
ምንጪ ስእሊ,EMBASSY OF THE STATE OF ER
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ “ኣሚሪካዊ ኣባል ባይቶ ኢለምዎ” ንዝበሎ ብምቅዋም ተጸራሪ መግለጺ ከም ዘውጸአ ፈነወ ቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ነቲ እቶም ኣሜሪካዊ ኣባል ባይቶ ብራድ ሀርማን “ኤርትራ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲአት ከይኣቱ ወደባታ እንተዓጽያ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንግዳዊ ንጥፈታታ ከተዓናቕፎ ከም ዝኽእል ምግላጾም” ጠቒሱ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና ንዝበልዎ “ዘሰንብድ እዩ” ኢልዎ። መግለጺ እቲ ኤምባሲ ኣተሓሒዙ ኤርትራ ረዲአት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ከምዘይትዕንቅፍ እውን ሓቢሩ።
እቶም ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ንዘሎ ውግእ ብዝምልከት ዘካየድዎ ኣኼባ ፍሉይ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣሜሪካውያን ሰብ መዚ ኣብ ብፍሉይ ኣብ ዝተመያየጥዎ ነቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሓሳብ ከም ዘልዓልዎ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣስፊሩ። ኣብቲ ኣኼባ መብርሂ ዝሃባ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ኣፍሪቃ ወ/ሮ ሞሊ ብወገነን ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን "ኣሉታዊ" ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ብወደባት ኤርትራ ናብ ትግራይ ንምብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ኣሚተን።
እቶም ተወካሊ ካሊፎርንያ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ፍሉይ ኣኼባ ፡ ኣመሪካ ብቐጥታ ብነፈርቲ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከተብጽሕ ትኽእል እንተኾይና'ውን ነተን ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ተወኪሰምወን። ኣብቲ ወኸሰኦም "ንምዃኑ፡ እቲ ዝህብዎ መልሲ'ኳ እፈልጦ'የ፡ ግና ንመንግስቲ ኤርትራ፡ መግቢ ኣብ ወደባት ኤርትራ ከነራግፍን፡ ማካይንና ብቐጥታ ናብ ትግራይ ክኸዳን ዘፍቅድ እንተኾይኑ ሓቲናዮዶ" ኢሎም። እተን ሓላፊት ጉዳይ ኣፍሪቃ ብወገነን ኣብ ዝሃበኦ መልሲ፡ "ከም'ቲ ትፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ኣሉታዊ'ዩ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ተኽእሎ ከም ዘየለ ደጊመን ኣተንቢሀን።
ኣብቲ ኣኼባ ተሳታፊ ዝነበሩ፡ ኣሜሪካዊ ሓላፊ ምምሕዳር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዶ/ር ዳያና ፑትማን ብወገኖም ክሳብ ሕጂ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝነበሮ ሰብኣዊ ረዲኤት 11 እሚታዊት ጥራይ ከም ዝኣተወ ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ሓቢሮም።
ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንፖሊሲ ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክነቅፍ ዝጸንሐ እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ኣብ ኣእትያ፡ ኣብ ትግራይ ብዝፈጸመቶ በደልን ግህሰታትን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ 4ተ ኣገደስቲ ትካላታን 2ተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ህግደፍን ኣቐዲሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ጠቕላላ ወተሃደራ ስታፋ፡ እገዳ ከም ዝወሰነት ይዝከር። እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እትወስዶ ስጉምቲ ቀጻሊ ከም ዝኸውን እውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Monday, 29 November 2021 06:18 Written by EPDP NA INFORMATION OFFICEቀዳም 27 ሕዳር 2021 ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝነበረ ኣኼባ፡ ሓንቲ ላፕ-ቶፕ ኮምፕዩተር (Laptop Computer) ኣብ ዕጫ ኣውዲቑ። ጉባኤ ዞባ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምሕያል ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ወፈያ ገንዘብን ንዕጫ ዝወድቕ ኣቕሓ ክቕረብን ብዘጽደቖ ዉሳኔ እዩ እቲ መደብ ተኻይዱ። በዚ ኣገባብ ኣታዊ ዝኸውን ገንዘብ ንማሕበራውን ውደባውን ዲፕሎማስያውን ንጥፈታት ሰልፊ ንምዕዋት ዝውዕል እዩ።