
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፤
ርሑስ ልደት ይግበረልና እናበለ፣ እዚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ዓለምን ዘሻቐለ፡ ንህይወት እማእታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሰዓረሉ በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ክኾነልና ይምነ።
እዚ ቀዛፊ ሕማም’ዚ መለለይ ናይ ዓመት 2020 ኰይኑ፡ ንኹሉ ምንቅስቓሳት ህይወት ዝደረተ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንወዲሰብ ኣብ ኣተሓሳስባን መነባብሮን መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ገዲዱ፡ ናብ ሓድሽ ስልቲ መነባብሮ ክሰጋገር ዝገበረ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ፡ በዚ ተላባዒ ሕማም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብባዕላዊ ምርጫን ፖሊቲካዊ ምኽንያትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኣዕናዊ ኲናት፡ ንከባቢና ኣብ ወጥሪ ኣእትዩ፡ ሓድሽ ህልቂት፡ ስደትን ምክልባትን ኣስዒቡ እዩ። መዋጽኦ ክርከብ ድሌትን ጻዕርን ሰዲህኤ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ይስራዕ።
ኣብዚ ዓበይቲ ተረኽቦታት ናይ 2020 ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓደጋታት ዘሳጥሕ፣ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ከኣ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ኣይተቖጠበን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ጣልቃ ኣታውነት ይኹንንን፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቓውሞኡ ከበርኽ ይጽውዕን።
ብካልእ መዳይ ኣብ 2020 ንዝተርጋገጸ ስምምዓት ዓቢ ሚዛን ብምሃብ፡ ነቲ ብሓይልታት ተቓውሞ ዝተበጽሐ ምውህሃዳዊ ስምምዕ ኣዕዚዙ ይጥምቶ። ናብ ዝበረኸ ብምስግጋሩን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝሰርሑሉ ሓባራዊ መድረኽ ቃልሲ ብምስንዳእን፡ ነዚ ሓደገኛ ምልካዊ ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንስዕሮ ከኣ፡ ቅሩብነቱ እናገለጸ እዋናዊ ጸዋዒቱ የቕርብ።
መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ብምዕዋት፡ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝመልኦ ሓድሽ ዓመት 2021 ይምጽኣና።
ክንዲ/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ
ኣቦ መንበር
ታሕሳስ 25, 2020
Subject: Urgent call to protect and save Eritrean refugees in the Tigray Region and other Parts of Ethiopia from abduction, killing, and forced repatriation to the war zone
Wednesday, 16 December 2020 20:36 Written by EPFDecember 16, 2020
Mr. Filippo Grandi
High Commissioner
United Nations High Commissioner for Refugees,
Geneva, Switzerland
On behalf of the undersigned Eritrean Political Forces (EPF), we are writing this open letter to you to express our grave concerns about the physical security, dignity and the wellbeing of Eritrean refugees and asylum-seekers in the Tigray region and other parts of Ethiopia.
For the last two decades, Eritreans have been fleeing persecution, human rights violations, and oppression in search of safety, protection, freedom, security, and sanctuary within and outside the East African sub-region. During the last three difficult decades in Eritrea, Ethiopia generously offered safety, protection, security, and shelter to more than 173,000 Eritreans with the hope of returning to Eritrea when the killing, imprisonment and gross human rights violation that caused them to flee their country ceases to exist. Unfortunately, more than half of these vulnerable refugees were hosted and protected in the Tigray Region which has recently become a war zone.
Ever since November 4,2020, when the Federal Ethiopian Forces launched military offensive in the Tigray Region of Ethiopia, refugees, the most vulnerable people, have been caught in the crossfire where they have been subjected to killing, abduction and humiliation by the Eritrean forces. It is important to note that, an unjustifiable repatriation of war-escapees to the war zone by the Ethiopian government without protection, security, food, or medical supplies has added to the misery and risk to the lives of the refugees in a major way.
These unprecedented acts of human rights violations that continues to take place in the Tigray Region in particular, is a major violation of international law, International Conventions and Norms; the UN Convention of 1951 and the 1967 Protocol, the principle of non-refoulment and the 1948 UN Declaration of human rights.
There are confirmed reports that around 10,000 Eritrean refugees have been kidnapped from the refugee camps in the Tigray Region by soldiers of the Eritrean Government; and they were forcibly returned to Eritrea; where they would face persecution, indefinite imprisonment without due process, torture, and death. Many of the refugees were wounded in the conflict, four are confirmed to have died in Glass Hospital, Eritrea.
