
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ14 ሰነ 2020 ናይ ኣባላቱ ሕድሕድ ምልላይ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ዝተኻየደ ድሕርቲ ብ20 ጉንበት 2020 ኣብ መንጎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ምሉእ ሓድነት ምኽታሙ፡ ነዚ ስምምዕ ተኸቲሉ ናይ ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ምልላይ ኣገዳስነት ብምርኣይ እዩ።
ኣብዚ ናይ ምልላይ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ፡ ክልቱኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ንሓድነት ዘርእዮ ቅሩብነትን ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምዕዋት ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ዝተመዛ ሽማግለታት ጻዕርን ተገዳስነትን ኣመስጊኑ። ኣተሓሒዙ፡ ኣብዚ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘይስገር ወሳኒ ኣጀንዳ ዝኾነሉ መድረ ኣብዚ ደረጃዚ ምብጻሑ ኩለ መዳያዊ ዓቕሚ ሰዲህኤ ዘዕቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስ ካለኦት ኣካላት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዱ እውን ዘተባብዕ ኣብነት እዩ ኢሉ።
ድሕሪ እዚ፡ እቶም ንክልቲኡ ውድባት ክመርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ሓገግቲ ኣካላት ዝቖመ ማእከላይ ባይቶ ነፍሲ ወከፎም ሓጺር ድሕረ ባይተኦምን ናይ ቃልሲ ተመኩሮኦምን ብንጥቃስ ተላልዮም። ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ናይ ምልላይ ቃላቶም ንኣገዳስነትን እዋናውነትን ናይቲ ዝተዓወተ ምሉእ ሓድነት ብምጥቃስ፡ ነቲ መስርሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብዝተፈልየ ከዕውትዎ ምኽኣሎም ኣመጒሶም። ብምትሕሓዝ ከኣ ንሰዲህኤ ብዛዕባ ዝጽበዮ ዕማም ጠቒሶም ብኹሉ ዓቕሞም መሪሕነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ድሉዋት ምህላዎም ኣመልኪቶም። ኣብ ርእሲዚ፡ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት ክልቲኡ ኣካላት መጀመሪ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ፡ ንሓድነት ኣብቲ ዝድለ ደረጃኡ ንምብጻሕ ማእከላይ ባይቶ ከም ሓደ ቀንዲ ዛዕባ ክሰርሓሉ ምዃኑ ቅርቡነቶም ኣረጋጊጾም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ፡ እዚ ሓድነት ኣብ ጽኑዕ ንድሕሪት ዘይምለስ ባይታ ክድኮን ብጽሒት መሰረታት ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ሰዲህኤ ኣብ ምስራጹ ዕቱብ ስራሕ ክሰርሑ ተላብዩ። መሪሕነት ሰልፊ ንመስርሕ ሓድነት ኣጻፊፉ ናብ ግብራዊ ስራሕ ክኣቱ ቅሩብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ብዘውጽኦ መደብ መሰረት ኣብ ኩሉ ትካላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ ስራሓት ክካየድ ክትልም ከምዝኮነ ብምሕባር ኣኼባ ተደምዲሙ።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ብ6 ሰነ 2020 ብዘመናዊ መራኸቢ ተኻይዱ። እዚ ንኣባላት ዝተጸወዓሉ ኣኼባ ኣጀንዳታቱ ብርክት ዝበሉ ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ህዝባዊ ዲክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ዝተኸተመ ናብ ምሉእ ሓድነት ዘብጸሐ ስምምዕን ኣተገባብራኡ ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ብዛዕባቲ ሰዲህኤ ምስ ዝተፈላልዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣካላት ዘካይዶ ዘሎ ዘተታትን በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለን፡ ንጥፈታት ሰልፊ ኣብ ካለኦት መዳያትን እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕባለታት መብርሂ ንምሃብ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።
ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊዚ ኣባላት ሰልፊ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኩሎም ኤርትራያውያን ካብዚ ንዓለምና ኣሻቒልዋ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ ደሓን ንክኾኑ ትምኒቱ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ሕማም ኣብ ምምካት ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ምትሕግጋዝን ንክቕጽል ጸዊዑ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ጐኒንጐኒ እዚ ሓማም፡ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ሂቡ።
ነቲ ቀንዲ መእከቢ ዝኾነ ኣጀንዳ፡ ስምምዕ ምሉእ ሓድነት ህዲምሓኤን ሰዲህኤን ኣብ ዝምልከት፡ ድሕረ-ባይታ ሰዲህኤ ምእንቲ ሓድነት ዳህሲሱ፡ ነቲ ናብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተመዘዛ ናይ ዘተ ሽማግለታት፡ ዝተኸተለኦ ኣገባብን ዝበጸሓኦ ስምምዕን ዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። እቲ ስምምዕ ኣብቲ ዝድለ ክበጽሕ ዝኸኣለ ፍልልይ ስለ ዘይጸነሓ ዘይኮነ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ዝነበረ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ቅሩብነትን ድልዉነትን፡ ዘይተደላዪ ግዜ ብዘይምብኻን ኣብቲ ዝተደልየ ስምምዕ ከምዝተበጸሐ ገሊጹ። ሓደ ካብቲ ስምምዓት፡ ብክልቲኡ ወገናት ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ተጀሚሩ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ብመሪሕነት እቲ ዝሰመረ ሰዲህኤ ክቕጽል ዝብል ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ነጥበ-ስምምዕዚ ካለኦት ውድባትን ሰልፍታትን እውን ምስ ሰዲህኤ ኮነ ምስ ካለኦት ዝቀራረብዎም ክሰምሩ ዝተባብዕ ኣብነት ምዃኑ ኣብቲ መብርሂኡ ጠቒሱ።
ብጻይ ተስፋይ መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣካላት፡ ከከምቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምቅርራብ እንተስ ናብ ምሉእ ሓድነት ንምብጻሕ ወይ ተቐራሪብካ ንምቅላስ ዘኽእል መድረኽ ንምጥጣሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንክዕወት፡ ሰዲህኤ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ድልዊ ምህላዉ ኣብሪሁ። ኣብ ርእሲቲ ብኣቦመንበር ተስፋይ ዝተዋህበ መብርሂ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዲምሓኤን ሰዲህኤን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኮነ፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዘተታት ናይ ዝመርሓ ሽማግለታት ኣባላት እውን ተወሳኺ መብርህታት ሂቦም።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ንእዋናውነት ናይዚ ኣኼባ ድሕሪ ምምጓስ፡ ዝያዳ መብርሂ ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ኣካላት ከኣ መልስታት ተዋሂብዎም። ድሕሪ መስርሕ ሕቶን መስልን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ ርኢይቶታት፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ንሓድነት ዝምልከት ዝተወስደ ስጉምትታት ኮነ ንካልእ ንጥፈታት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ ንኢዶም፡ ንሰልፎም ብሓሳብን ብንዋትን ከሕይሉ’ውን ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከም ናይዚ መርኣያን ተታሒዙ ዘሎ መደባት ንምዕዋትን ከኣ ሓያሎ ኣባላት ገንዘባዊ ወፈያ ገይሮም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ኣኼባ ክዛዝም እንከሎ፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምትግባር መደባትን ምሕያል ሰልፍን ኣመጒሱ። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሓድነትን ካልእ ንጥፈታት ሰልፍን ኣድማዒ ንክኸውን ኣብ መጻኢ እውን ኩለ-መዳያዊ ኣበርክቶ ኣባላት ከም ዝቕጽል ተስፋኡ ልዑል ምዃኑ ብምግላጽ ኣኼባ ተደምዲሙ።
ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓፈሻዊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ
Monday, 01 June 2020 03:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.ዞባ ሽማግለ ስሜን ኣመሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኢርትራ ቀዳም ዕለት 30 ግንቦት 2020 ናይ ምሉእ ኣባላት ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ካሕሳይ እዩ ተኸፊቱ። ኣጀንዳ ኣኼባ ብዛዕባ ህልው ምዕብልናታትን፡ ሰልፍና በጺሕዎ ዘሎ ናይ ፍጹም ሓድነት ስምምዕ ምስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ንምግላጽን ምምይያጥን ስለ ዝነበረ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ተመሓላሊፉ።
ሓው ተስፋይ ደጊጋ ስልፍና ጸሚድሎም ንዘሎ ከኣባዊ ርክባት ምስ ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውድባት ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ ኣስፊሑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናብ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ተሰጋገረ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ንኣመጻጽኣ ሓድነት ምስ ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ ብዑምቆት ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንናይ ምጽንባር ውሳኔታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ናይ ሓባር ሽማግለታት ተመዚዘን ይንቀሳቐሳ ከምዘለዋ ኣብሪሁ።
ድሕሪ ሰፊሕ ገለጻኡ ሓው ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ዘተ ሽማግለታት ምስ ካልኦት ውድባት ተጸሚዶም ንዘለዉ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኣሕዋት ብርሃነ ደበሱን፡ ክፍልዝጊ ገብረመድህንን፡ ፍስሃየ ሓጎስን ብወገን ሽማግለታቶም በጺሖሞ ንዘለዉ ምዕብልና ከብርሁን ክውስኹን ኣመሓላለፎ።
ኣባላት ዘተ ሽማግለታት ኣሕዋት ብርሃነን፡ ክፍልዝግን፡ ፍስሃየን ብወገኖም ዘሎ ምዕብልናታት ንኣኼበኛ ኣስፊሖም ድሕሪ ምግላጽ መድረኽ ናብ ሕቶን መልስን ተሰጋገረ።
ኣኼበኛታት ብኣድምጾን ልቦናን ንሰዓታት ዝኣክል ክሰምዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደ ብሓደ ሕቶኦም፡ ርእይቶምን፡ ለበዋኦምን ከፍስስ ጀመረ። ንነፍስ ወከፍ ሕቶ ብኣቦ መንበርን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ኣዕጋቢ መልሲ ተዋህበ። ኣባላት ብምልኦም ኣብ መሪሕነቶም ዘለዎም እምነትን ሓበንን ሰፍ ዘይብል ምኻኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ መሪሕነት ንዝሓቶም ተወፋይነት ከማልኡ ድልዋት ምኻኖም ኣረጋጊጾም።
ድሕሪ 4 ሰዓት ናይ ኩሎም ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ምልኣት ዝነበሮ እኼባ ንሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኩሉ ክንከፍል ድልዋት ኢና ብዝብል መንፈስ ተዛዚሙ።
ንቅዋማዊ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ
ሓድነትና ይሰስን
ክብርን መጎስን ንስውኣትና
ዞባ ሽማግለ ሰመን ኣመሪካ
31 ግንቦት 2020
ብዕለት 29 ጉንበት 2020 ኣባላት ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ጀርመን ብመራኸቢ ብዙሃን ስሩዕ ኣኼብኦም ኣካይዶም። ኣኼባ ኣብ ሳምንቲ መዓልቲ ነጻነት ኤርትራን ዒድ ኣል ፈጥርን ይካየድ ስለዝነበረ፡ ነዚ ድርብ በዓላት ኣመልኪቱ ዝቐረበ ኩለንተናዊ ሰናይ ምንዮትን ድሌትን፡ ኣኼበኛታት ኣካሉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
ምስዚ ብምትሓሓዝ ኣኼባ ጨንፈር፣ ነቲ ብመራሕቲ ተቓውምቲ ውድባትን ነቲ ስርዓት ብዝነቐፉ ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባትን፣ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውርዶ ዘሎ ከቢት ግህሰት ዝኹንን መልእኽትታቶም ብተገዳስነት ተዓዚቦም።
