
ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ተወከልቲ ሱዳናውያን ዓሌት ሃደንደዋ ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ሕቡእ ርክብ ከም ዘካየዱ መደበር ተለቪዥ ኤሪሳት ኣቃሊዓ። ኣብዚ ብ16ን 17 ጉንበት 2021 ነቲ ሕቡእ ኣኼባ ዘካየድዎ ሓለፍቲ ጸጥታ ህግደፍ ብሪጋደር ጀነራል ኣብረሃ ካሳ፡ ኮለኔል ዮናስ ብጹኣምላኽን ኮለኔል ወልደዝግን ምዃኖም እቲ ካብ ኤሪሳት ዝተረኽበ ሓበሬታ ጠቒሱ። ካብ ሰዳናዊ ዓሌት ሃደንደዋ ኣብዚ ኣብ ፕረሲደንታዊ መቐበል ኣጋይሽ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ምስጢራዊ ናይ 2ተ መዓልታት ርክብ ጸለውቲ ታባሂሎም ዝተሳተፉ ከኣ ዑምዳ ሸባብ ድራር፡ ሓጅ መሓመድ ፍካክ፡ ሑመድ መሓመድ ዓባስን ሸኽ ሱሌማን ዓሊ ቢታይን ነይሮም።
ዕላማ ናይዚ ን2ተ መዓልታት ዝተኻየደ ምስጢራዊ ርክብ፡ ኣብ ዞባታት ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ሱዳንን ዘሎ ዓሌታዊ ጉንጺ ንምስዋር እዩ። ድሕሪ’ዚ ካብቶም ኣብዚ ርክብ ዝተረፉ ደቂ ሃደንደዋ እቶም 3 ብማይ ህመት ኣቢሎም ናብ ፖርት ሱዳን ክምለሱ እንከለዉ፡ ዑምዳ ሸባብ ድራር ግና ብመንገዲ ዱባይ ኣቢሉ ናብቲ ዝነብረሉ ሃገር ግብጺ ከም ዝተጓዕዘ እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ናይ ምዝራግ መደባቶም ንምዕዋት፡ ኣብ ባንክ ኤርትራ ብስም ሱሌማን ዓሊ ቢታይ ሕሳብ ክኽፈተሎም እንከሎ፡ ብጥሪኡ ከኣ 3 ሚሊዮን ዶላር ተዋሂብዎም። ከምኡ እውን ኣብ ኡንዱርማን ብስም ወሃብ ፍካክ ዝበሃል ኣካሎም ኣብ ዘሎ ሕሳቦም፡ ካብ ንግዳዊ ትካል ህግደፍ ኮርፖረሽን ቀይሕ ባሕሪ ልዕሊ 7 ቢልዮን ጅኔ ሱዳን ተቐሚጥሎም። ብዘይካዚ ብ19 ጉንበት 2021 ካብ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ 500 ጠበናጁን 34 ሸጓጉጥን ከም ዝተዋህቦም ተጠቑሱ።
እዚ ብህግደፍ ዝድገፍ ናይ ሱዳናውያን ዓሌት ሃደንደዋ፡ ዕላማኡ ንከዕውት ምድላዋት ዝገብረሉ ኣብ ኤርትራ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ ቦታ ተዋሂብዎ ኣሎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድፍኢት ጉጀል ህግደፍ ከኣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምብራቕ ሱዳንን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖርት ሱዳን ቀቢላዊ ጐንጺ ስለ ዝተለዓዓለ መንግስቲ ሱዳን ኣብተን ከባብታት ሰዓታት እቶእቶ ክእውጅ ተገዲዱ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ቀቢላታት ቤጃን በንዓምርን ህውከት ኣለዓዒሉ ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ሱዳን እውን ህውከት ኣብ ምፍጣር ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ
(ብፈነወ ቲቪ ኤሪሳት ዝተፈነወ)
ዝኸበርኩም ምምሕዳር ፈነወ ቲቪ ኤሪሳት፡
ኣብዚ ክቡር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ናብ ህዝብን ዓለምን መልእኽተን ከመሓላልፋ ብማለት ንዘቕረብምኩልና ዕድመ፡ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስጋናና ነቕርብ። ኣብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ዕድመ ናጽነት ኤርትራ፡ ቃልና ንኸይስማዕ ተዓፊኑ ጸኒሑ እዩሞ፡ ነዚ ዓፈና’ዚ ሰቢርኩም፡ ንጥሩምባ መንግስቲ ምልኪ ጥሒስኩም፡ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ድምጺ ከተስምዑን፡ ነቲ መሰረታዊ ባህጊ ኤርትራውያን ከተቃልሑን ምምራጽኩምን ምኽኣልኩምን፡ ኣብዚ ዕለተ ናጽነት ዕዙዝ ሃገራዊ ክብሪ ልበሱ። ሕጂ’ውን ኤሪሳት፡ ምስ ኩለን’ተን ከምኡ ዝኣመሰላ ማዕከናት እናተሓባበረ፡ ቁልዒ ሓርነት ንከይቅህም ኩሉ ኤርትራዊ ድምጽታት፡ ዝፍነወሉ ማዕከን/መድያ ኰይኑ ክቕጽል ትምኒትና እዩ። ስለ’ቲ ውፉይ ስራሕኩም ኣገናዕ!