Although Eritrean refugees are still stranded in the conflict zone, many traumatized refugees had managed to flee from the Tigray Region in search of safety in Gondar and Addis Ababa. Sadly, the Ethiopian government has been rounding them up and forcibly returning them to the war zone, where their lives, and safety will be at risk. This is an unprecedented dereliction of the Ethiopian government’s legal duty, and moral failure to safeguard the vulnerable who sought refuge under its jurisdiction.
Therefore, we hereby express our genuine concern about the abduction, killings, and the serious violation of the rights of refugees by repatriating refugees to the war zone that has exposed the Eritrean refugees and asylum-seekers to grave danger and insecurity.
We, therefore, hereby call upon the Ethiopian government to abide by International Law and International Conventions and Norms by respecting the rights of the refugees, and by ensuring the protection and safety of refugees in the Tigray Region and in Ethiopia in general. As you know, the Principle of Non-refoulment is central to the 1951 UN Convention and the 1967 Protocol.
We also call upon the Refugee Agency and the international community to act with the highest levels of urgency to pressure the Ethiopian Government and offer an alternative safe zone to ensure safety, security, and dignity of Eritrean refugees.
Thank you.
Sincerely,
Official Representatives
- Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC)
- Red Sea Afar Democratic Organization (RSADO)
- United Eritreans for Justice (UEJ)
- Eritrean People’s Democratic Party (EPDP)
- Eritrean National Front (ENF)
- Organization Unity for Democratic Change (UDJ)
- Eritrean National Salvation Front-Hidri (ENSF-Hidri)
This Letter has been copied to the Following government leaders of countries and Organizations:
- Mr. Abiy Ahmed, Prime Minister of the Federal Democratic Republic of Ethiopia
- Mr. Joseph R. Biden, President-elect of the United States of America
- Mr. Moussa Faki Mahamat, Chairperson of the African Union Commission
- Ms. Ursula von der Leyen, President of European Commission
- Mr. Josep Borrell Fontelles, High Representative of the EU for Foreign Affairs and Security Policy/Vice-President of European Commission
- Mr. Kebede Chane, Director General of ARRA
- Ms. Michelle Bachelet, United Nations High Commissioner for Human Rights
- Mr. Mohammed Abdelsalam Babiker, Special Rapporteur on the situation of Human Rights in Eritrea
- Mr. Antonio Vitorino, Director General of the International Organization for Migration
ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ30 ሕዳር 2020 ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣኼባ ኣካይዱ። ምምሕዳር ኣብ ኣኼባኡ ካብ ዝተዛረበሉ ቀንዲ ዛዕባታት፡ “ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባለታት ኣብ ዜናዊ መዳይ ብኸመይ ይተሓዝ” ዝብል ነይሩ።
ቅድሚ ናብዚ ቀንዲ ዛዕባ ምእታው ግን፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ሰዲህኤን ደንበ ተቓውሞናን ከባቢናን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ እሞ ኣብ ሃገርና እውን ናቱ ተጽዕኖን ስግኣታትን ዘለዎን ውግእ ብመንጽር ሚድያዊ ኣተሓሕዛ ንናይ ከባቢኦም ሓበሬታታት ተለዋዊጦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዝተፈላለያ ሚድያታት ነዚ ተረኽቦ ኣብ ዝምልከት ሒዘንኦ ዘለዋ ኣንፈታትውን ዳህሲሶም። ኣብዚ ሚዛኖም ሚድያታት ሰዲህኤ ብፍላይ፡ ነቲ ጉዳይ ብርትዓውን ሚዛናውን መንገዲ ኣብ ዝተነጸረን ቅኑዕን ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ኣገባብ ክሕዘኦ ከም ዝግበአን መዚኖም።