ኣብቲ ውግእ ምስታፎም ብዝተተሓሓዘ  ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ።

እዚ ኩነታት፡ ድሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዓለም ለኻዊ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡  ምስ ህወሓት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ፡ ኣብ ትግራይ ህወሓት ብዝለዓለ ደረጃ ዝሳተፈሉ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍልጦ ምሃቡን ብዙሓት ናብ ሰላም ዘምርሑ ስጉምትታት ምስ ተወስዱን ምምጽኡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ኣብ ዋና ከተማ ሱዑድያ ጅዳ፡ ብኣላይነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሱዕድ ዓረብን ክመያየጡ ዝጸንሑ ወከልቲ ሰራዊት ሱዳንን ተወርዋሪ ረዳኢ ሓይልን ብ11 ጉንበት 2023 ንምክልኻል ሲቪል ወገናት ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝኸተሙ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ተሓቢሩ። ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ስምምዕ ንክበጽሑ ዝደረኾም፡ ሕቶ ኣድላይነት ሰብኣዊ ቀረብ ብፍላይ ንነበርቲ ከተማ ካርቱም ንምምላስ፡   ብዝተፈላለዩ ፈተውቲ ህዝቢ ሱዳንን፡ ግዱሳት ወገናትን፡ ንዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት ንክምእዘዙ ብዝቐረበሎም መጸዋዕታ ክሰማምዑ ከም ዝተገደዱ በቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣረጋጊጾም።


እቶም ከተምቲ  ስምምዕ ጅዳ ኣተሓሒዞም፡ ኣብ ግዝኣታዊ ሓድነት ሱዳን ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ኣረጋጊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ ንሕጋዊ ድሕንነት፡ ፖለቲካዊ ሕጋውነትን ተሳትፎን ኩሎም ወግናት፡ ዝጻባእ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጾም። ነቲ ፈተውቲ ሱዳንን ህዝባን፡ ሰብኣዊ ሕግታት ተኸቲሎም ንክሰማምዑ ዘሕደርሎም ተጽዕኖ ከም ዘኽብርዎ ኣረጋጊጾም፡ ነቲ ስምምዕ ከተግብሩ ዘለዎም  ቅሩብነትውን ኣርእዮም።

ኣተሓሒዞም ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ዝርዝር ስምምዓት፡ ምስ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን ግቡኣትን ዘይጻረሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም። እዞም ዝተሰማምዕሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፎም ሰፊሕ ዝርዝር ኣለዎም።

1) ድሌታት ህዝቢ ሱዳን ቀዳምነትና ምዃኑ ንኣምን፡ ሲቪል ወገናት ኣብ ኩሉ መዳያት ሓለዋ ንክረኽቡ ድማ ተሰማሚዕና ኣለና። እዚ ስምምዕ እዚ ናይ ሰባት ካብን ናብን ውሑስ ምንቅስቓስ  ዘጠቓልል እዩ።

2) ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግን መሰልን ከነኽብር ቅሩብነትና ነረጋግጽ።

3) ነቶም ሰብኣዊ መሰል ዝሕልዉን ናይቶም ናይቲ ውግእ ኣካል ዘይኮኑ ሲቪል ወገናት ህይወት፡ ዝዕቅቡን ተበግሶታት ኣፍልጦ ንህብ። ነቶም ሰብኣውነትን ንብረትን ንምዕቃብ ዝግበሩ ንጥፈታት ድማ ነኽብር።

4) ኣብዚ ስምምዕ ዝተጠቕሱን ካለኦት ተዛመድቲ ዓለምለኻዊ ግቡኣትን ኣብ ኩሉ ደረጃ ሓላፍነትና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎም ቅርቡነትና ነረጋግጽ።

5) ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ሱዳንን፡ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዝኣመሰሉን ካለኦት ግዱሳት ሰብኣዊ ትካላትን ምስ ዝምልከቶም ትካላት ኮይኖም ኣድላይ ምንቅስቓሳት ከካይዱ ነፍቅደሎም።

6) ኩሎም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርና ዝንቀሳቐሱ ትካላትን ሰባትን በዚ ስምምዕ ከም ዝቕየዱን ከም ዝተሓባበሩን ክንገብር ኢና።

