ምስሕሓብ ኤርትራን ኣሜሪካን ብጉዳይ ረዲአት ናብ ኢትዮጵያ

2021-12-06 08:15:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 954 times

ምንጪ ስእሊ,EMBASSY OF THE STATE OF ER

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ “ኣሚሪካዊ ኣባል ባይቶ ኢለምዎ” ንዝበሎ ብምቅዋም ተጸራሪ መግለጺ ከም ዘውጸአ ፈነወ ቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ነቲ እቶም ኣሜሪካዊ ኣባል ባይቶ ብራድ ሀርማን “ኤርትራ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲአት ከይኣቱ ወደባታ እንተዓጽያ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንግዳዊ ንጥፈታታ ከተዓናቕፎ ከም ዝኽእል ምግላጾም” ጠቒሱ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና ንዝበልዎ “ዘሰንብድ እዩ” ኢልዎ። መግለጺ እቲ ኤምባሲ ኣተሓሒዙ ኤርትራ ረዲአት ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ከምዘይትዕንቅፍ እውን ሓቢሩ።

እቶም ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ንዘሎ ውግእ ብዝምልከት ዘካየድዎ ኣኼባ ፍሉይ  ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ፡  ምስ ዝምልከቶም ኣሜሪካውያን ሰብ መዚ ኣብ ብፍሉይ ኣብ ዝተመያየጥዎ ነቲ ንኤርትራ ዝምልከት ሓሳብ ከም ዘልዓልዎ እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣስፊሩ። ኣብቲ ኣኼባ መብርሂ ዝሃባ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊት ኣፍሪቃ ወ/ሮ ሞሊ ብወገነን  ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን "ኣሉታዊ" ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ረዲአት ብወደባት ኤርትራ ናብ ትግራይ ንምብጻሕ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ኣሚተን።

እቶም ተወካሊ ካሊፎርንያ ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ፍሉይ ኣኼባ ፡ ኣመሪካ ብቐጥታ ብነፈርቲ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ትግራይ ከተብጽሕ ትኽእል እንተኾይና'ውን ነተን ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ተወኪሰምወን። ኣብቲ ወኸሰኦም  "ንምዃኑ፡ እቲ ዝህብዎ መልሲ'ኳ እፈልጦ'የ፡ ግና ንመንግስቲ ኤርትራ፡ መግቢ ኣብ ወደባት ኤርትራ ከነራግፍን፡ ማካይንና ብቐጥታ ናብ ትግራይ ክኸዳን ዘፍቅድ እንተኾይኑ ሓቲናዮዶ" ኢሎም። እተን ሓላፊት ጉዳይ ኣፍሪቃ ብወገነን ኣብ ዝሃበኦ መልሲ፡ "ከም'ቲ ትፈልጦ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ኣሉታዊ'ዩ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ተኽእሎ ከም ዘየለ ደጊመን ኣተንቢሀን።

ኣብቲ ኣኼባ ተሳታፊ ዝነበሩ፡ ኣሜሪካዊ ሓላፊ ምምሕዳር  ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዶ/ር ዳያና ፑትማን  ብወገኖም  ክሳብ ሕጂ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝነበሮ ሰብኣዊ ረዲኤት 11 እሚታዊት ጥራይ ከም ዝኣተወ  ነቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ሓቢሮም።

ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንፖሊሲ ኣሜሪካ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክነቅፍ ዝጸንሐ እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ብወገኑ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ  ኣብ ኣእትያ፡ ኣብ ትግራይ ብዝፈጸመቶ በደልን ግህሰታትን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ 4ተ ኣገደስቲ ትካላታን 2ተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ህግደፍን ኣቐዲሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ጠቕላላ ወተሃደራ ስታፋ፡ እገዳ ከም ዝወሰነት ይዝከር። እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እትወስዶ ስጉምቲ ቀጻሊ ከም ዝኸውን እውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Last modified on Monday, 06 December 2021 09:28