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንዝወሰኖም ውሳነታትን ነንዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ክንዲ ብውግእ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክኽተሉ ዘቕረቦ መጸዋዕታታት፡ ቀንዲ መወከሲ ንዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ ጌርካ ክወስድ ከም ዝግበኦ ኣኺባ ርእዩ። ብዘይካዚ ከምቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ተግባራቱ፡ ሚድያታት ሰልፊ ነቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ምጥርናፍ ንምብርታዕን፡ እቶም መትከላዊ ፍልልይ ዘይብሎም ሓይልታት ድማ ናብ ምሉእ ሓድነት ናይ ምምጻእ ጻዕርን ዘተባብዕ ዜናዊ ዕዮታት ምብርካት፡ እዋናዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተገንዚቡ። ዜናዊ ስረሓት ሰዲህኤ፡ ኣብ ርእሲ ሰልፋዊ ዕማሙ፡ ብምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ቆይመን ናይ ዘለዋ ሓይልታት ዕማም ንጥፈታትን፡ ንምንቅስቓስ ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምትብባዕ ቆላሕታ ከም ዝገብር እውን እቲ ኣኼባ ኣንጸባሪቑ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዜናዊ መዳይ ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን መራኸብታትን የበርክትዎ ንዘለዉ ኣዕዚዙ ንኢዱ። ንመጻኢ እውን ስረሓት ዜና ካብ ብዙሓት ንብዙሓት ስለ ዝኾነ ጻዕሮምን ተሳትፎኦምን ከኻዕብቱ ዝተኻየደ ኣኼባ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ጸዊዑ።
ምእትስሳር ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ፡ ብ14 ሕዳር 2020 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሃን ካለኣይ ጉባኤ ኣካይደን። ወ/ሮ ኣድያም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ ንተሳተፍቲ ጉባአ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባል መኽፈቲ ቃል ኣስሚዓ። ኣብቲ ዘስመዓቶ ቃል፡ ጉባኤ ኩሉ`ቲ ንሃገርና ኣካቢብዎ ዝርከብ ፈታኒ ኩነታትን ምዕባሌታቱን ብምጥቃስ ኣብ መስርሕ ምድላዉ ካላኣይ ጉባኤ ንዝተገብረ ዕቱብ ጻዕርታት ዝምልከት ብዝርዝር ኣቕሪባ። ብተወሳኺ ኣብ መጻኢ ነቲ ምትእስሳር ክቢድ ናይ ስራሕ ሓልፍነት ይጽበዮ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ከምኡ‘ውን ሓለፍቲ ዞባታት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብን በብተራ ንጽንዓት ቃልሰን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮን ኣግዳስነቱን ብምጥቃስ ኣቕሪበን። ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብወገኖም ንጉዳይ ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርህ ታት ህቦም።
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ደሞክራስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ንጥፈታቱን ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታትን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብኣደ መንበር ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽ ድሕሪ ምቕራብ፣ ንዝቐረበ ጸብጻባት ተሳተፍቲ ጉባአ ብዕምቆት ተመያይጠናሉ። ድሕሪኡ ጉባኤ አትመርሕ ስክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ። ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረታብ፣ ወይዘሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወይዘሮ ፈቢን ግድወን ከኣ ኣባላት እታ ሰክረታሪያት ኮይነን።
ንድፊ ውሽጣዊ ሕግን ቅዋምን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ስዲህኤ፣ ድሕሪ ምንባብን አኹል ምምይይጥን ድሕሪ ምክያድን ጉባአ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣጽዲቕዎ። ኣብ መጠጨረሽታ፡ ጉባአ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ምትእስሳር ንመጻኢ ክልት ዓመታት አትመርሕል መሪሕነት ብዲሞክራስያዊ መንግዲ መሪጹ። እተን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ስዲህኤ ክመርሓ ኣብዚ ጉባኤ ዝተመርጻ ሽውዓተ ኣባላት አዘን ዝስዕባ አየን። ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፣ ወ/ሮ ጸጋሂወት ሓጎስ ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽ፣ ወ/ሮ ሳባ ቕለታ፡ ወ/ሮ ምሕረት መኮነን፣ ወ/ሮ ገነት ተስፋገርግሽን ወ/ሮ ግደይ መሓሪን እየን።
ብድሕሪ እዚ ጉባኤ ነዚ ዝስዕብ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉን።
- ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሽኡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ከኣ ብፍላይ ዘፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣስካሕካሒ ናይ ወጽዓ፡ ዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ምቅላሕን ምቅላዕን ብዕቱብ ክስረሓሉ ኣስሚሩሉ።
