ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥሪ 2024፡ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣቦመንር ሰዲህኤ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና ” ኢሉ። ሓድሽ ዓመት ናይ ዓወትን ኣሳልጦን ክትከውን ዘለዎ ተስፋን እምነትን ድማ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣጀንዳ ኣኼባ ኣፋሊጡ፡ መበገሲ ዝኾኑ ኣገደስቲ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ዞባውን እውናዊ ሓበሬታ ሂቡ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብኹለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ኣቐዲሙ ዝቐረበን ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ዝሃብሉን ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ ኣድላይ ዝበሎ ምምሕያሻት ገይሩ ከም ናይ ሰልፊ ሰነድ ኣጽዲቑ። ኣብቲ ነዚ ጸብጻባት መሰረት ገይሩ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ብመንጽርቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ዓመታዊ ትልሚ ብነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ክዕመሙ ብዛዕባ ዝግበኦም መጻኢ መደባት ኣቕጣጫ ኣትሒዙ። ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስረሓት እኹል ሓበሬታ ዝረኽብሉን ተሳትፈኦም ዘበርኽሉን መድረኻት ምጥጣሕ ኣድላይ ምዃኑ ከኣ ኣሚቱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት ገይሩ፡ እቲ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ዝካየድ ዘሎ ጻዕርን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ኣተባቢዑ። ዝያዳ ዝሰፍሐ ናይ ሓባር መድረኽን ምቅርራብን ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ሰዲህኤ ኣብ መጻኢ እውን ብዘለዎ ዓቕሚ ክደፍኣሉ ከም ዝኾነ ከኣ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።
ኣብ ርእሲዚ፡ ኣኼባ ኣብ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ተመስሪቱ፡ ብዛዕባ ኣገደስቲ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ፈጻሚ ሽማግለ ብሓፈሻ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝነኣድ ደረጃ ከም ዘሎን እዚ ተሳትፎ ኣባላት ቀጻሊ ከም ዝኸውንን ርኡይ ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ምስቲ ዘለናዮ መድረኽ፡ ብፍላይ ኣብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆናን ኣብ ዞናና ዝረአ ዘሎ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዕባለታትን ተደራራቢ ሰልፋዊ ዕማማትን ንዝያዳ ኣበርክቶን ተሳትፎን ቅሩብ ምዃን ከም ዘድሊ ተገንዚቡ።
ኣኼባ ኣብ መወዳእታ ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ዝለዓለ ናህሪ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብክብደት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምንዋሕ ቃልስን ከይሰልከዩ እቲ ጭቆና ንምውጋድን ሕገመንግስታውን ህዝባውን ስርዓት ንምትካልን ብሓባር ቃልሶም ከሕይሉ ጸዊዑ።
ኣምበሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እስጢፋኖስ ሃብተማርያም፡ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከም ዝተኣዘዘ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣፍሊጣ። ንኣስታት 30 ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዝጸንሐን ኤርትራን ዓብይ ብሪጣንያን ብዛዕባዚ ቢቢሲ ዝሃብቶ ሓድሽ ምዕባለ ዝሃበኦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።
መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ህግደፍ ኣብ ለንደን፡ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኤምባሲ ተግባሩ ከምዘየቋረጸ ብምጥቃስ፡ ንኣምበሳድር እጢፋኖስ ተኪኡ ቆንስላዊ ተልእኮ ዝፍጽም ዘሎ ሳልሕ ዓብደላ ዝተባህለ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ ብሪጣንያ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት፡ ኤርትራ ካብ ለንደን ናብ ኣስመራ ተመዚዙ ዝነበረ ኣምበሳደር ብሪጣንያ፡ ጉቡእ ምኽንያት ብዘይምሃብ ናብ ኣስመራ ክጐዓዝ ብዘይምፍቃዳን መግስቲ ብሪጣንያ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት ናይቲ ኣብያ ክፈልጥ ዝገበሮ ጻዕሪ ብዘይምዕዋቱን እዩ።
ካብ ኤርትራ ብዛዕባዚ ጉዳይ “መብርሂ ሓቲተ መልሲ ኣይረኸብኩን” ዝበለ ቢቢሲ፡ ኣምበሳድር እስጢፋኖስ ሃብተማርያም ኣብ ብሪጣንያ ብኣምበሳድርነት 8 ዓመታት ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ካብዚ ቀረባ ዓመታት ድማ ደሪቡ ናይ ኣየርላንድ ኣምበሳድር እውን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ካብ ዝነቕፋ ሃገራት ኤውሮጳ ሓንቲ እያ። ብዘይካዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣምበሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ “ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣለዋ” ዝብል፡ ተሪር መልእኽቲ ብምትሕልላፉ ኣምበሳደ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራ ብሓለፍቲ ህግደፍ ተጸዊዑ ከም ዝተሓተ ዝፍለጥ እዩ።
ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ኣካይዱ *ኣኼባ ሚኒስተራት ዓረብሊግ መግለጺ ኣውጺኡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብሊግን ብ17 ጥሪ 2024 ብጉዳይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኣኼባ ኣካይዶም መግለጽታት ድማ ኣውጺኦም።
ኣኼባ ኮሚተ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምኽታም መሰማምዒ ሰነድ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ኣባልቲ ሕብረት ዝኾና ኢትዮጵያን ሶማሊያን ካለኦት ኣባል ሃገራትን ልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ናጽነትን ንክዕቀብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘለዎ ዘይቅየር መርገጽ ኣነጺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠባ ጸዊዑ።
እቲ መግለጺ ኩሎም ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብመንጽር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ሃገራት ኢድ ዘይምእታው ክሕዝዎን ብዓለም ለኻዊ ሕግታት ክቕየዱን ጸዊዑ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋቂ፡ ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ቅድም ፕረሲደንት ናይጀርያን ኤሊሶጉ ኦባሳንጆ ንክልቲአን ሃገራት ከመያይጡን ናብቲ ሕብረት ቀጻሊ ጸብጻባት ከቕርቡን ንክመዝዎም ጸዊዑ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ዓረብ ሊግ፡ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ዝተዋህቦ መግለጺ ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንሶማሊያ ዘለዎ ዕዙዝ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ነቲ ኣስፋሕፋሒ ዝበሎ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ብትሪ ኮኒንዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ዓለም ለኻዊ ሕግን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ዝጥሕስ እዩ ኢሉ፡ ሶማሊላንድ ዓለም ብዝፈልጦ ኣካል ግዝኣት ሶማሊያ እያ ኢሉ።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ ሶማሊያ፡ ብመሰረት ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ቻርተር ኣረብ ሊግን ንገዛእ ርእሳ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ጠቒሱ፡ ዓረብ ሊግ ድማ ኣብ ዝኾነ ሶማሊያ እትውስኖ ሱምቲ ኣብ ጐና ከም ዝስለፍ ኣረጋጊጹ። ሓድነት መሬታ፡ ማያን ሰማያን ኣብ ምዕቃብ ኣብ ጐና ከም ዝኸውን ከኣ ኣስፊሩ።
ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣንበሳድራት ሃገራት ዓረብ ሊግ ናይቲ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ኩነታት ክከታተሉ ከም ዝወሰነ ከኣ በቲ መግለጺኡ ኣረጋጊጹ።
ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፤ ብ17 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዋና ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳ እናበረረት ከባቢ ከተማ ጅጅጋ ምስ በጸሐት ናብቲ ዝተበገሰትሉ ኣዲስ ኣበባ ክትምለስ ከም ዝተገደደት ፍላይት-24/FLIGHT-24፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጣ። እዛ ነፋሪት ክትምለሰ ዘገደዳ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ክኸውን እንከሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ካብ መቃድሾ ወሳኒ ፈቓድ ከይሓተተት ጉዕዞ ስለ ዝጀመረት ምዃኑ ተፈሊጡ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ ነዚ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ብርግጽ እታ ናብ ከተማ ሃርጌሳ ትጐዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ካብ መንገዲ ተመሊሳ እያ፡ ናይ ምምላሳ ምኽንያት ድማ ካብ ሰብ መዚ መንገዲ ኣየር ሶማሊያ ፈቓድ ስለ ዘይነበራ እያ” ከም ዝበለ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ብወገና ኣፍሊጣ።
ካብ ራዳር ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ብዘካታ ካብ ጉዕዞ ዝተመልሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካልእ፡ ብሰብ መዚ መቃድሾ ኣፍልጦ ዝተሃብዋ ብስሩዕ ቁጽሪ በረራ ኢቲ-372 ዝተመዝገበት ብቲ ዕለት ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ሃርጌሳ ዓሪፋ እያ። እታ ብዘይፈቓድ ናብ ሶማሊላንድ ክትኣቱ ክትብል ዝተኸልከለት ሃቪላንድ-400 ዝዓይነታ ነፋሪት ከኣ ብቒጽሪ በረራ ኢቲ- 8372 ዝተመዝገበት ምንባራ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ብዛዕባ ዝርዝር ምኽንያትን ኣብታ ዝተመልሰት ኣብታ ፈቓድ ዘይነበራ ነፋሪት ዝነበሩ ተሳተፍቲ መንነት ዝርዝር መብርሂ ክህብኳ ፈቓደኛ እንተዘይነበረ፡ ድሕሪ ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገብረ ምርድዳእ ግና ተመሊሳ ጉዕዞኣ ከም ዝቐጸለት ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ትራንስፖርት ሶማሊያ ግና እታ ነፋሪት ላዕለዎት ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ኣሳፊራ ዝነበረት ምዃና ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገ ድማ፡ ገለ ወገናት፡ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሶማሊያ ምስላፋ፡ መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ እትገብሮ በረራ ከይተቋርጽ ስግኣት ከም ዘለዎም ይገልጹ ኣለዉ።
ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን መንግስቲ ሱዳን፡ ኢጋድ ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕን ምስሕሓብ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ንምርእይ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣኼባ ዘይሳተፉ ብሰንኪቲ ኢጋድ ኣብ ውሽጣዊ ኩንነታት ሱዳን ዘርኣዮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሲዳን፡ ብ16 ጥሪ 2024 ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ እዋናዊ ፕረሰደንትነት ኢጋድ ሒዛ ዘላ ጅቡቲ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ብዛዕባቲ ሱዳን፡ ካብ ኣኼባ ኢጋድ ንምግላል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ከም ዝገለጸሉ ተፈሊጡ። ሱዳን ነዚ ሱጉምቲ ዝወሰደት ጅቡቲ ከም እዋናዊ ፕረሲደንት ኢጋድ፡ ቅድሚ ምስቲ ብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ልኡላዊ መንግስቲ ሱዳን ምምይያጥ፡ ንኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ካምፓላ ክሳተፍ ምዕዳማ እዩ።
