ፈደራላዊ ካቢነት ስዊዘርላንድ ብጒዳይ ኤርትራ ካብ ፓርለመ ንዝቐረበሉ ዕቱብ ሕቶታት መልሲ ሂቡ
Sunday, 01 March 2015 22:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤእቲ ብኮንሰይ ፈደራል ዝፍለጥ ሸውዓተ ዝኣባላቱ መንግስቲ (ካቢነት) ስዊዘርላንድ: ብሃገራዊ ባይቶ (ፓርላማ) ሃገር ኣቢሉ ብጒዳይ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ብዕለት 25 የካቲት 2015 መልሲ ሂቡሉ። እቲ ወኸሳታት ብኣባል ሲሻል ደሞክራት ስዊስ ብዝኾነት ኣባል ባይቶ ወይዘሮ ፈህር ጃኵሊን (Fehr Jaqueline) ብዝሓለፈ 8 ታሕሳስ ኢዩ ቀሪቡ።
ከም ዝዝከር: ብዝሓለፈ 19 ሕዳር 2014: ላዕለዋይ ልኡክ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ንጸገማት ህዝብና ብዝርዝር ዝገልጽ ርክብ ኣካይዱ፣ ሰፊሕ መዘክር እውን ናብ ዝምልከቶ ሰልፍን መንግስቲ ስዊስን ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ወኸሳታት ኣባል ባይቶ ስዊስ ከኣ ኣብኡ እተመርኰሰ ኰይኑ: ኤርትራ ኣብ ፍሽለት መንግስትን ውድቀት ሕብረተሰብን ገጻ ተንቈቊል ብምህላዋ: መንግስቲ ስዊስ ዝከኣሉ ክገብር ዝሓትት ነይሩ። ነቲ ብባይቶ ሃገረ ስዊስ ኣቢሉ ናብ መንግስቲ ስዊስ ዝቐረበን: መልሲ እተዋህበሉን 8 ሕቶታት ካብ ቋንቋ ተርጒምና ነቕርቦ ኣሎና፤ ጽቡቕ ንባብ:-
1- ብዛዕባ ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ: ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ክልተ ጊዜ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብዘቕረበቶ ጸብጻባት መንግስቲ ስዊስ እንታይ ርእይቶ ኣሎዎ?
2- ነቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻባትን: ነታ ብ2014 ቈይማ ንዘላ መርማሪት ኮምሽንን ንምዕዋት: ከምኡውን ተመሓላሊፉ ንዘሎ ለበዋታትን መጽናዕትታን ተመዲቡ ንዘሎ ርክባትን ንምዕዋት: ብሸነኽ መንግስቲ ስዊስ እንታይ ገንዘባውን ሰብኣውን ፖለኣቲካውን ሓገዛት ተዳልዩ?
3- ንናይ ዓለም ቀይሕ መስቀል ማሕበር (ICRC) ብከመይ መገዲ ንናይ እሱራት ምብጻሕን ምርኣይን ስራሓ ከተካይድ ክድፍኣሉ ይከኣል? ብቐንዱኸ ናይ ዓለም ቀይሕ መስቀል ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስራሕ ከተሳልጥ ትኽእል ዲያ?
4- ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ሸነኽ: ኣብ መንጎ ኤርራን ጅቡትን ከኣብ ብኻል ሸነኽ ተኸሲቱ ንዝርከብ ናይ ዶብ ሽግራት ንምፍታሕ እንታይ ግደ ክጻወት ይኽእል?
5- ካብ 1993 ጀሚራ ኤርትራ ናይ ዓለም-ለኸ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO) ኢያ፣ ብ2000 ከኣ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ ቁጽሪ 105 ዝሰፈረ ናይ ግዱድ ስራሕ (ባርነታዊ ገባብ ስራሕ) ናይ ምውጋድ ውዕል ዝፈረመት ኢያ። መንግስቲ ስዊስ ኮነ ናይ ሰራሕተኛታት ዓለም ማሕበር ነዚ ውዕል እዚ ኤርትራ ከተኽብሮ እንታይ ክገብር ይኽእል?
6- ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ሱዳንን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ክንደይ ዝኾኑ ዑቕበኛታት ኤርትራውያን ኣለዉ? መንግስት ስዊስከ እንታይ ክትገብረሎን ትሓስብ -- ፍላይ ኣብ ትምህርትን ማሕበራዊ ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ ኣብ ምግባርን?
7- ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ዑቕበኛታት ማእከላይ ዕዲሚኦም ክንደይ ኢዩ? እንታይ ዓይነት ተመክሮ ዘወነኑ ይመስሉ? ከመይ ገርካ ነቲ ዘለዎም ጉድለት ትምህርቲ ክምዕብልን ክመሓየሽን ክግበር ይከኣል?
8- መንግስቲ ስዊስ ካብ ክፍዕታት መንግስቲ ኤርትራ ንምክልኻል ንኤርትራውያ ዑቚበኛታት እንታይ ዓይነት ምክልኻል ወይ ውሕስነት ይገብር ይኽእል? መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስደተኛታት ብኣስገዳት ንዝእከቦ ገንዘብ ብዝርኢ መንግስቲ ስዊስ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ? ነቶም ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ከም ተርጐምቲ ኣምሲሉ ዝቕርብ ናይ በዓል ቶኒ ሎሸር (Toni Locher ዝኾነ ማሕበር (SUKE) እንታይ ገደብ ክገረሉ ተኻኢሉ?