ክቡራት ተኸተታተልቲ!
ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!
ቅድሚ ኩሉ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንዕለተ ናጽነት እናበልኩ እንቋዕ ናብ መበል 30 ዓመት መዓልቲ ሃገራዊ ናጽነት ኣብቅዓና እብል። ምረት ባዕዳዊ ጭቆና እንፈልጥ ህዝቢ ኢና’ሞ፡ እንቋዕ ነታ ብረታዊ ተጋድሎና ብዓወት ናጽነት ዝዛዘምናላ ዕለት ዳግማይ ክንርእያን ከነስተማቕራን ኣብቅዓና። እዛ ንልዑላውነት ኤርትራና ህያው ዝገበረት መዓልቲ ክብርቲ እያ። ስለኣ ንዕልልን ንዝምርን። ስለ’ቶም ኣብ ምርግጋጻ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ዝተሰደዱ፡ ጉልበቶምን ንብረቶምን ዘወፈዩ፡ ምዑታት ደቂ ሃገር ከኣ ዘልኣለማዊ ክብሪ ሞጐስን ዝኽርን ነተሓላልፍ።
ሎሚ፡ ኣብ 2021 ዓለምና ብሰሪ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ19 ምንቅስቓሳቱ ደሪቱ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ፡ ነዚ ክቡር መዓልቲ ናጽነት ከነብዕል ከለና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዝገጠመና ንዝክር። ናጽነት ኣብ ዝተበሰረሉ፡ ከመይ ነበረ ኢልና ንሓትት? እወ፡ ስምዒታት ዓወት ገንፊሉ፡ መቐረት ናጽነት ጥዒሙ፡ ትጽቢታት ከኣ ሰማይ ዓሪጉ ነይሩ። ሓያሎ ክፋል ህዝብና ደጊም ሰላም ክነግስ፡ ህዝባዊ ሓርነት ክኽበር፡ ውግእን ወረ ውግእን ክጠፍእ፡ ሃገር ክትዕምብብ፡ ኣሳርን ተኣሳርን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ክህነጽ፡ ኤርትራ ከኣ ብጐረባብታን ብዓለምን እትነኣድ ሃገር ክትከውን እዩ ዝብህግ ዝነበረ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ እቲ ዝወፈረ ብስላም ክኣቱ፡ እቲ ዝገሸ ክምለስ፡ እቲ ዝዘርአ ክዓጽድ እቲ ዝነገደ ክኸስብ እቲ ዝተማህረ ፍረ ትምህርቱ ክቐስም፡ እዩ ዝትስፎ ዝነበረ። ይኹን’ምበር ነዊሕ ከይተጓዕዘ እዚ ባህጊን ተስፋታትን ብእዋኑ ተቖጽዩ። ኣምሰያኡ፡ ምልኪ ነጊሱ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰፊሑን በዚሑን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ገዲዱ። ስለዚ ከኣ ፍርሂ ሳዕሪሩ፡ ግፍዒ፡ ሞት፡ ምስዋር በዚሑ፡ ካብዚ ዘምለጠ ከኣ ንሃገር ጠንጢኑ፡ ንሓደጋታት እናተቓልዐ ሰደት ክመርጽ ተገዲዱ።
እምበኣርከስ ናይ ሎሚ መዓልቲ ናጽነት፡ እቲ ሕሰም ኣብ ዝገደደሉ ኢና ነብዕሎ ዘሎና። ብዘይካኡ ነዚ ዕለተ ናጽነት ፍሉይ ዝገብሮ ዓበይቲ ምዕባሌታት’ውን ኣብ ሃገርናን ኣብ ዞባናን ተረኺቡ’ሎ። ናጻ ኤርትራና፡ ኣብ ዘይናታ ውግእ ተሸሚማ ኣላ። ሃገርና ዘይሻራዊ መርገጽ ሒዛ ናብ ጐደና ምዕባለ ኣብ ክንዲ ምምራሕ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘይቅርዕዉ ኣመራርሓ ምልካዊ ስርዓት፡ ናብ ዘይምልከታ ውግእ ኢትዮጵያ ተሸኺላ ህይወት ንጹሃት ደቃ ተጥፍእ ኣላ። ብርእይቶና፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ንውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት፡ ናቱ ቅዋማውን ፖሊቲካውን መበገሲታት ዘለዎ ብምኻኑ፡ ኤርትራ ጦብሎቕ ዝብለሉ ጉዳይ ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ብሰንኪቲ ዶር ኣብዪን ኢሳያስን ዝተሰማምዑሉ፡ ሽርክነት ውግእ፡ ዞባና ናብ ገበናት ኲናት ዝፍጸምሉ ዓውዲ ተቐይሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብሩ ሰደተኛታት ኤርትራውያንን ዝወረደ ግፍዒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ እውን ናብ ዘይናቶም ኩናት ኣትዮም፡ ይቕዘፉን ይስንክሉን ኣለዉ። እዚ ዕለት ናጽነት እምበእር ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ እምቢ ንምልኪ ብምባል ኩሉ ዓቕምታቱ ኣንጻር ምልኪ ኣቕኒዑ ሃገር ንምድሓን ዝጸምደሉ ዕለት እዩ።
ክቡራንን ክቡራትን ደቂ ሃገር
ሰለሰተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ኣብ 2018፡ ብስም መራሕቲ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ምስጢራዊ ውዕል ተኻይዱ። እቲ ውዕል ክሳብ’ዚ ዕለተ ናጽነት ዝፈልጦ የልቦን፤ ጌና ምስጢር እዩ ዘሎ። ምልክታቱ ግን ንልዑላውነትን ነዚ ሕጂ እነብዕሎ ዘሎና ዕለተ ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ምኽንያቱ ሕጂ ከም ዝተጋህደ፡ ምልካዊ ስርዓት ካብ ዕቤት ኤርትራ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዓዚዝዎ ኣሎ። ካብ ሰላም ኲናት መሪጹ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ ናብ ኩናት ክድቕደቑ ከለዉ ካልኦት ድማ ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ። ናይ’ዚ ዓመት ጸዋዒት ዕለት ናጽነት እምበኣር ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝቢ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ናብ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ኣባላት ሰራዊት ምስ ህዝብኹም ወግኑ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ጸዋዒት፡ ሕጂ እቲ በደል ኣብ ርእሴኹም እውን ብጋህዲ ወሪዱ ኣሎ’ሞ ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ናጽነትኩምን ናጽነት ህዝብኹምን ዓቅቡ እዩ።
ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ምንቁልቋል ካብ ዝእቱ፡ ግዜ ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ መድረኽዚ ግን እቲ ስርዓት ኣብ ምንቁልቃል ጥራይ ኣይከነን ዘሎ፡ መስርሕ ወድቀቱ ጀሚሩ ኣሎ። መስርሕ ውድቀቱ ጀሚሩ ዘብለና ከኣ፡ ብኤርትራዊ መዳይ እቲ ተሓቢኡ ክገዓዝ ዝተፈተነ፡ ናይ ዘይኣድላዪ ኲናት ክሳራታት ህዝብን ሰራዊትን ይሓተሉ ኣሎ። ገመዳት መንግስታዊ ስርዓት ይበታተኽ ኣሎ። ብግዳም ከኣ ኣብ ልዕሊ ጸጥታዊ ትካል ኤርትራ ማዕቀብ ተወሲኑ፡ ኣሎ። ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ከተውጽእ ተጽዕኖታት ይተርር ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ድማ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንውሽጣዊ ሓባራዊ ቃልሲ ኣቐዲመን ምትሕብባር የዕዝዛ ኣለዋ። እዚ ኩሉ ምዕባሌታት መስርሕ ውድቀት ምልኪ ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና።
ናይ ሎሚ ዕለተ ናጽነት ጸዋዒት እምበኣር ምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እዩ። እዚ ጽድዋዒት’ዚ ናይቶም ብወግዒ ተቓውሞኦም ዝኣወጁ ውድባትን ማሕበራትን ፍሉይ ዕማም ኣይኰነን። ናይ ፍሉይ ብሄር ወይ ፍሉይ ሃይማኖት ወይ’ውን ናይ ፍሉይ ኣውራጃ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ናይ ኩልና ኤርትራውያን ስራሕ እዩ። ምልኪ ተሳዒሩ ፍትሒ ንኽነግስ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ልዑል ሃገራዊ ሓላፍነት ይስከም። ስለዚ እቲ ጸዋዒት፥
ንህዝብና፤ ብዘይፍቓድካ ዝገዝኣካ ሓይሊ የለን። ናጽነትካ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ፡ ንድሕነት ሃገር ከም ቀደምካ ተለዓል
ንኣባላት ሰራዊት፤ ሕጂ ንባዕልኹም ደለይቲ ፍትሒ ኢኹም፡ ሓለውቲ ዝበስበሰ ስርዓት ኣይኰንኩምን፡ ልዑል ተራኹም ዕመሙ
ንፖሊቲካውን ሲቪላውን ሓይልታት ኤርትራ፣ ዕማምና ምውዳቕ ምልኪ መንገድና ሓባራዊ ዕዮ እዩ። ብሓባር ንስራሕ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጸዋዒት’ዚ እጃሙ ከልዕል ቃል ይኣቱ።
ኤርትራ ልዑላውነታ ሓልያ ኣብ ናጽነት ንዘልኣለም ትንበር!
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማዕታት ኤርትራ!