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብቲ መግለጺኦም፡ ሃገሮም ትወስዶ ዘላ ናይ ዘይምስታፍ ስጉምቲ፡ ቻርተር ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝሰርሕሉ ዘለዉ ልሙድ ኣገባብን ዝጥሕስ ብምዃኑ ኣትሪሮም ጠቒሶም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎ ብኸምዚ ኣገባብ ኣፍልጦ ረኺቡ ናብቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሱዳን ምዕዳሙ ከም ዘጸቖጠዖም ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ወጻኢ ጉዳይ ሚስተር ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ መበል 42 ፍሉይ ኣኼባ ኢጋድ ካምፓላ ዘይሳተፈሉ ምኽንያት ክገልጹ እንከለዉ፡ ኢጋድ ናብዚ ውድቀት ዝበጸሐ ነቲ መራሕቲ ኢጋድ ኣብ መበል 41 ኣኼባኦም ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ብርሃንን ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ደጋሎ ብኣካል ንምርኻብ ዝኣተውዎ ቃል ከዕውት ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ጠቒሱ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካብቀዳም 13 ጥሪ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ቀንዲ ዛዕባ ኣኼባ ግዜን ኣገባብን ጉባኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ምዉሳንን ጉባኤ ንምድላው ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምምራጽን እዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ ሰዲህኤ ብተደጋጋሚ ተሰሪሑሉ ናይ ሰልፍና ባህሊ ኮይኑ ዘሎ ሓጻዪት ሽማግለ ምምራጽ ኣገዳሲ ዕማም ኣኼባ ኮይኑ ዉዒሉ። ዝርዝሩ ስዒቡ እኖሆ፡
- ኣኼባ ጉባኤና በየናይ ኣገባብ እንተካየድናዮ የርብሓና ዝብል ኣርእስቲ እኹል ግዜ ሂቡ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዓመት ብመራኸቢ ብዙሃን ክሰላሰል ተወሲኑ። ጉባኤ እተዳሉ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመሪጻ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ጉባኤ ዞባ ዕዉት ክኸውን ኩሉ ዘድሊ ጻዕርታትን ጎሽጓሽን ክተካይድ ስርሓ ብቕጽበት ክትጅምር እያ።
- ከም’ቲ ልሙድ ሓጻዪት ሽማግለ ብሰለስተ ኣባላት ቆይማ። ብቕዓት ዘለዎም ዞባ ክመርሑ ዝኽእሉ ምእንቲ ኣብ ጉባኤ ክምርጹ ኩሉ ዘድሊ መምርሒታት ኣናዘርገሐት ክትጽዕር እያ።
ብድሕሪ’ዚ ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ኩሎም ኣባላት እጃሞም ክበርክቱ ከምዝግባእ ለበዋ ተዋሂቡ ኣኼባ ብጽቡቕ መንፈስ ተዛዚሙ።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይቲ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ዓሊ ኣል ሳዲቕ ኣብ መንጎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝን ኣዛዚ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ኣሕመድ ደጋሎን ንዝተገብረ ናይ ቴለፎን ርክብ መንግስቶም ከም ዝነጽጎ ገሊጾም። እቲ ርክብ ወገን ጀነራል ዳጋሎ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ናይ ፕሮፓጋንዳ መሳርሒ ከም ዝጥቀመሉ’ውን እቶም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሮም።
እቶም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሱዳን ነዚ ተቓውመኦም ነቶም ንመጀመሪያ ግዜ ዝረኸብዎም ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ሱዳን ዝተመደቡ ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ራማታነ ላማምራ ከም ዝገለጽሎም እቲ ዜና ኣፍሊጦም። እዞም ሓድሽ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ሰዳን ናይ ቅድም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣልጀሪያ ዝነበሩ እዮም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ሚኒስተር ዓሊ ኣልሳዲቕ ኣብ መግለጺኦም፡ ድጋሎ ብሕቡራት ሃገራት ኮነ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈልጠ ግህሰታት ዝፈጸሙ ምዃኖም ብሰፊሑ ዘርዚሮም። ኣተሓሒዞም ድማ ከምዚ ዓይነት ኣፍልጦ ምሃቦም ንፕሮፖጋንዳ ዳጋሎ ዘሕይል ብምዃንኑ ክቋረጽ ጸዊዖም።