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እዛ ላፕ-ቶፕ ኮምፕዩተር (Laptop Computer) ኣብ ዕጫ ክትወድቕ መደብ ምስተለመ ኩሎም ኣባላት ብጻዕቒ ተዋፊሮም ስድራቤትን ፈተውትን ከም ዝሳተፉ ብምግባር ኣዝዩ ዕዉት መደብ ከምዝኸውን ጌሮም። ኩሎም ቲኬት ዝገዝኡ ፈተውትን ደገፍቲ ሰልፍናን ዝተዓደምሉ ንህዝቢ ክፉት ኣብ ዝነበረ ናይ ዙም ኣኼባ፡ ኣኼበኛታት እናተመልከቱ ዕጫ ወዲቓ ኣብ ሮቸስተር ኒው ዮርክ ዝተሸጠት ቲኬት ቁጽሪ 763175 ተዓዊታ።
ሓንቲ ላፕ-ቶፕ ብ $500 (ሓሙሽተ ሚእቲ ቅርሺ ኣሜሪካ) ዝተገዝአት 675 ቲኬታት ብ $10 (ዓሰርተ ቅርሺ ኣሜሪካ) ብምሻጥ ልዕሊ $6,000 (ሽዱሽተ ሽሕ) ኣታዊ ክትገብር ክኢላ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ንኹሎም እቶም ኣብ ንጥፈታት ናይዚ ዕጫ ብጻዕቂ ዝተዋፈሩ ኣባላትን፡ ዕጫ ብምግግዛእ ወፈያኦም ዘበርከቱ ዜጋታትን ልዑል ምስጋናኡ የቕርብ። ኣብ ዝመጽእ ተመሳሳሊ መደባት ሓገዝ ናይ ፈተውትን ደገፍትን ከምዘይጋደፈና ምሉእ እምነት ኣሎና።
ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ።
የቐንየልና።
ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!
ክንዕወት ኢና!
ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
11-28-2021
ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምስ ካለኦት 10 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ 2021 ክወዳደሩ ከም ዝተሓጽዩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። እዞም 5 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 15 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብስክሊት ኣብቲ ዝካየድ ዓመታዊ ውድድር ብኣካየድቲ ውድድር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ዙር ጋቦን) ዝውሃብ ኣፍሪቃዊ ሽልማት ንምውሳድ ዝተሓጽዩ እዮም።
እቶም ነቲ ኣህጉራዊ ውድድርን ሽልማትን ተሓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ናሆም ዘርኣይን እዮም።
እቶም መወዳርቶም ከኣ፡ ጉስታቭ ባሶን፡ ኒኮላስ ዲላምኒ፡ ርያን ሂብሲን ልዊስ መንቲጅስን ዝተባህሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ይርከብዎም። ኣብ ርእሲዚ ቦፓውል ዳውሞትን ሶሊማነ ኮነን ዝተባህሉ ደቂ ቡርኪናፋሶ፡ ዝሳተፉ ኮይኖም፡ ካብ ካሜሩን ከኣ፡ ብክሎቪስ፡ ካምዞንግን ኣርቱስ ተላን፡ ኣሊስያካ ሲሶን ካብ ኣይቮሪኮስት፡ ያሲር ሓምዛ ካብ ኣልጀርያን እውን ከም ዝተሓጽዩ እቲ ዜና ሓቢሩ።
ኣብ 2020 ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ያሲም ሓምዛ ካብ ኣልጀርያን “ዝበለ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ” ተባሂሎም ብኣካየድቲ ላ ትሪፒካለ ምሽላሞም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ቢንያም ግርማይ ቅድሚ ሕጂ ብዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብዘመዝገቦ ዓለምለኻዊ ውጽኢትን ንናይ 2021 ክወስድ እዩ ዝብል ልዑል ግምት ኣሎ ።
ቢንያም ግርማይ 24 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጂም፡ ፍላንደርስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ዓለም ናይ ትሕቲ 23 ዓመት 2ይ ደረጃ ብምውጻእ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ምዃኑ ይዝከር።
ቢንያም ንኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ፈላሚ መዳልያ ዘመዝገበ ተቐዳዳማይ ብምዃን ዝበረኸ ዓወት ምስ ምምዝጋቡ ኣብዚ ተሓጽይዎ ዘሎ ውድድር ክዕውት ከምዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ። እዚ ውድድር ካብ ዝተጀመረሉ 2012 ኤርትርውያን ተወዳደርቲ ንሓሙሽተ ግዜ ብልጫ ምውሳዶም ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።
ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቦትኡ ክምለስ'ዩ
