ፔንታጎን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መራክብ ንግዲ ዝሕልው ተልእኮ ኣቚማ

2023-12-21 09:42:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 559 times

ሓያሎ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብቀይሕ ባሕሪ ዝመሓላለፋ መራክብ ብድሮንን ሚሳይላትን ከይጥቀዓ፡  ንምሕላው “ስርሒት ሓለዋ ምዕባለ” ብዝብል ኣብ ዝቐውም ሓይሊ ዕማም  ከም ዝሳተፋ ኣፍሊጠን። ነዚ ዝሓበሩ ወተሃደራዊ ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሊዮድ ኣዩስቲን ብ18 ታሕሳስ 2023 ብዛዕባ ኣድላይነት ሓባራዊ ስጉምቲ ንድሕነት ሰቪላዊ መራክብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እዩ።

እቲ መግለጺ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብናይ የመን ጉጅለ ሑቲ ኣስታት 100 ግዜ ብድሮን ወይ ብላስቲክ ሚሳይላት ከም ዝተተኮሰን እቲ ተኹሲ  ን35 ሃገራት ናብ ዝትንክፋ 10 መራክብ ዘቕነዐ ምንባሩ፡ ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝተኻየደ ናይተን ሃገራት ኣካላት ጸጥታ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ከም ዝተገልጸ ተሓቢሩ። ነዚ “ስርሒት ሓለዋ ምዕባለ” ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ናይ ጸጥታ ስግኣት ንክምክታ ቅሩባት ምዃነን ካብ ዘረጋገጻ ሃገራት፡ ዓይ ብሪታንያ፡ ባህሬን፡ ካናዳ፡ ፈረንሳይ፡ ኢጣልያ፡ ኔዘርላንድስ፡ ነርወይ፡ ስቸልስን ስፐይንን ከም ዝርከአን ተሓቢሩ።

እቶም ኣሜሪካዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ እቲ ዕማም፡ ናይቲ ኣብ ባህሬን ዝመደበሩ፡ ውሁድ ሓይሊ ባሕርን 153 ዝበሃል 39 ሃገራት ዝሳተፍኦን ሓይሊ ዕማሙን ከም ዝኾነ ኣብቲ ኣኼባ ኣፍሊጦም። እዚ ሓይሊ ዕማም ናብ ወሽመጥ፡ ዖማን፡ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ፐርሺያ፡ ቀይሕ ባሕርን ዓደንን ዝጥምት ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ናይ ፈረንሳይ ሓይሊ ባሕሪ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 20 ሺሕ ዝኾና መራክብ ንግዲ፡ ብወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ይመሓላልፋ። እቲ መበል 153 ዝበሃል ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ ኣብ 2022 ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ዝከታተልን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባትን መራክብ ዝኸትሩ ኣካላትን ናይ ምቁጽጻር ዓማም ዘለዎ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ጉጅለ ሑቲ የመን ናብኣቶም እንተ ተተኲሱ፡ ግብረ-መልሲ ከም ዝህቡ ኣፍሊጦም።

Last modified on Thursday, 21 December 2023 10:58