ገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን፡ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023  ብሕማም ምኽንያት ከም ዝዓረፈ ተረዲእና ብመሪር ሓዘን ተቐቢልናዮ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን ስለ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ኤርትራ ዘበርከቶ ሰፍ ዘይብል ተወፋይነትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣገልግሎትን እናዘከረ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋልነቱ ይገልጽ።

ተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን፡ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኤርትራ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1971 ኣብ እዋን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ናብ ሜዳ ክስለፍ እንክሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ብመሃንድስነት ትምህርቱ ኣጠናቂቑ፡ ኣብ ፊያት ካምፓኒ ተቖጺሩ ጀሚርዎ ዝነበረ ስራሕ ጠንጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ድሕሪ ምስላፉ ኣብ ሃገራዊ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተሓኤ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ምምሕዳር ጸጥታ፣ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን፣ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዓቢ ብቕዓትን ብተወፋይነትን ኣገልጊሉ። ሓው ኸሊፋ ዑስማን ብዕምቈት ፍልጠትን፡ ብስፍሓት ፍልስፍናዊ ርእይቶን ዝፍለጥ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ዓረበኛ ዝመልኽ ዓቢ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክኢላ ተቐላሳይ ምንባሩ ዝምስከረሉ እዩ።

እንሆ እዋን ኣኺሉ፡ ኣብታ ምሉእ ዕድሜኡ ዝኸፈለላ ሃገር፣ ምስቲ ምሉእ ዕድሜኡ ዘገልገሎ ህዝቢ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህይወት ከስትማቕርን መሬት ሃገሩን ከረግጽ ዝተነፍገ ተጋዳላይ ኮይኑ ኣብ ግዳም ዓሪፉ ኣሎ።

ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ፡ ዑስማን ኣብ መላእ ስድራቤት፣ ቤተ ሰብን፡  መቓልስቲ ብጾቱን፡ ወሪዱ ዘሎ ሓዘን፡ ከቢድ ምዃኑ እናተረዳኣና፡ ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ይሃበና፡ ጠሉ ይግደፈልኩም ንብል።

ንተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን ከኣ መንግሰተ ሰማይ የዋርሶ!  

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር

ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ምቁራጽ ህውከትን ተጻብኦን ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላምን ፕሪቶሪያ ብዝምልከት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኤምባሲታት፡ ኣወስትራሊያ፡ ካናዳ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ጃፓን፡ ነዘርላንድስ፡ ኒውዘላንድ፡ ኖርወይ፡ ስዊደንን ዓባይ ብሪታንያን ነቲ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ኣፍልጦ ንምሃብ  ብ2 ሕዳር 2023 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን።

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ነቲ ስምምዕ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ፡ ኩሎም ወገናት ድሕሪቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ንዘርኣይዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ከም ዝህብ ጠቒሱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ድምጺ ብረት ዘቋረጸን ንቐጻሊ ሰላም እቲ ዞባ ባይታ ዘንጸፈን ምዃኑ ድማ ኣመልኪቱ። መግለጺ ኣተሓሒዙ እዚ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት፡ ነቲ ዝተረጋገጸ ዓወት ንምዕቃብ፡ ዝተረፈ ብደሆታት ንምንጻርን መጻኢ ኣበርክቶ ንምዝያድን ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ከኣ ኣንጸባሪቑ።

ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ መጻኢ ኣብ መዳያት፡ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን፡ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምይይጥ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ፡ ምምላስ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ፡ ምሕጋዝ ናይ ውግእ ግዳያትን ዝኣመሰሉን ዝያዳ ክስራሕ ከም ዝድግፍ እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።

እቶም ኤምባሲታት፡ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ሃገራቶም፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መሓዙት ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ይሰርሓ ከም ዘለዋ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ።  ዝምልከቶም ፈረምቲ ወገናት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ክሰርሑ ድማ እቲ መግለጺ ጸዊዑ።

ምዝካር ቀዳማይ ዓመት ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መንገዲ ሰላም ዝኸፈተ ምዃኑ ንምምልካት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ኩነታት እውን ብሰላም ንክፍታሕ ዘተባብዕ  ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብዛዕባ ዝተፈረመን ጌና ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦን ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላምን  ዝተፈላለዩ ወገናት ሚዛኖም ይህቡ ኣለዉ።

እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ውግእ በዚ ስምምዕዚ ስለ ዝተቛረጸ፡ ካብቲ እንተዝቕጽል ክስዕብ ዝነበሮ ተወሳኺ ህልቂትን ዕንወትን ዘድሓነ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝዓበየ ኣውንታዊ ገጹ ምዃኑ ናይ ብዙሓት እምነት እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ምቁራጹን ተኣሲሮም ዝነበሩ  ምፍተሖምን፡ ከም ኣገልግሎት ተለፎን፡ ባንክ፡ ሕክምና፡ ትራንስፖርትን ዝኣመሰሉን ናብ ንቡር ምምላሶምን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተመስሪቱ፡  ሓያሎ መንግስታዊ ትካላት ናብ ንቡር ምምላሶም’ውን  ከም ኣውንታዊ ውጽኢት ናይቲ ስምምዕ ዝግለጹ ዘለዉ እዮም።

ብኣንጻሩ በቲ ስምምዕ መሰረት ክትግበሩ ካብ ዝነበሮም፡ ከባብታት ወልቃይትን ራያን ናብ ምምሕዳር ትግራይ ዘይምምላሶምን እቶም ካብኡ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዘይምጥያሶምን ከኣ ካብቶም ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብኣሉታ ዝግለጹ ዘለዉ እዮም።  ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ውዕል መሰረት ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን መሊኦም ካብ ትግራይ  ዘይምውጸኦም ከም ዘይተተግበረ ነጥቢ ናይቲ ስምምዕ ዘዛርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ መስርሕ ትግባረ  ናይቲ ስምምዕ ክከታተል ብሕብረት ኣፍሪቃ ቆይሙ ዝነበረ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ቀልጢፉ ስራሑ ምቁራጹን ንጉዳይ ንምጽራይ ናይቲ ዝወረደ ጥፍኣትን ተሓታትነትን ዝምልከት ኣቓልቦ ዘይምሃብን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ በቲ  ስምምዕ መሰረት ሰራዊት ትግራይ በቲ ዝድለ ደረጃ ዕጥቁ ኣይፈትሐን ዝብል ስምዕታ ጌና ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

ድሕሪዚ ብኣወሃሃድነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ግዱሳት ሃገራትን ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብቶም ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ዘኸተለ ኮይኑ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ እውን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእተወ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ እዩ።

ሃላ ኣል-ካሪብ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክፉት ምይይጥ ሓሳባ እናቕረበት

ብመሰል ደቂ ኣንስትዮ እትሕለቕ፡ ሃላ ኣል ካሪብ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ብሰንክቲ 6ይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ይፍጸም ዘሎ ገበናት ውግእ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንከጽንዖ መጸዋዕታ ምቕራባ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደአ ሱዳ ትሪቡን ጠቒሳ።

ኣል ካሪብ ዞባዊ ዳይረክተር ተበግሶ ንጉዳይ ደቂ ኣንስቶ ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረበት ብ25 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ዝተኻየደ ክፉት ምይይጥ እዩ። ኣብቲ ክትዕ እታ ዞባዊት ዳይረክተር፡ እቲ ብቤት ምኽሪ ናይቲ ገበንናት ተሓተቲ ኣብ ምቅላዕ ንክሰርሕ ጸዊዓ። ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ምጽራይ ደረጃኡ ብዝሓለወ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ናጻን ዘይሻራ ብዘይብሉን ክኸውን ጸዊዓ።

ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ዝግበር ምጽራይን እገዳን፡ ኣብ ጉዳይ ጾታው ወሲባውን ዓመጻት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕተቱ ኣካላት ብንጹር ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ጸዊዓ። ኣል ካሪብ መግለጺኣ ብምቕጻል፡ ሚልዮናት ሱዳን ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ንብረተንን ከም ዝሰኣናን እተን ብህይወት ዝተረፋ ድማ መሰረታዊ ቀረባት ክረኽባ ከም ዘይከኣላ ዘርዚራ። ሕጂ እውን እቶም ካብቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ዓብላሊ ብጽሒት ዘለዎም ኣደታትን ህጻናትን እቲ ዝተሓተ መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣብሪሃ።