ኣቦ መንበር
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
24 ግንቦት 2021
ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ )ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፡ ኣባላት ኣብ ድሮ 24 ጉንበት 2021 መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ዘኪሮም። ኣብዚ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ዝተኻየደ ኣኼባ ነቲ መደብ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፡ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም፡ እንኳዕ ናብዚ ክቡር በዓል ነጻነት ኣብጸሕና ኣብጸሓኩም” ዝብል ሓጺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብብጻይ መንግስተኣብ ተዓዲሙ ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት ኣገዳሲ መደረ ኣስሚዑ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ምስ በለ ኣብዚ ቀረባ ንዝተሰውኡ ብጾት በብሓደ ጠቒሱ፡ “መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ሕድሮም ከኣ ኣይከነዕብርን ኢና” ኢሉ። ንቤተሰቦም ከኣ ጽንዓት ተመንዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሓሚሞም ንዘለዉ ተቓለስቲ ከኣ ምሕረት ተመንዩ።
ኣብቲ ቀጺሉ ዘስመዖ ቃል ከኣ፡ ምእንቲ ናጽናት ኤርትራ ንዝተሰውኡን ክሳብ ሕጂ ከይሰልከዩ ምእንቲ ህዝባዊ ምምሕዳርን ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትን ይቃለሱ ንዘለዉን ዘለዋን ኤርትራውያን ዘለዎ ናእዳን ኣድናቖትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝእተወትና ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ከም ናይ ዓይንና ብሌን ክንሕልዋ ከም ዝግበኣና ኣገንዚቡ። ኤርትራ እዚ ሕጂ እተሓልፎ ዘላ ጸገም ዘይግበኣ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ከነውጸኣ፡ ብዘይካ ብሓድነት ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየብልና ኣዕዚዙ ገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ፡ እሞ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ሓያል ጽልዋ ዘለዎ፡ ቅልውላው ንጹርን ጥንቁቕን መንገዲ ሒዙ ይጐዓዝ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።
ኣብዚ እዋንዚ ሃገሩን ህዝቡን ክሕሉ ዝግበኦ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ይዋጋእ ምህላዉ ከም ዘሕዝን ጠቒሱ። ህዝብና ከድሕን ተስፋ ኣንቢርናሉ፡ ክንጽወዖን ክንምሕጸኖን ዝጸናሕና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሎሚ ንገዛእ ርእሱ ናጻ ክወጽእ ክቃለስ ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ንምውጻእ፡ ብዘይካ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከም ዘየለን ሰዲህኤ ነዚ ሓቢርካ ምቅላስ ተዓጢቕሉ ከም ዘሎን ኣብሪሁ። ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝሕብሩ ምልክታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ እውን ብጻይ ተስፋይ ብኣብነታት ኣሰንዩ ጠቒሱ። ኣባላት ሰዲህኤን ካለኦት ፈተውቲ ሰልፍናን ከም ወትሩ ቃልሶም ከሕይሉ ከኣ ጸዊዑ።
ብመራሕ መደብ ናይቲ ኣኼባ ተዓዲማ ቃላ ዘስመዐት ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን፡ እውን ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ። ብጻይቲ ኣድያም ኣብቲ 30 ዓመታት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ 30 ዓመታት ከኣ ኣብ ለውጢ ብድምሩ ን60 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ግደ ደቂ ኣንስትዮ 30% ነይሩ ዝበሃል ግጉይ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘበርከታ ኣዘኻኺራ። ኣብዚ ንሓልፎ ዘላን እዋን ግና ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እተን ኩሉ መሰላተን ዝተነፍጋን ዝተጠልማን ምዃነን ሓቢራ። ኣተሓሒዛ ከኣ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እውን ቅድሚት ዝስራዕ ዋኒን ኮይኑ ከም ዘሎ ኣገንዚባ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ናይ ቅድም ሎሚ’ውን ግደአን ንክዓዝዝ ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳታፈ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ዳግማይ ንኸይጥለማ፡ ሓያል ውዳበ ደቂ ኣንስትዮ ንኽገብራ ጸዊዓ።
ኣብ ርእሲ እዚ ብዙሓት ቅድም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩን ካድራትን ተሳተፍቲ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ “ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብኹሎም ደቃ እያ እትህነጽ” ዝብል እምንቶ ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ብሰንኪ ኣብያ ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ፡ ክዕወት ከም ዘይከኣለ መስኪሮም። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ጥልመት ከኣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ እንዳተሰጋገረ፡ እነሆ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ብተሳተፍቲ ግጥምታትን ኣገደስቲ ጽሑፋትን ዝቐረበሉ መድረኽ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ 24 ጉንበት 1991 ዝነበርዎ ዝነበራኦን ኩነታትን ቦታን እንዳጠቐሱ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ብሓፈሻ ኩሎም ተሳተፍቲ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ተሪፉና ዘሎ ዕማም ንምውጋን ጌና ዝሓተና ቃልሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ንግብራውነቱ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም በዓል ተደምዲሙ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንኣመንቲ ምስልምና ድማ ብፍላይ፡ ርሑስ በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ኣብዚ ናይ ፈተነ መድረኽ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓደጋታት ቀዛፊ ሕማም ለበዳ፡ ህዝብናን ኣህዛብ ከባቢናን፡ ብወግእን ሳዕቤናቱን ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉ፣ ኩነታት ስደትን ሞትን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ሰላምን ቅሳነትን ዘውርደልና በዓል ክኸውን ንምነ።
ንኩሎም እቶም ጾም ሮሞዳን ብሓያል እምነትን ብዓወትን ዛዚሞም ዒድ ኣል-ፈጥር ምብዓል ዝበቕዑ ኣመንቲ ምስልምና፡ ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ መልእኽቲ ዒድ ሙባረክ አመሓላልፍ።
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓለ ትንሳኤ ክርስቶስ ንኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ፡ ንኩሎም ኤርትራውያን ድማ ብሓፈሻ እንቋዕ ናብ በዓል ትንሳኤ ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ናይ 2021 በዓል ትንሳኤ፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ 2020 ዝሓለፍናዮ መሪር ተመክሮ ተላባዒ ሕማምን ዘይኣድላዩ ኣዕናዊ ኲናትን ሰጊሩ፡ ንዝወረደና ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምልኣት ጥዕና፣ ሰላምን ማሕበራዊ ምዕባሌን ከስፍን ናይ ወትሩ ጸሎትናን፡ ትምኒትናን ጻዕርናን እዩ።
ፍትሕን ሰላምን ይንገስ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ንሓባራዊ ጸረ ምልካዊ ቃልሲ ኣብ ዝጽውዑ ተበግሶታት ክሳተፉን ርእይቶታቶም ክልግሱን ከም ዝጸንሑ ሕቡእ ኣይኰነን። ነዚ ብዝምልከት ብንቕሎ ኣዴታት፡ ብምንቅስቓስ ይኣክል፡ ብትካል ስኒትን መንግስቲ ኣብ ስደትን ኣብ ዝተጸውዑ ኣኼባታት ክሳተፉ ምጽንሖም ዝዝከር ኢዩ። እቶም ኣብ’ዚ ብኣሰና ፋውንደሽን እተጸውዐ ኣኼባ እተሳተፉ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ካብ’ዚ መንቀሊ’ዚ ተበጊሶም ደኣ’ምበር ካልእ ንምዕዋቱ ዝተበገስሉ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣይነበሮምን። ከምኡ’ውን፡ በብውልቆም ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኺቢሮም ደኣ’ምበር ንውድቦም ወኪሎም ወይ ብመሪሕነቶም ተመዚዞም ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣይነበረን። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ተዓዲሞም ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ከይተዓደሙ ብኤርትራውያን ኣብ ዝጽውዑ ኣኼባታት ክሳተፉ መሰሎም ከምዝዀነ ክፍለጥ ይግባእ።
ኣባልነት ብዝምልከት፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ፡ ዝዀነ ኣባል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ ሲቪላዊ ምንቅስቓሳት ኣባል ክኸውን መሰል ኣለዎ ኢዩ። ኣባል ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ክኸውን ግን ቅዋም ሰልፊ ኣየፍቅደሉን ኢዩ። ኣብ’ዚ ኣሰና ፋውንደሽን ዝጸውዖ ኣኼባ ምምስራት ሓድሽ ፖለቲካዊ ውድብ ድዩ ዝድለ ዘሎ ዝብል ሕቶ ምቕራቡ ነዚ ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ። ብሸነኽ ኣሰና ፋውንደሽን ዝተዋህበ መልሲ እውን ሓደ ርእይቶ ንዘለዎም ምጥርናፍ እምበር ሓድሽ ውድብ ምፍጣርን፡ ኣንጻር ውድባት ዘቕንዐን ከም ዘይኰነ እዩ ተሓቢሩ።
ሰ.ዲ.ህ.ኤ፡ ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ከምዘይህብ ብግብሪ ደጊሙ ደጋጊሙ ዘረጋገጸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉን ውድብ ኢዩ። እዚ ብቓል ዘይኰነስ ሰነዳት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ከይተረፉ ዘረጋግጽዎ ጭብጢ እውን ኢዩ። ሕጂ ድማ፡ ንኵሎም ተቓወምቲ ፓለቲካዊ ሓይልታት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝጥርንፍ ዝሰፍሐ ጽላል ንምቛም ቀዳምነት ሂቡን ዝለዓለ ዓቕምታቱ ኣዋፊሩን ንምዕዋቱ ብዕቱብነት ይሰርሓሉ ኣሎ። ካብ’ዚ ዕላማ’ዚ ንላዕሊ ዝጥምቶ ካልእ ዕማም ድማ የብሉን።
ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እንተዀይኑ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባኡ ከም’ዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ዘለዎ ኣዋጅ ኣውጺኡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ።
- ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።
- ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንታኡ የቕርብ።
- እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።
- ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝዀነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ።
- ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።
- ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስ ዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።
