ዩኒቨርሲቲ ካይሮ፡ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ክትከፍት

2026-05-28 14:54:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 196 times

ኣብ ኤርትራ ጨንፈርት እትኸፍት ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ብ2007 ዝተዓጽወት ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን

ላዕለዋይ ባይቶ ዩኒቨርሲታት ግብጺ፡ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ክኸፍት ብወግዒ ከም ዝወሰነ፡ ግሎባል ሳት (Global SAT) ዝተባህለት ናይታ ሃገር ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ። እቲ ብሚኒስተር ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ስነፍልጠታዊ ምርምርን ዓብደልዓዚዝ ኮንሶዋ ዝምራሕ ኣካል ነቲ ውሳነ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣካልቲ ግብጺ ኣፍሪቃዊ ምትእስሳር ትምህርቲ ምስፋሕ እትብሎ መደባ ምዃኑ ምጥቃሱ ተሓቢሩ።

እቲ ስጉምቲ ብቐጥታ ዝምልከቶ ፍሉይ ኮሚተ ክኢላታት ትምህርታዊ ኣካዳሚ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ጨንፈር ናይ ምኽፋት ውሳነ፡ ናይ ፍልጠትን ዞናዊ ዕቤትን መሰጋገሪ  ድንድል ኮይኑ ከም  ዘገልግል ኣብቲ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

እቲ ኮሚተ ንኣተገባብራ እቲ ውሳነ ኣብ ዝምልከት ዝከታተል ብናይ ቅድም ሚኒስተር ልምዓት ግብጽን ፕሮፈሴር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮን ኣሕመድ ዳርዊሽ ዝምራሕ ኣፈጻሚ ኣካል ከም ዝመስረተ ምሕባሩ እቲ ዜና ኣስፊሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ስርዓተ-ትምህርቲ ክሕደስ መምርሒ ከም ዝተዋህበ እውን ተፈሊጡ።

ጉጅለ ህግደፍ ተመሃሮ ብ2001 ኣብ ኣተሓሕዛ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ተቓውሞ ምስ ኣስምዑ ዝእሰር ኣሲሩ ብ2003 ሓደስቲ ተመሃሮ ከይቅበል ወሲኑ። ብ2006 ከኣ እታ ዩኒቨርሲቲ ዝምረቑ ተመሃሮ ጥራይ ሒዛ ከም እትተርፍ ገይሩ። ብ2007 ድማ ምሉእ ብምሉእ ዓጽይዋ። በዚ መሰረት “ኤርትራ ብሕታዊት ዋላ ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ዘየብላ ሃገር” ክትበሃል ጸኒሓ። እነሆ ሎሚ ከኣ ኣብ ክንዲ ነታ ዝተዓጽወት ዩኒቨርሲቲ ምብርባር ቀዳምነት ዝህብ፡ ጨንፈር ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኣብ ኣስመራ ክኸፍት።

Last modified on Thursday, 28 May 2026 17:05