ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጐስጓስ ንተሳትፎ መንእሰያት

2021-10-10 10:48:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1191 times

ብጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ ጐስጓስ ንተሳትፎ መንእሰያት፡ ዝምልከት ኣስተምህሮ ብ9 ጥቅምቲ 2021 ተዋሂቡ። ኣብዚ ሓያሎ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳተፍዎ፡ ብመንገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣስተምህሮ፡ ብጾት ያሲን ኢብራሂም፡ ኣስገደት ምሕረተኣብን ደስበለ ካሕሳይን ንኩነታት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ስደት መጽናዕታዊ ጽሑፍት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ብኣላይነት ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ሰዲህኤ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ሓው ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያት ኣገዳሲ መበገሲ ነጥብታት ኣቕሪቡ። ብጻይ ያሲን ኣብ መብገሲ ሕሳቡ፡ ኣገዳስነት ምክያድ መጽናዕቲ ብዛዕባ ጐስጓስን ተሳትፎን መንእሰያት ኤርትራ፡ መንእሰይ ካብቲ ካልእ ክፍልታት ሕብረተሰብ ብፍሉይ ዝረአየሉ ምኽንያት፡ ኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ኣረአእያ መንእሰይ፡ ብሓፈሻ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኩነታት መንእሰያት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ብዝተፈላለዩ ክኢላታት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ብምጥቃስ ኣገዳሲ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ።

ብጻይቲ ኣስገደት ምሕረተኣብ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ተወሊዶምን ዓብዮምን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ኣገባባትን ካብ ኤርትራ ወጺኦም፡  ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ወኸሳታት ዘሰነዮ  መጽናዕቲ ኣቕሪባ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብ ኣወጻጽእኦም ካብ ሃገር ጀሚርካ ዝተፈላለየ ተመኩሮታት ዘለዎም፡ ብኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ዝሓለፉ ምዃኖም ገሊጻ። ብፍላይ እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት እኹል ኣፍልጦ ዘየጥረዩ፡ ብዘይካቲ ክስደዱ ዘገደዶም ጉጅለ ህግደፍ  ብዛዕባኡ ዝነገሮም እንተዝይኮይኑ፡ ብዛዕባ ግደ ህዝቢ ኤርትራን ካለኦት ውድባት ምሉእ ኣብፍልጦ ከምዘይብሎምን ነተን ካለኦት ውድባት በቲ እቲ ጉጅለ ዘስረጸሎም ግጉይ ኣተሓሳስባ “ሓሙሻይ መስርዕ” ኢሎም ካብ ምጽዋዕ ሓሊፎም ካልእ ግንዛበ ከምዘየብሎም ኣስፊራ። ብዘይካዚ ንጉዳያት ኣስፊሕካ ብምራኣይ ኣብ ከም ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣመሰሉ ኣምራት ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ብኣብነታት ኣሰኒያ ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይቲ መንእሰይ ኣተሓሳስባ ክሰፍሕን ኣብቲ ቃልሲ ክሳተፍን ቀጻሊ ኣስተምህሮ ምሃብን ነቲ ንሱ ዝኣምነሉ ኣተሓሳስባ ቀሪብካ ምርዳእን ከም ዘድሊ ሓቢራ።

ብጻይ ደስበለ ካሕሳይ ኣቦመንበር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ ብወገኑ፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝምልከት ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ኣብቲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። ብጻይ ደስበለ ከም መወከሲ ዝወሰዶም ካብ 25 ክሳብ 40 ዝዕድሚኦም ዕባይ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መንእሰያት መብዛሕትኦም ናይ ምምሃር ዕድል ዝረኸቡ ምዃኖም ኣረዲኡ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ናይዞም መንእሰያት ስድራቤት ናይ ስደት ተመኩሮን ኣብቶም መንእሰት ዘሕድሮ ጽልዋን ኣገንዚቡ። ኣተሓሒዙ፡ እዞም መንሰያት ኣብ ፖለቲካ ሃገሮም ከይሳተፉ ጽልዋ ካብ ዘሕድርሎም ካብ መጀመርታ ምስ ኤርትራዊ ኩነታት ዘላልዮም ኣብ ወጻኢ ሓያል ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ዘይምንባሩ ከም ሓደ ምኽንያት ጠቒሱ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ከይተሓጽረ ብኣህጉራዊ ደረጃ ንመንእሰያት ኣብ ዝምልከት ናይ ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከም ኣብነታት ንተሳተፍቲ ገሊጹ። ከምኡ እውን መንእሰያት ኣብ ቃልሲ ተሳቲፎም ናይ ምስግጋር ትውልዳዊ ሓላፍነቶም ንክፍጽሙ ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ጻዕርታትን ጐስጓሳትን ኣስፊሩ።

ተሳተፍቲ ናይዚ ኣገዳስን እውናውን ኣስተምህሮ ድሕሪቲ መግለጽታት፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብኣቕረብቲ ኣስተምህሮን ተሳተፍትን ግቡእ መልስታት ተዋሂቡን ነቲ መጽናዕትታት ዘሀብትም ተወሳኺ ሓሳባት ቀሪቡን። ብዘይካዚ ብዛዕባቲ ኣብቲ ኣስተምህሮ ዝቐረቡ ነጥባታ ኮነ ተዛመድቲ ዛዕባታት ብፍላይውን ኣብዚ ተኣፋፊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ግደ ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብዝምልከት ብተሳተፍቲ ጠቐምቲ ለበዋታትን መተሓሳሰባታትን ቀሪቦም።

Last modified on Sunday, 10 October 2021 12:59