ሓድሽ ዝቆመ ጥምረት ተቓወምትን ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያን

2021-11-06 10:38:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1066 times

“ጥምረት ሓይልታት ፈደራሊስትን ኮንፈደራሊስትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ስያመ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምብዳህ 9 ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ብ4 ሕዳር 2021 ጥምረት ከም ዝመስረቱ ምግላጾም ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ናይ ኢንፎርመሽን ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ምክትል ሚኒስተር ብወገኖም  “እዚ ዝተመስረተ ጥምረት ፖለቲካዊ መሰረት ዘየብሉ ድኹም ምትእኽኻብ እዩ” ኢለምዎ።

ኣብቲ ጥምረት ካብ ዝኸተሙ ኣካላት፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ግንባር ብሄራዊ ናጽነት ሲዳማን ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣገውን ከም ዝርከብዎም እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ጥምረት ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዓላማ ከም ዘለዎ ከኣ ወሃብ ቃል ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ናይ ምፍርራም ስነ-ስርዓት ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ወኪሎም ዝተረኽቡ ኣንበሳደር ብርሃነ ገ/ክርስቶስ፡ ኣብ ዘስሞዎ ቃል፡  እቲ ጥምረት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ወይ ብዘተ ብምውጋድ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ትልሚ ከም ዘለዎ ኣፍሊጦም።  ናይ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ትካል ሓበሬታ ምክትል ምኒስተር ከበደ ደሲሳ ብወገኖም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ርክብ፡ ነቲ ጥምረት ድኹም ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ  ብዝብል ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም  እቲ ጥምረት ብምምስራቱ ከምዘይተገረሙ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዚ እዩ ዝበሃል ደገፍ ከምዘይነበሮ ሓቢሮም። 

እዚ ጥምረት ዝምስረት ዘሎ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየደ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝለዓለ ደረ ጃ ኣብ ዝበጸሓሉ ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ጥምረት ዝመስረቱ ኣካላት ኣብ መጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት እዩ ብዝብል ግምት እዚ ናይቲ ጥምረት ስጉምቲ ንዓኡ ናይ መጀመሪ   ክኸውን ብዝብል እዩ።

እቲ ጥምረ 9 ኣካላት ዝሓቖፈ ካብ  ትግራይ፡ ጋንቤላ፡ ጉሙዝ፡ ዓፋር፡ ሶማልያ፡ ኦሮሞ፡ ኦሮሞን ቅማንትን ፖለቲካዊ ጉጅለታት ዝተወከልሉ እዩ። እቲ ጥምረት ነቶም ጀመርቲ ጥራይ ሒዙ ዝቕጽል ዘይኮነ፡ ካለኦት ኣካላት ክሕወስዎም ኣብ ምዝርራበ  ምህላዎም ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። እቲ ጥምረት ናይ ሓይልታት ፈደረሽንን ኮንፈደረሽንን ኮይኑ፡ ዕላማኡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሕ ዘሎ ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩ ስርዓት ፈደራሊዝም ንምቕጻል ዝዓለመ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ ኣሎ።

Last modified on Saturday, 06 November 2021 12:08