ብዕለት 25-02-2015 ዝተዋህበ መልሲ መንግዝስቲ ስዊስ ()
መንግስቲ ስዊስ (Conseil Federal - ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ) ንኣገዳስነት ምኽባር ሰባኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ትዅረት ኢዩ ዝርእዮ። እዚ ኤርትራ ዝርኤ ኣስጋኢ ዝኾነ ማሕበራዊ ህይወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጠንቂ ስደትን ፋሕ ምባል ሰባትን (ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልእ ዞባታትን) ኣስዒቡ ኣሎ። ካብዚ ዘጨንቕ ኩነታት ዝነቐለ ስደት: ንብዝሒ ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ኣብ ሃገርና ክብ ኣቢልዎ ይርከብ። ነዚ ኣሻቓሊ ጸገማት እዚ ምስ ዓለም ለኸ ሓይልታት ተሓባቢርካ ፍታሕ ምድላይ ኣገዳሲ ይኸውን።
1- እዚ ብፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ቅጽበታዊ ወይ ድራማዊ ኩነት ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኢዩ። ስዊዝ ምስ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ንኤርትራውያን ተቛወምቲን ተጣበቕቲ መሰል ወድሰብን በቲ ኣብ ሃገሮም ዘጓንፍ ዘሎ ሕርመት መሰል ደቂሰባት ትዛተ ኢያ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ኤርትራ ምስ ፍልይቲ ሓላፊት ሕቡራት መንግስተት ሃገራት ክትሓባበራኣ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ክትዕዘብን ትዕድም እኳ እንተኾነ ውጽኢት ኣይረኸበን፡ ይኹን እምበር ካብ ምዕዳም ኣይከነቋርጽን ኢና።
2- ኣብ 2012 ብመሰረት ዳግመ ርእይቶታት ወይ ወኸሳ ዓለም ለኸ ስሩዕ_ኣኼባ(UPR) መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ኤርትራ፣ ስዊዘርላንድ ምሕጽንትኣ ንምምሕያሽ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብንጹር ኣቐሚጣ ነይራ ኢያ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃገርና ብምርካብ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝኣክል ሓበረታ ብዛዕባ መሰላት ዲሰብ ኣብ ኤርትራ ረኺባ ከም ዝነበረት ዝዝከር ኢዩ። ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዕዞ ቁጠባዊ ሓገዝ ምሃብ ነዚ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ተሳታፊት ኢያ ዘላ። ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ንስራሕ ተመራማሪት ኮሚተ (Commission of inquirey) ምሉእ ደገፍ ትህብን ነቲ ተካይዶ ዘላ ሓበረታት ምጥርናፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ብምኻድ ርጉጽን እዋናዊ ሓበረታ ትእርንብ ዘላ የሞጉስ።
3- ስዊዘርላንድ ብተደጋጋሚ ንስርዓት ኣስመራ ምስ CICR ክትተሓባበርን ንኤርትራ ኣትዮም ኩነታት ኣብያተ ማእስርቲ ትዕዝብቶም ክስፍሩ ድሌታ ኢዩ።
4- ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኣብ ከባቢ እቲ ዞባ ዝመሰረቱ ኩሎም ርጉእን ቅሱንን ሰላማውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ ድሌቶም ኢዩ። ድሕሪ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ናይ 198-200 )ክልቲኤን ሃገራት ብሓደ መንጎኛ ፈራዲ ኣካል ዝቖመ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ተሰማሚዔን ነቲ በዚ ቤት ፍርዲ እዚ ዝሓለፈ እግባይ ዘይብሃሎ ፍርዲማንዛ (virtual) ዶብ ከም ዝተሓንጸጸን ኽልቲኤንተቐቢልናዮ ክብላ ከብቅዓ፡ ከም ፍርዲ መጠን ከተማ ባድመ ንኤርትራ ከምዝተወሰነ ዝዝከር ኮይኑ ብወገን ኢትዮጵያ ከምዘይቅቡል ጌራ ከም ዘወሰደቶ ብሰንኪ ጠንቂ እዚ ዘይምቕባላ ኣብ መንጎ ክልቲኤን መንግስታት ሓሓሊፉ መጥቃዕትታትን ከብድ ዝበለ ዝሑል ውግእ ይረኤ ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዘሎ ዶባዊ ግርጭት፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ 2008 ጀሚሩ ፍታሕ ንምርካብ፡ ምስርካብን ምልውዋጥን ናይውግእ እሱራት ኽግበር ይጽዕር ከምዝነበረን ዘሎን ይፍለጥ።
5- ዓለም ለኻዊ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO) ውዑል ዓንቀጽ 105 ኣብ ኤርትራ ክኸብርን ንተግባራውነቱ ዝጠቅም ምቁጽጻር ስልቲ ኣለዎን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገባብ ማሕበር ሰራሕተኛ ለውጢ ከተኣታቱ ጸቕጢ ካብ ምግባር ኣየዕረፈን። ዓለም ለኻዊ ሕጊ- ሰራሕተኛ ከተእታትው ይሕብር። እንተደአኣ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ተጣሒሱ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ዝግበር ኣኼባ ከም ዝዝተየሉ ይፍለጥ ኢዩ። ስጋብ እዚ እዋን ኢ ሰነድ ወይ ጸብጻብ ብዛዕባ ኤርታ ኣየቀረበን ዘሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ እንተደአኣ ጉዳይ ኤርትራ ዘይተላዕለ፡ ሲዊዘርላን ነዚ ባርነታዊ ኣገባብ ሰራሕተኛ ኸቋርጽ ወይ ክድምሰስ ክተልዕሎ ኢያ።
6- ንጹር ወይ ርጉጽ ዝኾነ እኩብ ሓበረታ ቁጽሪ ናይ ዑቕበኛ ኣብቲ ከባቢ የለን። ብግምት ስጋብ 107,000 ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ 110,000 ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከም ዘለዉ ይሕበር። ሲዊዘርላንድ መደብ ወይ ትልሚ ናይ ምኽልካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተካይድ ኢያ። ኣብዚ ዝተመርኰሰ ምስ ኣህጉራውያን ማሕበራት ብፍላይ ከም UNHCR, IOM,NGO ኣብ ውጥን ወይ ትልሚ ድሕነት ናይቶም ብፍላይ ንሓደጋ ዝተሳጥሑ ሰባት ምሉእ ምትሕብባር ትገብር ኢያ። ሲዊዘርላንድን ብምትሕብባር UNHCR ንትሕተ ዕድመ ዝኾኑ ንምክልኻልን ኣብ ሽረ ( ሰሜን ኢትዮጵያ) ዝኣተዉ ምስ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (NRC) ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ መቆቢ ሰደተኛታት ይኹን ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ደገፋታት ሂብናን ንህብን ኣሎና። ሲዊዘርላንድ ኣባል ኣንጻር መሸጣ ደቂ ሰባት ክምኡ ማፍያዊ ምትሕልላፍ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ተዓዝቢ ወይ ተኸታታትሊ ሕጋዊ መስርሕ ካርቱም ንንግዲ ድቂ ሰባት ዘርኢ እውን ኢያ።