- ቅድም ክብል ብመግዛእቲ፡ ድሒሩ’ውን ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን ተማሪሩ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ስደት ክነብር ተገዲዱ እዩ። ነዚ ህዝብና ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈለየ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ሎሚ ምስ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ኣእሙሮ ኣባላትናን ህዝብናን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ባይቶ መዚኑ። ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።
- ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2020 ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይርኣዩ ብምህላዎም ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ጽምዶ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምቅርራብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ማሕበራትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር ምስ’ቲ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ዝመጣጠን ኣይኮነን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ዛጊት ዝተፈላለየ ናይ ሓድነት ጻውዒት ዝገበሩ ይኹን ዘይገበሩ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ እናኣረጋገጸ፥ እቲ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ብዝለዓለ ናህሪ ክቀላጠፍ ጻውዒቱ የቕርብ።
እዉጅ መርገጽ ሰዲህኤ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ በሪሁ ዘሎ ነፍሰ ገላጺ ስለ ዝዀነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ምስፋሕ ዘድሊ ኣይመስለናን። ብዛዕባ ዝምድናና ምስ ኩሎም ኣንጻር ምልኪ እነካይዶ ቃልሲ ዝደጋገፉና ሓይልታትን ዘሎና ምትሕብባር እውን ካብ ነዊሕ ግዜ ንጹር እዩ። ሰዲህኤ፡ ምስቶም ንልዑላውነትና ዘኽብሩ፡ ንናጽነት ፖሊቲካዊ ውሳኔና ዘይግህሱ፡ ኣብ ሓድሕድ ምክብባር ዝምርኰስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢደ ጣልቃነት ዘየፍቅድ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ሰላምን ዘገልግል ዝምድና ክፈጥርን ከዕኩኹን ድሕር ከም ዘይብል ንገልጽ። ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ፣ መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ኣብ ግምት ዘእተወ ብድሌት ውልቀ መራሕቲ ዘይኰነ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተዋሕሰ፣ ኣብ ናይ ሓድሕድ ጉዳይ ኢድ ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝስረት ዝምድና፡ ከህሉ ውሲኑ እዩ።
ኣብ ተበግሶ ኣሰና ፋውንደሽን፡ ናይ ኣባላት ሰዲህኤ ምስታፍ፡ ደጊምና ሓድሽ ከም ዘይኰነ እናገልጽና፡ ሰዲህኤ ኣብ ክሊዚ ኣዉጅ መርገጻቱ ከም ዝዋሳእ ንሕብር።
እቲ ሓቅታት እዚ ክነሱ፥ ኣብ ልዕሊ ሰዲህኤ ካብ ገለ ክልታት ዝፍኖ መጥቃዕታዊ ወፈራ፡ ኣሰካፊ እዩ’ሞ፡ ዋላኳ ንሓቂ ዝስዕር እንተዘይኰነ፡ ታሪኽ ነቲ ኣሉታዊ ጐድኑ ይደግሞ ክይህሉ ህዝብና ከስተብህለሉ ንጽውዕ።
ልዑላውነት ኤርትራ ንምኽባር፡ ኵሉ ዓቕምታትና ነሕብር!
ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
25 ሚያዝያ 2021
ንምጅማር ርሑስ ጾም ሮሞዳን ምኽንያት ብምግባር፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝብና ድማ ብሓፈሻ ‘ሮሞዳን ከሪም’ እንቋዕ ናብ ጾመ ሮሞዳን ኣብጽሓና ብምባል ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።
ናይ ሎሚ ዓመት ጾም ሮሞዳን: ንስቅያት ህዝብና ዝዛዝም፣ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ሰላምን ፍትሕን ዘንግስ፣ ነቲ ንመላእ ዓመት ምንቀስቓሳትና ደሪቱ ብዙሕ ህይወት ዝወሰደ ተላባዒ ሕማም ዝቕንጥጥ፡ ክኸውን ትምኒትናን ዕለታዊ ጸሎትናን እዩ።
ክንዲ/ መሪሕነትን ኣባላትን ሰዲህኤ
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር
12 ሚያዝያ 2021
ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ11 ሚያዝያ 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰዲህኤ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ እዩ ተዋሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ብብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ሰዲህኤ እዩ ቀሪቡ።
ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስ፡ ኣብዚ ብብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያትን ብጻይ ያሲን ዑስማን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን ዝተኣልየ መድረኽ፡ መሰረተ-ሓሳብ ማሕበራዊ ጉዳይን ዝህቦ ኣገልግሎትን፡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመኩሮ እንዳዛመደ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ እቶም ዝያዳ ንማሕበራዊ ጸገማት ዝቃልዑ ክፍልታት ሕብረተሰብ ጠቒሱ፡ ኣብ ምፍታሕ ናይ ማሕበራዊ ጸገም ዝያዳ ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት እውን ዘርዚሩ።