- ጸረ-ምልኪ ንምቅላስ፥ ደቂኣንስትዮ ኣድማዒ ኣካል ናይ`ቲ ሓርነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሕን ኣግዕዞን ሰብእዊ መሰላትን ዝጣበቕ ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ ብምዃን ዕዙዝ ምሕዝነት ምፍጣር።
- ዓቕምታትና ጠርኒፍና ኣድማዒ ቃልሲ ምእንቲ ክነካይድ ንሓባርዊ ስራሕ ዝዕድም ሃዋህው ምፍጣር።
- ንሕና ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ዝተናወሐ መስርሕ ሃገራዊ ቃልሲ ሃብታም ተመክሮ ስለ ዘለና፣ ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገርና ኣብ ምልጋስን፡ ምህናጽ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒን ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣዊ መሰላት ንምርግጋጽ፡ ሓርነታዊ ኣግዕዞ ደቂ ኣንስትዮ ንኽዕወት ንኹለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝውክል ማሕበር ንምምስራት ጻዕርታት ምክያድ።
- ንኹለን ኣባላት ሰልፊ ብኣካል ይኹን ብሞራል ንመስርሕ ምስንዳእን ምዕዋትን ጐባኤና ክውን ዝገበራ ኣሓት ብሓባር፡ ብፍላይ ንሓልፍቲ ምእትስሳር ቤት ጽሕፈት፡ ሓልፍቲ ዞባታትን ኣባላትን ደኺምና ከይበላ ንዘርኣየኦ ኣብነታዊ ተወፈይነተንን ኣድማዒ ኣስተዋጽኦአንን ዕዙዝ ምስጋና ይብጸሓየን።
ኣብ መደመደምታ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ስዲህኤ ምስ ኩለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮን ውልቀ-ስባትን ኣብ መኣዲ ሓቢርካ ምስራሕ ክጽመድ ደልውነታ ደጊሙ የረጋግጽ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ነተን ኣብ ጐኒ ጨቋኒ ስርዓት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓርነታውን ማዕርነትውን ቃልሲ ክጽበራ መጽዋዕታና ነቕረብ።
ዓውት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ዓወት ንኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ!
መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ብዕቱብ ንምምዛን ብዕለት 21 ሕዳር 2020 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ እቲ ብ2019 ዓ.ም ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ኰኒኑ ምንባሩ ተመልከተ። ከምኡ’ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝገብሮ ዝነበረ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ጕባኤ ስግኣት ከምዘለዎን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነቱ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩን ዘኪሩ።
እንሆ እምበኣር ስግኣት 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና ጋህዲ ኰይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ህልቀትን ስደትን፣ ሃገርና መናሃርያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝብና ድማ ግዳይ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ኰይኑ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስቓይን ሓዘንን ይርከብ ኣሎ። ካብ’ዚ ሓቅታት’ዚ ብምንቃል ህጹጽ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕለፈ።
- ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።
- ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ’ዚ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንታኡ የቕርብ።
- እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሓደ ካብ ዕላማታቱ ነቲ ኣሽሓት ህይወት ከፊልና ዘረጋገጽናዮ ልዑላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝህብ ስለዝዀነን ድሮ እውን ተጋሂሱ ስለ ዘሎን፡ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ንምልኪ ስርዓት ኢሳያስ ብዘየዳግም ንምምሓዉ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ እዋኑ ስለዝዀነ ክልዓል ንጽውዕ።
- ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝዀነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝዀነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ።
- ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።
- ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵሉ ዓይነት ዓሌታዊ ምቅትታል ደው ክብል ንጽውዕ። ብማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጅምላ ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ድማ ብትሪ ንዅንን።
- ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ ጉልባብ ጌርካ ዝዝመት ንብረት ህዝቢ ምስዝህሉ ብገበን ዘሕትትን ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ንብረት ናብ ዋንኡ ክምለስ ስለዝግባእን፤ ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።