Sunday, 21 November 2021 13:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት፣ ስቪላዊ መራሕትን ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ርእሲ ናይ ሓምዶክ ናብ ቦታኡ ምምላሱ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ'ውን ክፍትሑ'ዮም።
ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ብ25 ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋን ንዓኡ ተኸቲሉ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኰነታትን ንሰሙናት ዝቐጸለ ሓያልን ቀጻልን ህዝባዊ ናዕቢ ተኻይዶ ኣብ ልዕሊቶም ዝተቓወሙ ብዝተኸፍተ ተኹሲ ሓያሎ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝፍለጥ እዩ።
ሓላፊ ሰልፊ ኡማ ፋድለላህ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ጠቒሱ፡ እቲ ስምምዕ 21 ሕዳር 2021 ክፍረም ትጽቢት ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ። ካብ ሙሁራት፣ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ተዋጺኦም ነቲ ወተሃደራዊ ክፍልን ሲቪል ኣካላት፡ ዘዛተዩ ብወገኖም ንትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ብዝምልከት መግለጺ ሂቦም። በቲ መግለጺኦም መሰረት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ሚኒስተራቶም ካብ ማእሰርቲ ወጺኦም ናብቲ ዝነበርዎ ስልጣን ክምለሱን፡ እቲ ሱዳን ዝጀመረቶ ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ክቕጽልን ዝብሉ ይርከብዎ።
ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ስቪላዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር ብምፍራስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ኣሰረ፡ ነቲ ስጉምቲ "ዕልዋ" ኣይኮነን ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ስቪልን ሓይልታት ጸጥታን ጎነጽ ክልዓል ዝደፋፍኡ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ስለ ዝነበሩ ነታ ሃገር ካብ ዘስግኣ ኲናት ሓድሕድ ንምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲ ምንባሩ ኣምሲሉ ከቕርቦ ፈቲኑ እዩ። ብኣንጻርዚ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካለኦት ከባብታትን እታ ሃገር ንስጉምቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ብምንጻግ ኣብ ዘርኣይዎ ተቓውሞታት መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ዝመልስዩ ብዝብል ናብ ንቡር ንክምለስ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ ነቲ ዕልዋን ኣዋጅ ህጹጽ ኰነታትን ብምንጻግ ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስን ክሓትት ጸኒሑ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰዳን ኩነታታ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ኣባልነታ ኣብቲ ሕብረት ክድስክል ወሲኑ እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ከኣ ንሱዳን ክትህቦ መዲባቶ ዝነበረት 700 ሚልዮን ዶላር ጠጠው ከም ዘበለቶ ክትገልጽ ጸንሓ እያ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት “ማእሰርቲ ተጋሩ የተሓሳስበኒ” ኢሉ
Wednesday, 17 November 2021 13:24 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ማእሰርቲ ተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘተሓሳስቦ ምግላጹ፡ ቢቢሲ ሓቢሩ። ናይቲ ኮሚሽን ወሃቢት ቃል ሊዚ ትሮስል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኩነታት ተኸቲሉ ኣብ ጐንደር፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ባህርዳርን ካለኦት ከባብታትን ፖሊስ ኢትዮጵያ ተጋሩ ይኣስር ከም ዘሎ ገሊጸን።
እተን ወሃቢት ቃል ብ16 ሕዳር 2021 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፡ እቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ርክብ ዘለዎም ወይ ይድግፉ እዮም ዝተባህሉ ተጋሩ ምዃኖም ጠቒሰን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ማእሰርቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ብዝመስል ከም ዝተኻየደን ከም ዘተሓሳሰቦን ምግላጹ እቲ ዜና ኣዘኻኪሩ።
ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ፡ ሰባት ኣብታ ከተማ ዝእሰሩ ዘለዉ፡ ማንነት መሰረት ብዝገበረ ከምዘይኮነ ገሊጹ። ናይቲ ኮሚሽን ወሃቢ ቃል ካብቶም ዝእሰሩ መብዛሕትኦም ተጋሩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ፡ ካብ ካለኦት ብሄራት ኢትዮጵያ እውን ዝተኣሰሩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
እተን ናይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ወሃቢት ቃል ኣብ መግለጺአን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ካብ ሓደ ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ከም ዝተኣስሩ ዝሕብር ጸብጻብ ናብቲ ኮሚሽን ከም ዝቐረበ ጥቒሰን እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝኸውን ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ እቶም ሰባት ተኣሲረምሉ ዘለዉ ቦታ ደረጃኡ ዘይሓለወ መደበራት ፖሊስ ምዃኑ ኣስፊረን።
እተን ወሃቢት ቃል እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ከምዘይንገሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ዝገልጽ ኣታሓሳሳቢ ጸብጻብ ከም ዝቐረበን ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ ናይቶም እሱራት መሰልን ድሕንነትን ክሕለው ሓቲተን። ብዘይካዚ 10 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን 34 ምስቲ ትካል ዝተወዓዓሉ መራሕቲ መካይንን ምእሳሮም እውን ኣዘኻኺረን፡ እዞም እሱራት ወይ ክፍትሑ ወይ ከኣ ናብ ሻራ ዘየብሉ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጸዊዐን።
ሊዝ ትሮሰል ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ጀሚሩ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ንሰብኣዊ ሓለዋን ሰብኣዊ ኣቕርቦትን ከም ዝሓላልኾ ዘለወን ስግኣት ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣዋጅ ንዘተግብሩ ኣካላት ሰባት ኣሲሮም ናይ ምሓዝን ምጽናሕን ዕድል ከም ዝህብ ሓቢረን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤንን ፍልልያት ምስፋሕን ዘኸትል ብምዃኑ ነቲ ኮሚሽን ከም ዘተሓሳስቦ እቲ ዜና ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ዝኣወጀ ህወሓት ንወሎ ተቖጻጺሩ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዋ ንምዕቃብ ሃገራዊ ልኡላውነት ብዝብል ምዃኑ እውን እተን ወሃቢት ቃል ጠቒሰን።
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብ12 ሕዳር 2021 ብመሰረት መፈጸሚ ትእዛዝ ቁጽሪ14046 ብመገዲ ገንዘባዊ ትካል (ትረጀሪ) ናይታ ሃገር ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኤርትራ እገዳ ከም ዝወሰነ ነዚ ብዝምልከት ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም እገዳ ዝተወሰኖም ትካላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሐን (ህግደፍ) ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ)፡ ሕድሪ (ትራስት)ን ኮፖረሽን ቀይሕ ባሕር (ኮቀባ)ን እዮም። ካብ ሓለፍቲ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብረሃ ካሳ ነማርያም ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታን ሓጐስ ገ/ህይወት ወልደኪዳን ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍን እዮም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘነጸሮ ጠንቂ ናይዚ እገዳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ወተሃደራዊ ጐንጽን ምዃኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።.
እዚ ናይ እገዳ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ ህድኣትን ሓድነት ሃገርን ከይረጋገጽ ሸለልትነት ዘርኣዩ ዝተወስደ እዩ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኩሎም መሓዙታ ዞባውን ዓለም ለኻውን ህድኣት ምእንቲ ክረጋገጽ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ምቁራጽ ዝዓለመ ዘተ ክብጻሕ ትሰርሓ ኣላ።.