ብጻይ ፍሰሃየ ምስዚ ኣተሓሒዙ ተመኩሮ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም መበገሲ ወሲዱ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝነበረ ተመኩሮ ኣተሓሕዛ ማሕበራዊ ጉዳይ በብመዳያቱ ገሊጹ። ኣብዚ መዳይዚ ተመኩሮ ሰዲህኤን ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝዓሞም ዘሎ ስረሓትን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ህዝባዊ ናብራ ዕቤት፡ ትምህርትን ኣካለ ጽጉማንን ካብቶም ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝያዳ ዝንጸባረቐሎም ጽላታት ምዃኖም’ውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ከኣ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ካለኦት ዘይመኽሰባውን ዘይመንግስታውን ትካላትን ኣብዚ መዳይ ንዝህብዎ ኣገልግሎት ዘርዚሩ። ኣብዚ እዋንዚ ሰዲህኤ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ይህበሎም ካብ ዘሎ ኣገደስቲ መዳያት ከኣ ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይን ኣሰራርሓኡን ከም ኣብነት ቅቕሪቡ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንጉዳይ ስደተኛታት ብሓፈሸ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕትን ዝግበር ዘሎ ምክትታልን ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ፡ ንምዕዋት ነጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ኣብ ዝምልከት ኣብሪሁ። ኣባላት ሰዲህኤን ማሕበራዊ ጉዳይ ዘገድሶም ኤርትራውያንን ክሳብ ሕጂ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ፡ ኣብ መጻኢ እውን ልግሶም ቀጻሊ ንክኸውን ጸዊዑ።
ተሳተፍቲ ኣስተምህሮ፡ ነቲ ዝተዋህበ መጽናዕታዊ መግለጺ ኣመስጊኖም፡ ዝተፈላለዮ ሕቶታት ኣቕሪቦም። በቲ ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ ፍሰሃየን ኣብዚ መዳይዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ብዘለዎም ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍትን ከኣ መልስታት ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ማሕበራዊ ጉዳይ ብሓደ ኣካል ወይ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ዝዕመም ስለ ዘይኮነ፡ ተሳተፍቲ ምሉእ ኣቕሞም ከብርክቱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኦም ብዘይገድስ ኩሉም ኤርትራውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዘበርክትሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝሕግዝ ጐስጓስ ንክግበር ለበዋ ኣቕሪቦም።
ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ28 መጋቢት 2021 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዙም ተኻይዱ። ነዚ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ዝተሳተፍዎን ልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ዝዘተየ ኣኼባ፡ ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) መሪሕዎ። ኣቦመንበር ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ፡ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ብዳሓን መጻእክንን መጻእኩምን” ዝብል ብምቕዳምዩ፡ ንተሳትፎ ተጋባእቲ ኣመስጊኑ።
ሓደ ናይዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኸባ ኣጀንዳ እዋናዊ ሰልፋዊ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓበሬታ ምቕራብ ነይሩ። እቲ ዝያዳ ቆላሕታ ዝተዋህቦ ካልእ ኣጀንዳ ከኣ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ንርከበሉ ዘለና ከባብያዊ ምዕባለን ምሕያል መስርሕ ሓድነትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ብ23 ጥርን 14 ለካቲት 2021ን ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ብዛዕባ ኣገባብ ቃልሲ ዝገበሮ ቅዋማዊ ዳህሳስን መብርህን ሓበሬታ ምሃብ እዩ ነይሩ።
ኣቦመንበር ኣብዚ እዋንዚ ኣካቢቡና ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብዛዕባቲ ሰዲህኤ ካብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንደሓር ሒዝዎ ዝጸንሐ ንኣገባብ ቀልሲ ዝምልከት መርገጽ ዳግመ-ዳህሳስን መብርህን ምግባር ዘድለየሉ ምኽንያታት ዝርዚሩ። ኣብ መብርሂኡ ካብቶም ነቲ ስጉምቲ ንምውሳድ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ግምት ዘእተዎም ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምዕቃብን፡ ቅዋማዊ መስርሕ ምሕላውን፡ ኣገዳስነት መስርሕ ሓድነትን ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣዕዚዙ ጠቒሱ። ማእከላይ ባይቶ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ እንከሎ ዝተኸተሎ መስርሕን ቅዋማዊ መንገድን ከኣ ጠቒሱ።
ናብቲ ማእከላይ ባይቶ “ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝሳተፎን፣ ኣብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝምርኰስ፣ በብእዋኑ ዝግምገምን ከከም ኩነታቱ ዝትግበርን፡ ምሉእ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ንምግባር ዘኽእል ኩሉ ኣገባባትን ስጉምትታትን ምውሳድ” ብዝብል ዝወሰኖ ንምብጻሕ ኣቐዲማ ፍልይቲ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለ ኣውጺኣ ንድፊ ምስ ኣቕሪበት ብድሕሪኡ ብደረጃ ፍሉይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።
ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ኣብ ደንበ ተቓውሞን ኣሰላልፋኡን ኣሕዲርዎ ዝነበረ ጽልዋ ገሊጹ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ጉዳያት ይነጽርን ይበርህን ስለ ዘሎ ሚዛናት ናብ ንቡር ቦታኡ ተመሊሱ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዕንቅፋት ከምዘይከውን ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘለዎ ሃለዋትን መስርሕ ምንዳፍን ምጽፋፍን እቲ ምጥርናፍ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ኣብሪሁ።
ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣቦመንበር ዝቐረበ ኣዝዩ ጽጹይ ጸብጻብን መብርህን ምስ ተኸታተሉ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ኣቕሪቦም። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ማእከላይ ባይቶ ኣብ ኣገባብ ቃልሲ ከምዚ ዓይነት መብርሂ ምሃቡ ክሳብ ክንደይ ቅዋማዊ እዩ?፡ ማእከላይ ባይቶ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ዝደረኽዎ ሰልፋውን ከባብያውን ምኽንያታት እንታይ እዮም?፡ ሰልፍና ነዚ ኣብ ከባብና ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ክከታተሎዶ ጸኒሑ?፡ እዚ ብማእከላይ ባይቶ ዳግመ-ዳህሳስ ዝተገብረሉ ምብራህ ኣገባብ ቃልሲ ኣብ መጻኢ መስርሕ ሓድነት ክሳብ ክንደይ ሓጋዚ ክኸውን እዩ?፡ ዝብሉ ዝርከብዎም ሕቶታት ብተሳተፍቲ ቀሪቦም ብኣቦመንበር ግቡእ መብርሂ ተዋሂብዎም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ምስ ህልዊ ምዕባለታት ተዓጻጺፉ ዝወሰዶ ውሳነ ኣመጒሶም። ኣብ ርእሲ እዚ ከኣ ብሰንኪ ህግደፍ ኣቲናዮ ዘለና ዘሻቕል መድረኽ፡ ሃገር ኣብ ምድሓን ሓጋዚ ባይታ ምዃኑ። ነዚ ዘለናዮ ሃለዋት እቲ መዋጸኦ ብሓድነትን ሓባራዊ ዕዮን ጥራይ ዝስገር ምዃኑን ንጉዳይ ሓድነት ቀዳምነት ምሃብ ከም ዘድልን፡ ኩሉ ሰልፋዊ ዓቕምና ከነሕይል ንኽእለሉ ኩነታት ዘንጸባርቑን ካልኦትን ርኢቶታት ኣቕሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር ኣኼባ ክዓጽው እንከሎ፡ መሪሕነት ሰልፊ ነቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐረበ ርኢቶታትን ለበዋታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበል ክገብር ድልዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ናይ ኣባላት ሰልፊ ኩለ-መዳያዊ ተሳትፎ ወሳኒ ብምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ኣባላት ከም ወትሩ ተሳትፎኦም ከሕይሉ ተላብዩ።
ጥምረት ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ14 መጋቢት 2021 ንኣባላት ሰልፊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰዲህኤ እዩ። እቲ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ ከኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዝብል እዩ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣብቲ ዘቕረቦ ሰፊሕ መበገሲ ሓሳብ፡ ነቲ ኣብ ኣረዳድኣ ሃገርን ሃገረ-መንግስትን ዘጋጥም ምድንጋራት ዝተፈላለዩ ኣብነታት ኣሰንዩ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣመጻጽኣን ባህርያትን ዝተፈላለዩ ዓይነት መንግስታትን መራሕቶም ኣብ ዝምልከት ገሊጹ።፡ ድሕረ-ባይታ ኤርትራን ህዝባን፡ ናብዚ ሕጂ ዘላትሉ ደረጃ ልኡላውነት ንምብጻሕ ዝነበረ ጉዕዞን ዘርዚሩ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺኡ ኤርትራ እዚ ሒዛቶ ዘላ ደረጃ ዝሓዘት ብመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ 1890 ምዃኑ ብሰፊሑ ኣረዲኡ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር እውን ምስ ብዙሕነቱ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ከም ዝነበረን ኣነጺሩ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ እቲ ብጉልባብ ኣግኣዝያንን ካለኦት ተበግሶታትን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይ ዝግበር ፈተነ ታሪኻዊ መሰረት ከም ዘየብሉ ገሊጹ። እቲ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብን ብዙሕ ዘመሳስልዎ ነጥብታት ዘለዉዎን ህዝቢ ናይ ዝተፈላለዩ ዜጋታ ምዃኑ ኣብ ብዙሓት ኣከባቢ ዘሎ ምዃኑ ኣስፊሑ ኣመልኪቱ። ከም ኣብነት ከኣ ኣባናን ኣብ ትግራይ ጥራይ ዝረአ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዘሎ ምዃኑ ከኣ ገሊጹ። ርሑቕ ከይከደ፡ ከኣ ትግርኛ፡ ኩናማን ዓፋርን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምህላዎም ጠቒሱ። መንቀሊ ኣግኣዝያን ቋንቋ ግእዝ እንተኮይኑ ካብ ንትግርኛን ኣምሓርኛን ናብ ትግረ ከም ዝቐርብ ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ድሕርቲ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ መህብተሚ ሓሳባት ሕቶታት ቀሪቦም። ነቲ ዝቐረበ ሕቶታት ምስ ህልዊ ኰታት ሃገርናን ከባብናን ብምዝማድ ሰፋሕቲ መልስታት ተዋሂቡ። ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ “ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ንላዕሊ መንነትዶ ክህልዎ ይኽእል?፡ ኣብ መንጎ ሃገርን ብሄርን ዘሎ ዝምድና እንታይ እዩ?፡ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ንሓድነት ኤርትራ ክሳብ ክንደይ የስግእ?፡” ዝብሉ ይርከብዎም። ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ከምዚ ዓይነት ኣስተምህሮ ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም። እቶም ኣብዚ ኣኼባ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ምእንቲ ክረኽብዎ ቀጻሊ መወከሲ ንክኸውንን፡ እቲ ኣስተምህሮ ብጽሑፍ ክዝርጋሕን ኣብ መርበብ ሓርነት ክስቀልን ብምትሕስሳብ ኣኼባ ተደምዲሙ።