
Special UN Human Rights Rapporteur Kravetz Replaced by Sudanese Lawyer
Tuesday, 13 October 2020 14:15 Written by EPDP Information OfficeThe UN Human Rights Council reported on 8 October 2020 that it appointed Mohammed Abdusalam Babikir from the Sudan to replace Professor Daniel Kravetz who resigned as the UN Special Rapporteur for Eritrea.
It is to be recalled that the 45th Session of the UN Human Rights Council had earlier this summer extended the mandate of Daniela Kravetz for a one year period and was expecting her to summit an oral update on the human rights situation in Eritrea in March 2021.
No reasons were given as to why Professor Kravetz of Chile resigned after serving two years holding the mandate to monitor human rights situation in Eritrea.
It has been 8 years now since the mandate holders, Daniela Kravetz, and before her Sheila Keetharuth before her, were obliged to report from outside Eritrea because the Asmara regime denied them entry to the country. The UN HR Council or the UN system did nothing to overcome that problem.
Growing concerns among Eritreans now is what will happen next, and how the Sudanese lawyer will report on the situation in Eritrea
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመርሖ ኣብ ኣወስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሰዲህኤ ኣኼባ፡ ብ10 ጥቅምቲ 2020 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣወስትራሊያ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ተሳቲፎም።
ኣቦ-መንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኣወስትራልያ ብኣቀማምጣኡ ምስቲ ናይ ካልእ ከባቢ ብዘለዎ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ነዚ ኣኼባ ብፍሉይ ምስራዕ ከም ዘድለየ ሓቢሩ። ድሕርዚ ነቶም ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ንነጀው ኣብ ኩሉ መዳያት ካብ ዝተዓሙ ስረሓት ቀንዲ ቀንዶም መብርሂ ሂቡ። ኣብ መብርሂኡ ድሕሪ ሰልፋዊ ምዕባለታት ምጥቃሱ፡ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተጠርኒፎም ብሓባር ክቃለሱ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ከኣ ብፍላይ ገሊጹ። ነዚ ንምዕዋት ግደ ሰዲህኤ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ’ውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ንመጻኢ እውን፡ ሰዲህኤ ንጉዳይ ሓድነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቅድሚት ሰሪዑ፡ ክደፍኣሉ ምዃኑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ግደ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራልያ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣዝዩ ዕዙዝ ምንባሩን ንመጻኢ እውን ትጽቢት ሰልፊ ካብ ኣባላቱ ኣብ ኣወስትራልያ ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሩ።
ድሕሪ መብርሂ ኣቦ-መንበር ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ መንእሰያት፡ ፋይናንስን ዜናን ብዛዕባ ምንቅስቓስ ናይተን ዝመርሕወን ኣብያተ ጽሕፈት ሓጸርቲ መብርህታት ኣቕሪቦም። ናይተን ዝተረፋ ኣብያተ-ጽሕፈት ምንቅስቓስ ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዝርከብ ከኣ፡ ነቲ ኣኼባ ብዝመርሐ ኣቦመንበር ተስፋይ ወልደሚካኤል ሓጺር መብርሂ ተዋሂቡ። ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣወስትራልያ ከኣ፡ ብሓለፍቲ ዞባ ጸብጻብ ቀሪቡ።
ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ምድልዳል ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ፡ ሰዲህኤ ምስ ካለኦት ኣካላት ዘለዎን ንመጻኢ ክህልዎ ዝግባእን ዝምድና፡ ብዛዕባ ሰዲህኤ ምስ ውድባት ዘካየዶ ምሉእ ሓድነትን ዝተጓዕዘሉ መስርሕን፡ ኣድላይነት ምክያድ ቀጻሊ ኣኼባታት፡ ወሳኒ ተሳትፎን ግደን መንእሰይ ብዛዕባ ዝሕይለሉ፡ በብኹርናዑ ዝምዕብሉ ብዛዕባ ዘለዉ ከም ይኣክል ዝኣመሰሉ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ከባቢና ሃገራት ዝረአ ዘሎ ንሃገርና እውን ዝጸልዉ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ሕቶታት ኣቕሪቦም ዝርዝር መልስታት ከኣ ተዋሂብዎም። ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘቕረብዎም ኣገደስቲ ለበዋታት ከኣ ተመዝጊቦም።
