ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ካብ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታቱ ከውጽእ ወሲኑ

2023-12-20 19:39:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 380 times

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵይ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝወረደ ማህሰይቲ፡ ዘይኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከውጽእ ከም ዝወሰነ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብ20 ታሕሳስ 2023 ሓቢራ። እቲ ባንክ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብ31 ጥቅምቲ 2023  ኣብ ልዕሊ ክልተ ካብ ሰራሕተኛታቱ “ሰሻቕል ዲፕሎማሲያዊ ተረኽቦ” ዝበሎ፡ ማእሰርትን ጉድኣትን ምስ ወረደ ናብ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ እተኾነ መልሲ ከምዘይረኸበ ጠቒሱ።

በቲ መግለጺ መሰረት፡ ናይቲ ባንክ ልምዓት ፕረሲደንት ኣኪንዉሚ ኣደሲና ብ29 ሕዳር 2023 ምስ ኣካላት መንግስቲ ዝራኸብ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝለኣኹ፡ እንተኾነ በዚ እውን ናይቲ ጸገም መፍትሒ ከም ዘይተረኽበ  ሓቢሮም። በዚ ድማ ባንኮም ስግኣት ከም ዝሓደሮን ድሕነት ናይቶም ሰራሕተኛታት  ክሕሎ ኣይክእልን እዩ ዝብል እምነት ከም ዝሓደሮን ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ጉዳይ ጸብጻብ ምስ ቀረቦኳ ከም ዘጻርዮን መልሲ ከም ዝህቦምን ቃል ኣትዩ እንተነበረ ብግብሪ ግና ዝኾነ መፍትሕን መልስን ኣይሃበሉን ተባሂሉ። ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ክሳብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ኣብ ኢትዮጵያ 1.24 ቢልዮን ዶላር ዝግመት 22 ፕሮጀክትታት ከም ዝነበሮ ኣብቲ መግለጺኡ ተሓቢሩ።

ናይቲ ባንክ ፕረሲደንት፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ከምይዘዕጾን እቲ ውሳነ ከኣ ንኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ባንኪ ከምዘይምልከትን ክጠቕሱ እንከለዉ፡ ገለ ወገናት ግና እቲ ቤት ጽሕፈት ናብ ኬንያ ወይ ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕየር ይኽእልዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

Last modified on Wednesday, 20 December 2023 20:44