ዘገርም ስኒት ሰብን ንህብን

2023-12-24 14:14:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 498 times

ምስልን ሓበሬታን ካብ መርበብ ቢቢሲ

እዚ ምስሉ ምስ ኣናህብ ኣሳንዩ ዝረአ ዘሎ፡ ወዲ 18 ዓመት  መንእሰይ ታምራት ጌታቸው ይበሃል፡  ነባርነቱ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ከተማ ኣሶሳ እዩ። ምስቶም ኣናህብ ከመይ ኢሉ ኣሳንዩ ከም ዝነብር ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ “ነዓይ ዝተዋበ ህያብ እዩ” ኢሉ ይምልስ። ካብዚ ሓሊፉ ንዝሓለፈ 5 ዓመታት፡  ክእለቱን መነባብሮኡን ኣብ ምንባይ ኣናህብ ኮይኑ ከም ዝጸንሐን ከም ዝቕጽሎን ይገልጽ እሞ እቶም ኣናህብ ከምቲ ንሱ  ዘፍቅሮም  ንሳቶም ከኣ ከም  ዝእዘዝዎ ይሕብር።

 ቁልዕነቱ ጀሚሩ  ካብ ኣናህብ ተፈልዩ ከምዘይፈልጥ ዝጠቅስ ጌታቸው፡ ሎሚ ከኣ ምስቶም ኣናህብ ብቋንቋ ከም ዝረዳድኡን ትእዛዙ ከም ዝሰምዑን የዘንቱ። በዚ መሰረት ካኡ ርሓቑ ክብሎም ወይ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኣካሉ ክኾኑ ክእዝዞም እንከሎ ከም ዝፍጽሙ ይሕብር። ካልኦት ሰባት መዓር ክብርብሩ እንከለዉ ናይ ጸልማት ግዜ ክጽበዩ፡ ትኪ ክጥቀሙ ወይ ካልእ ሜላ ክምህዙ  እንከለዉ ንሱ ግና ብዘይዝኾነ ይኹን መኸወሊ መዓር ከም ዝብርብር ይገልጽ።

እቲ ኣዚ እዋንዚ 3 ድኾን ንህቢ ከም ዘለዎ ዝገልጽ መንእሰይ፡ ናብ ኣናህብ ክትቀርብ እንከለኻ ጽሩይ ክትከውን የድሊ ይብል።  ኣተሓሒዙ ድማ ከምቲ ሰባት ምስ ካልኦት እንስሳታት ብምልማድ ዝሕበኑ ንሱ ድማ ምስ ኣናህብ ብምስናዩ ከም ዝሕበን ይጠቅስ እሞ፡ ክሳብ ኣብ ፍሉይ መዝገብ ናይ ኣደነቕቲ ምህዞታት ዝምዝገብ ፍቕሩ ምስ ኣናህብ ክቕጽል ምዃኑ ይሕብር።

ብሓቂ ከኣ ኣብዚ ሰብ ምስ ሰብ ተኸኣኢልካ ምንባር ኣጸጋሚ ዝኾነሉ ግዜ፡ ስኒት ታምራት ጌታቸው ምስቲ ከይነኽሰካ ዘፍርሕ ንህቢ  ዘየገርም ኣይኮነን።

 

Last modified on Sunday, 24 December 2023 15:25