ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምምዝጋብ ኤትራውያን ስደተኛታት ክቕጽል ጸዊዑ

2023-12-27 22:29:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 499 times

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ንሰለስተ ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ምምዝጋብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብቕልጡፍ ንክቕጽል ከም ዝጸወዐ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 27 ታሕሳስ 2023 ሕታማ ሓቢራ። እቲ ኮሚሽ ኤርትራውያን ብሰንኪ ዘይምምዝጋቦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ከም ዝተገደበን ቅድሚ ሕጂ 200 ዝኾኑ ናብታ እተስግኦም ኤርትራ ብግዲ ከም ዝተመልሱን ገሊጹ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ዝገለጸ፡ ብ26 ታሕሳስ 2023፡ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዕቑባን ዝምልከት ናይ 2022-2023 ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ ምዃኑ ተፈሊጡ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ድሕሪ ናይ 2018 ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉን ኣብ ግዜኡ ብሰንኪ ዘይምምዝጋቦም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከቢድ ጸገም ይወድቁ ምህላዎም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

በቲ ናይቲ ኮሚሽን ጸብጻብ መሰረት፡ ኣብዚ እዋንዚ፡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ “መረጋገጺ የብልኩምን፡” ብዝብል፡  ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ምግዳብ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ እውን ንስደተኛ ዝግበር ሓለዋ ብዘይምርካብን ካለኦት ሕጽረታትን ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ’ሎ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተሰድሉ ምኽንያትን ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ከይተጸንዐ ናብ ሃገሮም ምምላስ ኢትዮጵያ ምስ ዝፈረመቶም ኣህጉራዊ ውዕላት ከም ዝጋጮ ሓቢሩ ከም ዝነበረ እቲ ኮሚሽን  ኣብቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ዝከታተል ኢትዮጵያዊ ትካል፡ ንስደተኛታት፡ ሓድሽ መንነት ምሃብን ምሕዳስን ከም ዝጀመረኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግና ከምዘይተጀመረ  ኣፍሊጡ። ዝርጋሐ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምከት ድማ፡ ኣብ ጋንቤላ 383 ሺሕ፡ ሶማሊያ 301 ሺሕ፡ ቤንሻንጉል 79 ሺሕ፡ ኣዲስ ኣበባ 76 ሺሕ፡ ዓፋር 58 ሺሕ፡ ኣምሓራ 22 ሺሕ፡ ትግራይ 2 ሺሕ፡ ኦሮሚያ 4 ሺሕን  ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ካብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ኢትዪጵያ፡ ኤርትራውያን 167, 391 ወይ 18 ሚእታዊት ምዃኖም ከኣ እቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 27 December 2023 23:44