ኣብ መዕጸዊ ኣኼባ ኣቦ-መንበር ተስፋይ ንተሳተፍቲ ደጊሙ ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ንደልዮ ዓወት ንክንበጽሕ ናይ ኩልና ኣበርክቶ ወሳኒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ተሳትፎም ኣብ ኩሉ መዳያት ዝያዳ ክሐይሉ ተላብዩ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ቀጻሊ ንክኸውን ኣድላይነት ከምዘለዎ ጠቒሶም፡ ብዘለዎም ዓቕሚ ሰልፎም ከሐይሉ ከም ወትሩ ቅሩባት ምዃኖም ብምርግጋጽ ኣኼባ ተደምዲሙ።
ብጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተወደበ ን“ህዝባዊ ምልዕዓል” ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ4 ጥቅምቲ 2020 ተዋሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት እዩ።
ነዚ ኣስተምህሮኣዊ ኣኼባ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ቅድም’ቲ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ኢሉ ንተሳትፎኦም ምስ ኣመስገነ፡ ቅድሚ ሕጂ እውን በዚ ጥምረት ዝተዳለወ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ብብጻይ ኣማኑኤል በራኺ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣስተምህሮ ከም ዝተዋህበ ሓቢሩ፡ ንመጻኢ እውን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ቀጻሊ ኣስተምህሮ ከም ዝወሃብ ገሊጹ።
ብጻይ ያሲን ዕዑስማን ኣብዚ ኣስተምህሮኡ ህዝባዊ ምልዕዓል ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ንምብራህ ኣብ ዘቕረቦ መበገሲ ሓሳብ፡ “ተመሳሳሊ ድሌትን ሓሳብን እንዳሃለዎ ፋሕ ዝበለ ዓቕሚ ምጥርናፍ፡ ብመጽናዕትን ተቐባሊ ባይታ ብዘለዎን ክውደብ ከም ዝግባእ፡ ናይ ቁጠዐን ሲቪላዊ እምቢታን ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ፡ ኣብ ምሕያሉ ግደ ጸለውቲ ኣካላት…ወዘተ” ዝብሉ ኣምራት ኣስፊሑ ገሊጹ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ናይ ህዝባዊ ምልዕዓል ናይ ለውጢ ሓያልነት ንምብራህ ብሓፈሻ ንናይ ዓረብ ምልዕዓል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ከባቢና ካብ ቱኒዝያ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝተራእዩ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ ኤርትራውያን ዝተጋህደ “ይኣክልን” ካለኦት ተበግሶታትን ከም ኣብነት ጠቒሱ። ብፍላይ ከኣ ንግደ መንእሰይ ኣብ ምዕዋት ህዝባዊ ምልዕዓል ኣዕዚዙ ገሊጹ።
ድሕሪ እዚ መበገሲ ሓሳባት ብተሳተፍቲ እቲ ኣስተምህሮ፡ “ግደና ኣብ ምሕያል ይኣክል ክሳብ ክንደይ እዩ?፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ንክዕወት ዝግበር መጽናዕቲ ከመይ ይትግበር? ህዝባዊ ምልዕዓልን ነብሰ-ምክልኻል ዘውሓሰ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልስን ብኸመይ ይመጋገቡ? ህልዊ ናይ ኤርትራውያን ምልዕዓል ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ናይ ካለኦት ተመክሮ ብኸመይ ይዛመድ?” ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ቀሪቦም።
“ኣብዚ ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ እንሰግኣሉ ዘለና እዋን ግደ ናይቲ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ዝውርወር ዘሎ ህዝባዊ ምዕዓል ኤርትራውያን ዕዙዝ እዩ” ዝበለ ብጻይ ያሲን ዑስማን፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ ሕቶ ንምምላስ ብኣብነት እናሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ድሕሪ እዚ ተሳተፍቲ መድረኽ ሕቶን መልስን ምስተወደአ፡ ዝተፈላለዩ ምስቲ ኣርእስቲ ዝዛመድ እዋናዊ ጉዳያትን ንመጻኢ ናይ ለውጢ ዓቕሚ የሕይሉ ኣብ ዝበልዎምን ዛዕባታትን ርኢቶታት ሂቦም። ዝያዳ ከኣ ሰዲህኤ ኣብቲ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓቢርካ ንምቅላስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣድማዒ ግደ ንክጻወት ንምሕያል ሰልፋዊ ዓቕሚ ዕዙዝ ቆላሕታ ምሃብ ዘይስገር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምእንቲ ከብቀዓና እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ናይ ምድላብ ኣስተምህሮ ቀጻሊ ንክኸውን ተላብዮም።
ብኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝተመርሐ ኣኼባ ንኡስ ዞባ ጀርመን ተኻይዱ
