ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ፡ ዘለዉዎ ሕሱም መነባብሮ

2023-12-22 10:15:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 566 times

ምስሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ (ካብ ማሕበራዊ መዲያ)

ኣብ ጅቡቲ ብፍላይ ዓሊ-ዓዴሃ ኣብ ዝበሀል መደበር  ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጀመረ ጸገሞም መፍትሒ ስለ ዘይረኸበ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ “ኢሪሳት” ካብቲ ቦታ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢራ። ካብቲ ቀንዲ ጸገሞም ሕጽረት መግብን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ።

እቲ ዜና ካብዞም ስደተኛታት ኣብቲ መደበር ክሳብ 8 ዓመት ዝጸንሑ ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ፡ ካብቲ ቦታ ናብ 3ይ ሃገር ንክጣየሱ፡ ወይ ኣብታ ሃገር ሰሪሖም ክነባበሩ ዘቕረብዎ ጠለብን ካልእ ሕቶታትን ከምዘይተመለሰሎም ኣፍሊጡ። ብዘይካዚ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብጉዳዮም ከምዘይግደስን ሓለፍቲ ጅቡቲ ድማ ከም መርከቢ ሓገዝ ስለ ዝጥቀምሎም ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዘይደልይዎምን እቶም ስደተኛታት ከምዘቃልዑ ተፈሊጡ። ኩነታት ናይቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ጅቡትን መደበራት ኦበክን ሓሊ-ሖሌንን ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ተመሳሳሊ ምዃኑ  ተፈሊጡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብወገኑ፡ ክሳብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ 1,600 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጻርዩ ከም ዝመዝገበ ጠቒሱ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2023 ንደሓር ግና ኣብ ጅቡቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ስደተኛታት ምጽራይን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምሃብን ከም ዘቋረጸ ኣረጋጊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ክሳብ 19 ሕዳር 2023፡ ኣብ ዝነበረ ግዜ ካብቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ተመዝጊቦም ዘለዉ 426, 190 ስደተኛታት ልዕሊ 30 ሺሕ ኤርትራውያን  ከም ዝርከብዎም እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሓቢሩ። ብጸብጻብ ናይቲ  ኮሚሽን መሰረት ኣብ 2022 ጥራይ 37, 537 ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ናብ ዝተፈላለዩ ኣቕጣጫታት ተሰዲዶም።

Last modified on Friday, 22 December 2023 11:25