ስእሊ ካብ መርበብ ሕብረት ኤውሮጳ

ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ  ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ይካየድ ብዘሎ ቀጻሊ ጐንጺ ይወርድ ብዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ይኽተል ብዛዕባ ዘሎ ሞት ሰባትን ብዝሓደሮም ተሪር ሻቕሎት  መግለጺ ኣውጺኦም።

በቶም ኤውሮጳዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኩነታት ካብ ዝእውጅ ንደሓር ብዝተኻየደ ሰፊሕ ወፈራ ዝተኣስሩ ኢትዮጵያውያን ንክፍትሑ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያን፡ ብተደጋጋሚ መሰል ሲቪል ሕብረተሰብ ንክሕሎን ህውከት ንክቋረጽን ክቐርብ ንዝጸንሐ መጸዋዕታታት ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዝቕበሎ  ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ልዝብ፡ ዕርቅን ሰላምን ዘምጽእ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምጻእ ዝካየድ መስርሕ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ። ኢትዮጵያውያን መንገዲ ሰላምን ዘተን ክኽተሉ ድማ ኣትሪሩ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ ሰብኣዊ ጥሕሰታት፡ ብዘይኣድልዎን ብብቕዓትን ክጻረዩን ዝምልከቶም ኣካላት ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ንክኾኑ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሕብረት ኤውሮጵ ምስ መበል 78 ጠቕላላ ጉባአ ባይቶ  ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተተሓሓዘ  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ   ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ  ኣፍሊጡ። በቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክከታተል ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ ኣካል ናብቲ ኣኼባ ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጌና ብዙሓት ሰባት ብጃምላ ይእሰሩን ብዘይፍሉጥ ኩነታትን ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታትን ይስወሩን ምህላዎም፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምርድኡ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ተሰዊሮም ዘለዉ ናብ መድረኽ ብምምጻእን ነቶም ብዘይፍርዲ ብጃምላ ተኣሲሮም ዘለዉ ድማ ናብ ፍርዲ ብምቕራብ ስጉምቲ ንክወስድ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ብጃምላ ምእሳርን ምስዋርን፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብን ምውዳብን ምንፋግን ኩሎም ዓለም ለኻዊ ሕግታት  ሰብኣዊ መሰል ዝግህሱ ምዃኖም ድማ ኣብቲ ንኤርትራ ብትሪ ዘጠንቀቐሉ መግለጺ ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝዝውተር ዘሎ ግዱድ ውትህድርናን ናይ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዕስክርናን፡ ብሓፈሻ ነቲ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጨንቂ ኣውዲቕዎ ዝጸንሐን ዘሎን ከምኡ እውን ቀንዲ ጠንቂ ስደት ምዃኑ ብሰፊሑ ዘርዚሩ።

እቲ ሕብረት መንግስቲ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሰኖ፡  ኣብ ትግራይ ዝተረፈ ሰራዊቱ ጠቕሊሉ ንከውጽእ ኣዘኻኪሩ። ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ድማ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዕጡቓት ሓይልታት ዝተፈጸሙ ኩሎም ሰብኣዊ ግህሰታት ብናጻን ኣፍልጦ ዘለዎ ኣካልን ተመርሚሮም ክጻረዩ ጸዊዑ።

