ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

2021-05-24 07:26:06 Written by  ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1969 times

ቃል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመበል 30 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ

(ብፈነወ ቲቪ ኤሪሳት ዝተፈነወ)

ዝኸበርኩም ምምሕዳር ፈነወ ቲቪ ኤሪሳት፡

ኣብዚ ክቡር መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ናብ ህዝብን ዓለምን መልእኽተን ከመሓላልፋ ብማለት ንዘቕረብምኩልና ዕድመ፡ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስጋናና ነቕርብ።  ኣብ’ቲ ናይ ሰላሳ ዓመት ዕድመ ናጽነት ኤርትራ፡ ቃልና ንኸይስማዕ ተዓፊኑ ጸኒሑ እዩሞ፡ ነዚ ዓፈና’ዚ ሰቢርኩም፡ ንጥሩምባ መንግስቲ ምልኪ ጥሒስኩም፡ ነቲ ካልእ ኤርትራዊ ድምጺ ከተስምዑን፡ ነቲ መሰረታዊ  ባህጊ ኤርትራውያን ከተቃልሑን ምምራጽኩምን ምኽኣልኩምን፡ ኣብዚ ዕለተ ናጽነት ዕዙዝ ሃገራዊ ክብሪ ልበሱ። ሕጂ’ውን ኤሪሳት፡ ምስ ኩለን’ተን ከምኡ ዝኣመሰላ ማዕከናት እናተሓባበረ፡ ቁልዒ ሓርነት ንከይቅህም ኩሉ ኤርትራዊ ድምጽታት፡ ዝፍነወሉ ማዕከን/መድያ ኰይኑ ክቕጽል ትምኒትና እዩ። ስለ’ቲ ውፉይ ስራሕኩም ኣገናዕ!

ክቡራት ተኸተታተልቲ!

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ቅድሚ ኩሉ ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንዕለተ ናጽነት እናበልኩ እንቋዕ ናብ መበል 30 ዓመት መዓልቲ ሃገራዊ ናጽነት ኣብቅዓና እብል። ምረት ባዕዳዊ ጭቆና እንፈልጥ ህዝቢ ኢና’ሞ፡ እንቋዕ ነታ ብረታዊ ተጋድሎና ብዓወት ናጽነት ዝዛዘምናላ ዕለት ዳግማይ ክንርእያን ከነስተማቕራን ኣብቅዓና።  እዛ ንልዑላውነት ኤርትራና ህያው ዝገበረት መዓልቲ ክብርቲ እያ። ስለኣ ንዕልልን ንዝምርን። ስለ’ቶም  ኣብ ምርግጋጻ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ዝተሰደዱ፡ ጉልበቶምን ንብረቶምን ዘወፈዩ፡ ምዑታት ደቂ ሃገር ከኣ ዘልኣለማዊ ክብሪ ሞጐስን ዝኽርን ነተሓላልፍ።

ሎሚ፡ ኣብ 2021 ዓለምና ብሰሪ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ19 ምንቅስቓሳቱ ደሪቱ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ፡ ነዚ ክቡር መዓልቲ ናጽነት ከነብዕል ከለና፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዝገጠመና ንዝክር። ናጽነት ኣብ ዝተበሰረሉ፡ ከመይ ነበረ ኢልና ንሓትት?  እወ፡ ስምዒታት ዓወት ገንፊሉ፡ መቐረት ናጽነት ጥዒሙ፡ ትጽቢታት ከኣ ሰማይ ዓሪጉ ነይሩ።  ሓያሎ ክፋል ህዝብና ደጊም ሰላም ክነግስ፡ ህዝባዊ ሓርነት ክኽበር፡ ውግእን ወረ ውግእን ክጠፍእ፡ ሃገር ክትዕምብብ፡ ኣሳርን ተኣሳርን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ክህነጽ፡ ኤርትራ ከኣ ብጐረባብታን ብዓለምን እትነኣድ ሃገር ክትከውን እዩ ዝብህግ ዝነበረ።  ንሱ ጥራይ ዘይኰነ እቲ ዝወፈረ ብስላም ክኣቱ፡ እቲ ዝገሸ ክምለስ፡ እቲ ዝዘርአ ክዓጽድ እቲ ዝነገደ ክኸስብ እቲ ዝተማህረ ፍረ ትምህርቱ ክቐስም፡ እዩ ዝትስፎ ዝነበረ። ይኹን’ምበር ነዊሕ ከይተጓዕዘ እዚ ባህጊን ተስፋታትን ብእዋኑ ተቖጽዩ። ኣምሰያኡ፡ ምልኪ ነጊሱ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰፊሑን በዚሑን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ገዲዱ። ስለዚ ከኣ ፍርሂ ሳዕሪሩ፡ ግፍዒ፡ ሞት፡ ምስዋር በዚሑ፡ ካብዚ ዘምለጠ ከኣ ንሃገር ጠንጢኑ፡ ንሓደጋታት እናተቓልዐ ሰደት ክመርጽ ተገዲዱ። 

