ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት “ማእሰርቲ ተጋሩ የተሓሳስበኒ” ኢሉ

2021-11-17 12:24:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 966 times

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ማእሰርቲ ተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዘተሓሳስቦ ምግላጹ፡ ቢቢሲ ሓቢሩ። ናይቲ ኮሚሽን ወሃቢት ቃል ሊዚ ትሮስል ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኩነታት ተኸቲሉ ኣብ ጐንደር፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ባህርዳርን  ካለኦት ከባብታትን ፖሊስ ኢትዮጵያ ተጋሩ ይኣስር ከም ዘሎ ገሊጸን።

እተን ወሃቢት ቃል ብ16 ሕዳር 2021 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ፡ እቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ርክብ ዘለዎም ወይ ይድግፉ እዮም ዝተባህሉ ተጋሩ ምዃኖም ጠቒሰን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ማእሰርቲ ብሄር መሰረት ዝገበረ ብዝመስል ከም ዝተኻየደን ከም ዘተሓሳሰቦን ምግላጹ እቲ ዜና ኣዘኻኪሩ።

ኮሚሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ፡ ሰባት ኣብታ ከተማ ዝእሰሩ ዘለዉ፡ ማንነት መሰረት ብዝገበረ ከምዘይኮነ ገሊጹ። ናይቲ ኮሚሽን ወሃቢ ቃል ካብቶም ዝእሰሩ መብዛሕትኦም ተጋሩ ምዃኖም ኣረጋጊጹ፡ ካብ ካለኦት ብሄራት ኢትዮጵያ እውን ዝተኣሰሩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

እተን ናይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ወሃቢት ቃል ኣብ መግለጺአን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ካብ ሓደ ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ከም ዝተኣስሩ ዝሕብር ጸብጻብ ናብቲ ኮሚሽን ከም ዝቐረበ ጥቒሰን እቲ ኣሃዝ ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝኸውን ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ እቶም  ሰባት ተኣሲረምሉ ዘለዉ ቦታ ደረጃኡ ዘይሓለወ መደበራት ፖሊስ ምዃኑ ኣስፊረን።

እተን ወሃቢት ቃል እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ከምዘይንገሮምን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ዝገልጽ ኣታሓሳሳቢ ጸብጻብ ከም ዝቐረበን  ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ ናይቶም እሱራት መሰልን ድሕንነትን ክሕለው ሓቲተን። ብዘይካዚ 10 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን 34 ምስቲ ትካል ዝተወዓዓሉ መራሕቲ መካይንን ምእሳሮም እውን ኣዘኻኺረን፡ እዞም እሱራት ወይ ክፍትሑ ወይ ከኣ ናብ ሻራ ዘየብሉ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ጸዊዐን።

ሊዝ ትሮሰል  ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ጀሚሩ ዘሎ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ንሰብኣዊ ሓለዋን ሰብኣዊ ኣቕርቦትን ከም ዝሓላልኾ ዘለወን ስግኣት ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣዋጅ ንዘተግብሩ ኣካላት ሰባት ኣሲሮም ናይ ምሓዝን ምጽናሕን ዕድል ከም ዝህብ ሓቢረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤንን ፍልልያት ምስፋሕን ዘኸትል ብምዃኑ ነቲ ኮሚሽን ከም ዘተሓሳስቦ እቲ ዜና ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት ዝኣወጀ ህወሓት ንወሎ ተቖጻጺሩ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዋ ንምዕቃብ ሃገራዊ ልኡላውነት ብዝብል ምዃኑ እውን እተን ወሃቢት ቃል ጠቒሰን።

Last modified on Wednesday, 17 November 2021 13:34