መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንውዕል ፕሪቶርያ ምእዙዛት ምዃኖም ተገሊጹ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምግባእ ቀዳማይ ስትራተጅያዊ ዳህሳስ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ተኸቲሉ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን በቲ ብ2 ሕዳር 2024 ዝተኸተመ ስምምዕ ምእዙዛት ምዃኖም ዳግማይ ከም ዘረጋገጹ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን፡ ናይቲ ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ብ11 መጋቢት 2024 ዝተጋበአ ኣኼባ፡ ዕላማ “ብዛዕባቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሰላም ኢትዮጳያ፡ እስትራተጅያዊ ዳህሳስ ንምክያድን ኣገደስቲ ኣብ ዝኾኑ ዘይተተግበሩ ጉዳያት ንምሕጋዝን” ምዃኑ ኣስፊሩ። ካብቶም ኣብዚ ርክብ ቀዳምነት ዝተዋህቦም ነጥብታት፡ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ዕጥቒ ምውራድ፡ ምጥያስን እግሪ ምትካልን ከም ዝርከብዎም እቲ መግለጺ ዘርዚሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ ድሕሪ ኣኼባ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ትግራይ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ንምስፋን ቀጻሊ ምምኽኻራት ከካይዱ ምስምምዖም ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ስሩዕ ዝርርብ ንምክያድ ተመሳሳሊ ኣኼባ ንምውዳብ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይነዓቕ ኣውንታ ከም ዝተመዝገበ ጠቒሱ፡ “ምርግጋጽ ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ትግራይ፡ ጠቕሙ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ እውን እዩ” ኢሉ።
ኣብዚ ብላዕለዋይ መድረኽ/ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደበ ኣኼባ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ/ህወሓትን ከምኡ ድማ ብተዓዛብነት ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢጋድ፡ ኣሜሪካን ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።
ኣብቲ ኣኼባ ብወገን ትግራይ ንክረኣዩ ዝቐረቡ፡ ዛዕባታት፡ ምምላስ ብዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተታሕዘ መሬት ትግራይ፡ ተመዛበልቲ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበርዎ ምምላስ፡ ምንጻር ሕጋዊ ተሓታትነት ዝብሉ ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኣ ምውራድ ዕጥቂ ወተሃደራት ትግራይ ዝብል ነይሩ። ብዛዓባ ነፍሲ ወከፍ እዞም ነጥብታት ኣብቲ ኣኼባ እንታይ ከም ዝተወሰነ፡ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወጸ መግለጺ ኣይተጠቐሰን።
ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም፡ “ብናይ ውግእ ገበንን ሰብኣዊ ጥሕሰትን” ዝኽሰሱ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ናይ ወጻኢ ክኢላታት ብዘሳትፍ፡ ብመሰረት መሰጋገሪ ፍትሒ ኣብ ዝምስረት ፍሉይ ቤት ፍርዲ “ዋላ ኣብዘይህልውናኦም” ንክኽሰሱ 7 ብሰብኣዊ መሰል ዝግደሳ ትካላት ኢትዮጵያ ከም ዝጸወዓ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ።
እተን ብሰብኣውን ሲቪላውን መሰል ዝግደሳ ትካላት፡ ነቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣመልኪተን፡ ብ8 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸአኦ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብቲ ዝምስረት ናይ ፍትሒ ኮሚሽን “ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተፈጸሙ ገበናት ወግዓዊ ይኹኑ” ዝብል ሓሳብ ክሰፍር ይግበኦ እውን ኢለን።
እተን ናይ ሓባር መግለጺ ዘውጸኣ ሰብኣውን ሲቪላውን ትካላት፡ ማእከል ዕቤት መሰልን ዲሞክራሲን፡ ክኢላታት ሕጊ ንሰብኣዊ መሰል፡ ጽምዶ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ፡ ማእከል መጐቲ ንሰብኣውነት ዝብላ ከም ዝርከብአን ተፈሊጡ። እቲ ቤት ፍርዲ ካብቲ ንቡር ኣብያተ-ፍርዲ ኢትዮጵያ ብዝተፈልየ፡ ናይ ኤርትራ ወተሃደራት ናይ ምድናይ ስልጣን ምእንቲ ክህልዎ፡ ብዓለም ደረጃ ተመኩሮን ፍልጠትን ዘለዎም ዳያኑ ዝሳተፍዎ፡ ኩሉ ሓቆፍ ዓለምለኻዊ ስልጣን ዳንነት (Universal jurisdiction)፡ ንክኸውን ናይተን ትካላት መጸዋዕታ ኣንጸባሪቑ።
መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣብ ልዕሊቲ ገዛኢ ኣካል ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕ (ህግደፍ)፡ በቲ ግንባር ዝጽለዋ ማዕከን ገንዘብ ሕድርን ንግዳዊ ትካል ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕርን፡ ሓይልታት ምክልኻልን ክልተ ላዕለዎት ሰብ መዝን ኤርትራ፡ E.O. 14046 ብዝብል ዓንቀጽ ገንዘባዊ እገዳ ከም ዝወሰነ ዝዝከር እዩ።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ጽንብል 8 መጋቢት 2024 ከም ዝተሳተፈ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ሓቢሩ። ኣቶ ገረዝግሄር ኣብቲ ብ8 መጋቢት ብማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሚሪካ (EWANA) ብ9 መጋቢት ድማ ብኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ሳስካቶን ካናዳ ዝተወደበ መድረኽ ተረኺቡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብቲ ናይ 8 መጋቢት 2024 ብዙም ዝተሳተፈሉ፡ ናይታ ነቲ በዓል ዘዳለወት ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣገዳስነት ጠቒሱ፡ ከምኣ ዓይነት ውዳበ ክተባባዕ ዝግበኦ ምዃኑ ዘኪሩ፡ ከምዚ ዓይነት ውዳበታት ኣብ ካልእ ከባቢትት ክፍለ-ዓለም እውን ክሰፍሕ ይግበኦ ኢሉ። ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝመስል ነጻ ማሕበራት ክፍልታት ሕብረተ-ሰብን ንቓባውን ዘየለ ብምዃኑ ሃስያኡ ከቢድ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብተን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝምረሓ ሃገራት ከምዚ ዝኣመሰለ ውዳበ ዝጻወቶ ግደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ከኣ ኣብሪሁ።
እዚ ኣገዳሲ ማሕበር ክተባባዕ ከም ዝግበኦዝሓበረ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ናብተን ኣብ መስርዕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘለዋ መንእሰያት ንክመሓላለፍ ጻዕሪ ክግበር ከም ዝግበኦ ብምጥቃስ፡ እቲ መድረኽ ኣብ ድሮ ቀዳማይ ጉባአ ናይታ ማሕበር ዝተጋብአ ብምዃኑ ጉባአአን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ኣስፊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ብ9 መጋቢት ብኣካል ዝተሳተፈሉ ናይ ኤርትራው ደቂ ኣንስትዮ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ሳስካቶን መድረኽ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃልሲ ኣዝዩ ዕዝዙ ክነሱ ድሕሪ ናጽነት ከኣ እታ ዝያዳ ዝተበደለት ምዃና ከም ዘተሓሳስብ ኣብሪሁ። ብዙሓት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ብህግደፍ ተጠሊመን፡ ፈቐዶ ሃገራት ዓረብ ክሳቐያ እንከለዋ፡ እተን ኣብ ሃገረን ዘለዋ እውን ብዱላት ምህላወን ሓቢሩ።
ኣቦ-መንበር ኣብዚ ንታሪኻዊ ኣመጻጸኣ 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ሰዲህኤ ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ዕማሙ ምዃኑ ከም ዝሓበረ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ዝተረኽበ ሓበሬት ኣረጋጊጹ።
ጸሓፊ ብሊንከንን ፍሉይ ልኡኾም ኣብ ሱዳን ቶም ፐሬሎን
ብ26 ለካቲት 2024 ናብ ሱዳን ዝተመዘዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቶም ፐሬሎ፡ ድሕሪ ምምዛዞም፡ ኣብ ናይ መጀመርያ ጉዕዘኦም ናብቲ ዞና፡ ቀዳማይ ዕማሞም፡ ኣብ ሱዳን ንምቑራጽ ተኹስን እኹል ሰብኣዊ ቀረብን ከም ዝጽውዑ ኣፍሊጦም። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፡ መገሻኦም ብስም ቤት ጽሕፈት ወዳኢ ጉዳይን መንግስትን ኣሜሪካ ምዃኑ ኣነጺሮም።