መግለጺ ፍሉይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2021-07-05 08:40:51 Written by  ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1978 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ነዚ ድሕሪ ናይ 8 ኣዋርሕ ጽዕጹዕ ውግእ: ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለ ብዕቱብ ንምምዛን ብ3 ሓምለ 2021 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼብኡ ቅድሚ ናብ ዝርዝር ምእታዉ: ንህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ትግራይ: ስለ’ቲ ዘርኣይዎ ጽንዓትን ዘመዝገብዎ ዓወትን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ፍሉይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ነዚ ናይ ሎሚ ሚዛኑ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጉዳይዚ ብዝምልከት ዝነበሮ ሚዛን ምዝማዱ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምርኣይ፡ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ምስ ውሳኔታት 3ይን ሓድነታዊ ጉባኤናን ተዛመድቲ ፖሊሲታትን ሰዲህኤ ኣገናዚቡ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ዘኪሩ። በዚ መሰረት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝተኽተሎ ንሉኣላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዘይሓላፍነታውን ሻራዊ ፖሊሲ ስርዓት ኤርትራ ኰኒኑ ምንባሩ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስተብሂሉ።

ኣብዚ ናይ 3 ሓምለ 2021 ዳህሳሱ እምብኣር እቲ ሰልፍና ካብ ቅድም ሓደግኡ ርእዩ ዝነጸጎ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ን8 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ውግእ ብግብሪ ተራእዩ፡ ብዓወት ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ትግራይ ምዝዛሙ ተመልኪቱ። ይኹን’ምበር ክሳብ ሕጂ ዘኸተሎ ዕንወትን ሃሰያታትን ብምግምጋም፡ ደጊም ኣብቂዑ ማለት ስለ ዘይኰነ፡  ኣብ ቀጻልነት ውግኣት ዘለዎ ሻቕሎት ኣመዝጊቡ። እዚ ውግእዚ እንተድኣ ቀጺሉ ማህሰይቱ ኣብ ትግራይ-ኢትዮጵያ ከይተደረተ ንዞባናን ከባቢናን ብሓፈሻ፣ ንሃገርና ከኣ ብፍላይ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝኸውን ኣብ ግምት ኣእትዩ። ቅድሚ ሕጂውን ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ካብዚ ስግኣትዚ ነቒሉ ኣብቲ ናይ 21 ሕዳር 2020 መግለጺ እዚ ዝስዕብ ዝርከቦ ውሳኔታት ወሲኑ ከምዝነበረ  ዝዝከር እዩ።

  1. ናይ ዶ/ር ኣቢን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስ ትግራይ ንኹንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።

 

  1. ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት መንግስታትሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝና ማሕበራትን ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕረዎ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና ብፍላይ ድማ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ እዚ ምዕባለታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፣ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ ምሕጽንትኡ የቕርብ ዝብል ነበረ።

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ድማ ኣብዚ ናይ 3 ሓምለ 2021 ኣኼብኡ  “ንመጻኢኸ ካብ ተወሳኺ ዕንወት ንምድሓን እንታይ ክግበር ይግባእ?” ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምክያድ ነዞም ዝስዕቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