- ቅድም ክብል ብመግዛእቲ፡ ድሒሩ’ውን ብሰንኪ ምሕደራ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን ተማሪሩ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝብና ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ስደት ክነብር ተገዲዱ እዩ። ነዚ ህዝብና ወሪዱዎ ዘሎ ሕሰም ተረዲኦም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ሓገዝ ካብ ዝገብሩ ገበርቲ ሰናይ ጐረባብቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጥቀሳ እየን። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዝሒ ዘለዎም ዜጋታትና ኣብ ዝተፈለየ ከተማታትን ዞባታትን ተበቲኖም ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም ዝበዝሑ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ መዓስከራት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ሎሚ ምስ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ናይ ውግእ ኩነታት ሃለዋት ዜጋታትና ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዝወደቐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ኣእሙሮ ኣባላትናን ህዝብናን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ባይቶ መዚኑ።
ኣብ’ዛ ፈታኒት እዋን እዚኣ ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ዜጋታትና ኣድላዪ ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ንኹሎም ብቐረባ ዝምልከቶምን ንኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ኣጥቢቕና ንሓትት። ነቶም ካብ ናይ ውግእ ዞባ ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ድማ ንድሕነቶም ህጹጽ ኣቓልቦን ደገፍን ክግበረሎም ምሕጽንታና ነቕርብ።
- ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ’ዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመተ 2020 ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይርኣዩ ብምህላዎም ሓደ ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ጽምዶ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምቅርራብ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳትን ሲቪክ ማሕበራትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ይኹን እምበር ምስ’ቲ ሕጂ ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ዝመጣጠን ኣይኮነን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ዛጊት ዝተፈላለየ ናይ ሓድነት ጻውዒት ዝገበሩ ይኹን ዘይገበሩ ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ እናኣረጋገጸ፥ እቲ መስርሕ ሓባራዊ ስራሕ ብዝለዓለ ናህሪ ክቀላጠፍ ጻውዒቱ የቕርብ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ
21 ሕዳር 2020
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ሰዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝመረሖን ኣባላት መሪሕነት ዝተሳተፍዎን ሓፈሻዊ ኣኼባ መሰረታት ሰዲህኤ ብ22 ሕዳር 2020 ተኻይዱ። ናይዚ ኣኼባ ዕላማ፣ ብዛዕባዊ ህልዊ ምዕባለታት ሰዲህኤ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን፣ ዞባዊ ኩነታትን ዝምልከት መብርሂ ንምሃብን መድረኻዊ ዕማማት ንምኽዕባት ካብ ሰረታት ሰልፊ ዝቐርብ ርእይቶታትን ሓሳባትን ንምጥርናፍ ዝዓለመ እዩ ነይሩ። ኣቦ-መንበር ሰልፊ፣ ተስፋይ ነዚ ኣኼባ ኣብ ምጅማር፡ ድሕሪ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ቃል ምቕራቡ፡ ነቶም መንቀሊ ናይቲ ኣኼባ ዝኮኑ እዋናዊ ዛዕባታት ዝምልከት፤ መበግሲ ሓሳብ መብርሂ ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ኣኼባ መብርሂ ዝተዋህበሎም ዛዕባታት፡ መስርሕ ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ኣገዳስነት ምሉእ ሓድነት ናይቶ ኣዝዮም ዝቀራረቡ ሓይልታት፡ ብዛዕባ ብሓፈሻ ኣብዚ ዞባ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየደ ዘሎ ውግእን ገለ ካብ ሰልፋዊ ምሕዳራዊ ጉዳያትን እዮም። ነዞም ዝተጠቕሱ ዘዕባታት ብዝምልከት በቶም ኣብዝተፈላለያ መዳያት ናይቲ ዕማም ክሰርሑ ዝጸንሑ ሽማግለታት ዝርዝር መብርህታት ተዋሂቡ።
ኣብቲ ዝተዋህበ መብርሂ ናይቲ ምጥርናፍ ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ኣካልን ሓይልታት ዕማምን ስረሓቶም ኣብ ከመይ ደረጃ ከም ዘሎ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ብዘካይዚ እቲ ዝሰፍሐ ምጥርናፍ ከም ዘለዎ ኮይኑ ናይተን ፖለቲካዊ መደባተን ዝሰማመዓ ውድባት ምሉእ ሓድነት ንምግባር ዘለዎ ኣገዳስነትን ሰዲህኤ ኣብዚ መዳይዚ ከይተሓለለ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ንመጻኢ እውን ከም ዝቕጽሎ በቶም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ክከታተልዎ ዝጸንሑ ኣባላት ሽማግለ ዝርዝር ሓበሬታ ቀሪቡ። ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝካየድ ዘሎን ዞባዊ መልክዕ ከይሕዝ ዘስግእን ውግእ ኣብ ዝምልከት ከኣ ኣብቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ15ን 22ን ሕዳር 2020 ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ንወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ግደ ኣዕናዊ ጉጅለ ህግደፍን እዚ ውግእ ብኸመይ ክዓርፍ ከም ዝግባእን ዝእምቱ ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲዱ ከም ዘሎን መገለጺ ተዋሂቡ። ንውሳነታት ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝምልከት መግለጺ ኣብዚ ቀረባ ክስዕብ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ።