7- ማእከላዊ ዕድመ ዑቕበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ 25 ኢዩ። ጠንቂ ዓዶም ራሕሪሖም ዝመጽሉ ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ መብዛሕትኦም እቲ መጠረስታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸውን ከሎ፡ ወይ ብዲክታትርያዊ መለለዪ ዝከጽዕዎ መብዛሕትኦም ብጥህሰት መሰል ደቂ ሰባት ዘጓንፎም ኣብ ሕማቕን ድኽነትን ንመጻኢ ተስፋ ዘይብሉ ሃገር ዝሓስቡን ዝኣመሰሉ ኢዮም። ምስ ኣብ ቅዋም ፈደራላዊ ሕጊ ብምምርኳስ ኩለን ካንቶናት መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ካብኡ ንላዕሊ ምስ ዓቕምታቶም ዝተወሃሃደ ንምሃብ ይጽዕር። ኩለን ካንቶናትና ንዑቕበኛታት ምውህሃድ (ጽንባረ) ወይ ጥምረት ምስ ሕብረተሰብ ወይ ማሕበራዊ ናብራ ንምዕቃብ 110 ሚልዮን ፍራን ንውዝዕ። ዑቕበኛታት ዕድል ምህደረ ትምህርቲ (scholarship) እውን ኣለዎም። ደቆም ብሕጋዊ መልክዕ ልክዕ ከም ዜጋታት ስዊስ ኢዮም ዝቑጸሩ። ከም ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ተላማድነት ኣብ ስራሕ ሞያዊ ትምህርቲ ከምኡ ኣካዲኣሚያዊ ትምህርቲ ከም ብቕዓቶም ፍቑድ ኢዩ። ፈደራላዊ ስዊስ ንመጀመሪ ዝኸውንን ንፍሉይ ውጥን (project) ምስ ዝቐርብ ገንዘባዊ ሓገዝ ክውዝዕ ይኽእል። ንመሓደስ ኣብ ምስግጋር ካብ ብስነ ምግባር ዝተቐየደ ትምህርቲ ናብ ሞያ ዘጠቓለለ ብመልክዕ ለቓሕ እውን ይውዝዕ ኣሎ። ብማዕሪኡ ነቶም ድሕረት ወይ ኣብ ትምህርቲ ዝተገድዑ ማሕበራዊ ናብራን ቋንቋን ቁጠባዊ ሓገዝን ስበኣዊ ደገፍን ይፍቀድ ኢዩ።
8- ሓይሊ ፖሊስ ቤት ፍርዲ ፈደራላዊ ስዊዝ እቲ ናይ ሃገራዊ ታክስ ኣነጺሩ ኢዩ ዝፈልጦ። ስጋብ እዚ እዋን እዚ እቲ ወግዓዊ ታክስ ንመንግስቲ ኤርትራ ይወሃብ ዝበሃል ብወገን እዚ ናይ ምቁጽጻር ታክስ ስዊዝ ኣብ ባይታ ዘራጋገጾ ኣይተራእየን። ብዘይ ርጉጽን መሰረት ዘለዎ ምስክርን (penal) መቕጻዕታዊ ኪ ክተቕርብ ኣይከኣልን ኢዩ። እቶም ክኽሰሱ ይከኣሉ ዝበሃሉ እውን መቕጻዕታዊ ክሲ ኣብ ርእስኦም ክኽፈት ኣይኽእልን ኢዩ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ሕጊ ስዊዝ ከም ዘይገበነኛታት ህይወቶም ክቕጽሉ ግድነት ኢዩ። እቶም ንምትርጓም ዝዋስኡ ዜጋታት እውን ቅድሚ እዚ ዕድል ዝወሃቦም ዝተፈላለየ ፈተናታትን ማሕላን ዘይኮነ ከይትርጉሙ እቲ ኣብ መወከስ ዝግበር ዕቱብ ካብታ ቤት ጽሕፈት ከምዘይወጻ ዝሓልፉ ባእታታት ኢዮም። እንተደኣ ሰለይቲ ስርዓት ኤርትራ ካብቶም ተርጐምቲ ኣህሊዮም ወጻኢ ካብ (SEM) ጸጥታዊ ሓለዋ ስዊዝ ኮይኖም ማለት ኢዩ። እንተደአኣ ጥርጠራ ሃልዩ እሞ ተሓቢሮም ኣብ ትሕቲ መጽናዕቲ ጸጥታዊ ስዊዝ ከም ዝኣትዉ ኣይጠራጠርን ኢዩ። እንተደኣ ተረኺቦም ግን እቲ ውዑል ስራሕ ይብተኽ ኢዩ። ብወገን ሓተቲ ዑቕባ ጥራዓኖም ኣብ ዝኾነ እዋን ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም። ምስኡ ናይቶም እምነት ዘሕደርሉ ተርጓሚ እውን ከቕርቡ ይኽእሉ። ኣብ ርእስኡ ኣብ ስዊዝ ኣብ ግዜ ወከሳ ማሕበራት ስበእነታዊ አይ ግብረሰናያዊ ወከልቲ እውን ንውህስነትን ርግኣትን ተሓታቲ ይሳተፉ ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ስውስን ማሕበር SUKE (ንስርዓት ኢሰያስ ዝድግፍ ማሕበር ስዊስ) ዋላ ሓንቲ ርክብን ወይ ምትሕብባር የለን።
ህጹጽ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስዊዝ ( ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዝ)
ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ እገዳ ይለዓል ዝብል ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩ ንደገፍቱ የጓሳጕስ ኣሎ
Saturday, 28 February 2015 19:44 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ደገፍቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል፡ ኣብ ዘዝነብርሉ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩን መዘክራት ንዝምልከቶም ኣካላት ከቕርቡን ክጕስጕስ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጪታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት'ዚ ብናይ ብሽክለታ ጕዕዞ ካብ ሽወደን ክሳብ ስዊዘርላንድ ዝስነ ክኸውን ምዃኑ እውን እቶም ምንጪታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብሰሪ'ቲ ምስ ጥሩፋት ምንቅስቓሳት ዝነበሮ ዝምድናታትትን ዝፈጠሮ ዘይምርግጋኣትን፡ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ተነቢሩ ምጽናሑ ዝዝከር ኢዩ።
ሕጂ፡ ካብ'ዚ እገዳ'ዚ ንምግልጋል፡ ቅዋም ክነድፍ'የ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክድርቶ'የ፡ እሱራት ክፈትሕ ኢየ እናበለ፡ ንምዕራባውያን መንግስታት መብጽዓታት ክኣትወሎም ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት'ዚ ከኣ፡ እቲ ስርዓት ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለዎ ንምርኣይ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ኤርትራውያን ዜጋታት፡ በዚ ከይደናገሩን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲን ብልጽግናን ምዃኑ ዘርኢ ሰላማዊ ሰልፍታቶም ክቕጽሉ ኣለዎም።
ቤት ጽሕፈት ውደባ ዝጸውዖ ናይ መራሕቲ ዞባ፡ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ኣውሮጳ ኣኼባ ተኻይዱ
Saturday, 28 February 2015 00:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ (ዞባ ኤውሮጳ)ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝጸውዖ፡ ሓላፍቲ ዞባ ኣውሮጳ፡ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍርን ዝተኻፈልዎ ኣኼባ ብ15 ለካቲት 2015 ብመራኸቢ ብዙሓን ተኻይዱ። ኣቦ መንበር ዞባ ኣውሮጳ፡ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ እዚ ኣኼባ'ዚ፡ ከም'ቲ ኣቐዲሙ ተሓቢርኩም ዝነበረ ብቤት ጽሕፈት ውደባ ዝተጸውዐ ኰይኑ፡ ኣጀንዳታቱ ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ ኢሉ።
1ይ ትካላዊ ኣሳራርሓና ከመይ ኣሎ?