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ሓጺር መልእኽቶም፡ “ንሕና እዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል ንደሊ። ከምኡ እውን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኩሎም ሱዳናውያን እኹል ሰብኣዊ ቀረብ ክረጋገጽ ድሌትና እዩ” ዝብል ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ፐሪየሎ፡ ምስ ኩሎም ተሻረኽቲ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ከምኡ እውን ምስ ኩሎም ብሰንኪ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዘለዉን ኣብ ካልእ ከባቢ ዝርከቡን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ክራኸቡ ምዃኖም ጠቒሶም። ከምኡ ከኣ ምስቶም ጉዳይ ሱዳን ብሰላም ክውዳእ ዝድግፉ ኣፍሪቃውያንን ከም ሳዑዲ ዓረቢያ ዝኣመሰሉ መሻርኽትን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ኣስፊሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ብምኽንያት ኣብዚ ቀረባ ዝጅመር ቅዱስ ወርሒ ሮመዳን 2024 ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ከም ዝወሰነ እቲ ኣፍሊጡ። ከምኡ ድማ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ክመጽእ ጸዊዑ።
ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ፕረሲደንትን ቀዳማይቲ ሚኒስተርን ዝመርሓ ዘለዋ ኣፍሪቃውያን
ኣብ ዓመተ 2023-2024፡ ብደረጃ ዓለም 29 ደቂ ኣንስትዮ ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ምምራሕ ንጡፋት ከም ዘለዋ ሬድዮ ኤረና ሓቢራ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ከከም ስርዓተ መንግስቲ ነናይ ሃገረን ብደረጃ ፕረሲደንትን ቀዳማይቲ ሚኒስተር ዝመርሓ ዘለዋ እየን።
ሓሙሽተ ካብተን 29፡ ኣብዛ 54 ሃገራት ዘለወኣ ኣፍሪቃ ዝመርሓ ዘለዋ እየን። ንሳተን ድማ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውደ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኡጋንዳ ሮሚና ረማንጃ፡ ፕረሲደንት ታንዛንያ ሳምያ ስሉህ ሓሰን፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ቶጎ ቪክትዋህ ዶግበንን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናሚቢያ ሳራኩኮንግዌል እየን።
ኣብታ 27 ኣባል ሃገራት ዘለወኣ ሕብረት ኤሮጳ ከኣ፡ ነታ ኣብዚ ቀረባ ስልጣና ዝለቐቐት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፈረንሳ ወሲኽካ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮ ሃገራት ይመርሓ ኣለዋ። ኣብ ኤውሮጵ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምረሓ ዘለዋ ሃገራት፡ ጣልያ፡ ደንማርክ፡ ግሪክ፡ ስቶኒያ፡ ላትቫኒያ፡ ልትዋንያ፡ ስሎቫኪያን ስሎቨንያን ምዃነን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ኤስያ ምስቲ ዘለዋ ስፍሓትን ብዝሒ ሃገራትን ዝወሓዳ መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወኣ እያ። ንሳተን ድማ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ባንግላደሽ ሸኽ ሃሲና ዋጅድ፡ ፕረሲደንት ህንዲ ድሮፓዲ ሙርሙርን ፕረሲደንት ታይዋን ዳይ ኢንግዌን እየን።
እተን ካለኦት ብደቂ ኣንስትዮ ዝምረሓ ሃገራት ከኣ፡ ኒውዚላንድ፡ ፔሩ፡ ሰርብያ፡ ቦዝኒያ ሄርዞጎቪና፡ ጆርጅያ፡ ሆንዱራስ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ሞልዶቪያ፡ ሳማኦ፡ ባርቤዶስ፡ ትሪናዳድን ቶባጎን እየን።
ኣብ ኤርትራ ምስቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዘርኣየኦ ወተሓደራዊ ተወፋይነት ካልእስ ይተረፍ፡ ዋላሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ደረጃ ጀነራል ዘይምብጸሓ ከዛርብ ዝጸንሐ እዩ።
ስርዓት ህግደፍ ብ6 መጋቢት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ ርእሰ-ዓንቀጽ “ኣውሓስቲ’ዶ ሓንከርቲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ናብቶም ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ተዓዘብቲ ዝነበሩ እሞ ቅድም ብተደጋጋሚ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጥረር፡ ደሓር ድማ ካብ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ትግራይ/ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ክውጽእ ኣትሪሮም ዝሓትዎ ዘለዉ ወገናት ዝዓለመ ክሲ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ክሱ ብፍላይ ንፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ቀንዲ ሓንከርቲ ጠቒስዎም።