Monday, 21 September 2020 21:32 Written by ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመንብኣባላት ማእከላይ ባይቶ፣ ሓው ንጉሰ ጸጋይን ሓብትና ትዕበ ተኪኤን ዝተመርሔ፡ ኣኼባ ኣባላት ንኡስ ዞባ ጀርመን፡ ኣብ ዕለት 19.09.2020 ብመራኸቢ ብዙሓን ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ብናይ ሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰናይ ትምኒትን ካብዚ ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ (Covid-19) ብደሓን ኣጽንሓናን ዝብል ትስፉው መግለጽን ንተሳተፍቲ ኣባላት ዘለዎ ኣድናቆ ብምሕባር እዩ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ ዕላማን ናይቲ ኣኼባ ሓጺር መእተዊ ብምቅራብ ኣኼባ ንኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኣሕሊፉ። ኣባላት ባይቶ ሒዞሞም ዝመጹ ኣጀንዳታት፡
- ሓፈሻዊ ሓበሬታ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፍን ሃገርናን፣
- ኣብ ከባቢና ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝረኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታትን ኣብ ህዝብናን ሃገርና ዝህልዎ ጽልዋ፤
- ኩነታት ደንበ ተቓውሞን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን፤ዝብሉ ነይሮም።
ብቐዳምነት ሓው ንጉሰ ጸጋይ ሰልፍና ሒዝውዎ ዘሎ መርሆ ናይ ቃልስን ዘጥርዮ ዘሎ ባይታን ተቐባልነትን ድሕሪ ምግላጽ፥ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት እዩ ዝሰፍሐ መግለጺ ሂቡ። ህዝብና ኣብ ልዕልቲ ብስርዓት ኢሳያስ ክወርድድዶ ዝጸንሔን ዘሎን ኩሉ መዳያዊ ግፍዕታት፡ ተወሳኺ ብኮረና ቫይረስ (Covid-19) ኣምሲልካ ዝወርዶ ዘሎ ኣሰቃቒ መርጋጥ ዝብል ኩነታት ከይኣኽሎ፡ ብባህርያዊ ሓደጋታት ምዕልቕላቕ ናይ ዝናብን፡ ዕስለ ኣንበጣን እውን እህሰ ከም ዘሎ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ተደራራቢ ሕሰማት ድማ ኣብ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተወሳኺ ጻዓትን ምቅልጣፍን ከድልየና ምዃኑ ሓቢሩ። ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን፡ ካብ 1.5 ሚልዮን ዘይውሕድ ህዝቢ ብሓደጋታት ዝናብ ምዝንባሉን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ብኢሳያስን ማሓዙቱን ዝግበር ዝነበረ ፈኸራ ኣፍሺሉ ምርጫ ተኻይዱ፡ ኣባላት ፓርላማ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ‘ውን ምርጫ ክካየድ ከምዝካኣል ይዛረቡ ምህላዎን ዝኣመሰሉ ምዕባለታት ንዓና ከም ህዝብን ሃገርን ጸለውቲ ምዃኖም ብሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።
ካብዚ ብምቕጻል እቲ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደ እቲ ካልኣይ ዛዕባ ኣተሃላልዋን ምዕባለታትን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ እዩ። ኣብዚ እውን ሓው ንጉሰ ጸጋይን ሓብትና ትዕበ ተኪአን ኣባላት ማ/ባይቶን፡ ሓው ይሳቕ ወ/ማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳን፡ እናተመላልኡ ዝርዝር መግለጺ ኣቕሪቦም። እዚ ዝኸይድ ዘሎ ምቛም ሓይሊ ዕማማት እውን ናብ ዝለዓለ ተግባራውነት ናይቲ ጥምረት ከብጽሓና ከም ዝኽእል ኣብሪሆም። ብዘይካዚ ኣባላት ሰልፊ ንዘለና ድርብ ዕማማት ንምዕዋት ኣብ ሓባራዊ ስራሓት ኮነ ሰልፋዊ መደባት ትግሃትን ተጻዋርነትን ክህልወና ከምዝድለ ኣመልኪቶም። ደምበ ተቓውሞ ኣብዚ ፈታኒ እዋንዚ፣ ኩሉ ገዲፉ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ተደራራቢ ፖለቲካዊ ኮነ ባህርያዊ ሕሰማት ንሓቢርካ ምስራሕ ዝደፍእን ኣብ ምውጋድ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደፋኢ ተርእዮ ምዃኑ ተገንዚቡ ካብ ምቕልጣፍ ንላዕሊ መዋጽኦ ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።
ብድሕርዚ እቲ ኣኼባ ብሕቶን መልስን ተሰንዩ፡ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት‘ውን ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብዝያዳ ከም ዝሰፍሕ ከምዝህብትምን ጌሩዎ። ብዘዕግብ መልስታት ኣኼባ ኣብ ምድምዳም፣ ኣኼበኛ ንዝኸይድ ዘሎ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሞጒሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትውን ብስፍሓቱ ደረጃ ናይ ለውጢ ተራኡ ከበርክት፡ ኣኼባታትና ብምሉእ ሕልናን ትግሃትን ክንቅጽሎ ተማሕጺኑ ሰላስተ ሰዓታት ካብ ሰዓት 20፡00 ክሳብ 23፡00 ዝወሰደ ምርድዳእን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ኣኼባ ተደምዲሙ።
ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ሃገረ ጀርመን ኣብ ዕለት 18.09.2020 ሰዓት 20፡00 ጀሚሩ ሰዓት 22፡30 ዘወደኤ፡ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ በዚ ንዓለምና ኣሸጊሩ ዘሎ ኮረና ቫይረስ (Covid-19 ) ምኽንያት ብምገባር ብኣካል ንምርኻብ ዝድፋኣሉ ብዘይምዃኑ ብመራኸቢ ብዙሓን እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ፡ ብናይ ኣቦ መንበር ጨንፈር ናይ እንቋዕ ካብዚ ዘሎ ቀዛፊ ለበዳ ሕማም ቫይሩስ ብጥዕናን ሰላምን ኣጽንሓና ብምባል፡ ነቶም ሰዓቶም ኣኽቢሮም ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ብምምስጋን እዩ ኣኼባ ከፊቱ።