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ኤርትራውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ “ኣይተኣትዉን” እናተባህሉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ነናብ ዝመጽዎ ይምለሱ ከም ዘለዉ፡ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል እትነጥፍ ኤርትራዊት ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም ሓቢራ። በዚ መሰረት፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምጋሽ መደብ ዘለዎም ኤርትራውያን ኩነታት ክሳብ ዝቕየር ጉዕዘኦም ከቋርጹ ኣተሓሳሲባ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምእሳር ከም ዝጀመሩ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕበር ኣሎ። እቶም ዝተኣስሩ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ገንዘብ ክሳተፉ ዝጸንሑ እዮምኳ እንተተባህለ፡ እቲ ኩነታት ንብዙሓት ኤርትራውያን እውን ዝጸልው ኩይኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰንክዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓሸ ውሑስ እዩ ናብ ዝብልዎ ክልላት ኢትዮጵያን ኣብ ዳባት ናብ ዝርከብ መደበር ስደተኛታትን  ይብተኑ ከም ዘለዉ’ውን ተፈሊጡ። ብዙሓት ወገናት እቲ ኣብ ውግእ  ኢትዮ-ኤርትራ1998-2000 ዝተራእየ ምክልባት ኤርትራውያን ከይድገም ይሰግኡ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ መደበር ስደተኛት ኤርትራውያን ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝወደቑ፡ ናብ ዝኸድዎ ጠፊእዎም ከም ዝተጨነቑን ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ዘይጭበጥ ሓበሬታ እናዘርግሑ ናብ ኤርትራ ንክምለሱ ይጉስጉስዎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ናይዚ ኩሉዚ ዘይህዱእ ኩነታት ጠንቂ ብሓፈሻ ካብ 2018 ዝጀመረ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ  መንግስቲ ብልጽግና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናይ ወደብ ዓሰብ ተጠቃምነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዋንነት ብዝምልከት ኣልዒልዎ ዘሎ ሓደገኛን ናብ ዝለዓለ ወጥርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ገጹ ከይዓርግ ዘስግእን ኣጀንዳ እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብ21 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡  “ተጠቃምነት  ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ኢትዮጵያ ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ተገንዚቡ።”  ዝብል ሓሳብ ምስፋሩ ዝዝከር እዩ።

ሱዳናዊ ሲቪላዊ ግንባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጋብኡ መደብ ተጣሒዙ ከምዘሎ ሱዳን ትሪቡን/SUDAN TRIBUNE ሓቢራ። እዚ 24 ጥቅምቲ 2023 ዝካየድ ኣኼባ ኣብቲ ቅድም ተታሒዝሉ ዝነበረ ናይ 22 ጥቅምቲ 2023 መደብ  ዳግመ-ግምት ብምግባር ዝካየድ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ኣኼባ ዕለት ለውጢ ምግባር ዘድለየ፡ ብናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዶ/ር ዓብደላ ሓምዶክ ዝቐረበ ናይ ይናዋሕ ሕቶ እዩ። ሓምዶክ ዕለት ኣኼባ ክናዋሕ ዝሓተትሉ ምኽንያት ከኣ፡ ምስቲ ብዓብደል ዓዚዝ ዝምራሕ ሱዳናዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ምስቲ ብዓብደል ዋሂድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ንምምኽካር ዘኽእል ግዜ ንምርካብ ምዃኑ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ናይቲ ኣኼባ ኣዳለውቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ጠይብ ማልካብ እቲ ናይ ኣኼባ ዕለት  ምትዕርራይ በቶም ተሳተፍቲ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዶ/ር ሓምዶክ እናተመርሐት ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳን ናይ ኣፈጻጽማ ሕግታትን ከም ዘጽደቐት ኣፍሊጦም።

ሓደሓደ ተዓዘቲ’ኳ ኣብ ዝርዝር ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ዘይምርድዳእ ነይሩ ዝብል ሓበሬታ ናብ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን እንተቕረቡ፡ ኣጣይብ ማልካቢ ግና ጸገም ከምዘየለን “መን ይሳተፍ?” ኣብ ዝብል 5 መዓልታት ቅድሚ ዕለት ኣኼባ ከም ዝተሰማምዑን ገሊጾም። ካብቶም ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዘይክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝበሃሉ ካብ 2% ከምዘይበዝሑ ኣፍሊጦም። ካብቶም ተሳተፍቲ ተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበር ከባቢ 20%፡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስን ድማ  ካብ13 ባእታታት ከም ዘይበዝሑ ኣፍሊጦም።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ድሕሪ ምስታፎም፡ ዕረፍቲ ተዋሂብዎም ኣብቲ ዝተባህልዎ ግዜ ናብ ኣሃዱታቶም ዘይተመልሱ ብዝብል ምስምስ ወተሃደራት 6 ኣዋርሕ ንክእሰሩ ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ።