ድሕሪዚ ዝያዳ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደ መግለጽታት፣ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ መብርሂ ዝተዋህበሉ ዛዕባታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣገዳስነት ሓድነትን ምጥርናፋትን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብዚ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ዘስግእን ንዞባና ንብ ዓውደ ውግእ ከይቅይር ዓብይ ስኽፍታ ኣሕዲሩ ዘሎ ምዕባለታት ዘተኰሩ ሕቶታት ቀሪቦም። ኣኼባ ብኣቦ-መንበር እንዳተማእከለ፣ በቶም ነቲ ኩነታት ክከታተሉን ክዋስኡን ዝጸንሑ ኣባላት ሽማግለ ሰፋሕቲ መብርህታትን መልስታትን ተዋሂብዎም። ብዘይካዚ ኩሉ ኣሰራርሓና ምስዚ ንርከበሉ ዘለና ምዕባለታት ዝሰማማዕ ብፍላይ ድማ ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገርና ንዳግማይ ጎበጣ ዝመጣጠር ዝመስል ሓደጋ ዝገጥም ኣገባብ ኣሰራርሓ ክንቅይስ ከም ዝግበና ዘገንዝቡ ሃነጽቲ ርኢቶታትን ለበዋታትን ካብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ብጾት ቀሪቦም። ብዘይካዚ መላእ ደምበ ተቓውሞ ቀጻልነቱ ምስ ምትዕርራይ ናይዚ ኲነታት ዝተኣሳሰር’ውን ስለዝኮነ፡ ኩሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ንቀጻልነት ሃገረ ኤርትራ ዝጠመተ ሓባራዊ ዕማማት ከካይድ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣማሕጺኖም።
ኣቦ-መንበር ተስፋይ ድሕሪቲ ንዳርጋ 7 ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ ከጠቓልል እንከሎ፡ ኣባላት ሰልፊ ንዘቕረብዎም ኣዝዮም ጠቐምትን ኣገደስትን ሓሳባት፡ መሪሕነት ብግቡእ ገምጊሙ ኣድላይ ዝበሎም ውሳነታት ከም ዝወስደሎ ኣረጋጊጹ። ኣስዒቡ ከምዚ ዓይነት ኣኼባታት ቀጻሊ ከምዝኸውን ብምጥቃስ፡ መሪሕነት ብናይ ክሳብ ሕጂ ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ሕጉሱን ሕቡንን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣባላት ኣብ መጻኢ እውን ሓድነት ሰልፎም እናዓቀቡ ኣበርክተኦም ከሕይሉ ሓደራ ኢሉ።
ብዕለት 21 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብኣማእት ዝቑጸር ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ዕላማ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነቲ ብሻርነታዊ ዝርያ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ መራሒ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ውግእ ደው ንኽብል፡ ብሰላምን ልዝብን ንኽፍታሕ ዝጸውዐን እዩ ነይሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፣ ብኡቡንትን (Ubunt Jugendhaus) ዩናይትድ ፎር ኤሪትርያን (United for Eritrea) ዝተባህሉ ናይ መንእሰያት ማሕበራት፣ ሽግር ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንምቅላል ዝጽዕቱን ዝሳተፉን ክኸውን ከሎ፡ ምስ ይኣክል ፍራንክፎርት ብምስናይ ዝተጸውዐን ዝተዳለወን ሰልፊ እዩ ነይሩ።
ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፎርት፡ ናይቶም ሰብ ቀንዲ ጉዳይ ዝኾኑ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሳትፎ ዝነበሮ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ኮይኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ፣ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቓ ክልሕም ዝኽእል ምዃኑ ዝተገንዘቡ ገለ ሶማላውያን፡ ሱዳናውያንን ናይጀርያውያን እውን ተሳቲፎሞ ነይሮም።
ውግእ መፍትሒ ፖለቲካዊ ሽግር ከምዘይኮነን፡ ፖለቲካዊ ፍልልይ ኣብ ጠረጴዛ ብልዝብን ብሰላምን ክፍታሕ ከምዝግባእ ዝኣምኑን ዝጸውዑን ሰልፈኛታት ምሉእ ጉዕዞ ሰልፎም ብዓውታን ብነድርን እንዳኣቃልሑ እዮም ኣብቲ ዝተወሰነሎም ቦታ ዝበጽሑ።
ሰልፈኛታትካብ ዝሓዝዎን ዘቃልሕዎን ዝነበሩ ቀንዲ ጭርሖታት፡
- Stopp dem Krieg ውግእ ደው ይበል!
- Nein zum Krieg
- Say No to war! Yes for Peace እምቢ ንውግእ! እወ ንሰላም
- Krieg ist keine Lösung ውግእ መፍትሒ ሽግር ኣይኮነን!
- ልኡላውነት ኤርትራ ይከበር!
- ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ይውጻእ!
- ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ንኹንን!
- ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ረዲኤት ማሕበራት ድሕነት ስደተኛታት ከረጋግጽ
- መሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ይታሓሎ!