ኣብ መውዳእታ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ንዝተወሰነ ግዜ ቀጺሉ ድማ ንቀዋሚ ተኹሲ ጠጠው ምባል ዝሕግዙ ናይ ዘተ መደባት ክሰርዑ ቅሩባት ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳድር ማይክ ሃመር፡ ካብ 10 ክሳብ 19 ጉንበት 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተራኺቦም መብርሂ ከም ዝህቡ  ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ማይክ ሃመር ኣብቲ ርክባት ዝተኩሩሉ ኣጀንዳ ሓፈሻ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ  ኮይኑ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን እዩ።

እቲ ርክብ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርንያ ከተማ ሎስ ኣንጀሎስ ከም ዝካየድን ኣብቲ ርክባት ዝሳተፉ ብሓፈሻ ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾኑን ብፍላይ ግና ናብ ተወለድቲ ኣምሓራ፡ ሶማልያ፡ ኦሮሞን ትግራይን ዘተኩር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ብዘይካዚ  “ሓድነት ደቂ ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘዳልዎ መድረኽ ምስ ማሕበረኮም ኢትዮጵያን ኣመሪካውያን ርክብ ከም ዘካይዱን ኣብዚ ርክብዚ ድማ ምድንፋዕ ሰላምን ምሕያል ሓድነትን ደቂ ኣንስትዮን ንዝብል ጉዳይ ዝያዳ ትኹረት ከም ዝወሃብ  እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

ፍሉይ ልኡኻ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይን ጐረባብቲ ክልላትን ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ወቐሳ ከቕርቡ ካብ ዝጸንሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ 2023፡ ምስ ትካል ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ጻዕሪ ይግበር ምህላዉ ምጥቃሶም ዝዝከር እዩ።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ብዘይብቑዕ ምኽንያት ኣሲርዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን ኣገዲዱ ገንዘብ እናኽፈለ ይፈትሖም ከም ዘሎ ተለቪዥን ኣሰና ሓቢራ። እታ ተለቪዥን እቶም ተኣሲሮም ብነፍሲ ወከፎም 50ሺሕ ናቕፋ እናኸፈሉ ክወጹ ዝተገደዱ፡ ኣብ  ምክትል ወረዳ ሰፍኣ ነባሮ ዓድታት፡ ዝባንሰጊ፡ ደንበ ጉዑፍ፡ ማየልቦ፡ ኣዛሒትን ዓዲ ፈለስትን ከም ዝርከብዎም ሓቢራ።

እዞም ዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድዋሩባ ተኣሲሮም ዝጸንሕሉ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ ለይቶ ዝርከብ መሬትኩም “ከይትሓርስዎ ተኣዚዝኩም ከተብቅዑ፡ ነቲ ትእዛዝ ጥሒስኩም ሓሪስኩምዎ” ዝብል ዕባራ ምኽንንያት እዩ። እዞም እሱራት ሰብ ሓዳርን ነፍሰ ጾራትን ደቂ ኣንስትዮን ቤተ ሰብ ስዉኣትን ከም ዝርከብዎም ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ።

 ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ 10 ዓመታት ተፈጺሙ ዝበሎ ጥሕሰት ጸባጺቡ ኣብዚ እዋንዚ ምእሳሩ፡ ነቲ ማእሰርቲ ከም ምንጪ ኣታዊ ክጥቀመሉ ስለ ዝደለየ ምዃኑ እውን እቲ ሓጺር ጸብጻብ ተለቪዥን ኣሰና ኣመልኪቱ። እቲ ዜና ካልእ ምስዚ ዝዛመድ ኣብነት ንምጥቃስ፡ እቲ ስርዓት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጐደናታት ለሚንኩም ኢሉ ንዝኣሰሮም ድኻታት ገንዘብ ከፊልሎም ክፍትሑ ከም ዘገደደም ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝዛመድ እቲ ጉጅለ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ፡ እሞ ድማ ካብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታቱ ንዝሃደሙ መንእሰያት ስድራቤቶም 50 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍሉ  የገድድ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ከኣ “ውላድኩም ኣይከተተን” ብዝብል ስድራቤቶም ክኣስርን ኣባይቶም ዓጽዩ ከከላብቶም ከም ዝጸንሐን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ዘጋርዲያን/THE GUARDIAN ዝተባህለት ዕለታዊ ጋዜጣ ዓብይ ብሪታንያ፡ ኣብ ሱዳን ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣስታት 3500 ብህግደፍ ብሓይሊ ተወሲዶም፡ ዝተወሰኑ ካብኣቶም ከም ዝተኣስሩ ኣብ ናይ 7 ጉንበት 2023 ሕታማ ከሲሳ። እታ ጋዜጣ ከም ዘስፈረቶ፡ ካብዞም ብሓይሊ ዝተወስዱ ኤርትራውያን 95 ሽዑ ንሽዑ ኣብ ከተማ ተሰነይ ከም ዝተኣስሩን ካብኣቶም 9 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ነቲ ኩነታት ክከታተልዎ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ነጠፍቲ ሰብኣዊ መሰል ብምጥቃስ  ጽሒፋ። ካብዞም ዝተኣስሩ ዝተወሰኑ ንህግደፍ ክቃወሙ ዝጸንሑ ምዃኖምን እቶም ዝተረፉ ግና ኣብ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ውትሕድርና ኣገልጊሎም ዝተሰዱ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቶም ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኤርትራውያን ካብ ከተማ ካርቱም ነታ ጋዜጣ ከም ዝገለጹላ፡ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ተዓቚበምሉ ዝነበሩ መደበር ብኣውቶቡሳት ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳናንን ናብ እትርከብ ኣፍደገ 13/ Gate 13 እትበሃል ቦታ  ከም ዝተወስዱን፡ ድሕሪኡ ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ከምርሑ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ከም ዝተገደዱን ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ውግእ ካርቱም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ናይታ ከተማ 9 ኤርትራውያን ከም ዝሞቱ ኣብታ ጋዜጣ ተጠቒሱ።

ሓደ ኣብ ውትህድርና ኤርትራ ዘገልገለ ሓዉ ተገዲዱ ናብ ኤርትራ ዝተወስዶ ኤርትራዊ፡ ነታ ጋዜጣ ከም ዝጠቐሰላ፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ስድራቤት ናይቲ ብሓይሊ ዝተወስደ ግዳይ፡ ኣብ ኣስመራ ሓቲቶም ደሃይ ስለ ዘይረኸቡ፡ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ሓቢሩ። ካልእ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተለ ኤርትራዊ ብወገኑ፡ እዞም ተገዲዶም ምስተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ግዳያት ንሓዋሩ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከየጋጥሞ ዝሓደሮ ስግኣት ከም ዝጠቐሰላ እታ ጋዜጣ ኣስፊራ፡

ኣብ መደበር ስደተኛታት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ነቶም ስደተኛታት ዝነበሮም ቀረብ ከም ዝተወደአ ነጊረምዎም ከም ዝነበሩን  እቲ ኩነታት ካብቲ ቦታ ክወጹ ከም ዘገደዶምን ሓደሓደ ካብቶም ስደተኛታት ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን ከኣ ካብ ካርቱም ናብ ደቡብ ሱዳን ክኸዱ ዝፈተኑ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ናብ እትርከብ ከተማ ዋዩ ንምብጻሕ ጥራይ ብነፍሲ ወከፍ 410 ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ኣብ ከተማ መተማ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ካብኡ ከይቅጽሉ ብሓይልታት ጸጥታ ናይታ ሃገር ከም ዝተኸልከሉ  ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን መብዛሕቶም ደገፍቲ ናይቲ ብ2019 ዝተወገደ ስርዓት ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሺር ምዃኖም ዝንገረሎም ሱዳናውያን፡ ብ4 ጉንበት 2023 ኣብታ ወደባዊ ከተማ ዝርከቡ  ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርዘስ ካብ ሱዳን ክወጽኡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ተሓቢሩ። እቶም ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ድሕሪ ኣብ ካርቱም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ጀነራላት ውግእ ምብርዑ ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ኮይኖም ኩነታት ዝከታተሉ ዘለዉ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

