ዘቤታዊ ወጽዓ ንምብዳህ እትነጥፍ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ

2023-12-25 12:19:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 493 times

ኤርትራውያንን ስዊዘርላንዳውያንን ዝርከበኣ ኣካል “ማሕበር መዲያ ኤርትራውያን” ምዃና እትገልጽ ጉጀለ ደቂ ኣንስትዮ፡ “ስቕታ ይወገድ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ፡ ዘቤታዊ ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምምካት ትቃለስ ምዃና ንማዕከን ዜና ቢቢሲ/BBC/ ገሊጻ። ካብተን ኣባላት ፈቨን ኣስገዶም፡ ጁሊያ ሳትሮ፡ ዳያን ወልዱን ሸዊትን ዝተባህላ ይርከበኣ። ናይዛ ጉጅለ ንጥፈታት ኣብ መድያታት ስዊዘርላንድ ዝተደረተ ኮይኑ፡ ዕላመኣ ድማ “ካብ ዝኾነ ዓመጽ ናጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምህናጽ” ምዃኑ እተን ኣባላታ ገሊጸን። ደቂ ኣንስትዮ ጸገም ከጋጥመን እንከሎ ህይወተን ዘድሕናሉ ኣገባባት ዝምልከት ኣስተምህሮን ሓበሬታን ከም ዝህባ እውን ኣመልኪተን።

ናይታ ጉጅለ ኣባልን ናይ ሰነ-ሰብ ምህርትን ፈቨን ኣስገዶም ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወጻኢ ብሰብ ሓዳረን ቅትለትን ካልእ በደላትን ከጋጥመን ከም ዝጸንሐን ንሱ ናብዚ ተግባራት ክዋፈራ ከም ዝደረኸንን ገሊጻ። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝጸንሐን “ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ ንብዕራይ ኣብ መልሲ” ብዝብል ግጉይ ኣበሃህላ ጓለንስተይቲ ብመጻምድታ ክትውቃዕን ክትብደልን ከም ንቡር  ይውሰድ ከም ዝነበረ’ ውን ጠቒሳ።

ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራዊ ባህሊ ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ጸገም ከጋጥም እንከሎ፡ ዝፍተሓሉ ኣገባብ ከም ዘሎን ውላዱ መሰላ ክገሃስ ዝደሊ ኤርትራዊ ስድራቤት ከም ዘየሎን እውን እተን ኣባላት ጠቒሰን። እቲ ሎሚ ኣብ ወጻኢ ዝረአ ዘሎ ጭካነ  ግዜ ዘምጸኦ ነውጺ ዝደረኾ  ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣረዲአ። 

እቶም መንእሰያት ናብ ወጻኢ ክኸዱ እንከለዉ፡ እቲ ዘጋጥሞም ናይ ጓለንስተይትን ናይ ወዲ ተባዕታይን ናይ ስራሕ ምክፍፋል ከምቲ ዝለመድዎ ዝተፈልየ ኮይኑ ክጸንሖም እንከሎ ካብቲ ዘባእስ ከም ዝኸውን ፈቨን ኣገንዚባ። በዚ መሰረት ናይታ ጓለንስተይቲ መሰል ካብቲ ዝለመድዎ ወጻኢ ዘኽብር ሃዋህው እቶም ደቂ ተባዕትዮ ክጻወርዎ ከም ዝጽገሙ ድማ ሓቢራ። ብፍላይ ድማ እቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ወዲ ተባዕታይ ጥራይ ዝነበረ ቁጠባዊ ዋንነት ክቕየር እንከሎ፡ ዘይምርድዳእ ከም ዝፈጥር ብተወሳኺ ኣረዲኣ። 

Last modified on Monday, 25 December 2023 13:26