- ዓልየት ተኮር፡ ቅትለትን ቅዝፈትን ንኹንን!
- መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ይውረዱ! ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ኣብቲ ሰልፊ ዝቃልሑ ዝነበሩ ጭርሖታት እዮም።
ሰላማዊ ሰልፊኛታት፡ ካብ ዝተወሰነሎም ቦታ ተበጊሶም ኣብ ቀጽሪ ላዕላዋይ ምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ድሕሪ ምብጽሖም፡ ብዝተፈላለዩ ሰልፈኛታትን ኣዳለውትን ዕላማታት ሰልፍን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኲነታት ናይቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይን ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝምልከቱ መግለጺታት ብኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ሓደ ናይጀርያውን ቀሪቦም።
ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብዝተወሰነሉ ግዜ፡ ንተሳተፍቲ ሰልፍን ንኣኽበርቲ ስነ+ስርዓትን ሰላም ዝኮኑ ፖሊስ ጀርመን ኮነ ህዝቢ ጀርመን ብምምስጋን፣ ሰልፍና፣ ውግእ ደው ክሳብ ዝብል ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ብሰላም ተደምዲሙ።
ምስጋና ንኣሰናዳእቲ ሰልፊ
ብዕለት 14 ሕዳር 2020 ዓ.ም.ፈ. ብምልኣተ ተሳታፍነት ኣባላት ሙዉቅ ኣኼባ ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ጨንፈር ቁ. 2 ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ናይ ክልተ ሰዓታት ኣኼባ ኣሳላሲሎም። ኣቦ መንበር ጨንፈር ንኩሉ ኣባል ካብዚ ግና ተላኻፊ ሕማም ድሓን ብምህላዎም ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ ኣኼባ ብ5ተ ኣጀንዳታት ኮይኑ ብሌላ ሓደስቲ ኣባላት ከፈቶ። ቀጺሉ ኣብ ቀረባ መዓልታት ካባና ዝተፈልዩ ተቃለስቲ 1. ነብሰሔር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ብሱዳን ናው ዝፍለጥ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕረፍቲ ፡ 2ይ ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃም ኣንቶንዮ ኣብ ስዊዘርላንድ ብምዕራፍ ናይ ሓዘን ተሳተፍቲ ሓጺር መግለጺ ሃበ። ቀጺሉ ቀደም ተኸተል ኣጀንዳ ብህልዊ ኩነታት ኣባላት ጨንፈርን ሃለዋት ሰልፍናን ምጣኔ ሃብታዊ ህጡር ዉፉይ ተሳታፍነት ብዝርዝር ተሓቢሩ ። ብምቅጻል ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ቃልሲ ናይ ኩለን ተቋወምቲ ዉድባትን ሰልፍታት ኤርትራን ቆይመን ዘሎዋ ናይ ሓይሊ ዕማም ሽማገለታት ስራሓት ብሰፊሕ ተማያይጡ። ኣብ መወዳእታ ኣጀንዳኡ ከኣ እዚ ኣብ ጎረበት ሃገርና ተወሊዑ ዘሎ ውግእን ተሃዋስነቱን ንዓና ከም ኤርትራውያን ከመይ ከም ዝጸልወና ሓሳብ ንሓሳብ ተላዋዊጥና ውግእ ክሳራን ዕንወትን ስለ ዝኾነ ብዘተ ክፍታሕ ኣሎዎ ኢሎም ብምስማር፡ ኣብ ቀረባ ዝግበር ዘሎ ኣኼባ መሪሕነት ሰልፊ ብሩህን ንጹር ሓበሬታ ክንረክብ ብምስምማዕ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።
ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰኑይ ዕለት 16 ሕዳር 2020 ወራሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣባላት ሰልፊ ዓበይቲ ጨንፈራውን ሰልፋውን ሃገራውን ጉዳያት ብስፍሓት ንምዝርራብ ነዞም ዝስዕቡ ኣጀንዳታት መምዩ ብዕቱብ ዘቲዩ።
ሀ - ንጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብዝምልከት
1 - ውደባን ሰልፋዊ ጎስጓስን
2 -ምጣኔ ሃብታዊ ጉቡኣትን ወፈያን