ኣብቲ ኣኼባ ካብዝቐረቡ መዛረቢ ዛዕባታት ድማ፡-
- ምምሕዳራዊ ጉዳያት ጨንፈር ሰልፍ፡
- ብሓፈሻ ኲነታት ደምበ ተቓውሞን ንምዕዋት ሓባራዊ ዕማማት ዝሰላሰል ዘሎ ናይ ስራሕ ውዳቤታትን፡ ህልዊ ዞባዊ ኩነታትን ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ዝተመርኮሰ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ፤
- ጉዳይ መንእሰያትን ምንቅስቓሳቶምን ዝብሉ ነይሮም፤
ብመጀመርያ ብኣባላት ሽማግለ ዝቐረበ ውሽጣዊ ኩነታት ጨንፈርና፡ በዚ ህልዊ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ (Covid-19 ) ከይተዓናቐፍና ስሩዕ ኣኼባታትና ብመራኸቢ ብዙሓን ክቕጽል ምኽኣሉ፡ ውሽጣዊ ዲሲፕሊን ጨንፈርና ብዝምልከትን መግለጺ ቀሪቡ። ግዜ ዘምጽኦ ተክነሎጂ ተጠቂምካ እቲ ንቡር ዝኾነ ወርሓዊ ኣኼባታትካ ምትግባር ናብ ቀጻሊ ምዕቡል ናይ ርክብ ኣገባብ ክንምርሽ ከም ዘሎና ተገሊጹ። ኣባላት ጨንፈር‘ውን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጨንፈራዊ ጉዳያቶም ስፍሕ ዝበለ ምርድዳኣትን ዝርርብን ኣካይዶም። ንዘጋጥም ሕጽረታት ብግቡእ ክንምልስን ክገጥምን ድማ፡ ሕድሕድ ምትሕግጋዝ ከምዘድሊ ብሰፊሕ ተዘሪብሉ።
ብድሕሪኡ ኣብቲ ካልኣይ ኣጀንዳ ተኣትዩ። ኣብዚ ጉዳይዚ‘ውን ሰልፍናን፡ ደምበ ታቓውሞን፡ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘለዎ በዳሂ ኩነታት ሓበሬታ ድሕሪ ምልውዋጥ፤ ኣቦመንበር ዞባ ኤውሮጳ ሓው ይሳቕ ወልደማርያም ብወገኑ፡ ንምጥርናፍ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ኣብዚ ኣኼበኛታት ብሕቶን መልስን ሰፊሕን ዓሚቍን ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ንተበጺሑ ዘሎ ምጥርናፍ ካብ ፈላሚ ደረጃ ሓሊፉ ኣብ ምቛም ሓይሊ ዕማማት ምብጽሑ፡ ኣብ ተግባር ንምእታው ንዝተበጽሔ መስርሕ ኣኼበኛታት ብምድጋፍ ሓደ ስጉምቲ ኣብ ምጥርናፍ ሓይልታት ተቓውሞ ከምዝኮነ ርእዮም። እዚ ዝካየድ ዘሎ ተወሃሂድካ ናይ ምስራሕ መደባት፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ከየዐወትናዮ ዝጸናሕና “ጠመተ ናብ ድሕነት ሃገር” ዓቢ ናይ ዓወትና መንገድን ንህዝብና ድማ ዓቢ ብስራትን ስለ ዝኾነ፡ ኩላትና ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ከይሰልከና ናብ ዝዓበየ ደረጃኡ ንምብጽሑ ክንቃለስ ከም ዝግባእ ኣኼበኛ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ‘ዚ ንመንእሰያት ዝምልከት ዛዕባ‘ዚ ብቐዳምነት ኣባል ሽማግለ ጨንፈር መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜ‘ዚ ዘጓንፎም ዘሎ ጸገማትን፡ ጸገማቶም ንምፍታሕ ልዕሊ ዓቕሞም ስለ ዝኾነን ኣብ ዘይተደልየ ስጉምትታት እኣትዉ ከም ዘለዉን ኣብነታት ዘሰነዮ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ነዚ ጸገማት እዚ ንምቅላልን ብዝምልከቶም ኣካላት ጠመተ ክግበረሉን ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ መንእሰያትን ደለይቲ ፍትሕን ብጠቕላላ ዝተሳተፉዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ፍራንክፎርትን ኣብ በርሊንን ዝተኻየደ ኣሞጒሱ። መንእሰያትና እቲ ኩሉ ብምልካዊ ስርዓት ዝወርዶ ዘሎ ሽግራት ከይኣኽሎም፡ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ሰገረ ድማ ናይ ስድራ-ቤት ምጥርናፍ መሰል ዘይምርካቦምን፡ ናይ ተቐባልነቱ መሰል ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ምስንኻሉን ስለ ዝቕጽል ዘሎ፤ ኩላትና ከይሰልከና ደጋጊምና ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድን መዘክራት ብምጽሓፍን ጉዳይ መንእሰያትና ክንቃለሰሉ ኣሎና ብማለት ስምዒት ኣኼበኛ ዝማርኽ መግለጺ ሂቡ። ኣኼበኛ‘ውን ሰልፍና ንሽግር መንእሰያት ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ከይሰልከየ ንከካይዶ ዝጸንሐ ንጥፈታት፡ ሕጂ‘ውን ክቕጽሎ ከም ዝኾነ ብምትእምማን ቅሩብነቱ ብምግላጽ ኣኼባ ኣብ ተደምዲሙ።
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣወሃሃዲ ሽማግለ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣበጊሱ
Friday, 18 September 2020 08:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጋዘጣዊ መግለጺ
17 መስከረም 2020
ኣብ 24 ሰነ 2020፣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ክሰርሑ ናይ ሓባር መግለጺ ምውጸኦም ዝዝክር እዩ። ንዕኡ ንምትግባር ከኣ ኣብ ብዙሕ ኣገዳሲ መዳያት፣ ከም ዲፕሎማሲ፣ ሚዲያን ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ዝኣምሰሉ ስርሖም ጀሚሮም ይርክቡ። እቶም ፖለቲካ ሓይልታት ድማ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒን እዮ። ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውሕደት ስራሕ ዋና መሪሕ፡ (1) ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ናጽነትን ምሕላው፣ (2) ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ሓይሊ ምስዓር፣ (3) ኣብ ኤርትራ ብዙሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፣ ክምኡውን (4) ልዑላውነት ናይ ሕጊ ብምቕባል ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ናጻነቱን መሰላቱን ምርግጋጽ እዩ።