ነዚ መግለጺ ዘውጸኦ ዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብረሃም በላይ፡ “ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከም ዘሎ ኣረጋጊጽና ኣለና። ብትኽክል ኣበየናይ ቦታ ከም ዘሎ ዘነጽር ኮሚተ ምስ ክልል ትግራይ ሓቢርና ኣቚምና ንሰርሕ ኣለና” ተኸቲሉ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ንህግደፍ ኣሰንቢድዎ ዘሎ፡ ኣብ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪቶርያ፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዕንቅፋት ኮይኑ ብምህላዉ ስምዕታ ክቐርበሉ ምጽንሑ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ሃመር ኣብ ዝሳተፈሉ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘዳልዎን መድረኽ ኣብ ኣተገባብራ፡ እትራተጅያዊ ገምጋም ምስተገብረ፡ ሰራዊቱ ብዘይምውጽኡ፡ ተሓታቲ ከም ዝኸውንን መቕጻዕቲ ከስዕበሉ ከም ዝኽእል ስለ ዝሰግአ እዩ።
እቲ ኩሉ ግዜ ዝሕበኣሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ይጠረር” ክበሃል እንከሎ፡ “እቶም ዶብ ይጠረር ዝብሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጀመርናዮ ሰላም ክዘርጉ ዝደልዩ እዮም” ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ሎሚ ብወግዒ ኣብ ዘይተጠረረሉ ኩነታት ኮይኑ፡ “ኣብ መሬት ኤርትራ እየ ዘለኹ” ብዝብል ዘቕርቦ ምስምስ ሰማዒ ስለ ዝሰኣነ እዩ ዘጉባዕብዕ ዘሎ።
እዚ ናብ ውግእ ትግራይ ተጠቢሱ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘጥፈአን በብግዜኡ፡ ኣንጻር ሱዳንን ጅቡትን ውግእ ከሳውር ዝጸንሐን ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጹ “ህግደፍ ኣብ ታሪኹ ተወሪሩ እምበር ወሪሩ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን።” ብዝብል ዘስፈሮ ሓሳብ ብዙሓት ወገናት “ኮር ተገልበጥ” ዝበሃል እዩ።
ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ናይ መንግስቲ ስትራተጅያዊ መፍትሒ ም/ትግራይ ኣብሪሁ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤዶ/ር ኣብረሃም በላይ ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ
ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብረሃም በላይ፡ ምስ መንግስታዊ ተለቪኝን ፋና ኣብ ዘካየዮ ቃለ መጠይቕ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ክልል ኣምሓራ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ንምፍታሕ፡ ሒዝዎ ብዛዕባ ዘሎ ስትራተጂ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። ሚኒስተር ኣብረሃም በላይ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ መስርሕ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ዘሎ፡ ብቀጻሊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ዝስነ ኮይኑ፡ “ሰላማዊ መስርሕ ምምላስ ዝተመዛበሉ ሰባት ናብ መረበቶም” ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ሚኒስተር ኣተሓሒዙ፡ እቲ መስርሕ ምምላስ ዝተመዛበሉ ንምስላጥን ነባሪ መፍትሒ ንምርካብን ናብ ረፈረንዶም ዝመርሕ መንገዲ ንምጽራግን ነቲ ከባቢ ኣቐዲሙ ፈደራላዊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሮ እዩ ኢሉ። ንኣገዳስነት ሰላማዊ መፍትሒ ብምዕዛዝ ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ብምትሕብባር ናይ ክልላት ሓለፍቲ ቀጻሊ ዘተ ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
ዶ/ር ኣብርሃም ምምላስ ዝተመዛበሉ ከም ዝደንጐየ ተኣሚኑ፡ እቶም ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምለሱ ተመዛበልቲ፡ ክሳብ ረፈረንዶም ዝካየድ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝምስርቱን ፈደራል መንግስቲ ድማ ብቐጥታ በጀት ብምምዳብ ከም ዘተባብዖም ኣገንዚቡ። ቀጺሉ ድማ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ተረድኦን ንምፍጣርን ሓባራዊ ኮሚተታት ወጺአን ምምይያጥ ይካየድ ከም ዘሎ ጠቒሱ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኻት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ገምጋም ኣካይዶም ከምዘይተረዳድኡ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ድሕሪ ሕጂ ብመንገዲ መንጎኛታት እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ውዑል ፕሪቶርያ ብቐጥታ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘይዘራረብ ብምውሳኑ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ዝፍጠር እዩ።