መብዛሕቶም ‘ቶም ዝተኣስሩ ኣባላት ሰራዊት፣ ናብ ኣሃዱታቶም ብዘይምምላሶም “‘ካብ ክድዓት ዘይፍለ’” ዝብል ክሲን ጸለመን ከምዝቐረቦም  እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ከም ሓቂ ግና መብዛእቶም ካብቶም ግዳያት ብዘይኣላዩ ሓዲጎሞም ናብ ውግእ ትግራይ ዝኸዱ ቤተሰብን ንብረትን ንምእላይ፣ ከምኡ እውን ሕርሻን ጥሪትን ንምክትታልን ዝተገደዱ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ውግእ ትግራይ  ይካየድ ኣብ  ዝነበረሉ እዋን፣ ብግፋን ካልእ ናይ ምግዳድ ኣገባብን፣ ኣዝዮም ብዕድመ ዝደፍኡ ኤርትራውያን ኣረጋውያን ከይተረፉ ተገዲዶም ከም ዝተወስዱ ዝዝከር እዩ። ኣጋጣሚ ረኺቦም ናብ ውግእ ዘይከተቱ ከኣ ኣባይቶም ይዕጾን ንብረቶም ይውረስን ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ውዕል ሰላም ኣብ ደቡ ኣብፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ምኽታሙ፡  ብዙሓት ደቆም ናብ ትግራይ ምስ ከዱ ደሃይ ዘይገበርሎም ኤርትራውያን ስድራቤታት  መርድእ ክሰምዑ ብስግኣት ይጽበዩ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ምስዚ ብዝተዛመደ ኣብ ክልል ትግራይ መርድእ ስዉኣት ብወግዒ ከም ዝተነግረን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ምጽንናዕ ተግባር ከም ዝተኻየደን ዝፍለጥ እዩ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ20 ጥቅምቲ 2023 ብመሪሕነት ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ዘካየዶ ኣኼባ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ኤርትራውን ዞባውን ጉዳያት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ፡ ኣብ ኣገደስቲ ዛዕባታት ድማ ዓሚቕ ገምጋማት  ኣካይዱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንፍሉያት ኣገደስቲ እዋናዊ ጉዳያትዝምልከት ውሳነታት ወሲኑ።