2ይ ፖለቲካዊ ጎስጓስናን ንጥፍታትናን ኣበይ በጺሑ ይርከብ?
3ይ ርክባትናን ውዳበናን ከመይ ይመስል?
4ይ ቁጠባዊ ኣበርኩቶና ብኸመይ ነዕብዮ?
5ይ ምድላው ካልኣይ ጉባኤናን ምስንዳው ፈስትቫልናን ከመይ ይስጉም ኣሎ?
ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውደባን ሓላፊ ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤን፡ ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ምስ ሓላፊ ውደባ ክሊ ኤውሮጳን ኣባል ማእከላይ ባይቶን ሓው ኣሰፋው በርሀ፣ ከምኡ ውን ኣባላት ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት-- ሓብቲ ትዕበ ተኪአ፡ ሓብቲ ኣዲያም ተፈራን ሓው ነጋሲ ሓምደን፡ ነዚ ኣጀንዳታት ከብርሁልናን ምሳና ሓቢሮም ክዛተዩን ኣብ ሞንጎና ምርካቦም እናመስገንኩ፡ መድረኽ ናብኦም አመሓላልፎ ብምባል ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ መእተዊ ቃሉ ናይ ኣኼባ ደምዲሙ።
ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ 2015 ዓ.ም ናይ ራህዋን ሰላምን ዓመት ክትኰነልና፤ ህዝብና ድማ፡ ካብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝገላገለሉን፡ ናብ ግዝኣተ-ሕግን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ስርዓት ዝሰጋገረሉን ዓመት ክኸውን እምነ ብምባል ኢዩ መግለጺኡ ጀሚሩ።
ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ንሃለዋት ውደባና ዝግምግምን ንኣሰራርሓና ዘማዕብልን ኣኼባ ተረኺበ ምሳኹም ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጥ ከለኹ ክብርን ደስታን ይስምዓኒ። ኣኼባና፡ ዓለምና ኣብ ቅልውላት ተሸሚማ፡ ውግእን ምንዕዓባትን ኣብ ዝነገሰሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ዝፈናቐለሉን ንስደት ዘምርሓሉን ዝሃልቀሉን ዘሎ ወቕቲ ኢና ነካይዶ ዘለና። ብወገና ነዚ ድቃስ ዘይህብ ሃለዋት ዓለምን ሃገርናን፡ ብዕምቆት መዚና፡ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ካብ ስሩ ምሒና፡ ኣብ ሃገርና ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ ሕግን ንምስፋን ዘይተሓለለ ቃልሲ ነካይድ ኣሎና ኢሉ።
እዚ ሓው ብርሃነ ዘርዚሩ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኣጀንዳታት ክከታተሉ ዝጸንሑ ሓለፍትን ኣካየድትን ናይ ዞባ ኣውሮዓ ምሳና ስለዘለዉ፡ ብዝያዳ ንኸብርህዎ ንዕኦም ዕድል ክህብ ኢየ ብምባል ሓው ተስፋሚካኤል ዘረብኡ ዛዚሙ።
ሓው ኣሰፋው በርሀ ብወገኑ ሕውነታዊ ሰላምታኡ ድሕሪ ምቕራብ፡ ነቲ ሓው ተስፋሚካኤል ዝሃቦ መግለጺ ብምስማር፡ ሰዲህኤ፡ ንዅሎም ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል ጠርኒፉ፡ ብህዝባዊ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣቢሉ ንመላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣልጊሱ ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ዝቃለስ ውድብ ኢዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ሰልፍና ካልኣይ ጕባኤኡ ፈስቲቫልን ንምድላው ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እነካይዶ ዘለና ኣኼባ፡ ንኣሰራርሓና ዘጽፍፍን ንሰልፍና ዘሐይልን ሓሳባትን ምምሕያሻትን ዝምንጭወሉ ኣኼባ ክዀነልና እትስፎ ብምባል ናብ ነቲ ኣጀንዳ መእተዊ ክኸውን ዝኽእል መግለጺ ምሃብ ኣትዩ።
ትካላዊ ኣሳራርሓና ኸመይ ኣሎ ንዝብል ኹላትና ኸም እንፈልጦ ብሓፈሻ ትካላት ውድብና ጹዑቕ ፣ስርሓት ቤት ጽሕፈታተን ከካይዳ ብምጽናሕ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበራዊ፡መኣዲ ዘተ ኸይገበርና ምጽናሕና ሕጽረት ይኹንእምበር ኣብ ዝተፋላእየ ውድባዊስርሓት ንራኸብን ሓቢርና ንሰርሕን ምንባርና ግን ዘይከሓድ ፍሉጥ ነገር ኢዩ። ሕጽረታትና ንምውጋድ ንዝመጽእ ግዜ ስሩዑን ምድቡን ኣጋባብ ኣኼባታት ከነካይድ ኽንጽዕር ይህልወና።እዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስትታት ካብ ተልእኾናን ራኢናን ዝመንጨወ ትካላዊ ኣሳራርሓና ኣብቲ ፩ይ ጉባኤና ዝሓለፈ ውሳኔታትብምምርኳስ ኹለንቤት ጽሕፈታትና ፡ብፍላይ ክኣ ህዝባዊ ስርርዕ ኻብ ዕለት ናብ ዕለት ስራሓቱ ኸጻፍፍን መደብ ዕዮታት ብምውጻእ ናብ ስራሕ ኽጸምድ ይጽናሕ አምበር ብዙሓት ብድሆታት ኣጋጢምዎን የጋጥምዎን ኣለዉ፡ንምስዓሮምዝተፋላለዩ ስልትታትን ስትራተጂን ብምውጻእ ኽንብድሆም እኳ እንተ ፈተና ምስቲ ናይ ኣባላትና ውሕደት ፣ ሙሉእ ግዚኦም ወፍዮም ዝሰርሑ ሓርበኛታትና፣ መብዛሕትና ብትርፊ ግዜና ድሕሪ ውልቓዊ ስራሕና ስለ እነካይዶ ርኡይ ሃጓፋት ኽህሉ ግዴታ እኳ እንተኾነ ብዘለና ዓቕሚ ብምትሕግጋዝን ምምልላእን ስርሓትና ክካናወን እንርእዮ ዘሎና ውድዓዊ ኩነት እዩ፡ ስለዚ ውፉያት ንኽሉዉናን ኒስርሓትና ዝሓሸ ውጡን ምምሕያሽን ኣሎ እንብሎ ተራዳዲእና ሓሳባት ወይ ንድፊ ኣውጺእና ኣብ ስራሕ እንትርጉመሉ ኒዝመጽእ ገምጋም እናገበርና እነመሓይሸሉ መላት ኽንጥቀም ኢና፡፡
ኣብዚ ኣተኲርና ኽንርእዮ እንደሊ ኣቃራርባ ጸብጻብ ኽማሓየሽ ምዕቡሉን ፣ኻብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ኸምኡ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ስሉጡን ግዝያዊ መራኸቢ ብግቡእ እና ተጠቐምና ርክባትና ክድልድል ይግባእ፡፡
# መዳይ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ውደባን፣ ኣብዚ እውን እንተኾነ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ስጋብ ሎሚ ተኻይዱ ዘሎ ስርሓት ዝንኣድ እኳ እንተኾነ ኣዕጋቢ ንምብጻሑ ፣ ኣሳራርሓና ኸነማዕብልን ቑልጡፍ ሓቤረታት ተሞክሮታት ኽንላዋወጥ ሓደ ንኹላትና ኣብ ኤውሮጳ ኸራኽበና ዝኽእል ጎግል ( ኻብ ኣባላት ዝተዋህበ ሓቤረታ )ኽንጥቀም ኣድላይነቱ ዑዙዝ ምዃኑ ተራኢዩ፡፡
# መዳይ ርክባትን ምእካብ ሓቤረታን፣ ኣብ እነብረሉ ዠሎና ሃገራት ምስ መንግስታዊ ትካላትን ፣ ውድባትን ሰልፍታትን ፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፣ ገበርቲ ሰናያትን ብምርኻብን ንቓልስናን ንዑቑበኛታት ኤርትራዊያን ዝዳጋገፋሉን ዝምድናታትና ዝድንፋዓሉ ምግባር ሓደ ኻብቲ እንሰርሓሉ ዝጸናሕና ኾይኑ ብዝያዳ ኽብርትዕ ዘለዎ ህሞት ኢዩ፡፡
ምስ ኩለን ኣብ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ብውልቀ ይኩን ብእኩብ ውድባት ይኹና ምንቅስቓሳት፣ በቲ ሓቢርካ ምቅላስ ዘኽእል መደያቱ ኽንሰርሕን፣ ምስተን ተልእኾን ራኢን ዝማሳሰል ዘለወን ክኣ ኣብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ምⷋድ፣ ነቶም ራኢኦም ፍሉይ ዝኾነ ብናይ ሓባር ስራሕ አቢልካ አብ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ጽላል ዘብጽሕ ባብ ምኽፋት ኣድላይ ስርሓት ምክያድን ውጺኢቱ ብዝቐልጠፈ ንመሪሕነት ምትሕልላፍ ንስራሕ ኣሳልጦ ልዑል ተራ ዘለዎ እዩ፡