ኣብ ኣትገባብራ ውዑል ፕሪቶርያ፡ እቲ ዝኸበደ መጻኢ ዕድል ምዕራብ ትግራይን ራያን ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።
ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን (FFC)፡ ዝበሃል ደጋፊ ዲሞክራሲ ኣብ ሱዳን፡ ሰራዊት ኣብታ ሃገር ይዋግኡ ናይ ዘለዉ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ይፍጽምዎ ንዘለዉ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ብትሪ ኮኒኑ። እቲ ኣካል ነዚ ዝገለጸ፡ ብፍላይ ኣብ ኣልጀዚራ ዝበሃል ክፍሊ ሃገር፡ ብፍላይ ሰራዊት ህጹጽ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝኽሰሰ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ግህሰትን ቅትለትን ድሕሪ ምፍጻሙ ምዃኑ እቲ ካብ ናይሮቢ ዝተዘርገሐ ናይቲ ኣካል መግለጺ ሓቢሩ።
መራሕቲ ናይቲ መግለጺ ዘውጸአ ደጋፊ ዲሞክራሲ ኣካል፡ ያሲን ኣርማንን ካሊድ ዑመር ዮሱፍን ንተግባራት ሰብኣዊ ግህሰት ብትሪ ክኹንኑ እንከለዉ፡ ወሃቢ ቃሎ ናይዚ ንዲሞክራሲም ዝሕለቕ ማእከል፡ ጃዕፈር ሓሳን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጀነራል ሕመቲ ዘለዎ ተሪር ኩነነ ኣንጸባሪቑ። እቲ መግለጺ ከም ዘንጸባረቖ ብትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ ይፈጸም ኣይፈጸም፡ በቲ ዝፍጸም ግህሰት ዝሕተት ኣብቲ ገበን ዘተፈጸመሉ ቦታ ሰፊሩ ዘሎ ሰራዊት እዩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ብዓብይኡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘተሓሳስብ ኮይኑ፡ እቲ ሰብኣዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ዝያዳ ከም ዘሻቕል ጠቒሱ፡ እቶም ኣብ ውግእ ተጻሚዶም ዘለዉ ክልቲኦም ወገናት ሰላማዊ መፍትሒ ንክረኽቡ ኣዘኻኺሮም። ሰራዊት ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ እቶም ደገፍቲ ዲሞክራሲ ሓይልታት፡ ንሰራዊት ጀነራል ሕመቲ ብገባናት ውግእ ክኸስሉ ከም ዝደፋፍእ ከኣ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ጉዳይ ሱዳን ኣብዚ እዋንዚ፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሶማሊላንድን ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምውጣጥ ምስተፈጥረ፡ ብደረጃ ዞባ ዝተረሰዐ እዩ ዝመስል።
ፈረምትን ተዓዘብትን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብኸፊል ዘርኢ
ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግምት)፡ ኣብ መስርሕ ኣተገባብራ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ውዕል ሰላም እቲ ተሪፉ ዘሎ፡ መንጎኛታት ኣብ ዘለዉዎ ክረአ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። እቲ ካቢነ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ነዚ ዝወሰነ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን መስርሕ ትግባረ ክቕጽል ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ።
መግለጺ እቲ ካቢነ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቶም ዘየረዳድኡ ኮይኖም ዘለዉ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል፡ “ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ፋኖን ካብ ትግራይ ዘይምውጻእ፡ መሬት ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላስን ኣተገባብራ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን ሰራዊት ትግራይ (TDF)” ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ክልቲኦም ፈረምቲ ኣካላትን፡ ተዓዘብትን ፓነል/መድረኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ርክብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክካየድ ትጽቢት ኣሎ።
ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ ናይቲ ካቢኔ ውሳነ ንምብራህ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ፈረምቲ ክንድቲ ዝድለ ምትእምማን ስለ ዘይተፈጥረ፡ ብዘይሳልሳይ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ክሰማምዑ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ጠቒሱ፡ ኣብ ቅድሜኦም ስግኣት’ኳ እንተሎ ናብ ውግእን ግርጭትን ከይበጽሐ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩን ሓቢሩ።
ኣብቲ ላዕለዋይ ፓነል/መድረኽ ክርከቡ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም፡ ኣባሳንጆ ዝመርሖም ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን እዮም ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ህግደፍ ነቲ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣካላት ብተደጋጋሚ ክቐርቦ ዝጸንሐ፡ “ሰራዊትካ ካብ ትግራይ ኣውጽእ” ዝብል ምሕጽንታ ንዘይምቕባል፡ ብመንገዲ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘሎ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ሰራዊተይ ኣብ መሬት ኤርትራ እምበር ኣብ ትግራይ የለን” ኢሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግና “ኤርትራ 51 ቀበሌታ ትግራይ ብሓይሊ ሒዛ’ላ” ዝብል መግለጽታት ብተኸታታሊ ክውጽእ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ፡ ብጻይ ግረዝግሄር ተወልደ ብ1 መጋቢት 2024፡ ኣብ መኽፈቲ 7ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር (ኤዲሰሃ) ናይ ደገፍን ሰናይ ትምኒትን መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ዘቕረቦ ቃል ንሓለፍቲ ናይቲ ሰልፍን ተሳተፍቲ ጉባኤን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣሰናዳእቲ ናይቲ ጉባኤ ንዘቕረብሉ ዕድመ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ መልእኽቱ ጉባኤኦም ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሰንኪ ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣብ ዝወደቐሉ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ዝኽእልሉ ኩነታት ስለ ዝሰኣኑ ሎሚ እውን ብዝተፈላለዩ ኣቕጣጫታት፡ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዝሉ ኩነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገንዚቦም፡ ነዚ ዘሻቕል ኩነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ውሳነታት ክውስኑ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣስዒቡ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ስዕርካ ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብሓፈሻ ናይ ኩሉ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት፡ ብፍላይ ከኣ ከም ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ብሓባር ምንቅስቓስ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ብምጥቃስ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤኦም ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ውሳነታት ብምውሳን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ደጊሙ ኣንጸባሪቑ።
More...
ኣብ መበል 55 ምድማጽ ናይ ቃል ጸብጻብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ጸብጻብ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሰላም በቢከር፡ ምስማዕ፡ ሎሚ እውን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣዝዩ ከም ዘሻቕሎ ምግላጹ ናይቲ ባይቶ ክፍሊ ሓበሬታ ብ28 ለካቲት 2024 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ካብቶም ኣሻቓሊ ኢሉ ዝጠቐሶም፡ ናይ ሰባት ጃምላዊ ማእሰርትን ጉዱድ ምስዋርን ከም ዝርከብዎ ድማ ኣስፊሩ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ብሓፈሻ ኩሎም ተኣሲዎምን ተሰዊርዎን ዘሎ ግዳያት ክፈትሕ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ 2008 ጀሚሮም ደሃዮም ዘይተፈልጠ 13 ወተሃደራት ጅቡቲ ብዝምልከት ጠቒሱ። ከምኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ናይ ህጻናት ግዱድ ውትህድርናን ጾታዊ ዓመጽን ዝያዳ ኣሻቐልቲ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።