ጀነራል ዳጋሎ ብወገኖም ምስ ውና ጸሓፊ ጉተረዝ ከም ዝተራኸኡ ተኣሚኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሱዳን ብደብዳብ ነፈርቲ ጀነራል ኣሉርሃን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጉድኣትን ሰብኣዊ ረዲአት ናብ ዝምልከቶም ከይበጽሕ ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉን ጠቒሶም፡ ንወገን ጀንነራል ኣል ቡርሃን ከሲሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ጉዳይ ሱዳን ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ዘለዎም ርኢቶ ነቶም ዋና ጸሓፊ ከም ዝገለጽሎም ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኢጋድ ን18 ጥሪ 2024 መዲብዎ ዘሎ ፍሉይ ኣኼባ ክልቲኦም ሱዳናውያን ጀነራላት ክራኸኡኳ ትጽቢት እንተለዎ፡ ተቐባልነት ምርካቡን ዘይምርካቡን ግና ዘጠራጥር እዩ።
ኢጋድ ነቲ ድሕሪ ኣብ መንጎ ፈደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ረፑብሊክ ሶማሊላንድ መረዳድኢ ሰነድ ምኽታሙ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሰማልያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥርን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ዝጀመረ ውግእ ሱዳንን ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ከም ዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ጅቡቲ ኣፍሊጡ።
ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ኢጋድ ጅቡቲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ኣኼባ ምስ መራሒ ኡጋንዳ ዩወሪ ሞሰቪኒ ብምርድዳእ እቲ ኣኼባ 18 ጥሪ 2024 ኣብ ከተማ ካምፓላ እዩ ክካየድ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ርእሲ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለም ለኻዊ ተሓባበርቲ ትካልትን እውን ንክሳተፉ ተጸዊዖም ኣለዉ።
ናይዚ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብዛዓባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብሰንኪ ምፍራም መረዳድኢ ሰነድ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝፍተሓሉ መንገዲ ከናዲ ትጽቢት ይግበረሉ። ኣብ ርእሲዚ እቲ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ብጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል ሓምዳን ደጋሎን ዝምርሑ ተቐናቐንቲ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ምቁራጽ ተኹሲ ንምብጻሕ ከም ዝጽዕር እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ እንታይ ከም እትብል ብዙሓት ክጽበይዋ ዝጸንሑ ቻይና፡ ብ11 ጥሪ 2024 ማኦ ኒንግ ብዝበሃል ወሃቢ ቃላ ኣቢላ ልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ከም እትድግፍ ኣፍሊጣ’ላ።
ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ክዕቀብ ጸዊዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ፡ ስተፋነ ዱጃሪክ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብ10 ጥሪ 2024 ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ዝድገስ ዘሎ ወጥሪ ምስ ፕረሲደንት ፈደራላዊ ረፐብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሸይኽ ማሕሙድ ብስልኪ ከም ዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃሎም ስተፋነ ዱጃሪክ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ክሊቲኦም ዝተገብረ ናይ ተለፎን ርክብ፡ በቲ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላድን ዝተኸተመ መሰማምዒ ሰነድ ዝሓደሮም ሻቕሎት ከም ዝገለጹ እቲ ወሃቢ ቃል ናይቶም ዋና ጸሓፊ ጠቒሱ። ኣብቲ ዝርርብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ እውን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ረፐብሊክ ሶማሊያ ንክዕቀብ ከም ዝድግፍ ኣረጋጊጾም።
ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ መወዳእታ፡ ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ረፖብሊክ ሶማሊያን ኣብ መንጎኦም ዝባላሕ ዘሎ ፍልልይ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ብሃናጽን ሓላፍነታውን ዘተ ንክፍታሕ ኣተሓሳሲቦም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሳልስቲ፡ ፕረሲደንት ሶማሊያ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ኤርትራን ግብጽን በጺሖም። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ናይታ ድሕሪ ሕጂ ብጉዳይ ሓጽቢ ኣባይ ምስ ኢትዮጵያ ከምዘይትዛተ ዝወሰነት ግብጺ ድማ፡ ናብ ኤርትራ በጺሖም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባቲ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ርኢቶ ዝሃቡ ሃገራትን ንሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ወሲኽካ ኩሎም ኣህጉራዊ ትካላት ንልኡላውነትን ሓድነትን ሶማሊያ ብምድጋፍ፡ “ጸገምኩም ብዘተ ፍትሕዎ” ዝበል እምበር፡ ንምኽታም እቲ ሰነድ ብቐጥታ ዝደገፈ የለን።
ኣብ ትግራይ 223 ሽሕ ተመሃሮ፡ ብሰንኪ ጥሜት ከየቋርጹ ኣስጊኡ’ሎ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤህንጻ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ መቐለ
ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ብሰንክቲ ድርቅን ውግእን ዘስዓቦ ጥሜት ኣብ 625 ኣብያተ ትምህርቲ ይመሃሩ ካብ ዘለዉ ተመሃሮ 223 ሽሕ ትምህርቶም ከየቋርጹ ኣስጊኡ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብተን ዝያዳ ብጥሜት ዝተጠቕዐ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ-ትምህርቲ ብውሕዱ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ንሓደ ተመሃራይ ብሕሳብ 12 ብር፡ መግቢ ናይ ምቕራብ መደብ ንምጅማር 365.1 ሚልዮን ብር ከም ዘድሊ ምግላጹ ቢቢሲ ሓቢራ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ትግራይ፡ ዶር ኪሮስ ጉዑሽ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክህልዉ እንከለዉ፡ እዞም ኣብ ሓደጋ ምቁራጽ ወዲቖም ዘለዉ ካብተን ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዘለዋ 36 ወረዳታት ዝርከባ 213 ቀበለታት ዝመሃሩ ዘለዉን ብመጽናዕቲ ዝተለለዩን ምዃኖም ከም ዝተረጋገጸ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ምስቲ ኣብ ትግራይ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎን ምስቲ ኣብ ትግራይ ብ1985 ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥሜት ከም ዝመሳሰልን ብምዝማድ፡ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ 50 ሚልዮን ብር ልቃሕ ሓቲቶም ከምዘለዉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብደረጃ ትግራይ ናይ ህጹጽ ቀረብ ኣካል ኣቚሞም ኣለዉ። ፈደራላዊ መንግስቲ ግና ኣብ ደርጃ እቲ ጥሜት ዝተፈልየ ሚዛን ከም ዘለዎን እቲ ዝተሓተ ዓቐን ገንዘብ ከምዘይተረኽበን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት ኣብ ትግራይ ህይወት ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ።
ናይቲ ክልል መራኸቢ ብዙሓን ክሳብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል፡ ኣዴታትን ህጽናትን ዝርከብዎም ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰባት ብጥሜት ይሞቱ ከም ዘለዉ ጸብጻባት የቕርባ ኣለዋ።
More...