ብተወሳኺ ብሕግን ቅዋምን ዝግዛእ ህዝባዊ ባይቶን፣ ንቅዋም ዝምእዘዝ መንግስቲ ንምትካል ኣብዝግበር ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ክቃለሱ ምዃኖም ደጊሞም ቃሎም ኣሐዲሶም። ህዝብን ስራዊትን ኤርትራ’ውን ኣብዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ተሳትፈኦም ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዖም። ነዚ ብዝተፈላለዩ ሰበት ዝቐረበ ሓደ ዓይነት ህርመትን ዜማን ዘለዎ ቅኒት ንምውህሃድ ድማ ከቢድ ጻዕርን ብዙሕ ስራሕን ከምዚሓትት ዘይዝንጋዕ ስለዝኮነ፣ እቶም ነዚ ቁዱስ ዓላማ ንምዕዋት ትጽዕሩ ኤርትራውያን ኣምላኽ ይሓግዝኩም ብምባል ኣብቲ ዝተስርዐ መደባት ኣትዮም።
ናይ ርክብ መስኖ፡ ንርክብን ንጥፈታትን ጨንፈር ብዝምልከት ኩልና ከምእንግነቦ ነቲ ብኣካል ተራኺብካ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባታት፣ ብሰሪ Covid 19 ምክያዱ ስለዘይካኣል መራኸቢ ብዙሃን ከም ኣማራጽን ኣድላይን ኣገባብን ብምርኣይ፣ ክሳብ ናይዚ ተላባዒ ሕማም ኩነታት ዝማሓየሽ መራኸቢ ብዙሃን ብንጥፈት ንኽጥቀምሎም ኣኼበኛት ወሲኖም። ካልእ ምስ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ደምበ ፍትሒ ዝምድነኦም ምሕያልን ምዕማቕን ከምዘድሊ ተማያይጦምን ንዘለናዮ መድረኽ ብዝገጥም ናይ ርኽክብ መስኖ ኣንጻር ምልኪ ክካየድ ዝግባኦ ዕማማት ንኸይበኩር ኣገንዚቦም። ኣባልት ጨንፈር፡ ኣብ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ብሓፈሻ ኣብ ምምሕልላፍ ጸብጻብ ንዘጋጥሙ ንኡሳት ሕጽረታት ኣወጋግኖኦምን ንምምሕያሶም ክውሰዱ ዘለዎም ተግባራዊ ስጉምትታትን ዘትዮም። ከምኡውን ነቲ ብመርሒነት ዞባ ኣውረጳን ኣካያዲት ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ብብመዕልቱ ዝተኻየደ ናይ ምምኽኻር ኣኼባታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ከመይነት ናይ ኣብተግባር ኣዋዓዕለኡ ተረዳዲኦም።
ኣብ መጨረሽታ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራን ዝተበጽሕ ናይ ምጽንባር ስምምዕን ከምኡውን ምስ ካልኦት ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካይዶም ዘሎ ዘተታት ኣመልኪቶም፡ ብጻይ ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ጀርመንን ብጸይቲ ትዕበ ተኪኤ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ ኣኼብ ብዕግበት ተደምዲሙ።
ንቕዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!
ምስ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ተኣሳሲሩ ዝብዕል ዘሎ ዒድ ኣልፈጥር ምኽኝያት ብምግባር፡ ንኹሎም ኣብ ጾም ሮሞዳን ዝወርሑ ደቂ ሃገር ምእመናን እስልምና፡ እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈተሓልኩም እናበልኩ፡ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሪሕነቱን መላእ ኣባላቱን፡ ርሑስ ዒድ ይግበረልና ብማለት ሰናይ ምንዮት ሰዲህኤ እገለጽ።
ኣብዚ ዕለት’ዚ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር ንመዓልቲ ናጽነት ምኽንያት ብምግባር ዘውጽእዎ ናይ ዮሃና መልእኽቲ፡ ልዑል ደገፍናን ተሳትፎናን እናረጋገጽኩ፡ ነዚ ዓቢ ናይ ተስፋ መግለጺ፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ክድይብ ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ትምኒትናን ሰናይ ድሌትናን እገልጽ።
ምልካዊ ስርዓት ህላዌኡ ዘብቅዓሉ፣ ህዝብና ከምቲ ባህጉ ዕርቅን ሰላምን ዘረጋግጸሉ፣ ቅዋማዊ ሃገር ዝሃንጸሉን ጐደና ምዕባሌ ዝሕዘሉን በዓል ዒድን፡ ጽምብል ናጽነትን ይግበረልና።
ብተወሳኺ ህዝብና ካብ ተላባዒ ዝርጋሐ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻልን ጥዕናን ድሕነትን ህዝብና ንምሕላውን ክብቅዕ፡ዘይጽንቀቕ ተስፋ ከም ዘሎና እናሓበርና፡ ነዚ ሕማም ኮነ ነቲ ከሳቕየና ዝጸንሐ ስርዓት ስዒርና ነባሪ ዓወት ሃገርና ንምርግጋጽ ንዕጠቕ።
ደጊምና ርሑስ በዓል ዒድን ዕዉት ጽንብል ናጽነትን!
ክንዲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ተስፋይ ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ25 ማዝያ 2020፡ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ኣኼባ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦ-መንበር ሰዲህኤ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ድሕሪ ምቕራቡ፣ ናይቲ ኣኼባ ዝርዝር ኣጀንዳታት ኣቕሪቡ። ዝቐረበ ኣጀንዳትት ብተሳተፍቲ ኣኼባ ምስ ጸደቐ ከኣ ኣቦ-መንበር ተስፋይ፡ ብፍላይ ንሰዲህኤን ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞን፣ ንኤርትራዊ ሃለዋትን ከባብያዊ ምዕባለን ድማ ብሓፈሻ ዝምልከት መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣብ መእተዊ ቃሉ፣ ኣብ ርእሲ ፖለቲካዊ ሃለዋት፡ ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ንዓለምና ኣሻቒሉ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ጠቒሱ፡ ኤርትራውያን ኣብ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዜጋታትና ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ንኢዱ። ኣባላት ሰዲህኤ እውን በብዝከኣሎም ዓቕሚ፡ ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ህጹጽ ወፍሪ ከም ዝሳተፉ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ እቲ ናይ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሓባራዊ መድረኽ ንምምስራት ኮነ ምስ ውድባት ዝግበር ካእባዊ ዘተታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት፡ ኣብዚ ዕማማት ተዋፊረን ካብ ዝጸንሓ ኮሚተታት ዝርዝር ጸብጻባት ሰሚዑ። ብመሰረት እቲ ዝቐረበሉ ጸብጻብ ኣብ ዘካየዶ ሚዛን ክሳብ ሕጂ ተስፋ ዝህብ ምዕባለታት ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣብቲ ዝድለ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ሸቶ ኣብዘተኣማምን ደረጃ ንምብጻሕን እዋናዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምምላስን፡ ዝያዳ ሓላፍነታዊ ጻዕሪ ናይ ኩሎም ወገናት ከም ዝሓትት ገምጊሙ። ንሓቢርካ ኣንጻር ጸረ-ህዝቢ ምቅላስ መተካእታ ከምዘየብሉ ብምርዳእ ከኣ፡ እዚ ዓብይን እዋናውን ዕማም ንድሕሪት ከይምለስ፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ክተሓዝ ባዛዕባ ዝግበኦ ኣቕጣጫ እውን ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብዚ 3ይ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተዘርጊሑ ክጽናዕ ዝጸንሐ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ናይ ዝሓለፈ 4ተ ኣዋርሕ ጸብጻባት በብሓደ መዚኑ። ኣድለይቲ ኣብ ዝበሎም ዛዕባታት ከኣ ኣብቲ ጸብጻብ ተመስሪቱ፡ ውሳነታት ወሲኑ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ቀጻሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኩለ-መዳያዊ ትልሚ ሰዲህኤ ኣነጺሩ።
ኣኼባ፡ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ዓለም፡ ነዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኮሮናቫይረስን ነቲ ካብዚ ቫይረስ ብዘይፍለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተጻዒኑ ዘሎ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ወጽዓ ስዒሩ፡ ናብ ንቡርን ዕዉትን ህይወቱ ክምለስ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። ኣብ መደምደምታ ድማ ኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምዝቐደመ መደባት ሰዲህኤ ኣብ ምዕዋት ክተግሁ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
ዞባ ኤውሮጳ ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ነቲ መሰረት ቅዋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ እተዳሉ ኣሳናዳኢትን ሓጻይትን ሽማገለን ብዕለት 28/03/2020 ብ5ተ ዝኣባላታ (ማለት ክልተ ካብ ዓዲ እንሊዝ፡ ሓደ ካብ ጀርመን፡ ሓደ ካብ ደንማርክ፡ ሓደ ካብ ሽወደን) ሽማገለ ኣቊማ። ብምቅጻል ዝተመርጹ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ብዕለት 04/04/2020 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ፡ ቀዳማይ ኣኼባኣ ብምክያድ ነብሳ ሰሪዓ ስራሓታ ኣብ ምጅማር ትርከብ ። ከምቲ ልሙድ ሰውራዊ ስጡም ኣሳሪ መሪሕ ጭርሖና ከኣ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!! ክኸውን ኣስሚራትሉ ። ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ 9 ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብሓደ ንኡስ ዞባን፡ ልዕሊ 13 ጨናፍርን ዝሓቆፈ ሰፊሕ ዞባ እዩ።