እምበኣርከስ ናይ ሎሚ መዓልቲ ናጽነት፡ እቲ ሕሰም ኣብ ዝገደደሉ ኢና ነብዕሎ ዘሎና። ብዘይካኡ ነዚ  ዕለተ ናጽነት ፍሉይ ዝገብሮ ዓበይቲ ምዕባሌታት’ውን  ኣብ ሃገርናን ኣብ ዞባናን ተረኺቡ’ሎ። ናጻ ኤርትራና፡ ኣብ ዘይናታ ውግእ ተሸሚማ ኣላ። ሃገርና ዘይሻራዊ መርገጽ ሒዛ ናብ ጐደና ምዕባለ ኣብ ክንዲ ምምራሕ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘይቅርዕዉ ኣመራርሓ ምልካዊ ስርዓት፡ ናብ ዘይምልከታ ውግእ ኢትዮጵያ ተሸኺላ ህይወት ንጹሃት ደቃ ተጥፍእ ኣላ። ብርእይቶና፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ውግእ፡ ንውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት፡ ናቱ ቅዋማውን ፖሊቲካውን መበገሲታት ዘለዎ ብምኻኑ፡ ኤርትራ ጦብሎቕ ዝብለሉ ጉዳይ ኣይነበረን። ይኹን’ምበር ብሰንኪቲ ዶር ኣብዪን ኢሳያስን ዝተሰማምዑሉ፡ ሽርክነት ውግእ፡ ዞባና ናብ ገበናት ኲናት ዝፍጸምሉ ዓውዲ ተቐይሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ትግራይን ኣብኡ ዝነብሩ ሰደተኛታት ኤርትራውያንን ዝወረደ ግፍዒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ እውን ናብ ዘይናቶም ኩናት ኣትዮም፡ ይቕዘፉን ይስንክሉን ኣለዉ። እዚ ዕለት ናጽነት እምበእር ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ እምቢ ንምልኪ ብምባል ኩሉ ዓቕምታቱ ኣንጻር ምልኪ  ኣቕኒዑ ሃገር  ንምድሓን ዝጸምደሉ ዕለት እዩ።