ሚኒስተር ኣብዲጋኒ ማሕሙድ ኣቲየ፡
ሚኒስተር ምክልኻል ሶማሊላንድ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ብ7 ጥሪ 2024 ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ኣብዲጋኒ ማሕሙድ ኣቲየ፡ ነዚ ዝገለጸ፡ “ሆያል” ምስ እተባህለት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ተለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ እዩ። ሚኒስተር ኣብዲጋኒ ኣብቲ ቃለ መጠይቑ ካብ ስልጣን መልቀቒኡ ምኽንያት እቲ “”ዘይሕጋዊ” ዝበሎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ1 ጥሪ 2024 ዝፈረመኦ መረዳድኢ ሰነድ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስተር ነቲ ስምምዕ፡ “ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ጥራይ ዘይኮነ፡ መሬት እውን ንኢትዮጵያ ዝህብ እዩ” ምስ በለ፡ ፕረሲደንት ሙሰ ኣብዲ ቅድሚ ምኽታሙ ብዛዕባቲ መረዳድኢ ሰነድ ምስ ሚኒስተራት ከምዘይተመያየጠሉ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ሶማሊላንድ እውን ነቲ ስምምዕ ከምዘይተቐበሎ ጠቒሱ።
ሃበርለር /HABERLER.COM/ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብወገና ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ ዝወሰነ፡ ብ7 ጥሪ 2024 ህዝቢ ቦራማ ኣብ ዝተባህለት ቦታ ትውልዱን ዋና ከተማ ኣውራጃ ኣውዳልን ኣንጻርቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ መረዳድኢ ሰነድ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምስ ኣካየደ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ነቲ ምኽታም መረዳድኢ ሰነድ ብተሪር ተቓዊሙ ኣዊጁ ከብቅዕ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዘይሕጋዊ ዝገብሮ ሕጊ ኣጽዲቑ። ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድማ ብ8 ጥሪ 2024 ናብ ኤርትራ ኣቕኒዑ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ሓድሽ ዓመት 2024ን ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ከኣ ንኣመንቲ ክርስትና፡ እንቋዕ ኣብጻሕኩም ኣብጽሓና እንዳበለ፣ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት “ዝሓለፍናዮ ጽንኩር ኩነታት ይኣክል” ዝብል፡ ንኹልቲ ኣወንታታት ድማ ዝዕቅብን ዘማዕብልን ኰይኑ፡ ኣብ ከባቢና ተወሊዑ ንዝጸንሐ ኣዕናዊ ውግእ ብዘተኣማምን ደረጃ ዘብቀዓሉ፡ ዝተፈለመ ናይ ሰላም መስርሕን ሓባራዊ ስራሓትን ድማ ብዓወት ዝዛዘመሉ ክኸውን ምንዮትና ንገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ንኹሉ’ቲ ከም ህዝቢ ዝወርደና ዘሎ ጉድኣትን ምክልባትን ተሳዒሩ፡ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ምንዮትና እዩ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
7 ጥሪ 2024
ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከ ብ4 ጥሪ 2024 ንናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዘርጊሖም። ንሶም ከም ዝገለጽዎ ባይቶ ሃገሮም ብ1998 ዓለምለኸ ናጽነት ሃይማኖት ዝምልከት ቀዋሚ ሕጊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንምሕያሉ ይስረሓሉ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
ከም ኣካል ኣይቲ ምእንቲ ናጽነት ሃይማኖት ዘለዎም ተገዳስነት፡ ንኤርትራ፡ በርማ፡ ቻይና፡ ኩባ፡ ኢራን፡ ኒካራጉዋ፡ ፓኪስታን፡ ሩሲያ፡ ስዑዲያ፡ ታጂክስታንን ቱርከሚስታንን ከም ኣብነት ሕሱም ሃይማኖታዊ ጥሕሰት ናይ ዝፈጸማ ሃገራት ከም ዝፈልጥወን ሓቢሮም። ብዘይካዚ ንኣልጀርያ፡ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮሞሮስን ቬትናምን ከም ብፍሉይ ምክትታል ዝግበረለን ሃገራት ከም ዝመዝገብወን ሓቢሮም። ጉዳይ ኣልሸባብ፡ ቦኮ ሃራም፡ ኣይሲስን ከምኣቶም ንዝኣመሰሉ ጉጅለታትን እውን ምክትታል ከም ዝገብሩ ጠቒሶም።