  1. ህዝቢ ትግራይ ብውሽጥን ብደገን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ኮይኑ ብዘርኣዮ ሓድነትን ናይ ቃልሲ ጽንዓትን ንሓይልታት ምክልኻል ሰራዊቱ ወዲቡን ኣሓይሉን ነቲ ወሪዱዎ ዝነበረ ከቢድ ግፍዒ ፈንጢሱ፡ ባዕሉ ንዝመረጾ ሕጋዊ መንግስቱ ናብ ቦትኡ ክመልሶ ምብቅዑ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ደጊሙ እንቋዕ ሓጎሰካ ይብል፤
  2. ህዝባዊ ተጠቃምነት ንምጉዳእ ስርሖም ከምዘቋርጹ ተጌሮም ዘለዉ ኣገልግሎታት ከምኒ ሓይሊ መብራህቲ፣ ኣገልግሎት ማይ፡ መስመር ተሌፎንን ኢንተርነትን፣ ባንክ፣ መጓዓዝያታት… ዝኣመሰሉ ትካላት ኣገልግሎት ብህጹጽ ናብ ንቡር ተመሊሶም ኣገልግሎት ከምዝህቡ ክግበር፡ ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ዝልኣኸሉ መሰረታዊ ረድኤት ኣብ እዋኑ መታን ክበጽሖ ኩሉ ኣገባብ መጓዓዝያን ካልእ መሳለጥያታትን ብህጹጽ ክቐርበሉ፡ ኣህጉራዊ ትካላትን፡ ግብረሰናይ ማሕበራትን ብትኹረት ክሰርሑሉን፡ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ኣድላዪ ተጽዕኖን ምክትታልን ክገብሩን፡ ፈጻሚ ሽማግለ ጸዊዑ።
  3. ውግእን ወረ ውግእን ጨሪሽካ ብምጥፋእ ነባሪ ሰላም ምእንቲ ክፍጠር ንኹሎም ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ ኣካላት ዝሓቁፍ ሓፈሻዊ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ክግበር፤ ኣብ  ክንዲ ውግእ ከኣ ኣብ ልዝብ ዘትከለ ፖሊቲካዊ ፍታሕ ክናደ ከም ዝግባእ እምነቱ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
  4. መንግስቲ ክልል ትግራይ ኰነ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ፡ ዝነበሮም ብልጫ፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ምእማን መለለይኦም ገይሮም ምቕጻሎም ምዃኑ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዘኪሩ። ኣብ ትሕቲ’ዚ ሓድሽ ፖሊቲካውን ወተሃደራውን ምዕባሌታት እውን፡ ከም ቀደሞም፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣኽቢሮም ክጐዓዙ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራን ጸረ ምልካዊ ሓይልታቱን ከኣ ምትሕብባሮም ክቕጽሉ ኣዘኻኺሩ።
  5. እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለያ መደብራትን ካብ መደብራት ወጻእን ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ዝተፈጸመ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከይድገም፤ እቲ ክሳብ ሕጂ ተፈጺሙ ዘሎ ከኣ ብነጻ ኣካል ተጻርዩ ኩሎም እቶም ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ኣካላት ብዝፈጸሙዎ ግፍዕታትን ግህሰታትን ናብ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱ፤ ከምኡ’ውን ኩሎም ምሩኻት ብመሰረት ኣህጉራዊ ውዕላትን ሕግታትን ክትሓዙ፣ ካብ መንጎኦም ብገበን ዝጥርጠሩ እንተለዉ ከኣ ጉዳዮም ብነጻ ኣካል ክሳብ ዝጻረ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ መሰሎም ከይጓደል ኩሎም ኣካላት ዝከኣሎም ክገብሩ ጸዊዑ።
  6. በዚ ኣጋጣሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ትግራይን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያን ፋሕ ኢሎም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ዝኣተዉ፣ እቶም ብስርዓት ህግደፍ ተላኢኾም ድራር ጥይት ኮይኖም ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባን ወዲቖም ድራር ኣራዊት ዝኾኑ፣ ከምኡ’ውን እቶም ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ደቁ “ኣበይ ኣትዮም” ኢሉ ክሓትት ንጽውዖ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ነዚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ዝካየደ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምስዓርን፡ ንመራሕቱን ገበነኛታት መጋበርያታቱን ብመጠን’ቲ ዝፈጸምዎ ተግባራት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቕራብን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ዝከኣሎ ዘበለ ጻዕሪ ክገብር ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ፡  ስርዓት ኢሳያስ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዝፍጽሞ ዘሎን በደላት ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ኣዕናዊ ውግእ ኣእትዩ ምስ ሓውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንዲ ብሰናይ ጉርብትናን ብምትሕብባርን ብሰላም ንነብር ብዘይድልየትናን ባህግናን ንክልቲኡ ህዝቢ ኣብ ዘይረብሓሉ ጽልኢ ከእትዎ ዝከኣሎ ኩሉ ጌሩ እዩ። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክልን ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘይሕተትን ግንዛበ ክረክብ ዝግብኦ እዩ። ክልቲኦም ህዝብታት ነንሕድሕዶም ክተፋነኑ ዘይኮነስ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኦም ህግደፍ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ክደጋገፉ እዋኑ ሕጂ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን ክብሉ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም  ደለይቲ ፍትሒ ሓይልታትን ጸረ ምልኪ ሓድነት ፈጢሮም ብሓባር ንምቅላስ ብሓድሽ ተበግሶ ክልዓሉ ይጽውዕ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ግዳማውያን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክስለፉን ዝከኣሎም ኩሉ መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን፤ ከምኡውን ተጽዕኖኦም ኣብ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉ ይጽውዕ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

03 ሓምለ 2021

Last modified on Monday, 05 July 2021 10:44