በቲ ናይ ሓባር መግለጺ መሰረት፣ ኣብ 9 ሐምለ 2020 ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዓሰርተሓደ ኣባላት ዝሓዘ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ መስሪቶም። እዚ ሽማግለ’ዚ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲ ለውጢ ንምምጻእ ሓባራዊ መርሓ ግብሪ ንምድላውን ንምትግባርን ዝዓለመ እዩ። ናይዚ ሽማግለ ኣባላት ድማ፡ ዶ/ር መሓመድ በሽር (ኣቦ-መንበር)፣ ኣድያም ተፈራ (ምክትል ኣደ-መንበር)፣ ብሉጽ ኢያሱ (ጸሓፊ)፣ ኢድሪስ ሑመድ (ጸሓፊ)፣ ኣብርሃም ኢያሱ፣ ሓጅ ዓብደልኑር ሓጅ፣ ማሕሙድ መሓመድ ዓሊ፣ መንግስትኣብ ኣስመሮም፣ ሱሌማን ሰዲግ፣ ተኽለሰንበት ተኽላይን ዮሴፍ ኣስገዶምን እዮም።
ኣብ 22 ነሐሰ 2020፣ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ነዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሰለስተ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ስርሑ ጀሚሩ ይርከብ።
ዲፕሎማሲ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም እዚ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሓባር ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ንምትግባር ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ እዩ። ምምሕዳሩ ከኣ ብ ሃይለማርያም ተስፋይ ዝምራሕ፣ አቤል ሃይለ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ብዓለምለኸ ደረጃ ከኣ ወከልቱ ኣብ ሓሙሽተ ዞባዊ ቤት ጽሕፈታት ዘዋፈረ ቅርጻ ኣለዎ። እዚኣቶም ከኣ ብብርሃነ ደበሱ ዝምራሕ-ናይ አፍሪቃ ቤ/ጽ፣ ብወልደየሱስ ዓማርን፣ ጽገየውሃንስ ኪዳነን ዝምራሕ-ናይ አውሮጳ ቤ/ጽ፣ ብሓሰን አል-አሳድ ዝምራሕ-ናይ ማእከላይ ምብራቕ/ኣስያን ቤ/ጽ፣ ብዶ/ር ተሾመ ብርሃነመስቀልን ብኪዳነ ተስፋገብርኤልን ዝምራሕ-ናይ ሰሜን አሜሪካ ቤ/ጽ፣ ከምኡውን ብ ተዓረ ሃይለን ብ ያሲን አብርሃምን ዝምራሕ-አውስትራሊያ/ኒውዚላንድ ቤ/ጽ ይህልዎ፡፡ ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሓላፍነት ከኣ፡ (1) ንናይ ህዝብና ሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ፣ (2) ነቲ ናይ ዲሞክራሲ ቃልስና ብዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ድጋፍ ምርካብ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብምምጻእ፣ ሾቶና ንቕድሚት ንምስጓም እዩ።
ሚድያ፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓባራዊ ናይ ሚዲያ ስራሓት ንምውህሃድን ንምክያድን ሓላፍነት ኣለዎ። ናይ ሚድያ ሓይሊ ዕማም ብሓናን መሓመድ ሳልሕ ዝምራሕ፣ ተኽሉ (ቶማስ) ገብረየሱስ ጸሓፊ፣ ኣባላቱ ድማ፡ ዓብዱላ ዑመር፣ ደበሳይ በየነ፣ ድራር ማንታይ፣ ሃብቶም ብርሃነ፣ ከዋኒ ገብረስላሴ ስዩም፣ መሓመድ ሳልሕ ሓጎስን፣ መሓመድ ብርሃን ብላታን ወልዱ ነጋሲን እዩም። እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ኣብኩሉ ናይ ሚድያ መድረኻት፣ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከምኡውን ካልኦት ተቓወምትን ዓለምለኻውያን ሚድያን፡ ብምውህሃድን ስራሕ ኣብ ምቅልጣፍን ይነጥፍ። ተሓባቢርካ ክስራሕ ዘለዎ ዕላማ ድማ፣ (1) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘይሕጋውን፣ ዘይሞራላውን ዘይፍትሓውን ምዃኑ ምግላጽ፣ (2) ንኤርትራውያን ኣብ ሃገሮምን ኣብወጻእን ዘጋጥሞም ዘሎ ስቅያት፣ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ማሕበራውን ፣ ኤኮኖምያውን ፖለቲካውን ፍሽለታት ምዃኑ ምጕላሕ፣ ከምኡውን (3) ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምስዓር ከኣ ናይ ተቃውሞ ሓይልታት ቃልስን ዓቅሚታትን ምትብባዕ እዩ።
ህዝባዊ ምልዕዓል፡- እዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓበራዊ ናይ ህዝቢ ምውዳብን ምስራዕን ሓላፍነት ዘለዎ እዩ። ብብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝምራሕ፣ ግርማይ ተኪእ ጸሓፊ ኮይኑ፣ ኣባላቱ ከኣ ኣብርሃም ተስፋግዮርጊስ፣ አስገደት ተስፋዮሃንስ፣ ባህታ ተስፋማርያም፣ ደስበለ ገብረህይወት፣ ኢዮብ የማነ ወልደገብርኤል፣ ገብረህይወት መለስ፣ ሓየሎም ዳንኤልን፣ ትዕበ ተኪአን እዮም። ናይዚ ሓይሊ ዕማም’ዚ ሽቶታት ድማ፡ (1) ናይ ኤርትራ ስርዓት መግዛእቲ ብምቅዋም ብሓድነት ደው ብምባልን (ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን) ንህዝቢ ኤርትራ ምልዕዓል፣ (2) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ (ብቐጥታውን ዘይቀጥታውን) መንገዲታት ተጽዕኖ ንምግባር ናይ ፖለቲካ ስጉምቲታት ምውሳድ፣ ከምኡውን (3) ቀጻሊ ናይ ፖለቲካውን ማሕበራውን ስራሓት ብምውህሃድ ናይ ኤርትራ ልዑላውነትን፣ ናይ ህዝባ ሓድነትን ምዕቃብ ይኸውን።