3 - ተራ ኣባል ኣብ ሰልፋዊ ጉዳያትን ምስ መሓሱት ደምበ ተቓውሞን ብፍላይ ህዝባዊ
ምንቅስቓስ ይኣክልን
ለ - ሰልፍናን ደምበ ተቓውሞ ብመንጽረ ፓለቲካዊ ውድባትን ኤርትራ ብሰፊሑ
ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምስ ዝተኻየደ ስርርዕ (ታስክ ፎርሳት) ብምትሕሓዝ መብሪሂ ተዋሂቡ ዝተረፈ
ድማ ንዝመጽእ ናይ ምሉእ ኣባል ኣኼባ ክንጽበየሉ ተሰማሚዕና።
ሐ - ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝኸይድ ዘሎ ምዕብልናታትን፡ ዘሕዝን ውግእን ብዕቱብን ሓላፍነት
ብዝመልኦ ተረድኦን ዘቲናልሉን ኮኒንናዮን።
ብሰንኪ ጠላሚ ሰርዓት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርታት ዓመታት ኣደዳ ውግእን ኣደራዕ ዘይውዳእ ዕስክርናን ኮይኑ ምህላዉ እንደገና ኣስሚርናሉ።
*ንምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ብፍላይ ንህዝብና ድማ ብሓፈሻ እምቢ ንውግእ ክብል ጻዊዕትና ቀጻሊ ክኸውን ኣስሚርናሉ።
ብኩሉ መሳሪሒና ንህዝቢ ዓለምን ኣሎዋ ዝበሃላ ዓለም-ለኻዊ ውድባት ጸረ ኣዕናዊ ዝኾነ: ንስልጣኖም ጥራይ ዝጠመተ ኩናት ድው ክብል ግዴኦም ክበርክቱ ጻዊዒትና ክንደጋግሞ ወሲንና።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራን፡ ዝኽሪ ንምእንቲ ዝገሃስ ዘሎ ልዑላውነት ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉ ደቁን።
ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዕለት 8 ሕዳር 2020፡ ሓያለይ ኣርእስትታት ዝዳህሰሰ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። እዚ ካልኣይ ኣኼባ’ዚ ድሕሪቲ ብዝሓለፈ 14 ነሓሰ እተጋብኤ ምጽንባራዊ ኣኼባ ናይ ዝጸንሐ ጨንፈራት ሰዲህኤን ህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን እተገበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
መለለይ (ሰንደቕ ዕላማታት) ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ኑሻተል ጅኔቭ።
እዚ ካብ ካንቶናት ዙሪክ፡ በርን፡ ኑሻተል ከምኡ ከኣ ካንቶ ጅኔቭ ዝቕመጡ ኣባላት ሰልፊ እተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ብኲነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብናን፡ ብጸገማት ስደተኛታትን ናይ ተኸሲቱ ዘሎ ኲነታት ዳግመ-ውግኣትን ብሰፊሑ ተዘራሪቡ። ኣባላት ጨንፈር ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ማለት ብጾት ወልደሱስ ዓማርን ዮውሃንስ ወረደን) እውን ተረኺቦም ኣብቲ ክትዓትን መግለጽታትን ተሳቲፎም።
ካብኡ ብምቕጻል፡ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ትስፉው ሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂቡሉ። ንሃለዋት ጨንፈር ሰዲህኤ ብዝምልከት ከኣ ብወገን ኣካየድቲ ጨንፈር ብሩህ ዝኾነ መግለጽታት ተዋሂቡ። ብፍላይ እዚ ቅድሚ ገለ ዓመታት ክብ ዝበለ ብዝሒ ኣባላት ዝነበሮ ጨንፈር ስዊስ፡ ብብዙሕ ምኽንያታት ዓቕሙ ጐዲሉ ምህላዉ ተመዚኑ። ኣብ መሪሕነት ጨንፈር ንዝጸንሔ ሃጓፋት መሊእካ ሓዲሽ መደባት ጐስጓስ ክተኣታቶ ከኣ ኣኼባ ወሲኑ።
ካብዚ ብምንቃል እውን ብጻይ ተስፋጋብር ገብረ ክሳዕ ብኣካል ተራኺብካ ጉባኤ ዝግበር፡ ንጨንፈር ከም ጊዚያዊ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከገልግል እሞ ኣብቲ ዕማም ብጻይ ዮውሃንስ ወረደ ከም ዝተሓባበሮ ተገይሩ። ኣብ ስርዒታዊ መዳይ ብጻይ ዓውተና ሃብተዝጊ ብምትሕብባር ብጸይቲ ምሕረት መኰነን፣ ኣብ ገነዘባዊ ጐስጓስ ከኣ ብጻይ ምሓሪ ዓማር ብምትብባር ብጸይቲ ለተኣብ ተወልደ ብግዚያውነት ከም ዝምደቡ ተወሲኑ።