# መዳይ ቑጠባዊ ስሰና፣ እዚ መዳይ እዚ ንኹሉ ኣባልና ዝምስገንን፣ ዸኺመ ኸይበለ ኻብታ ዘላቶ ብዘይ ንሕስያ ወርሓዊ ጉቡኡን፣ ወፈይኡን ዘበርክቶ ዘሎ ሓርበኛዊ ስርሓት ኣድንቖት መለክዒ የብሉን፣ ዘሎ ግን ነዚ ኸቢድ ጾር ኽፈኹሰሉ ዝኽእል ፕሮጀክትን መላታትን ብምውጻእ ናብ ደገ ዝጠመተ ኣሳራርሓ ብጻዓት ኸነታኣታቱ ዘለዎ ሜዳ ሃሰስ ኽንብል ይግባእ፡፡
#መዳይ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤን ፈስቲቫልን፣ 2ይ ጉባኤና አብቲ ዝተመደበሉን ወርሕን መዓልትን ክውዕል ዘዲሊ ምቅርራብ ኣብ ዝግበረሉ፣ ኣባላት ኣብ ምምሕያሽ ጶለቲካዊ ፕሮግርምን ፣ ቁዋምን ዝሳተፍሉ ይካየድ ምህላዉ ኹላትና እንዋሳኣሉ እውን ዘሎና ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዘሔጉስ ተሳትፎን ኣገዳሲ ዝበልዎ ራኢኦም እውን ይልኡኹ ምህላዎም ስጋብ ክንደይ ዋንነቶም እምነት ኣብ ተልእኾን ራኢ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕብርን ተስፋ ዝህብን ኢዩ፡፡
ብዛዕባ ፈስቲቫል ምስ ጉባኤታትና ተዛሚዱ ዝኸይድ ቡዙሓት ዑዱማን ኣጋይሽን ዘኤንግድ ንምብቃዕ ካብት ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸን ዝማዕረገን ንምብጻሑ ዝኽዕበተ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ ኽብል ሓው ኣሰፋው መግለጺኡ ደምዲሙ ፡፡
ድሕሪ ዚ ንመላእ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘለዎም ርእይቶታት ከቕርቡ ዕድል ተኸፊቱ። ሓውቲ አልጋነሽ ያቆብ ኣባል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ፡ ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ከምእትሰማማዓሉን፡ እዚ ዓይነት አኼባ ብኣጋጣሚ ክግበር ዘይኮነስ ስሩዑን ምዱቡን ኾይኑ ብውሑዱ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ምርኻብ ኣድላይ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲባ።
ኹሎም ተሳተፍቲ በቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ጠቓሚ ሓሳብን ዝረኸብዎ መግለጺን ዑጉባት ነይሮም። ገለ ካብቲ ዘቕረብዎ ሃናጺ ሓሳባትን መተሓሳሰቢታትን ድማ ከምዚ ይርከቦ -
1. ኣብ ዝመጽእ ኣኼባታትና ኣብ ክንዲ ሓለፍቲ ብዘቅርብዎ ነዊሕ መግለጺ እቲ ግዜ ዝጸብብ፡ ነቶም በዳህቲ ሕቶታት ጥራይ ኣልዒልና ከመይ ከምእንፈትሖም ምዝታይ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።
2. ኣብ ዲያስፖራ ናይ ዝነብር ህዝብና ኩነታትን ብዝሕን ምስ ነዚ ክፈልጡ ዝኽእሉ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምውካስ ንምፍላት ሰልፍና ጻዕር ከካይድ
3. ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ዓመት-ዓመት ዝግበር ፈስቲቫል፡ ኣብ ክንዲ ብዞባ ኤውሮጳ ጥራይ ዝኸውን ብመላእ ኣባላት ሰልፊ ክኸውን
4. ሰልፊ ዘካይዶም ሰሚናራትን ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝገብሮም ዑድታትን ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓጋዚ ተራ ስለዘለዎም ኣበርቲዑ ክሰርሓሎም
ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ 8ይ ስሩዕ ኣኼባአ ኣካይዳ
Friday, 27 February 2015 15:57 Written by ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ21 ለካቲት 2015 ኣብ ዘካየደቶ 8ይ ስሩዕ ኣኼበኣ መስርሕ ምስንዳእ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ገምጊማ። በቲ ዘካየደቶ ገምጋም መሰረት ቀዳማይ ዙር ምይይጥ መሰረታት ሰልፊ ኣብቲ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ከም ዝተዛዘመ ኣረጋጊጻ፡ እንተኾነ ኣገዳሲ ንዝበሃል ተወሳኺ ሓሳባት እቲ ዕድል ዕጽው ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጻ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ናይታ ሽማግለ ናይ ሎጅስቲክስን ፋይናንስን ክፍሊ፡ ቦታን ካልእ ንጉባአ ዘድሊ ነገራትን ኣብ ምቕራብን ናይቲ ጉባአ በጀት ነዲፍካ ኣብ ምቕራብን ኣውንታዊ ስረሓት ከም ዘሳለጠት ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ። ጉዳይ ኣወኻኽላ ኣባላት ኣብዚ ኣብ መጻኢ ወርሓት ክረምቲ ዝካየድ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ዝምልከታ ንኡስ ሽማግለ እውን ኣድለይቲ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስረሓታ ቀጻሊ ከም ዘሎ ኣብዚ ኣኼባ ተገሊጹ።
ነቲ ኣኼባ ዝመረሐ ናይታ ሽማግለ ኣቦመንበር፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባንን ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ሓው ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ መስርሕ ምስንዳእ 2ይ ጉባአ ንምዕዋት በቲ ሓደ ወገን መሪሕነት ሰልፊ፡ በቲ ካልእ ወገን ከዓ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን ንኡሳን ሽማግለታታን የካይድዎ ንዘለዉ ጻዕሪ ንኢዱ፡ እዚ ጻዕሪ ኣብ መጻኢ’ውን ብናህሪ ንክቕጽል ኣተባቢዑ። ንሱ ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ ጉዳይ ናይ ውሱናት ኣባላት ሽማግለ ዕማም ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ኣባላት ሰልፍን ደገፍቱን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ኣበርክተኦም ከዕዝዙ ጸዊዑ። ናይቲ ኣኼባ ተሳተፍቲ ብወገኖም ሒዘምዎ ዘለዉ ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ከይሰልከዩ ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋግጾም።
