ቤተ-ክርስትያን ንህግደፍ ካብ ዝተቓወመትሎም ተዘክሮታት

2021-06-12 19:22:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1429 times

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዘይህዝባውን ዘይሓላፍነታውን ተግባራት ህግደፍ ናይ ምቅዋም ሃብታምን ተባዕን ተመኩሮ ኣለዋ። ሓደ ካብቲ ተመኩሮታታ ነቶም  ብዘይኣፈላላይ ህዝቢ እተገልግለሎም ዝነበረት ትካላታ ብ2019 ጀሚርካ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተወርሰሉን ዝተዓጽወሉን ሕጂ እውን ቀጻሊ ዘሎ ተግባራት ዘርኣየቶ ተባዕ ተቓውሞ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ርስትያን ኤርትራ ብ26 ጉንበት 2021 ናብ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ካብ ዝጸሓፍዎን  ብሬድዮ ቫቲካን ዝተቓልሐን መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ ጽማቕ ትሕዝቶ ነይርዎ።

ቀንዲ ዕላማ  ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ህዝቢ ምግልጋል እዩ። ኣብ ኤርትራ እውን በዚ መንፈስዚ እያ እትንቀሳቐስ። ምውራስን ምዕጻውን ናይተን ብቤተክርስትያና ዝመሓደራ ትካላት ኣብ 2018 እዩ ጀሚሩ። ኣብ 2019 ከኣ ብዝገደደ መልክዑ ቀጺሉ። ካብተን ዝተወርሳን ዝተዓጽዋን ትካላት እዘን ዝስዕባ ንኣብነት ምጥቃ ይከኣል። መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓሰብ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ፍንዕ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዓላን፡ ኣብ እምባትካላ፡ ኣብ ጊንዳዕን ኣፍዓብትን ዝርከባ መዋእለ ህጻናትን ካብተን ግዳያት ዝኾና ትምህርታዊ ትካላት እየን። ኣይተተግበረን እምበር ኣብ ክረን፡ ኣስመራን ባረንቱን እውን ስጉምቲ ክውሰደን እዩ ዝብል ሓበሬታ ኣለና ዝብል ይርከቦ ኣብቲ ብራድዮ ቫቲካን ዝተቓልሔን ናብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈን ቅዳሑ ናብ ዝተፈላለያ ኣካላት ህግደፍ ዝተስደን መልእኽቲ።

ስለዚ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ መቃወሚኣ ምኽንያት  ከኣ 1) ህዝቢ ከተገልግ ዝኽልክላ ብምዃኑ፡ 2) ስድራቤታት ደቆም ናብ ዝደለይዎ ኣብያተ-ትምህርቲ ከይሰዱ ስለ ዝዕንቅፍ፡ 3) ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ልዝብ ዘይተገብረሉን ኣብ ሓይልን ዓመጽን ዝተመርኮሰን ምዃኑን 4) እዘን ትካላት ናይ ቤተ-ክርስትያን እምበር ናይ ህዝቢ ኣይኮናን ዝብል ወረ ዝተነዝሓሉን ስለ ዝኾነ ዝብል ዝርዝር ትሕዝቶ ነይርዎ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ተቓውሞ መልእኽታ፡ እዘን ትካላት ህዝቢ ንምግልጋል ዝሃነጸተን ምዃነን ኣብሪሃ፡ ብሓይሊ ዝተወስደ ትካላት ናብ ንቡር ኣገልግሎቱ ንክምለስ ምሕታታን ምምሕጻናን ከምዘይተቋርጽ እውን ኣመልኪታ። ካብዘን ዝተዓጽወ ትካላት ገሊአን ኣብ ገዳማት ዝርከባ ምዃነን እውን ኣብዚ ናይ ተቓውሞ መልእኽቲ ተጠቒሱ። ዕላማ ቤተ-ክርስትያን ምስ መንግስቲ ንምውድዳር ዘይኮነ ህዝቢ ንምግልጋል ምዃኑ  ኣብዚ መልእኽቲ ብንጹር ተገሊጹ ይርከብ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካልኦት ትካላት ክትውስኽ እናሓሰበት ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ምውሳዱ ከም ዘሕዘና ከኣ ኣብቲ ደብዳበ ሰፊሩ ምህላዉ ኣብሪሃ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምርጫ ቤተ-ክርስትያን ዘተን ምርድዳእን ምዃኑ ኣስፊራ ኣላ።

እዚ ናይ ሽዑ ናይዞም ሃይማኖታዊ ኣቦታት  ለባምን፡ መንፈሳውን መልእኽቲ ሰማዒ እዝኒ ከም ዘይረኸበ ከኣ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን መስካሪ እዩ።

Last modified on Saturday, 12 June 2021 21:28