ንናይ ፖለቲካ ሓይልታት ውህደት ስራሕ ንምሕያል ብጸጥታ፣ ብፋይናንሳዊ ጉዳይን ብእስትራተጂያዊ ውጥንን ተወሳኺ ሓይሊ ዕማማት ብምቛም ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ስሩሑ ክቕጽል እዩ። እዚ ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣቦ-መንበራት ላዕለዋይ ተኸታታልነት ዝሰርሕ ኣዋሃሃዲ ሽማግለ’ዚ ነቲ ብ ኣቦ-መንበራት ዝዋሃቦ ቀጻሊ መምሪሕታትን ሓገዛትን ምስጋኑኡ የቅርብ።
ዶ/ር መሓመድ በሺር
ኣወሃሃዲ ሽማግለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
لجنة التنسيقية للقوى السياسية الإرترية تطلق العديد من الأنشطة السياسية المشتركة
Friday, 18 September 2020 08:42 Written by EPDP Information Officeتصريح صحفي
17 سبتمبر 2020
دشنت القوى السياسية الإرترية في 24 يونيو 2020 إعلانًا مشتركًا تعهدت فيه بتنسيق جهودها لإحداث التغيير الديمقراطي في إرتريا ، وقد حددت عملها المشترك في عدد من المجالات المهمة ، بما في ذلك الدبلوماسية والإعلام وأنشطة التعبئة الجماهيرية.والقوى السياسية هى: المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي، الجبهة الوطنية الإرترية، حزب الشعب الديمقراطي الإرتري ، تنطيم الوحدة من أجل التغيير الديمقراطي وتنظيم الوحدة الإرترية من أجل العدالة. اتفق الموقعون على المبادئ التالية: (1) حماية سيادة إرتريا وسلامتها الإقليمية ؛ (2) إزالة النظام الاستبدادي بقوة موحدة للشعب ؛ (3) النجاح في تحويل إرتريا إلى نظام متعدد الأحزاب للحكم الديمقراطي ؛ و (4) الانصياع لسيادة القانون وضمان الحريات والحقوق الأساسية للشعب الإرتري.
في 9 تموز 2020 ، وتنفيذاً للإعلان المشترك ، شكلت القوى السياسية الإرترية لجنة تنسيقية من أحد عشر شخصاً. هذه اللجنة مسؤولة عن تطوير وتنفيذ خطة عمل مشتركة من أجل التغييرات الديمقراطية في إرتريا.
أعضاء اللجنة : الدكتور محمد بشير (رئيسا) ، أديام تفرى (نائبا للرئيس) ، بلوظ إياسو (السكرتير المشارك) ، إدريس همد (السكرتير المشارك) وعضوية كل من : أبراهام إياسو ، الحاج عبد النور الحاج ، محمود محمد علي (علاج) ، منغستاب أسمروم ، سليمان صديق ، تخلى سنبت تخلاي ويوسيف اسقدى.
هذا وقد باشرت اللجنة التنسيقية عملها اعتباراً من 22 أغسطس 2020م بإنشاء فرق العمل الثلاثة التالية:
الدبلوماسية: - فريق العمل مسؤول عن القيام بمهمة دبلوماسية مشتركة للقوى السياسية الإرترية. و يتألف فريق العمل الذي يرأسه المناضل هايلي مريم تسفاي ، وأبيل هايلي كسكرتير ، من ممثلين على مستوى العالم يغطون خمسة مكاتب إقليمية: أفريقيا برئاسة السيد برهان ديبيسو ؛ أوروبا بقيادة ولدسوس عمار وظقايهنس كيدان. الشرق الأوسط / آسيا برئاسة حسن الأسد. أمريكا الشمالية برئاسة الدكتور تيشوم برهانميسكل وكيدان تسفاجبريل ؛ وأستراليا / نيوزيلندا برئاسة تيري هايلي وياسين إبراهيم. مهمة فريق العمل تتلخص في : (1) الدفاع عن قضايا حقوق الإنسان لشعبنا ، (2) حشد دعم المجتمع الدولي لحركتنا المؤيدة للديمقراطية ، و (3) دفع هدفنا المتمثل في إحداث تغيير ديمقراطي في إريتريا.
الإعلام: - يرأس فريق العمل الأستاذة حنان محمد صالح وتيكلو (توماس) غبريسوس كسكرتير ، ويتكون أعضاء الفريق من : عبد الله عمر ، وديبيساي بييني ، وديرار مانتاي ، وهبتوم برهان ، وكواني جبريسلاسي سيوم ، ومحمد صالح حقوص ، ومحمد برهان بلاتا ، وولدو نيغاسي. عبر جميع المنابر الإعلامية ، وتتلخص مسؤولية فريق العمل في التنسيق وتسيير الأنشطة الإعلامية المشتركة للقوى السياسية الإرترية. كما عليه القيام مع القوى السياسية الإرترية ، فضلاً عن وسائل الإعلام المعارضة والدولية الأخرى ، للعمل بشكل تعاوني من أجل: (1) فضح الأعمال غير القانونية وغير الأخلاقية والظالمة للنظام الإرتري ؛ (2) تسليط الضوء على معاناة الشعب الإرتري داخل وخارج البلاد بسبب الإخفاقات الاجتماعية والاقتصادية والسياسية للنظام في إرتريا ؛ و(3) تعزيز نضال قوى المعارضة لهزيمة النظام الديكتاتوري في إرتريا.