በቲ መግለጺ መሰረት ህላወ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰትን ቀጻሊ ንክኸውን ጠንቂ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ እውን ተሓቢሩ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ብ17 መስከረም 2021 ዝኸተምዎ መፈጸሚ ትእዛዝ፡ ናብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘቕነዐ ከምዘይኮነ ከኣ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣሜሪካዊ ትካል ገንዘብ ሓላፊ ምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ንብረት፡ ኣንደርያ ኤም ጋኪ ነቲ ኩነታት “ነቲ ቀጻሊ ተግባር ናይቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግህሰት ዝፈጸሙን፡ ንሓድነት ኢትዮጵያ ሸለል ዝበሉን ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈጸሙን ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ንኹንኖም” ክብሉ ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ትካል ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኣሻሓት ዘሳቒ ዘሎ ዞባዊ ቅልውላው ንክናዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ኩሉ ዓቕሞምን ስጣኖም ከም ዝጥቀሙ ኣገንዚቦም።
እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናይቲ ጐንጺ ኣካላት ብዘይቅድመ ኩነት ናብ ዘተ ክቐርቡ ይግበኦም ኢሉ። ካብዚ ሓሊፉ ኣሜሪካ ናብ ልዝብ ምእንቲ ክቐርቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተወሳኺ ስጉምታት ክትወስድ ድልውቲ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ጭቡጥ ነገር ከምዘየለ ኣስፊሩ
ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል ብ7 ሕዳር 2021 ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ ኤሊሰንጎን ምክትል ሓላፊ ሰብኣዊ ረዲአት ሕቡራትን ኣወሃሃዲ ህጽጹ ሓገዝን ማርቲን ግሪፊትስን ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዘዘራረቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ህወሓትን ወሃብ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሓቢሮም።
ኣቶ ጌታቸ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ምስቶም ሓለፍቲ ብሓፈሻ ብዛዕባ ፖለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ከምኡ እውን ንዞባዊ ምዕባለታት ኣብ ዝምልከት ዝተገብረ ርክብ ውጽኢታዊ ምንባሩ ጠቒሶም።
ኣብቲ ርክብ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም መርገጺ ትግራይ እንታይ ምዃኑ ንኽልቲኦም ልኡኻት ከም ዝገለጽሎም ክሕብር እንከሎ፡ ንዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ዝተዘራረብሉ ዛዕባታት ዝምልከት ሓበሬታ ግና ኣይተገልጸን።
እዞም ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዶ/ር ደብረጼን ዝተራኸቡ ኣጋይሽ ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይ ዘሎ ፐለቲካውን ሰብኣውን ቅልውላው ንክፈትሑ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ክገብሩን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራከቡን ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ኣብቲ ዕለት ጉዳዮም ወዲም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመልሱ ከኣ ተፈሊጥይ።።
ሮይተርስ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ እቲ ርክብ ኣብ መቐለ ከም ዝተኻየደ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ ወሃብቲ ቃል መግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባቲ ርክብ ርኢቶ ክህቡ ተሓቲቶም ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑ ጠቒሱ።
“ጥምረት ሓይልታት ፈደራሊስትን ኮንፈደራሊስትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ስያመ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምብዳህ 9 ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ብ4 ሕዳር 2021 ጥምረት ከም ዝመስረቱ ምግላጾም ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ናይ ኢንፎርመሽን ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ምክትል ሚኒስተር ብወገኖም “እዚ ዝተመስረተ ጥምረት ፖለቲካዊ መሰረት ዘየብሉ ድኹም ምትእኽኻብ እዩ” ኢለምዎ።
ኣብቲ ጥምረት ካብ ዝኸተሙ ኣካላት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ግንባር ብሄራዊ ናጽነት ሲዳማን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣገውን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ጥምረት ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዓላማ ከም ዘለዎ ከኣ ወሃብ ቃል ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣንበሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ፡ ኣብ ዘስሞዎ ቃል፡ እቲ ጥምረት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ወይ ብዘተ ብምውጋድ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ትልሚ ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም። ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ትካል ሓበሬታ ምክትል ምኒስተር ከበደ ደሲሳ ብወገኖም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፡ ነቲ ጥምረት ድኹም ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ ብዝብል ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም እቲ ጥምረት ብምምስራቱ ከምዘይተገረሙ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዚ እዩ ዝበሃል ደገፍ ከምዘይነበሮ ሓቢሮም።