እቶም ካብ ክለብ ኣሉምኒ ተበግሶም ክሳብቲ እቶም ልኡኽ ዝነበርዎ ከባቢ ኮራል ሆቴል ዝበጽሑ ሰልፈኛታት፡ ኣንጻር ሕቡራት ሃገራት ጭረሖታት እናቃልሑ፡ ንኢድ ምእታው ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተቓውመኦም ኣስሚዖም። ምንጭታት ካብቲ ቦታ ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበርዎ፡ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ናይቲ ሰልፊ ደገፍቲ ዑመር ኣልበሽር ኮይኖም፡ ኣካላት ባይቶ ዓሌትባይቶ  በጃን ናጻ ጉጅለታትን’ውን ከም ዝነብርዎም ጠቒሶም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካርቱም ኣንጻርቲ ናይ 25 ሕዳር 2021 ዕልዋ ሰልፊ ዝወደቡ ኣካላት ከም ዝርከብዎ እውን ተሓቢሩ።

ብኣንጻርዚ ወሃቢ ቃል ዓሌት በጃ ሰይድ ኣቡ ኣምና፡ ኣብቲ ምኹናን ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኢድ ከምዘየብሉ ብምጥቃስ ተቓውመኡ ከም ዘስመዐ ተገሊጹ። እንተኾነ ህላወ እቶም ልኡኽ  ኣብቲ ዞባ፡ ንፖለቲካዊ ተሳትፎ፡ ኣብ ውሱናት ወገናት ምድራቶም ከምዘይድግፍዎ፡ እቲ ወሃቢ ቃል  ሓቢሩ።

እዞም ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርዘስ ኣካልቲ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝርከብዎ ተበግሶ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ኮይኖም፡ ሓላፍነት ናይዚ ሰለስተኣዊ ተግሶ ድማ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሱዳናውያን ኩነታት ምጥጣሕ ጥራይ  ዝተደረ እዩ።

መዓልቲ ናጻ ፕረስ 3 ጉንበት ከም ዓንቀጽ 9 ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኮይና  ካብ እትእወጅ ሎሚ ዘበን  መበል 30 ዓመት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ነዛ ዕለት ኣመልኪቱ ብፌስቡክ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይዛ ዕለት ሓጺር መብርሂ ሂቡ። ኣብቲ መብርሂኡ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓሳባ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ” ምስ በለ፡ እዚ መሰል ዝኾነ ሰብ ብዘይዕንቅፋት ሓሳቡ ክገልጽ፡ ናይ ካለኦት ሓሳብ ክሰምዕን ዝኾነ ዓይነት መድያ ተጠቒሙ ሓበሬታ ክዝርግሕን መሰል ከም ዘለዎ ዘተቓልል እዩ ክብል ኣስፊሩ። ነቲ ኣጋጣሚ ጠጠቒሙ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብጽሒት  ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ክዓቢ ጻዕራ ከም ዝቕጽል ጠቒሱ።

ናይዛ ኣብኣ ብዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ መግለጺ ዝወጸላ ዘሎ ኤርትራ፡ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ኣብ 2021፡ ኣብ ፖለቲካዊ መሰል 1 ነጥቢ ካብ 40፡ ኣብ ሲቪላዊ ናጽነት ድማ 1 ነጥቢ ካብ 60 ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ። ናይ 2022 ደረጀኣ እውን ዳርጋ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ናጽናት 1 ነጥቢ ካብ 40፡ ኣብ ሲቪላዊ መሰል ድማ 2 ካብ 60 ኮይኑ፡ ብድምር ክረኣይ እንከሎ ብቕደም ሰዓብ 2%ን 3% ኮይኑ፡  ዝሓመቐ ደረጃታት ተባሂሉ ዝሰፈር እዩ።

ኣብቲ ዘይተተግበረ ሕገ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ናጽነት ፕረስ ዝሰፈረኳ እንተሎ፡ ብሰንኪ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብፍላይ ካብ 2004 ኣብ ኣዝዩ ጥቡቕ ምቁጽጻር ወዲቑ ዘሎ ምዃኑ ነዚ ብዝምልከት ብደረጃ ዓለም ዝተገብሩ መጽናዕትታት የቃልዑ።