التعبئة الجماهيرية: - ومسؤولية فريق العمل هي تنظيم وتنسيق أنشطة التعبئة الجماهيرية للقوى السياسية الإرترية. برئاسة برهان غبريكريستوس وجيرماي تيكي كسكرتير ، يتكون أعضاء فريق العمل من أبراهام تسفارجيس ، أسقدت تسفايوهانيس ، باهتا هايلي مريم ، ديسبلى جيبرهوت ، أيوب يماني ويلديجبريل ، جبرهوت ميليس ، هيلوم دانيال ، وتيهيلوم دانيال. مهام الفريق هى: (1) تعبئة الجماهير الإرترية (داخل وخارج البلاد) للوقوف معًا في مواجهة النظام الإرتري ، (2) تنظيم الأعمال السياسية (بشكل مباشر أو غير مباشر) للتأثير على التغييرات الديمقراطية في إرتريا و (3) تنسيق أنشطة سياسية وغير سياسية مستدامة لحماية سيادة إرتريا ووحدة شعبها.
ستستمر لجنة التنسيق في إنشاء المزيد من فرق العمل في مجالات المتابعة والحماية والشؤون المالية وغيرها من المجالات لتعزيز الجهود المنسقة للقوى السياسية. إن لجنة التنسيق التي تعمل تحت المسؤولية الإشرافية لرؤساء القوى السياسية الإريترية ممتنة لما وجدوه من رؤساء القوى السياسية لتوجيههم ودعمهم المستمر.
دكتور محمد بشير
اللجنة التنسيقية للقوى السياسية الإرترية
Eritrean Political Forces Coordination Committee Launches Various Joint Political Tasks
Friday, 18 September 2020 08:38 Written by EPDP Information OfficePress Release
September 17, 2020
The Eritrean Political Forces, which on 24 June 2020 issued a joint declaration pledging to coordinate their efforts to bring democratic change in Eritrea, have initiated their joint work on a number of important areas, including diplomacy, media, and mass mobilization activities. The political forces are Eritrean National Council for Democratic Change, Eritrean National Front, Eritrean People's Democratic Party, Unity for Democratic Change, and United Eritreans for Justice. The guiding principles bringing the political forces together are: (1) Protecting the sovereignty and territorial integrity of Eritrea; (2) Removing the autocratic regime with the unified power of the people; (3) Successfully transitioning Eritrea to a multiparty system of democratic governance; and (4) Submitting to rule-of-law and guaranteeing basic liberties and rights to the Eritrean people.
On July 9, 2020, in implementing the joint declaration, the Eritrean Political Forces established an eleven-person Coordination Committee. This committee is responsible for the development and implementation of a joint action plan to affect democratic changes in Eritrea. The members of this committee are፡ Dr. Mohammed Beshir (Chairperson), Adiam Tefera (Vice-Chair), Bluts Iyassu (co-Secretary), Idris Humed (co-Secretary), Abraham Iyassu, Haj Abdelnur Haj, Mahmud Mohammed Ali, Menghesteab Asmerom, Suleiman Sediq, Teclesenbet Teclai, and Yoseif Asghedom.
Effective on August 22, 2020, the Coordination Committee has initiated its work with the establishment of the following three task forces:
Diplomacy: - The task force is responsible for conducting a joint diplomatic mission for the Eritrean political forces. Headed by Hailemariam Tesfai, and Abel Haile as a secretary, the task force consists of representatives globally covering five regional offices: Africa headed by Mr. Berhane Debesu; Europe headed by Woldeyesus Ammar, and Tsighehans Kidane; Middle East/Asia headed by Hassen al-Assad; North America headed by Dr. Teshome Berhanemeskel, and Kidane Tesfagebriel; and Australia/New Zealand headed by Teare Haile, and Yassin Abrahim. This task force is charged with: (1) advocating for the human right causes of our people, (2) garnering international community’s support for our prodemocracy movement, and (3) advancing our goal of bring a democratic change in Eritrea.
Media: - This task force is responsible for coordinating and conducting joint media activities of the Eritrean political forces. Headed by Hanan Mohammed Salih and Teclu (Toma) Ghebreyessus as a secretary, the members of the task force include Abdulla Omar, Debessai Beyene, Dirrar Mantai, Habtom Berhane, Kewani Gebreslasie Syum, Mohamed Salih Hagos, Mohammed Berhan Blata, and Woldu Negasi. Across all media platforms, the task force will be coordinating and facilitating the Eritrean political forces, as well as other opposition and international media, to cooperatively work to: (1) expose the illegal, immoral, and unjust actions of the Eritrean regime; (2) spotlight the suffering of the Eritrean people inside and outside the country that it is due to the social, economic, and political failures of the regime in Eritrea; and (3) promote the opposition forces’ struggle to defeat the dictatorial regime in Eritrea.
Mass Mobilization: - This task force is responsible for organizing and coordinating the mass mobilization activities of the Eritrean political forces. Headed by Berhane Ghebrekristos, and Germay Tekie as a secretary, the members of the task force include Abraham Tesfagergiss, Asgedet Tesfayouhaness, Bahta Hailemariam, Desbele Ghebrehiwet, Eyob Yemane Weldegebriel, Gebrehiwet Melles, Hyelom Danial, and Tiebe Tekie. It is the goal of the task force to: (1) mobilize Eritrean masses (inside and outside the country) to stand together in opposition to the Eritrean regime, (2) organize political actions to (directly or indirectly) affect democratic changes in Eritrea, and (3) coordinate a sustained political and social activities to safeguard Eritrean sovereignty and unity of its people.
The Coordination Committee will continue with the establishment of more task forces in the areas of intelligence, financial affairs, and strategic planning to further strengthen the coordinated efforts of the political forces. The Coordination Committee, which operates under the oversight responsibility of the Chairpersons of Eritrean Political Forces, is very grateful to the Chairpersons for their continuous guidance and support.