22 ለካቲት 2015
Swiss Federal Cabinet Describes Eritrea as ‘Extremely Disquieting’ Case; Pledges to Help in Addressing Problems
Friday, 27 February 2015 15:04 Written by EPDP Information OfficeThe Swiss Federal Council, which is a seven-person cabinet elected for seven years, on 25 February responded to parliamentary questions affirming that it attaches great importance to the “extremely disquieting human rights situation in Eritrea”.
The Federal Council was responding to eight questions on Eritrea addressed to it from the Swiss Parliament. The initiator of the questions on behalf of the Swiss Social Democratic Party was the Hon. Ms Fehr Jacqueline who deposed the questions to the Cabinet through the Parliament on 12 December 2014 following meetings with the Swiss party and government on 19 November 2014 of the a delegation of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP).

The Honourable MP Fehr Jacqueline, and Swiss President Simonetta Sommaruga
In its introduction of answering the eight questions, the Swiss Federal Council, currently presided by the incumbent President of the Confederation, Ms Simonetta Sommaruga of the Social Democratic Party, stated as follows:
“The Federal Council attaches great importance to the question of respecting of human rights in Eritrea. The extremely disquieting human rights situation in Eritrea is the root cause of the large exodus of people in and from the Horn of Africa. In the face of the gravity of this situation and in light of the big number of Eritrean refugees in Switzerland, our country is called to make efforts towards identifying the sources of problems and towards resolving them in collaboration with the international community”.
The questions wanted the Swiss Federal Council (cabinet) to say its position on what is going on in Eritrea as related to the forced labour, the refusal of the Eritrean regime visitations by the Geneva-based International Committee of Red Cross (ICRC); what Swiss government does to help Eritrean refugees in the country and those in the Horn of Africa region; how the Federal Council views the reports of the UN Human Rights Rapporteur on Eritrea and the formation of the Commission of Inquiry by the powerful UN Human Rights Council, and others.
The document has been released in German, French and Italian languages. WWW.Harnnet.org
will make efforts to present full translations of the questions and answers in Arabic and Tigrinia languages.
Meanwhile, an EPDP delegation and a representative of a newly formed coordinating committee of Eritreans in Switzerland are invited to address a meeting in Bern on 2 March of the Swiss Social Democratic Party’s Commission on Foreign Policy Affairs.
ኣብ ኤርትራ ምፍራስ ገዛውቲ ይቕጽል ኣሎ፣ መንእሰያት ድማ ናብ ዘይውዳእ ናይ ታዕሊም መደባት ይጓረቱ ኣለዉ
Wednesday, 25 February 2015 15:11 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስርዓት ህግዲፍ ሎሚ ዕለት 25 ለካቲት 2015 ውን፡ ነቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ምፍራስ ናይ ኣባይቲ ብምቕጻል፡ ኣብ ቀሓውታ (መሬት ናይ ጸሎት) ተሃኒጹ ዝጸንሐ ኣባይቲ ከፍርሶ ውዒሉ ኣሎ። ዋናታት ኣባይቲ ክልተ ግዜ ኢዮም ዝጽፍዑ ዘለዉ። እቲ ሓደ መዓት ገንዘብ ኣውጺኦም ገዛ ክሰርሑ ከለዉ፡ እቲ ስርዓት፡ ስቕ ኢሉ ክኸስሩ ገዲፍዎም። እቲ ካልኣይ ጽፍዒት ከኣ፡ እቲ እቶት ክረኽብሉ ወይ ባዕሎም ክሰፍርዎ ዝሰርሕዎ ገዛውቲ ብቡለደዘራት ገይሩ ድዅዒ ክገብሮ ከሎ ምርኣይ ኢዩ።
ኣብ ርእስ'ዚ፡ ነቶም ኣብ ሳዋ ታዕሊም ዝወሰዱ መንእሰያት፡ እንደገና ኣብ ጋሕተላይ ክትዕለሙ ኢኹም ብዝብል መደብ ሎሚ መዓልቲ ካብ ጐዳይፍ ብዙሓት መንእሰያት ገፊፉ ምህላዉ ምንጪታት ሰዲህኤ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ዕዉት ኣኼባ ኣሰላሲሉ
Monday, 23 February 2015 19:42 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ጨንፈር ኖርወይሰ.ዲ.ህ.ኤ ህዝቢ ብ21 ለካቲት 2015 ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ስሩዕ ጨንፈራዊ ኣኼባ ኣጋቢኡ:: ኣብዚ በዅሪ ኣኼባታት 2015 ዝኾነ ኣኼባ ካብ ርሑቅን ቀረባን ተጓዒዞም ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ናይ ክልቲኡ ጾታ ኣባላት ሰልፊ ተኻፊሎም::
ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ብጻይ መድሃኔ ሃብተዝጊ ብቀዳምነት ንተሳተፍቲ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም ብምባል ብናይ ሰላምታ ቃል ከፊትዎ:: ቀጺሉውን ዋና ጸሓፊ ጨንፈር ኣብ ፖለቲካውን ሰብኣውን ርኽክባውን መዳያት ዘድሃበ ሰፍሕን ዝርዝራውን ዓመታዊ ጸብጻብ 2014 ንተሳተፍቲ ኣቅሪቡ::
ብጻይ መድሃኔ ኣብ ህይወት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣተኲሩ፣ ሰልፍና ካብ እምበርዶ ክቅጽል እዩ ዝብል ስኽፍታታትን፣ ክሳብ ክንደይ ከይህሉ ዝብል ናይ ተጻባእቱ ትምቢታትን ኣበርዒኑ፣ ህልውንኡን ቀጻልነቱ ዘረጋገጸ ሰልፊ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ከርሰ ህዝቡ ሰራውር እንዳሰደደን ዓወታት እንዳ ኣመዝገበን ንቅድሚት ዝግስግስ ዘሎ ሰልፊ ምዃኑ ኣብሪሁ:: ንሱ ኣብ መደረኡ እዚ ዓወት እዚ ብሳላ ንሕን ሓቦን ዝተደረዐ ሓያል ጻዕሪ ኣባላቱ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብዋጋ ዘይትመን ሓያል ሞራልን ተደናጋጽነትን ህዝቢ ኤርትራውን ከምዝኾነ ኣስሚርሉ::
ኣብ ዝቀጸለ መደረኡ ብጻይ መድሃኔ ሕጅውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድሮ ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤኡ ይርከብ ብምህላዉ ነዚ ሓያል ዕማምዚ ብዓወት ንምስጋሩ መርሕነትን ባእታታት ሰልፊ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብዕቱብ ይሰርሑሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ ብጻይ መድሃኔ እቲ ሰልፊ ንኹሉ ኣባል ማዕረ ዝብጽሖ ዋኒኑ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ኣባል ሰልፊ እጃሙ ከበርክት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ::
ምስዚ ኣተሓሒዙ ዋና ጸሓፊ፣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ እውን እንተኾነ ምስ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ጽላል ኤርትራዊ ሓይልታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጸምቢሩ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾና ኤትራውያን ማሕበራት ዘሎ ጋግ ንምጽባብን፣ ዝተወሃሃደ ናይ ሓባር ስረሓት ብምድንፋዕ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምቅልጣፍን እጃሙ የበርክት ከምዘሎውን ጠቂሱ:: ብዘይካ እዝውን ጨንፈር ኖርወይ ምስ ውልቀ ማሕበራት እውን እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳማዕበለ ዝመጽእ ናይ ምብርራህን ምቅርራብን ካዕባዊ ዜተታት ብቀጻልነት ከምዝካይድ ሓቢሩ::
ገዲም ካድር ሰልፍን ጨንፈርን ዝኾነ ብጻይ ሹማይ በርሀ ብወገኑ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓቀኛ መልክዑን ክውንነቱን ለቢሱ ዝኸይድ ሰልፊ እምበር ንፖለቲክዊ መኽሰብን ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልክን ኢሉ ዘይልብሱ ብምልባስ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ዓለምን ከደናግር ዘይፍትን ሰልፊ ምዃኑ ብምሕባር፣ ናይ ህዝቡ ተቀባልነትን ተኣማንነትን ከምዝረክብ ዝገበሮ ድማ እዚ ሕላገት እዚ ምዃኑ ኣስሚርሉ:: ብዘይካዚ እውን ብጻይ ሹማይ በርሀ ንኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ሓተቲ ዕቁባ ኣብ ጉዳያቶም ክሕግዞም ዝኽእል ሓበረታን ምኽር ኣሰንቅዩ:: ሰልፍን ጨንፈርን እውን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣባላቱ ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ክገብር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ::
ተጋባእቲ ብወገኖም ብዝቀረበ ጸብጻብ ዕግበቶም ድሕሪ ምግላጽ፣ ንፖለቲካዊ ብቅዓቶም ዘደንፍዕ ምስ ኩነታቶም ዝኸይድ ጽሑፋውን ኣፈናውን ሓበረታን ኣስተምህሮታትን ብቀጻሊ ንኽወሃቦም ሓቲቶምን ተላቢዮምን::
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ
ዘለዓለማዊ ክምርን ሞገስን ንሰማዕታትና !!!
ክፍሊ ዜናን ሓበረታን ጨንፈር ኖርወይ
اجتماع مشترك بين مكتب الرئيس ومكتبي العلاقات الخارجية والاعلام اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتري
Sunday, 22 February 2015 22:20 Written by اعلام حزب الشعب الديمقراطي الارتريانعقد في الثامن من فبراير 2015م الاجتماع المشترك الذي يعقد دورياً مرة كل شهرين بين مكتب الرئيس ومكتبي العلاقات الخارجية والاعلام والذي عقد دورته الأولى في الثامن من ديسمبر 2014م.
شارك في الاجتماع الي جانب رؤساء المكاتب المذكورة أعضاء الأطقم الإدارية لتلك المكاتب وكل العاملين في المجالين الاعلامي والدبلوماسي للحزب.
افتتح الأخ/ منقستئاب أسمروم الاجتماع بكلمة ترحيبية ثم تلى تقريري مكتبي الرئيس والاعلام خلال دورة الاجتماع المنصرمة، ثم تلاه تقرير مكتب العلاقات الخارجية الأخ/ ولد يسوس عمار.
بالإضافة الي مناقشة تقارير المكاتب الرئيسية أورد المشاركون مختلف التقارير عن نشاطاتهم في مجالي الدبلوماسية والاعلام أينما يتواجدون كما أوضحوا ما يصادفهم من معوقات وإمكانيات الحلول الممكنة لتجاوز تلك المعوقات.
أثير في الاجتماع موضوع ورشة العمل الخاصة بتقوية الجهاز الاعلامي والتي من المزمع عقدها في الثامن من مارس 2015م.
من جهةٍ أخرى ناقش المجتمعون بعمق استعدادات جهاز الاعلام لقيام كلٍّ من مؤتمر الحزب العام الثاني ومهرجان ارتريا السنوي.
يجدر بالذكر أن الحزب يملك محطات تلفزة وإذاعة محلية البث في كلٍّ من ألمانيا والسويد ومحطة إذاعية في مدينة سايبربيس.