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገኑ ፡ “ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት” ዝተባህለ ትካል ተወኪሱ ከም ዝጠቐሶ፡ “ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ብሕቲ ፕረስ ዘየብላ ብሕታዊት ሃገር እያ” ብዝብል ይጠቕሳ። እዚ ትካል ዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት፡ ኣብ ናይ 2021 መጽናዕቱ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ እውን ብዝኸፈአ፡ “ኩለ-መዳያዊ ናጽነት ፕረስ ዝተሓረማ ሃገር” ከም ዝበላ ቢቢሲ ኣብዚ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣዘኻኺሩ። ቢቢሲ ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ወዳኢ፡ ብኤርትራውያን ናብ ውሽጢ ሃገር  ዝፍነዋ መዲያታት ብምጥቃስ፡ ነቲ ህዝቢ መማረጺ ይኾነኦ ከም ዘለዋ ኣስፊሩ።

ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ሱዳናውያን ጀነራላት፡ ካብ 4 ክሳብ 11 ጉንበት 2023 ዝጸንሕ ናይ 7 መዓልታት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከካይዱን ንቀጻሊ ሰላማዊ መፍትሒ ዝዛተዩ ወከልቶም ክልእኩን ከም ዝተሰማምዑ ተገሊጹ። ነዚ ዝገለጹ ናይ ደቡብ ሱዳን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብ2 ጉንበት 2023 ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እዮም። እቶም ሚኒስተር እቲ ስምምዕ፡ ፕረሲደንት ሳልቫኬር ምስ ኣዘዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣዛዚ ተወርዋሪ ረዳኢ ሓይሊ ጀነራል መሓመድ ሓምዳንን ብተናጸል ብተለፎን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ ዝተበጽሐ ምዃኑ ጠቒሶም።

እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደቡብ ሱዳን፡ ፕረሲደንት ሳልቫከር ክልቲኦም ኣዘዝቲ ውግእ ኣህዲኦም ናብቲ ቀጻሊ ሰላም ዘምጽእ ዘተ ዝሳተፉ ወከልቶም ክስይሙ ኣትሪሮም ከም ዝጸውዑ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ምስዚ ኣተሓሒዞም ድማ፡ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣብቲ 7 መዓልታት ዝጸንሕ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ወከልቶም ናብ ዘተ ንምልኣኽን ቅሩብነት ከም ዘርኣዩ ኣፍሊጦም።

እቲ መግለጺ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ ብኣላይነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሳዑዲ ዓረብያን ዝካየድ ኮይኑ፡ ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ክልቲኦም ኣብ ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ብዛዕባ ቀጻሊ ምቁራጽ ተኹሲ ንክሓስቡ ኣዘኻኺሮም። ንኹሎም እቶም ኣብ ሱዳን ዘተ ክካየድ ክጽውዑ ዝጸንሑ ወገናት ድማ ኣመስጊኖም።

ሱዳን ትሪቡን ብወገና ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ እቲ ብመሪሕነት ኢጋድ ኣብ ጁባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ  ዘተ፡ ብኣላይነት ኣሜሪካን ሱዕድያን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ሳዑድ ዓረቢያ ከም ዝጅመር ኣስፊራ።

ሱዳናዊ መራሒ ናይቲ ደሞክራሲ ዝድግፍ ጥምረት ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን፡ ያሲር ዓርማን ብወገኖም፡ ኣብ ናይ ትዊተር ሕሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ መልእኽቲ፡ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ጀነራላት ናብ ሰላም ምምርሖም ዝድገፍ ምዃኑ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣብቲ ውግእ ዘይካየደሉ ከባቢ ዝርከቡ ሱዳናውያን ክልቲኦም ወገናት ናብ ዘተ ንክቐርቡ ንምድፋእ ሰፋሕቲ ሰልፍታት ከካይዱ ጸዊዖም።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ26 ማዝያ 2023 ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ “ኣብ ውግእ ኣትዮም ዘልዉ ሱዳናውያን ወገናት፡ ብህጹጽ ውግእ ጠጠው ኣቢሎም፡ ጉዳዮም ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ዘተ ንክፈትሑን ኣብታ ሃገር ተኾሊፉ ዘሎ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስጋር መስርሕ ክቕጽልዎን፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዝተፈላለያ ሃገራትን ግዜ ከይበልዑ ናብ ዙርያ ጠረጴዛ ክቐርቡ ንዝቐረበ መጸዋዕታ ንድግፍ”  ከም ዝበል ዝዝከር እዩ።

Page 17 of 136