Dr. Mohammed Beshir
Eritrean Political Forces Coordination Committee
ኣብ ክልል ትግራይ ብ9 መስከረም 2020 “ትግራይ ትመርጽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ኣብዚ ህዝቢ እታ ክልል ኣብ ኩሉ ዞባታት፡ ወረዳታታን ቀበለታትን ብዝለዓለ ኒሕ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ድምጺ ክህበሉ ዝወዓለ ምርጫ፡ 5 ኣብቲ ክልል ዝነጥፋ ውድባትን ኣርባዕተ ውልቀ ሰባትን እዮም ተወዳዲርም። እተን ዝተወዳደራ ውድባት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ([ሳወት)፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት)፡ ባይቶና ዓባይ ትግራይ {ባይቶና)ን ዓሲምባ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ዓዴፓ)ን እየን። ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንደርጊ ካብ ዝሰዓራ ውድባት መሪሕ ብጽሒት ዝነበራን ድሕሪ ደርጊ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምቛም ዓብይ ግደ ዘበርከተትን ነባር ውድብ ኮይና እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ውድባት ግና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተመስረታ እየን። መብዛሕተአን እዘን ውድባት፡ “ትግራይ መሰላት ህዝባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝተሓለወሉ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ክትቅጽል” ዝድግፋ ክኾና እንከለዋ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ግና “ትግራይ ካብ ሎሚ ጀሚራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን ክቃለስ እዩ” ኢሉ ከምዝኣምን ኣብቲ ቅድመ-ምርጫ ዝነበረ ክተዓቶም ተንጸባሪቑ እዩ።
ቦርድ ምርጫ ትግራይ ኣቐዲሙ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ምርጫዚ ክሳተፍ ዝተመዝገበ መራጺ ህዝቢ 2.7 ሚልዮን እዩ። ዝተደመጸሉ መደበራት ከኣ 2672 እዩ። ነዚ ምርጫ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ምርጫታት ፍሉይ ዝገብሮ ከም ዘሎ እቲ ቦርድ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ፍልዩነት ብፍኑው ብዙሕ ድምጺ ዝረኸበ ተወዳዳሪ ኣባል ቤት ምኽሪ ይኸውን ዝበል ዘይኮነ “ሓንፈጽ ንጽጽራዊ” ዝብል ኣገባብ’ ምትእትታው’ዩ። በዚ መሰረት እቲ 80% ወናብር ብቐጥታ ዝለዓለ ድምጺ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ ኮይኑ፡ እቲ 20% ግና ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ዝተዋህበ እሞ ዘይተዓወተ ድምጺ ኣብ ክንዲ ዝባኽን ደሚርካ ብምምቕራሕ ኩለን ውድባት ዝውከላሉ ኩነታት ዝፍጠረሉ እዩ።
እዚ ምርጫ ካብቲ ቅድም ብዝሑ 152 ዝነበረ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ምርጫ ግና ኣባላቱ ናብ 190 ዝዛየደ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ናይ መን ብኽንደይ ወንበር ተወከለ ውድድር እዩ። ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኮነ ናይ ክልል ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ካብ 1995 ጀሚሩ ምርጫ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት እዩ ክካየድ ጸኒሑ። እንተኾነ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምልባዕ ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም ምኽንያት ወሲዱ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት 2020 ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊውን ክልልላውን ምርጫ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣናዊሕዎ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግና ነቲ መናውሒ ምርጫ ኮይኑ ዝቕረበ ምኽንያት “ምኽኑይ ኣይኮነን” ብዝብልን ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ብዝመረጾ ኣካል ናይ ምምሕዳር መሰል ንምዕቃብን ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን። ስለዚ ቅድሚ ወርሒ መስከረም ሓሊፉ፡ ናይቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ቤት ምኽሪ ሕጋውነት ምብቃዑ እዩ ነዚ ምርጫ ኣካይድዎ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምርጫ ዝምልከቶ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ክልላዊ መንስቲ ትግራይ ኮሚሽን መስሪቱ ንምርጫ ዝምልከት ወግዓዊ ምንቅስቓስ ምስ ጀመረ ክቃወሞ ጸኒሑ። እዚ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ብፍላይ ብ6 መስከረም 2020 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ ኣገባቡ ኮነ ውጽኢቱ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ኣውጁ ኣሎ። ነዚ ተኸቲሉ ድሕሪዚ ምርጫ ኣብ መንጎ እቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን በቲ ኣብዚ ምርጫ ዝስዕር ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝህሉ ዝምድና ከመይ ከም ዝቕጽል ሕቶታት ዘልዕል ዘሎ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ካብ 1995 ክሳብ 2015 ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ናይ 2020 ከኣ በይኑ ብዘካየዶም ምርጫታት በቲ ፍረ ቃልሱ ዝኾነ መሰል ርእሰ-ውሳነኡ፡ ብይኾነኒ ኢሉ ዘጽደቖ ሕገ-መንግስትን ብድምጹ ብዘምጸኦ ኣካልን ይመሓደር ኣሎ። እቲ ካብ ናይ ህዝቢ ትግራይ እንተዘይዛይዱ ዘይንእስ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ እነሆ ሕድሩ ተጠሊሙ፡ ንዝሐለፈ 29 ዓመታት ብዘይፈልጦ ሕግን ብዘይመረጾ ውልቀ-መላኽን ይደሃኽ ኣሎ እሞ፡ እዚ ናይ ትግራይ ምርጫ ብሓፈሻኡ ናብ ህዝቢ ኤርትራውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ኣየድልን እዩ ክብል ዝመደረ ዲክታቶር ኢሳያስ ግን ዓብዪ ጽፍዒት እዩ።