እዚ ጥምረት ዝምስረት ዘሎ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝለዓለ ደረ ጃ ኣብ ዝበጸሓሉ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ጥምረት ዝመስረቱ ኣካላት ኣብ መጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት እዩ ብዝብል ግምት እዚ ናይቲ ጥምረት ስጉምቲ ንዓኡ ናይ መጀመሪ ክኸውን ብዝብል እዩ።
እቲ ጥምረ 9 ኣካላት ዝሓቖፈ ካብ ትግራይ፡ ጋንቤላ፡ ጉሙዝ፡ ዓፋር፡ ሶማልያ፡ ኦሮሞ፡ ኦሮሞን ቅማንትን ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዝተወከልሉ እዩ። እቲ ጥምረት ነቶም ጀመርቲ ጥራይ ሒዙ ዝቕጽል ዘይኮነ፡ ካለኦት ኣካላት ክሕወስዎም ኣብ ምዝርራበ ምህላዎም ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። እቲ ጥምረት ናይ ሓይልታት ፈደረሽንን ኮንፈደረሽንን ኮይኑ፡ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዘሎ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ስርዓት ፈደራሊዝም ንምቕጻል ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።
ጅግና ተቓላሳይ ዑስማን መሓመድ እስማዒል፣ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ወጋሕታ፣ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ ሃገረ ግብጺ ከተማ ካይሮ ብሞት ከም ዝተፈልዘ ዝሕብር መርድእ ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንናን ሰንቢድናን።
ስዉእ ዑስማን መሓመድ ሃገራዊ ግቡኡ ንክፍጽም ብ1965 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ከም ዝተሰለፈ ታሪኽ ህይወቱ ይሕብር።
ተጋዳላይ ዑስማን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ካብ ቃልሲ ከምዘይተፈልየን፡ ዓበዝቲ ፈተንቲ መድረኻት ናይ ቃልሲ ዝሰገረን፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ጽፍሕታት ከም ዝተቓለሰን ክሳብ መራሒ ብሪጌድ በጺኹ ከም ዝነበረ እውን ታሪክ ቃልሱ ኮነ ናይ ቀረባ መቓልስቱ ዝፈልጥዎ እዩ።
ሞት ዘይተርፍ ናይ ኩልና ዕዳ እዩ እሞ፡ በዚ ጋጣሚ መሰረታትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንቤተሰቡን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም፣ ንስዉእ ዑስማን መሓመድ ከኣ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እንዳበልና ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ካብታ ኣብ ኡጋንዳ ክትወዳደር ዝቐነየት ጋንታ ትሕቲ 20 ዝዕድሚአን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሓሙሽተ ካብኣተን ብ2 ሕዳር 2021 ኣብ ካምፓላ ከም ዝተሰወራ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 ጥቅምቲ ዝጀመረን ክሳብ 9 ሕዳር 2021 ዝቕጽልን ከባብያዊ ውድድር ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሰካፋ) ኮይኑ፡ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ እዩ። ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ኣብ ዝገበረቶ 2ተ ግጥማት፡ ብታንዛንያን ብኢትዮጵያን ከም ዝተሳዕረትን 3 ሕዳር 2021 ከኣ ምስ ኣእንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ክትጻወት መደብ ከም ዝነበራን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ግዜ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብተመሳስሊ ኣገባብ ክጠፍኡ እዚ ንኻለኣይ ግዜ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 እውን 5 ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ከም ዝጠፋኣ ዘኪሩ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ነዚ ምስዋር 5 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብዝምልከት ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ይጻረ ከም ዘሎ እዩ ሓቢሩ። ካብ ኡጋንዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ከኣ ናይቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዳይረክተር ተጻወቲ ዘይሃድምሉ ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ ከም ዝበሉ ዝጠቅስ እዩ።
እቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ኡጋንዳውያን ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኡጋንዳውያን ኣባላት ናይቲ ማሕበር ብወገኖም፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመሓላሊፎም ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይታ ሃገር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብፍሊጦም፡ ተጻወቲ ኣብቲ ዝተመደበሎም ሆቴላት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝነበሩን ግቡእ ሓለዋ ከም ዝነበረን ሓቢሮም።
ቅድሚ ሕጂ ብ2019 ተጻወቲ ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ካብ ኡጋንዳ፡ ከምኡ ከኣ ብ2015 ዓሰርተ ኤርትራውያን ተጻወቲ ካብ ቦትስዋና፡ ብ2013 ኣብ ኡጋንዳ 13 ኤርትራውያን ምስ ሓኪሞም ናብ ሃገርና ኣይንምለስ ኢሎም ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ ብ2009 ከኣ ኣብ ኬንያ ብዘይካ መሪሕነትን ኣሰልጣንን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምሉኣ ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰት ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜናዊ ጸብጻብ ከም ድሕረ ባይታ ጠቒሱ።
ናይዚ ኩሉ ናይ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ዘይምምላስ ውሳነ ጠቂ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ፡ ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽል ዝኣመሰሉ ተመጐቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጽዎ ዝጸንሑ እዩ።