ريبورتاج عن اجتماع لجنة اقليم الحزب بأوربا
Sunday, 22 February 2015 22:16 Written by فتوي كفلي مندوب اعلام الحزب بأوربافي الأول من فبراير 2015م عقدت لجنة فرع حزب الشعب الديمقراطي الارتري بأوربا اجتماعها بمدينة بال السويدية. وقد شاركت في الاجتماع لجنة اختيار المرشحين لعضوية القيادة التي تنبثق عن المؤتمر الثاني للحزب، حيث قدمت اللجنة شرحاً لمهمتها.
افتتح الأخ/ برهاني قبركرستوس رئيس لجنة فرع اوربا الاجتماع بكلمة ترحيبية، وبمناسبة انعقاد هذا الاجتماع الذي هو الأول في هذا العام بعد آخر اجتماع للاقليم في الخامس من ديسمبر 2014م أعرب برهاني عن أمنياته للجميع بأن يكون العام الجديد عام المزيد من الإنجازات والانفراجات علي مستوى الحزب والوطن. ثم أوضح أن أجندة اجتماع اليوم تتلخص في التالي:
1- خطاب لجنة اختيار المرشحين لعضوية القيادة وطرق ومعايير الاختيار.
2- تقرير فريق العمل المختص بعدد من المهام التي علي رأسها ( الاعداد لمهرجان ومؤتمر اوربا من حيث المكان والزمان بما يتوافق مع مهرجان ومؤتمر الحزب العام، بالإضافة الي مناقشة مسودة برنامج الحزب السياسي المقدمة للمؤتمر الثاني للحزب ).
بعد ذلك قدم الرئيس للحديث الي المجتمعين كلاً من: الأخ/ رزني تسفاطين رئيس لجنة الاختيار ونائبه الأخت/ ألقانيش ياقوب. وأضاف الرئيس أن الاجتماع الي جانب ذلك سوف يتناول بالنقاش قرار الاجتماع الدوري الرابع للقيادة المركزية بتكوين اللجنة التحضيرية للمؤتمر الثاني، وما جاءنا منها من توجيهات وتقييم ما اتخذناه من قرارات تتعلق بهذا الشأن.
افتتح الأخ/ رزني حديثه بالإعراب عن سعادته وامتنانه بإتاحة الفرصة له للحديث الي قيادة اقليم اوربا للحزب، ثم أوضح أنه واثق من أن الفرع الاقليمي قد ناقش بعمق ما أتاه من مسودة معايير الاختيار للقيادة، كما شكر المجتمعين وكل عضوية الفرع علي حسن تعاونهم مع اللجنة التحضيرية للمؤتمر. وبهذه المناسبة، علي حد قوله، من المفيد والسار جداً أن نتناقش معاً حول تلك المسودة وما يتعلق بها من إجراءات.
ثم واصل حديثه قائلاً: باعتبار أن حزبنا حزباً متعدد القوميات لابد أن تكون قيادته أيضاً ممثلةً لهذا التعدد، أي أن يراعى في تكوينها شمولها لأفراد من كل التنوع الفسيفسائي الارتري (الدين، القومية، الاقليم، العمر، النوع ...الخ)، علي أن هذا لا يعني أن يكون ذلك علي حساب الكفاءة والرِّيادة وكل متطلبات تحمل المسئولية القيادية، لذلك فإن مشارتكم وجميع عضوية فرعكم في التعاون معنا في إنجاح هذا العمل يعتبر اهتماماً بتمتعكم بحقكم الديمقراطي في اختيار قيادتكم.
الأخت/ ألقانيش ياقوب ركزت علي ضرورة تشجيع مشاركة عنصري الشباب والمرأة في هذه العملية الديمقراطية والاستفادة من الفرصة المتاحة لهم من قبل آبائهم من الأجيال المخضرمة.
تمت مناقشة ورقة معايير الاختيار التي ضمت 15 عنصراً فقرة، فقرة، وقدم المجتمعون آراءهم وتعديلاتهم علي الورقة.
وأخيراً وبعد مناقشة بندي الاجتماع وإقرار الاجتماع التعديلات والتوصيات المقترحة أنهى المجتمعون أعمالهم بالوقوف دقيقة حداد علي أرواح الشهداء.
እቲ ንዕለት 13.02.2015 ብኣባላትጨንፈርከለንሰልፊዲሞክራሲህዝቢኤርትራን(EPDP) መኣዲ ፍቅርን ታዓዲሙ ዝነበረ ብወጋሕ ትበል ለይቲ ደሚቁ ሓዲሩ፡፡ ኣብ መኽፈቲ በዓል ኣቶ ዓንደብርሃን ዮውሃንስ ኣቦ ወንበር ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ከለን (Köln) ዕላማ ናይዚ ዕለት‘ዚ ዕርዲ ህግዲፍ ኣብ ከባቢ ከለን ንምፍራስ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓባር ምስላፍ ዝብል ጭርሖ ማእከሉ ዝገበረ ሕጽር ዝበለ መእተዊ ጌሩ እዩ ከፊትዎ፡ ኣዳለውቲ ናይዚ ዕለት ተሳትፎ ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ልዕሊ ትጽቢታቶም ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ፍናኖም ክብ ኢሉ ሞራሎም ላዕሊ ተሰቂሉ አዩ ዝሐደረ፡፡
ኣብዚ ባህላዊ ሕድሮ ኩሎም ንፍትሕን፡ማዕርነትን ፡ንሰብኣዊ ክብረትን፡ንሕድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ ኤርትራ ንምንጋስ ዝጽዕሩ ዘሎዉ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን፡ ውድባትን፡ ብርጌሳዊ ማሕበራትን ፡ውልቀ ሰባትን ዝተርኽብሉ ሕድሮ እዩ ነሩ፡፡
ብዝያዳ ድማ ምዕሩግ ንኽኸውን ዝገበሩ ስነጥበባውያን ብዘይካ እቶም ተሓቲቶም ንኸጻውቱ ቅሩብነቶም ዘረጋገጹ ፡ካልኦት ስነጥበባውያን ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ብተበግሶኦም ምስ ኩሎም ስነጥበባውያን ብምትሕብባር ብዝያዳ ንበዓል ከምዝደምቅ ገበርዎ፡፡
ስለዚ ዕለት 13.02.2015 ብናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ምትሕብባርን ምክብባርን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነጥበ መቀይሮ ኣብ ውሽጢ ከተማ ከለን ( Köln) ሃገረ ጀርመን ዓቢ ዓወት ተመዝጊቡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ኣዳለውቲ በዓል ንሃገራዊ በዓላት ኤርትራ በተማሳሳሊ መደብ ፕሮግራም ሰሪዖም ከብዕሎ ከም ዝኾኑ ውራየይ ኢሎም ተታሓሒዞምዎ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፡፡