ክቡራንን ክቡራትን ደቂ ሃገር

ሰለሰተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ኣብ 2018፡ ብስም መራሕቲ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ምስጢራዊ ውዕል ተኻይዱ። እቲ ውዕል ክሳብ’ዚ ዕለተ ናጽነት ዝፈልጦ የልቦን፤ ጌና ምስጢር እዩ ዘሎ። ምልክታቱ ግን ንልዑላውነትን ነዚ ሕጂ እነብዕሎ ዘሎና ዕለተ ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።  ምኽንያቱ  ሕጂ ከም ዝተጋህደ፡ ምልካዊ ስርዓት ካብ ዕቤት  ኤርትራ፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዓዚዝዎ ኣሎ። ካብ ሰላም ኲናት መሪጹ ኣሎ። መንእሰያት ኤርትራ  ናብ ኩናት  ክድቕደቑ ከለዉ ካልኦት ድማ ናብ ስደት የምርሑ ኣለዉ። ናይ’ዚ ዓመት ጸዋዒት ዕለት ናጽነት እምበኣር ብሓፈሻ ናብ መላእ ህዝቢ ክኸውን ከሎ ብፍላይ ናብ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ኣባላት ሰራዊት ምስ ህዝብኹም ወግኑ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ጸዋዒት፡ ሕጂ እቲ በደል ኣብ ርእሴኹም እውን ብጋህዲ ወሪዱ ኣሎ’ሞ  ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ናጽነትኩምን ናጽነት ህዝብኹምን  ዓቅቡ እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ምንቁልቋል ካብ ዝእቱ፡ ግዜ ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብ’ዚ መድረኽዚ ግን እቲ ስርዓት ኣብ ምንቁልቃል ጥራይ ኣይከነን ዘሎ፡ መስርሕ ወድቀቱ ጀሚሩ ኣሎ። መስርሕ ውድቀቱ ጀሚሩ ዘብለና ከኣ፡ ብኤርትራዊ መዳይ  እቲ ተሓቢኡ ክገዓዝ ዝተፈተነ፡ ናይ ዘይኣድላዪ ኲናት ክሳራታት  ህዝብን ሰራዊትን ይሓተሉ ኣሎ። ገመዳት መንግስታዊ ስርዓት ይበታተኽ ኣሎ። ብግዳም ከኣ ኣብ  ልዕሊ ጸጥታዊ ትካል ኤርትራ ማዕቀብ ተወሲኑ፡ ኣሎ። ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ከተውጽእ ተጽዕኖታት ይተርር ኣሎ። ምስዚ ኩሉ ድማ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንውሽጣዊ ሓባራዊ ቃልሲ ኣቐዲመን ምትሕብባር የዕዝዛ ኣለዋ።  እዚ ኩሉ ምዕባሌታት መስርሕ ውድቀት ምልኪ ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና።

ናይ ሎሚ ዕለተ ናጽነት ጸዋዒት እምበኣር ምቅልጣፍ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እዩ። እዚ ጽድዋዒት’ዚ ናይቶም ብወግዒ ተቓውሞኦም ዝኣወጁ ውድባትን ማሕበራትን ፍሉይ ዕማም ኣይኰነን። ናይ ፍሉይ ብሄር ወይ ፍሉይ ሃይማኖት ወይ’ውን ናይ ፍሉይ ኣውራጃ ጥራይ እውን ኣይኰነን። ናይ ኩልና ኤርትራውያን ስራሕ እዩ። ምልኪ ተሳዒሩ ፍትሒ ንኽነግስ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ልዑል  ሃገራዊ ሓላፍነት ይስከም።  ስለዚ እቲ ጸዋዒት፥

ንህዝብና፤ ብዘይፍቓድካ ዝገዝኣካ ሓይሊ የለን። ናጽነትካ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ፡ ንድሕነት ሃገር ከም ቀደምካ ተለዓል

ንኣባላት ሰራዊት፤   ሕጂ ንባዕልኹም ደለይቲ ፍትሒ ኢኹም፡ ሓለውቲ ዝበስበሰ ስርዓት ኣይኰንኩምን፡ ልዑል ተራኹም ዕመሙ

ንፖሊቲካውን ሲቪላውን ሓይልታት ኤርትራ፣  ዕማምና ምውዳቕ ምልኪ መንገድና  ሓባራዊ ዕዮ እዩ።  ብሓባር ንስራሕ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ጸዋዒት’ዚ እጃሙ ከልዕል  ቃል ይኣቱ።  

ኤርትራ ልዑላውነታ ሓልያ ኣብ ናጽነት ንዘልኣለም ትንበር!

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማዕታት ኤርትራ!

ኣቦ መንበር

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

24 ግንቦት 2021

Last modified on Monday, 24 May 2021 09:36