ሕብረት ኤውሮጳ መንግስቲ ኤርትራ ንመሰል ርኢቶኻ ምግላጽ፡ ምሕሳብ፡ ናጽነት እምነት፡ ምእካብን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነብስኻ ምክልኻልን ከኽብር ብትሪ ጸዊዑ። መጸዋዕታኡ ዝያዳ ብምርጓድ ድማ፡ ሰራዊቱ መሊኡ ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ከውጽእ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተረፈ፡ ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መስላት፡ በደላትን ዘይምኽባር ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታትን፡ ፍትሒ ንምስፋን ብዘኽእል ኣገባብ ናጻን ተኣማንን መርመራ ክካየድ፡ ሓቲቱ።
ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ኣብ ኩሎም ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝዝዛመዱ ዓለምለኻዊ ሕግታት ክትፍርምን ከተተግብርን ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ክተሓባበር ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣማኢት ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።
ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ኣብ ካይሮ ኣኼባታት ኣካይዶም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምክትል ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ ኢብራሂም ሰዓድ ኣባል እቲ ምምሕዳር ዓንደብርሃን ዮሃንስን፡ ብ11 ለካቲት 2024 ምስ ኣመሓደርቲ ናይቲ ኣብ ካይሮ ዝርከብ፡ ማእከል ባህሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተራኺቡ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከም ዝተዘራረቡ ኣብቲ ንመገሻኦም ብዝምልከት ዘቕረብዎ ጸብጻብ ሓቢሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ድማ ንጽባሒቱ ምስ ናብ ኤርትራ ዝመሓላለፍ ናይ ተለቪዥን ሳተላይት መስከረም 61 ተራኺቦም መገልጺ ከም ዝሃቡ እውን ሓቢሮም።
ኣብቲ ርክባቶም ካብ ዘልዓልዎም ነጥብታት፡ መስርሕን ውጽኢትን 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ይርከቦ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ተለቪዥን መስከረም 61 ኣብ ዝተረኽበሉ ብ16 ለካቲት ህዝባዊ ኣኼባ ከም ዘካየዱን ኣቐዲሞም ንተሳተፍቲ ኣኼባ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ዘርጊሖም ከም ዝጸንሑን ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ህዝባዊ ኣኼባ ድሕሪ መበግሲ ዝኸውን መብርሂ ምሃቦም፡ ካብ ተሳተፍቲ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፡ “ስለምንታይ ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ብኣድላይነት ጽላል ናይ ውድባት ይግደስ?፡ ሰዲህኤ መንእሰያት ኣባላቱ ክኾኑ ድዩ ዝጉስጉስ?፡ ሰልፍኹም ኣብ ብንቅስቓስ ብሪገድ ንሓመዱ ርኢቶኡ ከመይ እዩ?”፡ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ኣብቲ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። እቶም ኣባላት ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት መንእሰያት፡ ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት ብመሰረት ውሳነታት 4ይ ጉባአን ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን ሰዲህኤ፡ ሰፊሕ መብርህታት ከም ዝሃብሉ ከኣ ገሊጾም። እዚ መደባቶም ንምዕዋት ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣቶ ግርማይ ክፍለ መደባት ኣብ ምስራዕ ከም ዝተሓባበሮም ከኣ ምስ ምስጋና ጠቒሶም።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣንቶነ ጋሊንዶ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ብ22 ለካቲት 2024 ከም ዝኣሰሩ ጋዜጠኛ ዘጋርዲያን ሓቢሩ። ኣቶም ኣሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ህውከት ኣብ ናይ ምፍጣር ውዲት ተሳቲፉ ብዝብል ክኸስዎ እንከለዉ፡ “ንናጽነት ፕረስ” ዝተባህለ ጉጅለ ብወገኑ፡ እቲ ክሲ መርተዖ ዘየብሉ ምዃኑ ጠቒሱ እቲ ጋዜጠኛ ብህጽጹ ንክፍታሕ ጸዊዑ። ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ብወገኑ እዚ ኣብ ፓሪስ ንዝመደበራ፡ ኣፍሪካን ኢንተንጀንስ/Africa Intelligence፡ ዝተባህለት መርበብ ዜና ዝሰርሕ ኣንቶነ ጋሊንዶ፡ ሲቪል ብዝተኸዱ ኣባላት ጸጥታ፡ ኣብ ስካይ ላይት ሆቴል ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጡ።
