ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ፡ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ኣይትፈጽም

2026-02-01 10:02:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 126 times

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብን ኤርትራ ክውንን ላዕልን ታሕትን ካብ ዝብል፡ 2ተ ዓመታት ኣሕሊፉ’ሎ። ትርጉም ሕቶኡን ኣተገብራኡን ዘይብርሁን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝለዋወጥን’ኳ እንተመሰለ፡ እናወዓለ እናሓደረስ፡ ፈኸራኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓይሊ ከም ዝጥቀም ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ደርጒሕዎ  እዩ። እቲ ዓመጹ ዘይተርፍ ምዃኑ ንምንጻር ከኣ “እንተ ብቦሌ እንተ ብባሌ ክንትግብሮ ኢና” ክብል ዓለም ሰሚዓቶ እያ። ነዚ ዘይሕጋዊ ዘይታሪኻውን ዘይሓላፍነታውን ሃቐንኡ፡ “ኣይከምኡን” ዝበሉዎ ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ነቲ ኩነታት ከም መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ክትቀመሉ እውን ስለ ዝደሊ፡ እዝኒ ክህቦም ፈቓደኛ ኣይኮነን።

ነቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልኡላዊ ጐረባብቲ ሃገራት ምዃነን ዘነጽር፡ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስመር ከም ዘየኽብሮ ክእውጅ እንከሎ፡ ከም ናቱ ሞዴል ክወስዶም ዝጸንሐ፡ ድፍረት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ወራር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤምን ከፈራረሓሎም ዝጸንሑ እዮም። ካብዚ ሞዴልነት ብምንቃል እዩ ከኣ፡ “ኤርትራ ኣብ ልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ተዋግያ፡  ዘድልየና ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን እንተዘይሂባትና፡ ብሓይሊ ወሪርና ምስ ሓዝናያ ኣብ ጐና ዝስለፍ ሓይሊ የልን” ኢሉ ከሽካዕልል ክንከታተሎ ዝጸናሕናን ዘለናን። እዚ ኣቀራርብኡ ከምቲ “ብዕራይሲ ዝበልዖ ሳዕሪ እምበር ዝጽበዮ ገደል ኣይረኣዮን” ዝበሃል፡ ምስ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብን ዓለም ለኻዊ ሕግታት  ከም ዘባእሶ ዝተረደአ’ውን ኣይመስልን።