ኣብዚ ዝርዝር ብዘይተጠቕሳ ሃገራት እውን ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝፈጸም ዝጠቐሱ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ መግስታት፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ዓለም ዝፍጸም፡ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ሰዓብቲ ሃይማኖት ዘለዎም ማሕበረ-ኮማትን ኣብያተ-እምነቶምን ዝፍጸም ጥሕሰታት ንኽከላኸሉ ጸዊዖም። ከምኡ እውን ብሰንኪ ብሰላማዊ ኣገባብ ምግላጽ ሓሳብካ ንዝፍጸም ናይ ነዊሕ ግዜ ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ተኸተልቲ ሓደ እምነት ኣንጻር ካልኦት ኣመንቲ ንዝግበር ምልዕዓል ክቆጻጸርዎ ይግባእ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣንጻር ናጽነት ሃይማኖት ዝፍጸም ጥሕሰታት፡ ትካላዊ፡ ሜላውን ኣዕሚቑ ዝሰረጸን እዩ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስቶም ዝጸዋወሩን ጽልኢ ዘይድግፉን ወገናት ኮይና፡ ሓደ እዋን ህዝብታት ኩሉ ክብሮም ዝሕለዉላ ዓለም ክንሃንጽ ኢና ኢሎም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ካብ 4 ክሳብ 11 ጥሪ 2024፡ ኣብ ሃገራት፡ ቱርኪ፡ ግሪክ፡ ኣማን፡ ጆርዳን፡ ኳታር፡ ዱባይ፡ ኢማራት፡ ሱዕዲያ፡ እስራኤልን ዌት ባንክን ዑደት የካይዱ ኣለዉ።
ናብ ኤርትራውያን ዘቕነዐ ከይከውን ዘሰክፍ መግለጺ ኢሚግረሽን ኢትዮጵያ፡
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሰላማዊት ዳዊት፡ ዳይረክተር ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ
ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡ ኢትዮጵያውያን ይኹኑ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ወጽእተኛታን ብዛዕባ ሕጋውነት ክሕዝዎ ዝግበኦም ናይ መንነት ሰነድን መንበሪ ፈቓድን ዝምልከት ተሪር መግለጺ ብ4 ጥሪ 2024 ኣውጺኡ። እቲ ትካል ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ዝተገደደ ኣብታ ሃገር ብዘይሰነድ ከምኡውን ሕጋዊ ብዘይኮነ ሰነድ ዝነብሩ ሰባት ከም ዘለዉ ስለ ዘረጋገጸ ምዃኡ ኣፍሊጡ።
ሰላማዊት ዳዊት ዳይረክተር ኢሚግረሽን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሓት ወጻእተኛታት፡ ብዘይሕጋዊ ግዝያዊ ይኹን ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ፡ ፓስፖርት፡ ቪዛን ካልእ ሰነዳትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ናይታ ሃገር ይነብሩ ከምዘለዉ ሓቢራ። ካብቶም ዘይሕጋውያን ዝበለቶም፡ 18 ሺሕ ዘይሕጋዊ ግዝያዊ መንበሪ ፈቓድ፡ ዝያዳ 1,500 ዘይሕጋዊ ቪዛን 1,800 ብዘይሕጋዊ ንትውልደ-ኢትዮጵያ ዝወሃብ ፍሉይ ሰነድን ሒዞም ይነብሩ ከም ዘለዉ ጠቒሳ።
ምስዚ ብተተሓሓዘ ኩሎም ዘይሕጋዊ ሰነድ ሒዞም ዘለዉ ወገናት፡ ካብ 10 ጥሪ ክሳብ 8 ለካቲ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቦም ሕጋዊ ከልብስዎ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሕጋውያን ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣፍሊጣ፡ እቲ ስጉምቲ እንታይ ከም ዝኸውን ግና ኣይጠቐሰትን።
እዚ መግለጺ ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እተን ሃገራትን ዝምዕብል ዘሎ ሕማቕ ዝምድና፡ እቲ መጠንቀቕታ ዝያዳ ናብ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዘቕነዐ ከይከውን ብዙሓት ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይተን ሃገራት ሕማቕ ዝምድና፡ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወጽእተኛታት ኤርትራውያንን ሶማሊውያንን ዝበዝሐ ኣሃዝ ዝሕዙ እዮም። ብፍላይ ሶማላውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንእሽቶ መቃድሽ” ክሳብ ምባል ዝበጸሐ ከባብታት ኣለዎም።