እቲ ግዜኡ ዘይሓለፈ ቪሳ ዝነበሮም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምህላዉ ብመንግስቲ ኣፍልጦ ዝተዋህቦን ጋዜጠኛ፡ ኣብቲ ዝተኣስረሉ ግዜ ባተ ኡርገሳ ምስ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ብሕጊ ዝተመዝገበ ግንባር ነጽነት ኦሮሞ (ግነኦ) ቃለ መጠይቕ የካይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ቃለ መጠይቕ ዝህብ ዝነበረ ኡርገሳ እውን ሓቢሩ ከም ዝተኣስረ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እታ ዝሰርሓላ መርበብ ዜና፡ ነቲ ማእሰርቲ መሰረት ዝየብሉን ክሳብ ክንድዚ ንዝነወሐ ግዜ ናጽነት ዝግድብን ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ብህጽጹ ንክፍታሕ ጸዊዓ። ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ግና ናይቲ ፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ጠበቓ ብዋሕስ ንክፍታሕ ዘቕረቦ ጥርዓን ብምንጻግ፡ ፖሊስ ብዝሓተቶ መሰረት ተለፎኑ ከይተረፈ ዝሓዞ ሰነዳት ክሳብ ዝጻረ፡ ኣብ ቤት ማእስርቲ ጸኒሑ 1 መጋቢት 2024 ናብ ቤት ፍርዲ ንክቐርብ ቆጸራ ሂቡ።
ሓላፊት ፕሮግራም ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣንገላ ቁይንታል ብወገና፡ መሰረት ዘየብሉን ዘይፍትሓውን ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ፡ ሞያዊ ግቡኡ ከይፍጽም ዝዕንቅፍ ስለ ዝኾነ፡ ሰበ መዚ ኢትዮጵያ ብቕልጡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንክፈትሕዎ ጸዊዓ።
ናይቲ ጋዜጣጃ ማእሰርቲ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ሒዛቶ ዘላ 2ይ ደረጃ ዘጋድድ ምዃኑ፡ ነቲ ዜና ዘሰናድአ ሪፖርተ ኣፍሊጡ።
ማ/ኮ ህወሓት፡ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ኢድ ጸላኢ ዝወደቑ ኣባላቱ ወሲኑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤማእከላይ ኮሜት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ብ22 ለካቲት 2024 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ውግእ ብዘተፈላለየ ምኽንያት “ኣብ ኢድ ጸልኢ ወዲቖም” ተኣሲሮም ጸኒሖም፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ዝተፈትሑ 8 ኣባላቱ ከም ዝወሰነ ናይቲ ውድብ መግለጺ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ኣብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣደመንበር ዝነበረት ወ/ር ኬርያ ኢብራሂምን ኣብ ፈደራል ሚኒስተሪ ትራንስፖርት ምክትል ሚኒስተር ዝነበረት ወ/ሮ ምሉ ገ/እዚኣብሄርን ምሉእ ብምሉእ ካብ ሓላፍነትን ኣባልነትን ውድብ ክወጻ ወሲኑ። ነዚ ውሳነኡ ከም ምኽንያት ዝጠቐሶ ድማ “ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበራሉ ግዜ ምስጢር ውድብ ኣሕሊፈን ሂበን” ዝብል እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣባላት ፈጻሚ ኮሚተ ዝነበሩ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባለማን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን በቲ ዝነበርዎ ናይ ፈጻሚ ሽማግለ ኣባልነት ክቕጽሉ፡ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ዝነበሩ ዶ/ር ሰለሞን ኪዳነ፡ ወ/ሮ ኪሮስ ሓጐስ፡ ኣቶ ኣጽበሃ ኣረጋዊን ዶ/ር ረዳኢ በርሀን ድማ ናይ ማእከላይ ኮሚተ ኣባልነቶም ክምለሰሎም ከም ዝወሰነ ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እተን ካብ ሓላፍነትን ኣባልነትን ህወሓት ምሉእ ብምሉእ ዝተሰናበታ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ዝነበራ፡ ጌጋአን ኣሚነን ከም ዝተጣዕሳን ኣብ መጻኢ ህዝበን ክኽሕሳ ቃል ከም ዝኣተዋን ተፈሊጡ።