1) መደረ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ

ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ እውን፡ ኣጀንዳ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ካብ ምዃን ዓዲ ኣይወዓለትን። ብመሪሕነት ኢህወድግ ዝተመስረተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝወላወል መርገጽ ኣይነበሮን። ኣብ ስልጣን ዘይነበሩ ዝተፈላለዩ  ጉጅለታትን ባእታታትን ግና “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ኮይና” ብዝብል ምስምስ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከመዘይተዋሕጠሎም ካብ ምግላጽ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብ2018 ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ስልጣን ድሕሪ መሓዙ ከኣ “ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ክነሳ ከመይ ኢላ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ትኸውን” ብዝብል ሰበብ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝፈታተኑ ሓያሎ ማሕበራዊ መራኸብታትን ፖለቲከኛታትን ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓያሎ ዘይቀጥታዊ ፈተነታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 13 ጥቅምቲ 2023  ጀሚሩ ብወግዒ ቅድም ኣብ ኣኼባ ኣባላት ናይቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ደሓር ድማ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከም ወግዓዊ ኣጀንዳ “ብሓይሊ ይኹን ብሰላም  ወደብ ዓሰብ ክንውንን ኢና” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡስ ርኢቶኡ በቲ ትካላዊ መድረኻ ተቐባልነት ምርካቡ ፈጻሚ ሽማግለ ተመልኪቱ። መንግስታዊ መድያታት ኢትዮጵያ’ውን ኣቃሊሐነኦ። እዚ ሃቐነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ባይታ ዝተሰረተ  ልኡላውነት ኤርትራ ዘምጸኦ ለውጢ’ኳ እንተዘይሃለወ ሓደገኛ ሳዕቤንን ምፍሳስ ደምን ከኸትል ከም ዝኽእል ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ድሕሪ’ቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ከርእዮ ዝጸንሐ ድፍረት፡  ኣብዚ ቀረባ  ዝሃቦ ወግዓዊ  መግለጺ፡ ብዓሚቕ ምግንዛብ መሬታዊ፡ ማያውን ሰማያውን ልኡላውነት ኤርትራ ብማንም ከምዘይድፈር ብምግንዛብ መራሒ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ግጉይ ምዃኑ ተኣሚኑ ንክመልሶን ድሕሪ ሕጂ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ድፍረት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ኢዱ ከየእቱ ብትሪ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ እንኮ ሃገር ኣይኮነትን። ካለኦት ከምኣ ዝኣመሰላ  ሃገራት’ውን ኣለዋ። እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ ስለ ዘድልየኒ ዘይናተይ ወደብ “ብዓመጽ ክወስድ እየ”  እትበል ሃገር ኣይተራእየትን። እንተ ብደረጃ  ተጠቃምነት  ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝምልከት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘይጻባእን ብዓለም ለኻዊ ውዕላት ብዝግዛእን ስምምዓት ክትጥቀም እሞ ክልቲኡ ህዝብታት ሓቢሩ ዝዓብየሉ ኩነታት ምፍጣር ከም ዝከኣል ርዱእ ምዃኑ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከምቲ “ውደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል፡  ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ጉዳይዚ ተሓታቲ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተገንዚቡ። ኢሳያስ ድሕሪ 2018 ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከሰጉሞ ዝጸንሐ፡ ውልቃዊ፡ ዘይግሉጽን ዘይትካላውን ዝምድና፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያውያን ዕሉል ደጋፊ ፖሊሲ “መደመር” ብምዃን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ መብጸዓታት ክህብ ምጽንሑ፡ ነዚ ሎሚ ዝኽሰት ዘሎ ጠንቂ እዩ። ድሕሪ መግለጺ ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ ዘውጽኦ መግለጺ እውን ሓፋርን ዘይንጹርን እዩ። ስለዚ ፈጻሚ ሽማግለ እቲ ኢሳያስ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ክብሎ ዝጸንሐ ብምግንዛብ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ብስም ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ክህቦ ዝጸንሐ ሓላፍነት ብምዝካርን፡ ኢትዮጵያውያን ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር ድምጽታት ንክስምዑ ከም ዘተባብዖም ብምስትብሃልን፡ ንዘይሓላፍነታውን ሃላልን ፖሊሲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ  ኣውጊዙ።

ኣብ መወዳእታ ልኡላውነት ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳያስ ዝኸፈቶ ኣፍደገ ናብ ዘተሓሳስብ ኣንፈት የምርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምምዛን ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ሓቢርና ንቃለስ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

2) ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ውግእ

ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያንን እስራኤልን ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ  ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ፈጻሚ ሽማግለ ካልእ ብትኹረት ዝመዘኖ እዋናዊ ዛዕባ ነይሩ። ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝወርድ ዘሎ ህልቂትን ዕንወት ትሕተ-ቅርጻን ኣዝዩ ከም ዘሕዝን ገምጊሙ። ካብዚ ቀጻሊ ዘሎ ህልቂት ንምውጻእ እቲ መፍትሒ ውግእ ከምዘይኮነ ብምእማን ድማ፡ ኣብቲ ውግእ ተጸሚዶም ዘለው ኣካላት ነቲ ብመሰረት ውሳኔታት ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍልስጤምን እስራኤልን ክልተ ነብሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውዕላትን  ከኣ ከኽበሩ፡ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  ቤት ምኽሪ ጸጥታን ተጽዕንኦም ከሐይሉ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።

ኣብ ርእሲዚ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ተራ ዜጋታት ፍልስጢማያን ተውርዶ ዘላ ቀጻሊ ደብዳብ ጠጠው ከተብል፣ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ ክኽፈት፣ ናብ ፍልስጤማውያን ረዲአትን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ጠለባትን ዝኣትወሉ መስመራት ነጻ ክኸውን፣ ኩሎም ዝምልከቶም  ኣካላት ተጽዕኖ ከሕድሩ ኣኼባ ጸዊዑ።

                     21 ጥቅምቲ 2023

Page 19 of 145