መንግስቲ ብልጽግና ኤርትራ ካብ ምውራር ንድሕሪት ከምዘይብል ከፈራርሕ እንከሎ፡ ደጋጊሙ “ፈለግ ኣባይን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ” ብዝብል ቃና እዩ ህዝቢ ዘሰናብድን ዘርዕድን። ኤርትራ ሃገር ዝኾነትሉ ታሪኽ ጌጋ ስለ ዝነበረ ከነእርሞ ኢና።“ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ’ኳ 30 ዓመታት እንተወሰደላ ንሕና ግና ንምእራሙ ክንድኡ ዓመታት ኣይክወስደልናን እዩ” ምባሉ እውን ካልእ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ውዕላትን ቻርትራት ዘለዎ ንዕቀት የርኢ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ፡ ነቲ በዓል ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ “ዝተዓጽወ ፋይል እዩ” ብዝብል ኣጸንቢሎም ኣራጢጠምሉ ዝነበሩ ጉዳይ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኢትዮጵያ ግብጽን “ክሽምግል እየ” ዝትሕተኡ መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ልኢኹ’ሎ። ነቶም ሰብ ጉዳይ ኢና ዝብሉ በዓል ኣብይን ጸለውቲ እዮም ንዝበሎም መራሕቲ  ሃገራት ስዑድያን ኢማራትን ከኣ ብቕዳሕ ኣፍሊጥዎም። ናይቲ ሽምግልና ተበግሶን ተልእኮን እንታይ ከም ዝኸውን፡ በቲ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ’ቲ መልእኽቱ “ኣብቲ ክቡር ማይ ፈለግ ናይል ሓንቲ ሃገር በይና ክትውስን ቅቡል ኣይኮነን” ክብል ዘስፈሮ ሓሳብ ምልክት ሂቡ’ሎ። ግብጽን ሱዳንን ነቲ ናይ ሽምግልና መጸዋዕታ ተቐቢለን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ጀሚሩ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ከም ዝድግፍኦ ሽዑንሽዑ ብሓጐስ ኣፍሊጠን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ከም’ዛ “ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ” ናይ ምቕባል ይኹን ናይ ምንጻግ  ድምጹ ኣይተሰምዐን። መንግስታዊ ዘይኮኑ ኢትዮጵያዊ ኣካላትን ባእታታትን ግና፡ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። ክቡር ነጋ ዝበሃሉ ኢትዮጵያዊ ምሁርን በዓል ሃብታም ተመኩሮን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጾም ብዛዕባ ደብዳበ ትራምፕ፡ ተበግሶ ፕረሲደንት ኣሜሪካ፡ ክትቅበሎ ኮነ ክትነጽጎ ኣጸጋሚ እዩ። ትራምፕ ሽምግልና ክብል እንከሎ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝምራሕን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝእለን ማለቱ ዘይኮነ፡ ዝበልኩኻ እንተዘይተቐቢልካ ኣብ ልዕሌኻ ስጉምቲ ክወስድ’የ ዝሕመረቱ እዩ።…..ሓይሊ ንስርዓት ክትክእ እንከሎ ድማ ትያትር እዩ ዝኽውን። ስምምዓትን ቻርተራትን ከኣ መልክዕ ጥራይ ኮይኖም ይተርፉ።” ዝበልዎ፡  ናይቲ ሻቕሎት ዕምቆት መርኣያ እዩ። ብልጽግና ንከጽቅጥ ኣገዲድዎ ዘሎ ካልእ ጉዳይ ከኣ “ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢ፡ ብገንዘባዊ ኣበርከቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ እዩ” ክብል ጸኒሑ ከብቅዕ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ግና ደጋጊሙ “ብገንዘብ ኣሜሪካ ዝተሃንጸ ፕሮጀክት እዩ” ይብል ምህላዉ እዩ ኢሎም ዝግምቱ ወገናት ብዙሓት እዮም።

ቲቦር ናጂይ ዝተባህለ፡ ሓደ እዋን ኣንበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለን ፈታዊ ኢትዮጵያ ጌርካ ዝውሰድን ተመራማሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ምስ ጋዜጣ ዘሪፖርተር (the reporter”)፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ዛዕባ ተበግሶ ሽምግልና ትራምፕ ንመንግስቲ ብልጽግና ምኽሪ ለጊሱ ኣሎ። ኣብቲ ምኽሩ፡ ምናልባት ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ብርኢቶይ ኣይሕጐሱን ይኾኑ፡ ድሕሪ ምባል፡ “ንፕረሲደንት ትራምፕ ወይ ምሳና ወይ ምስ ግብጺ ኩን ዝብል ሕቶ ኣይተቕርብሉ፡ ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ግብጺ ኣብ ወጻኢ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝያዳ ኢትዮጵያ ተመራጺት ስለ ዝኾነት” ይብል።

 እዚ ነቲ “ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ ሕማቕ፡ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ኣይትፈጽሞ” ዝብል ናይ ለባማት ብሂል የዘኻኽር። ብልጽግና እቲ ዓለም ለኻዊ ቀይሕ መስመር እናጠሓሰ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሓን ዘሎን ጃህራን ድፍረትን ኣቐሚጡ፡ ብዛዕባ ልኡላውነት ሩባ ኣባይ ክዛረበሉ ዝኽእሎ ሞራል ካበይ እዩ ከምጽእ። ናይ ምጽቃጡ ምስጢር እውን ካብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝህውጾ ዘሎ ናይ ሓሳብ ግጭት ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ።

 እንተ ብርኢቶና ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ማይ ኣባይ ኮነ ዓብይ ሕዳሰ ሓጽቢ ኢትዮጵያ፡ በቲ ብ1966 ኣብ ዋና ከተማ ፊንላንድ ሄልሲንኪ ብዝተኻየደ “ርክብ ብጉዳይ ማይ  (Water Convention)” ከም ዝጸደቐ ዝንገረሉ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሃገር ተሳገርቲ ሩባታትን ማያትን ክዳነ ይግበኦ ንብል።

Last modified on Sunday, 01 February 2026 11:06